እንታይ ዓይነት ስም ኢዩ ዘለኩም፧
ሓድሓደ ግዜ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ስም” ተባሂላ ዘላ ቓል ነቲ ሓደ ሰብ ብኻልኦት ዘለዎ ተፈላጥነት ኢያ እተመልክት። ንኣብነት: ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ: ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 7:1፣ ምስ ምሳሌ 22:1 ኣረኣእዮ።) ብመሰረት ቃላት ሰሎሞን: ሓደ ሰብ ጽቡቕ ስም ሒዙ ኣይኰነን ዝውለድ። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ናብርኡ ብዘርእዮ ምምልላስ ኢዩ ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ስም ዝረክብ። ስሙ ነቲ ዘለዎ ብሕታዊ ባህርያቱ ማለት ለጋስ ድዩ ስሱዕ: ደንጋጺ ድዩ ጨካን: ትሑት ድዩ ዕቡይ: አረ ጻድቕ ድዩ ሓጥእ ከይተረፈ ዝገልጽ ኢዩ።
ናይ ዳዊት ኣብነት ርአ። ኣብ እዋን ንግስነቱ: ጽኑዕን ነግ ፈረግ ዘይብልን ከም ዝነበረ ኣረጋገጸ። ብዘይካዚውን: ንጌግኡ ብትሕትና ተኣመነ: ካብቲ ርኡይ ሓጢኣቱ ድማ ተናስሐ። ሓደ ነብዪ የሆዋ: ዳዊት “ከም ልቡ [ልቢ ኣምላኽ] ዝበለ ሰብኣይ” ከም ዝነበረ ዝሓበረ ቅቡል ምኽንያት ስለ ዝነበሮ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 13:14) መንእሰይ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድሮ ጽቡቕ ስም ነይርዎ ኢዩ።
ብኣንጻሩ: ኣይሁዳዊ ንጉስ ዮራም ሕማቕ ስም ኢዩ ገዲፉ። ንተገዛእቱ ካብ ኣምልኾ የሆዋ ኣርሓቖም: ንሽዱሽተ ኣሕዋቱን ንገለ ሓላቑ ኣይሁድን እውን ከይተረፈ ቀተሎም። መወዳእትኡ: የሆዋ ንዮራም በቲ ክሳዕ ሞት ዘብጸሖ ዘቐንዙ ሕማም ገይሩ ወቕዖ። መጽሓፍ ቅዱስ: ዮራም “ሓደ እኳ ኸይደለዮ ኸደ” ይብል: ወይ ከምቲ ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ዝገለጾ “ምስ ሞተ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይሓዘነሉን።”—2 ዜና መዋእል 21:20
ናይ ዳዊትን ናይ ዮራምን ናብራ ህይወት ንሓቅነት ናይቲ “መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ: ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ ዘጕልሕ ኢዩ። (ምሳሌ 10:7) ስለዚ እምበኣር: ኵላትና ነቲ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ብጻየይን እንታይ ዓይነት ስም ኢየ ዘትርፍ ዘሎኹ፧’ ዝብል ሕቶ ኣርዚንና ክንሓስበሉ ኣሎና።