ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/8 ገጽ 30-31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ባሩኽ እሙን ጸሓፊ ኤርምያስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ‘ተጠንቀቕ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንሓደ ሓው ለቓሕ ክሓቶ ይግብኣንዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ካብ ትንቢት ኤርምያስ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/8 ገጽ 30-31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዓት ክዀኑን ኣብ ንሓድሕዶም ድማ ምትእምማን ከርእዩን ዝጽዕሩ ክነሶም: ኣብ መንጎኦም ንግዳዊ ውዕል ክገብሩ ከለዉ ናይ ጽሑፍ ስምምዕ ክገብሩ ኣድላዪ ኰይኑ ዝስምዖም ስለምንታይ ኢዩ፧

ከምዚ ምግባሮም: ቅዱስ ጽሑፋዊ: ተግባራዊ: ከምኡውን ፍቕራዊ ኢዩ። ብኸመይ፧ ነቲ ናይ ንግዲ ስምምዓት ሒዝዎ ዘሎ መዳያት እስከ ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ምስቶም ናይ ቃል ኪዳን ህዝቡ: እስራኤላውያን: ዝገበሮ ውዕላት ዝርከቦ ናይ ጽሑፍ መዝገብ ኣለዎ። ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዝገበርዎ ንግዳዊ ውዕላት ድማ ዝሓዘ ኢዩ። ዘፍጥረት ምዕራፍ 23 ክንምርምሮ እንኽእል ሓደ ጸብጻብ ሒዛ ኣላ። ኣብርሃም እታ ዘፍቅራ ሳራ ሰበይቱ ምስ ሞተት: መቕበሪ ቦታ ክረክብ ደለየ። ምስቶም ኣብ ጥቓ ኬብሮን ዝነብሩ ከንኣናውያን ድማ ክወዓዓል ጀመረ። ቍጽሪ 7⁠-9 ነታ ዝደለያ ቃጽዖ መሬት ምሉእ ዋጋ ከፊሉ ክወስዳ ከም ዝሓተተ ይገልጽ። ቍጽሪ 10 ድማ እዚ ብግልጺ: እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ከተማ ዝነበሩ ሰባት እናሰምዑ ከም እተገብረ ተረጋግጽ። ቍጽሪ 13 እቲ ዋና ነታ መሬት ንኣብርሃም ብዘይ ገንዘብ ክወስዳ ከም ዝሓተቶ: ኣብርሃም ግን ነታ መሬት ዓዲጉ ጥራይ ከም ዝወሰዳ ትዛረብ። ቍጽሪ 17, 18 ከምኡውን 20 “ደቂ ሔት እናረአዩ ኣብ ቅድሚ እቶም ብደገ ኸተማኡ ዚአትዉ ዅሎም” ከም ዝረጋገጽ ብምግባር: ኣብርሃም ነታ መሬት ዓዲጉ ከም ዝወሰዳ ይገልጻ።

እቶም ከምዚ ዝበለ ንግዳዊ ውዕላት ዝገብሩ ዘለዉ ሰባት ክልቲኦም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ እንተዀኑኸ እቲ ኵነታት ይፍለ ድዩ፧ ኤርምያስ ምዕራፍ 32 ነዚ መልሲ ትህበና ኢያ። ካብ ቍጽሪ 6 ጀሚርና ምስ እነንብብ: ኤርምያስ ካብ ወዲ ሓወቦኡ ግራት ክዕድግ ከም ዝደለየ ንርኢ። ቍጽሪ 9 ብምሉእ ዋጋ ከም እተሰማምዑ ትሕብር። ሕጂ ቍጽሪ 10⁠-12 ኣንብብ:⁠- “[ኣነ ኤርምያስ] ኣብ መጽሓፍ ጽሒፈ ኸኣ ሐተምክዎ: ምስክር ጸዊዔ ድማ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ። ነታ መጽሓፍ መሸጣ: ነታ ኸም ሕግን ውዑልን ኰይና እተሐትመትን ነታ እተቐልዔትን ወሲደ: እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ: ወዲ ኔርያ ወዲ ማህስያ: ኣብ ቅድሚ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መጽሓፍ መሸጣ እተጻሕፉ ምስክርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን ሀብክዎ።”

እወ: ኤርምያስ ምስ ኣማኒ ብጻዩ: አረ ዘመዱ እውን ከይተረፈ: ይወዓዓል እኳ እንተ ነበረ: ምኽንያታዊ ዝዀነ ሕጋዊ ነገራት ኣማሊኡ ኢዩ። ክልተ እተጻሕፈ መዛግብቲ⁠—​ሓደ እተቐልዐ: ብቐሊሉ ድማ ክትውከሶ ዝከኣል: እቲ ካልኣይ ከኣ ንቕኑዕነት ናይቲ እተቐልዐ ዝምልከት ዝዀነ ይኹን ምጥርጣር ምስ ዝለዓል ዝድግፍ መረጋገጺ ዝህብ እተሓትመ ጽሑፍ⁠—​ተዳለወ። ከምቲ ቍጽሪ 12text adjusted እትብሎ ብምሉኡ እዚ “ኣብ ቅድሚ ዅሎም” ኢዩ ተኻይዱ። ስለዚ ብግልጺ እተገብረ: መሰኻኽር ዘለዉዎ: ሕጋዊ ናይ ንግዲ ውዕል ኢዩ ነይሩ። ብንጹር እምበኣር: ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ንነገራት ብኸምዚ ዝበለ ርግጽን ብሰነድ ዝቐረበን ኣገባብ ገይሮም ክሕዙ ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ ኣለዎም።

ናይ ጽሑፍ ውዕል ምህላው ተግባራዊ እውን ኢዩ። እቲ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ዝብል ኣዘራርባ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና። (መክብብ 9:​11) እዚ ንውፉያትን እሙናትን ክርስትያናት እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ያእቆብ 4:​13, 14 ከምዚ ብምባል ትገልጾ:⁠- “እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፤ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር: ክንነግድን ክንረብሕን ኢና: እትብሉ: ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።” ስለዚ: ከም ምዕዳግ: ስምምዕ እተገብረሉ ስራሕ ወይ ኣገልግሎት ንምሃብ: ወይ ንኻልእ ሰብ ገለ ዓይነት ኣቕሓ ምስራሕ ዝኣመሰለ ፕሮጀክት ንጅምር ንኸውን። ይኹን እምበር ጽባሕ: ወይ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ: ወይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት እንታይ ከጋጥም ኢዩ፧ ንዓና ወይ ነቲ ካልኣይና ሓደጋ እንተ ኣጋጠመናኸ፧ እዚ ነቲ ዝገበርናዮ ስምምዕ ክንፍጽሞ ከም ዘይንኽእል ዝገብር ኢዩ ዝመስል። ንሕና ነቲ ዕዮ ወይ ኣገልግሎት ክንገብሮ እንተድኣ ዘይኪእልና: ወይ ድማ ንሱ ነዚ ገንዘብ ክኸፍሎ ወይ ነቲ ዝገበሮ ስምምዕ ክሕሉ እንተ ዘይከኣለኸ ከመይ ይኹን፧ ናይ ጽሑፍ ስምምዕ እንተድኣ ዘየለ: ቀሊል ዝዀነ ናይ ጽሑፍ ውዕል ብምግባር ክድቅስ ወይ ክእለ ዝኽእል ናይ ሓቂ ግድላት ክለዓል ይከኣል ኢዩ።

ብተወሳኺ ድማ: ብዙሕ ናይ ህይወት መዳያት ሒዝዎ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ዘጠራጥር ስለ ዝዀነ ንግዳዊ ጕዳያትና (ወይ ናይቲ ኻልእ ሰብ) ንኽፍጽም ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ክህሉ ከም ዝኽእል ክንርስዕ የብልናን። ያእቆብ ኣብ ቍጽሪ 14 ከምዚ ብምባል ይውስኽ:⁠- “ንቕሩብ ጊዜ ተርእዩስ: ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም።” ብሓቂ ክርአ ከሎ: ሃንደበት ክንመውት ንኽእል ኢና። ናይ ጽሑፍ ስምምዕ: ውዕል ምህላው: ንሓደ ወገን ትጽቢት ዘይተገብሮ ነገር ምስ ዘጋጥሞ ካልኦት ነቲ ጕዳይ ከካይድዎ ከም ዘኽእሎም ፍሉጥ ኢዩ።

እዚ ድማ: ናብቲ ጽሑፋዊ ውዕል ምግባር ፍቕራዊ ኢዩ ዝብል ሳልሳይ መዳይ ኢዩ ዝመርሕ። ብርግጽ: ኣብቲ ውዕል ዘሎ ዝዀነ ይኹን ወገን ምስ ዝመውት ወይ ከዕይዮ ዘይክእል ድንገት ምስ ዘጋጥሞ: ከም ክርስትያን መጠን ናይ ግዴታታቱ ወይ ክኽፈሎ ትጽቢት ዝገብረሉ እተጻሕፈ መዝገብ ከዳሉ ፍቕራዊ ኢዩ። እንታይ ክገብር ከም ዝግደድ ወይ እንታይ ክቕበል ከም ዘለዎ ብንጹር ዝገልጽ ናይ ጽሑፍ ውዕል ምስ እንገብር ዘይምትእምማን ዘንጸባርቕ ዘይኰነስ: ነቲ ምስኡ ውዕል እንገብር ዘሎና ሓው ፍቕርና ዝገልጽ ኢዩ። እዚ ፍቕራዊ ስጕምቲ እዚ ካብቶም ዘይፍጹማት ዝዀኑ ሰባት ሓዲኦም ንገለ ዝርዝር ናይቲ ውዕል ወይ ሓላፍነታት እንተድኣ ረሲዑ ንሕማቕ ስምዒታት ወይ ንቒም ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ነገር ዝንኪ ኢዩ። ካባና ፍጹም ዝዀነ: ዘይርስዕ: ወይውን ናይቲ ውዕል ዝርዝር ወይ ዕላማ ብጌጋ ናብ ምርዳእ ዘይዘብልከ መን ኣሎ፧​—⁠ማቴዎስ 16:5

እተጻሕፈ ንግዳዊ ስምምዕ ምግባር ንኣሕዋትና: ንስድራ ቤትና: ከምኡውን ብሓፈሻ ነታ ጉባኤ ዘሎና ፍቕሪ ከም ዘንጸባርቕ ዘርኢ ካልእ መገድታት ክንዝርዝር ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ እኹል ዝርዝር ዝሓዘ እተጻሕፈ መዛግብቲ ምህላው ፍቕራዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ተግባራውን ቅዱስ ጽሑፋውን ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ