ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwfq ዓንቀጽ 47
  • ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
  • ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክጥመቕ ዝበቅዕ ምዃነይ ብኸመይ ክፈልጥ እኽእል፧
  • ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ነዚ ስጕምትታት እዚ ኺወስዱ ኣለዎዶ፧
  • ጥምቀትን ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብን
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንኣምላኽ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ዕላማኻ ግበሮ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ንክርስትያናዊ ጥምቀት ምብቃዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ጥምቀት እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ijwfq ዓንቀጽ 47
ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰላም ይብሃሃሉ

ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን እንታይ ከም ዜድሊ የሱስ ገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ይርከብ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሓደ ሰብ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኪኸውን እንተ ደልዩ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ትገልጽ፣ እዚ ድማ፡ ብዛዕባ የሆዋ ምዝራብ ወይ ምምስካር የጠቓልል።

ስጕምቲ 1፦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ . . . ምሃርዎም” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እታ ወደ መዝሙር እትብል ቃል፡ ቃል ብቓሉ “ተምሃራይ” ማለት እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ፡ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ክትነብር ዜኽእለካ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኽንምህረካ ባህ እዩ ዚብለና።—ማቴዎስ 10:7, 8፣ 1 ተሰሎንቄ 2:13።

ስጕምቲ 2፦ ነቲ እትምሃሮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። የሱስ፡ እቶም ዚምሃሩ ዘበሉ፡ ‘ዝኣዘዞ ዅሉ ኺሕልዉ’ ኸም ዘለዎ እውን ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 28:20) ስለዚ፡ እቲ እትገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍልጠት እትረኽበሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣተሓሳስባኻን ባህርያትካን ርኡይ ለውጢ ኽትገብር ዚሓትት እውን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42፣ ኤፌሶን 4:22-29፣ እብራውያን 10:24, 25) እምበኣር፡ እቶም ትእዛዛት የሱስ ዚሕልዉ ንዕኡ ኺስዕቡ ብምውሳን፡ ህይወቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኪውፍዩ ይለዓዓሉ እዮም።—ማቴዎስ 16:24።

ስጕምቲ 3፦ ተጠመቕ። (ማቴዎስ 28:19) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥምቀት ምስ ምቕባር ተተሓሒዙ ኣሎ። (ምስ ሮሜ 6:2-4 ኣረኣኢ።) ብናይ ቀደም ናብራ ህይወት ሞይትካ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመርካ እዩ ዜመልክት። ጥምቀትካ ድማ፡ ነተን የሱስ ዝገለጸን ቀዳሞት ክልተ ስጕምቲ ኸም ዝወሰድካን ኣምላኽ ንጹህ ሕልና ኺህበካ ትሓትት ከም ዘለኻን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እተርእየሉ ኣጋጣሚ እዩ።—እብራውያን 9:14፣ 1 ጴጥሮስ 3:21።

ክጥመቕ ዝበቅዕ ምዃነይ ብኸመይ ክፈልጥ እኽእል፧

ንሽማግለታት ጉባኤ ኣዛርቦም። ንሳቶም፡ ጥምቀት እንታይ ከም ዜጠቓልል ተረዲኡካ እንተ ዀይኑን ነቲ እተምሃርካዮ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ እንተ ኣሊኻን ርእስኻ ብፍቓድካ ንኣምላኽ ወፊኻ እንተ ዄንካን ንምርግጋጽ ኬመይይጡኻ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ 1 ጴጥሮስ 5:1-3።

ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ነዚ ስጕምትታት እዚ ኺወስዱ ኣለዎዶ፧

እወ። ንደቅና ኸምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ኢና እነዕብዮም። (ኤፌሶን 6:4) ይኹን እምበር፡ ምስ ዓበዩ፡ ቅድሚ ምጥማቖም፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃሩን ኪቕበሉን ኣብ ግብሪ ኼውዕሉን ብርእሶም ውሳነ ኺገብሩ ኣለዎም። (ሮሜ 12:2) ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ንኣምልኾ ብዚምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ እዩ ኺገብር ዘለዎ።—ሮሜ 14:12፣ ገላትያ 6:5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ