-
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይስበኽ ኣሎ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
ትምህርቲ 21
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይስበኽ ኣሎ፧
የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ፡ ንዅሉ ጸገማትና ኼወግዶ እዩ። ነዚ ኣዝዩ ጥዑም ብስራት እዚ፡ ንበይንና ኽንሕዞ ኣይግባእን እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ መልእኽቱ ንዅሉ ሰብ ኪነግሩ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እሞ ደኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትእዛዝ የሱስ ብኸመይ ይፍጽምዎ ኣለዉ፧
1. ሎሚ ማቴዎስ 24:14 ብኸመይ ትፍጸም ኣላ፧
የሱስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ . . . ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ኢሉ ተነብዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ተሓጒሶም ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብ ብዘላ ዓለም ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ ኣለና! እዚ ዓብዪ ዕዮ እዚ፡ ብዙሕ ጻዕርን ውዳበን ይሓትት እዩ። ብዘይ ሓገዝ የሆዋ፡ ኪግበር ኣይከኣልን እዩ።
2. ንሰባት ምእንቲ ኽንሰብከሎም፡ እንታይ ጻዕርታት ንገብር ኣለና፧
ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዅሉ ቦታታት ንሰብኽ ኢና። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ “በቤት” ንሰብኽ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42) እዚ ብስርዓት ክንሰብኽ ዜኽእለና ሜላ፡ ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት ሰባት ክንረክብ የኽእለና እዩ። ሰባት ወትሩ ኣብ ኣባይቶም ስለ ዘይርከቡ ግና፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት እውን ንሰብኽ ኢና። ብዛዕባ የሆዋን ዕላማኡን ንምንጋር፡ ወትሩ ኣጋጣሚታት ነናዲ ኢና።
3. መን እዮም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ሓላፍነት ዘለዎም፧
ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ ሓላፍነትና እዚ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኸም ዘሎ ስለ እንፈልጥ፡ ብሕታዊ ዅነታትና ብዜፍቅደልና መጠን ንሰብኽ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 4:16 ኣንብብ።) ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕያይ ኣይክፈለናን እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ይብለና እዩ። (ማቴዎስ 10:7, 8) ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ንመልእኽትና ዚቕበሎ። እንተዀነ ግና፡ ስብከት ክፍሊ ኣምልኾና ስለ ዝዀነ፡ ንየሆዋ እውን ስለ ዜሐጕሶ፡ ብቐጻሊ ንሰብኽ ኢና።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ንምስባኽ ዚገብርዎ ጻዕርታት ፍለጥ፣ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ድማ ርአ።
ኣብ በበይኑ ኽፋላት ዓለም ዚግበር ስብከት፦ (ሀ) ኮስታ ሪካ፡ (ለ) ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ (ሐ) በኒን፡ (መ) ታይላንድ፡ (ረ) ያፕ፡ (ሰ) ሽወደን
4. ንዅሎም ሰባት ንምርካብ ብዙሕ ንጽዕር ኢና
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ንዚርከቡ ሰባት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ፍሉይ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምስባኽ ዚገብርዎ ጻዕሪ እንታይ መሲጡካ፧
ማቴዎስ 22:39ን ሮሜ 10:13-15ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኣገልግሎትና ንብጻይና ፍቕሪ ኸም ዘሎና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
የሆዋ ብዛዕባ እቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ እንታይ ይስምዖ፧—ፍቕዲ 15 ርአ።
5. መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና
የሆዋ ንዕዮና ይመርሖ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ብዙሕ ተመክሮታት ተራእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ኒው ዚላንድ፡ ፖል ዚስሙ ሓው ኣብ በቤት ከይዱ እናኣገልገለ ኸሎ፡ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ተራኸበ። እታ ሰበይቲ ድማ በታ ንግሆ እቲኣ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ጠቒሳ ብምጽላይ፡ ሰብ ኪሰድደላ ለሚና ነይራ እያ። ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ፖል ኪገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት፡ ኣነ ናብ ገዛኣ ኸይደ” ይብል።
ቀዳማይ ቈረንቶስ 3:9 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ከምቲ ኣብ ኒው ዚላንድ እተረኽበ ዝኣመሰለ ተመክሮታት፡ የሆዋ ነቲ ዕዮ ስብከት ይመርሖ ኸም ዘሎ ዜርእየና ብኸመይ እዩ፧
ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣገልግሎትና ንምፍጻም ሓገዝ የሆዋ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
ትፈልጥዶ፧
ኣብ ሰሰሙን፡ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን፡ ንስብከት ዚሕግዘና ስልጠና ይውሃበና እዩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ ኣኼባታት እዚ ተኣኪብካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ እቲ ስልጠና ኸመይ እዩ ትብል፧
6. ነቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ዝሃበና ትእዛዝ ንሕሉ ኢና
ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ተጻረርቲ ንሰዓብቲ የሱስ ከይሰብኩ ኺዓግትዎም ፈቲኖም ነይሮም እዮም። ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ‘ነቲ ብስራት ብሕጊ ብምስራት፡’ ኪሰብኩ ዘለዎም መሰል ተማጒቶምሉ እዮም። (ፊልጲ 1:7) ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምኡ ይገብሩ እዮም።a
ግብሪ ሃዋርያት 5:27-42 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ስለምንታይ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ዚኸዱ፧”
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ጽማቝ
የሱስ ንሰዓብቱ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ ኪሰብኩ ኣዚዝዎም እዩ። የሆዋ ንህዝቡ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኺዓይዩ ይሕግዞም ኣሎ።
ክለሳ
እቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ብኸመይ ይስበኽ ኣሎ፧
ኣገልግሎትና ንብጻይና ፍቕሪ ኸም ዘሎና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
ስብከት ዜሐጕስ ዕዮዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
ዳህስስ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ብኸመይ ከም ዚሰብኩ ርአ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስደተኛታት ንምሕጋዝ እንታይ ገይሮም፧
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ህይወት ምዃኑ፡ ካብ ኣፍ ሓንቲ ነዚ ዝረኣየት ውልቀ ሰብ ስማዕ።
ብዛዕባ እቲ ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘደንፍዐ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ እተረኽበ ዓወታት ፍለጥ።
“ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጕዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ የቕርቡ” (መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!፡ ምዕራፍ 13)
a ክንሰብኽ ትእዛዝ ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ካብ ሰብኣውያን ሰበ ስልጣን ፍቓድ ኣየድልዮምን እዩ።
-
-
ጥምቀት—ኣገዳሲ ሸቶ!ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
ትምህርቲ 23
ጥምቀት—ኣገዳሲ ሸቶ!
የሱስ ክርስትያናት ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ ጥምቀት እንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብ ናብቲ ሸቶ እቲ ንምብጻሕከ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧
1. ጥምቀት እንታይ እዩ፧
እታ “ምጥማቕ” እትብል ቃል፡ ኣብ ማይ “ምጥላቕ” ካብ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እያ መጺኣ። የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ጠለቐ፣ ድሕሪኡ፡ “ካብ ማይ . . . ወጸ።” (ማርቆስ 1:9, 10) ብተመሳሳሊ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ብምጥላቕ ወይ ብምጥሓል እዮም ዚጥመቑ።
2. ጥምቀት እንታይ የርኢ፧
ሓደ ሰብ ኪጥመቕ ከሎ፡ ርእሱ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝወፈየ እዩ ዜርኢ። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ርእሱ ዚውፊ፧ ቅድሚ ምጥማቑ፡ ብውልቁ ናብ የሆዋ ኣብ ዜቕርቦ ጸሎት፡ ንዕኡ ንዘለኣለም ኬገልግሎ ኸም ዚደሊ ይነግሮ። ንየሆዋ በይኑ ኸም ዜምልኾን ፍቓዱ ምግባር ኣብ ህይወቱ ቐዳማይ ቦታ ኸም ዚህቦን ከኣ ይመባጻዕ። ነቲ የሱስ “ርእሱ ቐቢጹ፡ . . . ብቐጻሊ ይስዓበኒ” ኢሉ ዝሃቦ መምርሒ ብምሕላው፡ ትምህርትታትን ኣብነትን የሱስ ንምስዓብ ይውስን። (ማቴዎስ 16:24) ወፈያኡን ጥምቀቱን ከኣ ምስ የሆዋን ምስ ክርስትያናት ብጾቱን ናብ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርት የኽእሎ።
3. ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ ናብ ጥምቀት ዕቤት ኪገብር ይኽእል፧
ንጥምቀት ምእንቲ ኽትዳሎ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኽትምሃርን ኣብኡ እምነት ክትሃንጽን ኣሎካ። (እብራውያን 11:6 ኣንብብ።) ፍልጠትካን እምነትካን እናዓበየ ምስ ከደ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ እውን ኪዓቢ እዩ። ብዛዕባኡ ንምስባኽን ብመለክዒታቱ ንምምልላስን እውን ድሌት ከተሕድር ኢኻ። (2 ጢሞቴዎስ 4:2፣ 1 ዮሃንስ 5:3) ሓደ ሰብ ‘ንየሆዋ ዚበቅዕ ኰይኑ ዚመላለስን ብዅሉ ንዕኡ ዜሐጕሶን’ እንተ ዀይኑ፡ ህይወቱ ንኣምላኽ ወፍዩ ንምጥማቕ ኪውስን ይኽእል እዩ።—ቈሎሴ 1:9, 10።a
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ካብ ጥምቀት የሱስ እንታይ ከም እንምሃርን ሓደ ሰብ ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ብኸመይ ከም ዚዳሎን ርአ።
4. ካብ ጥምቀት የሱስ እንረኽቦ ትምህርቲ
ብዛዕባ ጥምቀት የሱስ ብዝርዝር ንምፍላጥ፡ ማቴዎስ 3:13-17 ኣንብብ። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
የሱስ ኪጥመቕ ከሎ ሕጻን ድዩ ነይሩ፧
ብኸመይ እዩ ተጠሚቑ፧ ማይ ድዩ ተነጺጉሉ፧
የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዝሃቦ ፍሉይ ዕዮ ኺዓዪ ጀሚሩ እዩ። ሉቃስ 3:21-23ን ዮሃንስ 6:38ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ኣብ ህይወቱ ነየናይ ዕዮ እዩ ቐዳምነት ሂብዎ፧
5. ጥምቀት ኪብጻሕ ዚከኣል ሸቶ እዩ
ወፈያን ጥምቀትን ዚብል ሓሳብ፡ ፈለማ ልዕሊ ዓቕምካ ኺመስለካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ በብቝሩብ ዕቤት ምስ እትገብር፡ ብምትእምማን ነዚ ኣገዳሲ ውሳነ እዚ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ገለ ኻብቶም ከምኡ ዝገበሩ ሰባት ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት።
ዮሃንስ 17:3ን ያእቆብ 1:5ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሓደ ሰብ ንጥምቀት ድሉው ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧
ሀ. ንየሆዋ ንዘለኣለም ከነገልግሎ ኸም እንደሊ ብምንጋር፡ ርእስና ንዕኡ ንውፊ ኢና
ለ. ክንጥመቕ ከለና፡ ርእስና ንኣምላኽ ከም ዝወፈና፡ ንተዓዘብቲ ነርኢ ኢና
6. ምስ ተጠመቕና፡ ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ንኸውን
ምስ ተጠመቕና፡ ክፍሊ እቲ ሓድነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ኢና እንኸውን። ካብ እተፈላለየ ዓድታት ወይ ድሕረ ባይታ ዝመጻእና እኳ እንተ ዀንና፡ ብሕደ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኢና እንመላለስ። መዝሙር 25:14ን 1 ጴጥሮስ 2:17ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ጥምቀት ነቲ ሓደ ሰብ ምስ የሆዋን ምስ ካልኦት ኣምለኽቲ የሆዋን ዘለዎ ብሕታዊ ርክብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንጥምቀት ኣይተዳሎኹን።”
ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ጥምቀት ብሕጂ እውን ኣገዳሲ ሸቶ ኸም ዝዀነዶ ይመስለካ፧
ጽማቝ
የሱስ ክርስትያናት ኪጥመቑ ኸም ዚግባእ ምሂሩ። ሓደ ሰብ ነቲ ሸቶ እቲ ንምብጻሕ፡ ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ኪሃንጽ፡ ብመለክዒታት የሆዋ ኺመላለስ፡ ርእሱ እውን ንየሆዋ ኺውፊ ኣለዎ።
ክለሳ
ጥምቀት እንታይ እዩ፧ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ መንጎ ወፈያን ጥምቀትን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧
እንታይ ስጕምትታት እዩ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ዜብጽሕ፧
ዳህስስ
ጥምቀት እንታይ ከም ዝዀነን እንታይ ከም ዘይኰነን ተምሃር።
ሰብ ናብ ጥምቀት ዕቤት ኪገብረሉ ዚኽእል መገድታት ከልስ።
ሓደ ሰብኣይ ንጥምቀት ዝገበሮ ውሳነ ኣብ ስምዒት ጥራይ እተመርኰሰ ኸም ዘይኰነ ኣንብብ።
ጥምቀት ስለምንታይ ኣገዳሲ ሸቶ ኸም ዝዀነን ንዕኡ ብኸመይ ክትዳሎ ኸም እትኽእልን ርአ።
a ሓደ ሰብ ኣብ ካልእ ሃይማኖት ተጠሚቑ እንተ ነይሩ፡ ዳግም ኪጥመቕ የድልዮ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እታ ሃይማኖት እቲኣ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣይትምህርን እያ።—ግብሪ ሃዋርያት 19:1-5ን ትምህርቲ 13ን ርአ።
-