ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w20 ሕዳር ገጽ 2-7
  • ትእዛዛት ክርስቶስ ኪሕልዉ ብኸመይ ንሕግዞም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትእዛዛት ክርስቶስ ኪሕልዉ ብኸመይ ንሕግዞም፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትእዛዛት ክርስቶስ ኪሕልዉ ንምሃሮም
  • ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ፡ እታ ጉባኤ ብኸመይ ትሕግዝ፧
  • ንዘይንጡፋት ከም ብሓድሽ ኣብ ስብከት ኪሳተፉ ንሓግዞም
  • ነቲ ብሕድሪ እተዋህበና ዕዮ ኽንፍጽሞ ንደሊ ኢና
  • “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ቀዳማይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ‘ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ምሃርዎም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
w20 ሕዳር ገጽ 2-7

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 45

ትእዛዛት ክርስቶስ ኪሕልዉ ብኸመይ ንሕግዞም፧

“ስለዚ፡ ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም።”—ማቴ. 28:19, 20።

መዝሙር 89 ክትባረኽ ተኣዘዝ

መላለዪa

1. ብመሰረት ማቴዎስ 28:18-20፡ የሱስ እንታይ ትእዛዝ እዩ ዝሃበ፧

የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ኣብ ገሊላ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። ንዓታቶም ዚነግሮም ኣገዳሲ ነገር ነይርዎ እዩ። እንታይ እዩ ነይሩ፧ ቃላቱ ኣብ ማቴዎስ 28:18-20 ተመዝጊቡ ኣሎ።—ኣንብብ።

2. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 እቲ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሎሚ ዘሎ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እውን ይምልከቶ እዩ። እምበኣር፡ ምስቲ የሱስ ዝሃበና ዕዮ ዚተሓሓዝ ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንመርምር። ቀዳማይ፡ ንሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልዮ ብቕዓታት ኣብ ርእሲ ምምሃርና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ካልኣይ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም ኣስፋሕቲ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣበርክቶ ኺገብሩ ይኽእሉ፧ ሳልሳይ፡ ንዘይንጡፋት ብጾትና ከም ብሓድሽ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኺሳተፉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

ትእዛዛት ክርስቶስ ኪሕልዉ ንምሃሮም

3. የሱስ ኣብ ትእዛዙ እንታይ ንጹር መምርሒ እዩ ሂቡ፧

3 የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ንጹር እዩ። ንሰባት ትእዛዛቱ ኺሕልዉ ኽንምህሮም ኣሎና። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኽንርስዕ የብልናን። የሱስ፡ ‘ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ምሃርዎም’ ኣይኰነን ኢሉ። የግዳስ፡ “ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . ምሃርዎም” እዩ ኢሉ። ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህር ከለና ነዚ መምርሒ እዚ ምእንቲ ኽንትግብር፡ መምህራን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብተግባር እናኣርኣና ኽንመርሖ ኣሎና። (ግብ. 8:31) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር ዜድልየና፧

4. ትእዛዝ ምሕላው ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

4 ትእዛዝ ‘ምሕላው’ ኪብሃል ከሎ፡ ተግባራትካ ምስቲ ትእዛዝ ምስምማዕ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ነቲ ክርስቶስ ዝኣዘዞ ብኸመይ ከም ዚሕሉ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ነዚ ኣብነት እዚ እስከ ንርአ። ሓደ ምምራሕ ማኪና ዚምህር መምህር፡ ንተምሃራዩ ሕግታት ትራፊክ ኪሕሉ ብኸመይ እዩ ዚምህሮ፧ እቲ መምህር ፈለማ ነቲ ሕግታት ትራፊክ ኣብ ክፍሊ ይምህሮ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ንተምሃሮኡ ነቲ ሕግታት ብኸመይ ከም ዚሕልውዎ ንምምሃር፡ ካልእ ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዎ። ምስቶም ተምሃሮኡ ማካይን ኣብ ዚውሕዛሉ ጐደናታት ኪኸይድን ነቲ እተማህርዎ ብግብሪ ኼርእዮምን ኣለዎ። ካብዚ ኣብነት እዚ እንታይ ንምሃር፧

5. (ሀ) ብመሰረት ዮሃንስ 14:15ን 1 ዮሃንስ 2:3ን፡ ንተምሃሮና እንታይ ኢና ኽንምህሮም ዘሎና፧ (ለ) ንተምሃሮና ኸመይ ጌርና ብተግባር ከም እንምህሮም ኣብነት ሃብ።

5 ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሓሎም ከለና፡ ኣምላኽ ኬማልእዎ ዚደልዮም ብቕዓታት ኢና እንምህሮም። ካብዚ ንላዕሊ ግና ክንገብር ኣሎና። ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት፡ ነቲ እተማህርዎ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ኪትግብርዎ ኽንምህሮም ኣሎና። (ዮሃንስ 14:15፣ 1 ዮሃንስ 2:3 ኣንብብ።) ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ነቲ መሰረታዊ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ከመይ ገይሮም ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ግዜ ምዝንጋዕ ኪትግብርዎ ኸም ዚኽእሉ ብኣብነት ከነርእዮም ንኽእል ኢና። ብስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ካብ ጕድኣት ብኸመይ ከም ዘዕቈበና ወይ ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብር ብኸመይ ከም ዝሓገዘና ዜርኢ ኣብ ህይወትና ዘጋጠመና ነገር ክንነግሮም ንኽእል ኢና። ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺምርሑ ድማ፡ እናሰምዑና ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 16:13።

6. ንሰባት ትእዛዛት የሱስ ኪሕልዉ ምምሃር ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ የጠቓልል፧

6 ንሰባት ትእዛዛት የሱስ ኪሕልዉ ምምሃር ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ የጠቓልል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንእንምህሮም ሰባት፡ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ባህጊ ኼማዕብሉ ኽንሕግዞም ኣሎና። ገሊኦም ተምሃሮ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍ ዚብልዎ ሓሳብ የፍርሆም እዩ። ስለዚ፡ ንግንዛበኦም ዜስፍሕን ንልቦም ዚትንክን ንተግባር ዜለዓዕሎምን ትምህርቲ ኽንህቦም ከለና፡ ትዕግስቲ ኽንገብር ኣሎና። እሞ ደኣ ተምሃሮና ነቲ ብስራት ናይ ምንጋር ባህጊ ምእንቲ ኼማዕብሉ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

7. ሓደ ተምሃራይ ነቲ ብስራት ናይ ምንጋር ባህጊ ምእንቲ ኼማዕብል፡ ከመይ ጌርና ኽንሕግዞ ንኽእል፧

7 ንተምሃራይና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና፦ “መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕባልካ፡ ንህይወትካ ብኸመይ ኣመሓይሽዎ፧ ካልኦት ነዚ መልእኽቲ እዚ ኺሰምዕዎ ዜድልዮምዶ ይመስለካ፧ እሞ ደኣ ንምሕጋዞም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧” (ምሳ. 3:27፣ ማቴ. 9:37, 38) ብዘይካዚ፡ ንተምሃራይካ፡ እቲ ኽፍሊ ናውቲ ትምህርቲ ዝዀነ ትራክትታትና ኣርእዮ፣ ንቤተ ሰቡ፡ ንኣዕሩኹ፡ ወይ ንመሳርሕቱ ኣየኖት ኸም ዚዀናኦም ኪመርጽ ሕተቶ። ድሕርዚ፡ ቅዳሓት እተን ትራክትታት ሃቦ። ከመይ ገይሩ ትራክት ብሜላ ኸም ዜበርክት ኣለማምዶ። ተምሃራይና ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኪኸውን ምስ በቕዐ ኸኣ፡ ኣብ ጐድኑ ዄንና ብኸመይ ከም ዚሰብኽ ክንሕግዞ ንደሊ ኢና።—መክ. 4:9, 10፣ ሉቃ. 6:40።

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ፡ እታ ጉባኤ ብኸመይ ትሕግዝ፧

8. ተምሃራይና ንኣምላኽን ንሰባትን ሓያል ፍቕሪ ኼማዕብል ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (“ነቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ብኸመይ ነዕምቖ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

8 የሱስ፡ “ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . ምሃርዎም” ከም ዝበለና ኽንርስዕ የብልናን። እዚ ድማ ነተን ምስ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ዚተኣሳሰራ ኽልተ ዓበይቲ ትእዛዛት፡ ማለት ፍቕሪ ንኣምላኽን ፍቕሪ ንብጻይናን የጠቓልል። (ማቴ. 22:37-39) እቲ ምትእስሳር ደኣ እንታይ እዩ፧ ኣብ ዕዮ ስብከት ክንሳተፍ ዚድርኸና ቐንዲ ምኽንያት ፍቕሪ እዩ፡—ፍቕሪ ንኣምላኽን ፍቕሪ ንሰባትን። ንገሊኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍ ኬፍርሆም ይኽእል እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ግና ንፍርሂ ሰብ በብቝሩብ ከም ዜሰንፍዎ ኸነረጋግጸሎም ንኽእል ኢና። (መዝ. 18:1-3፣ ምሳ. 29:25) እታ ምስዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተተሓሒዛ ዘላ ሳጹን፡ ተምሃራይና ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ምእንቲ ኼዕቢ ንምሕጋዙ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ትገልጽ። ብዘይካዚ ግና፡ እታ ጉባኤ ንሓድሽ ወደ መዝሙር ፍቕሩ ኼዕቢ ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ነቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ብኸመይ ነዕምቖ፧

ሓንቲ ሓብቲ ንተምሃሪታ ኸተጽንዓ ኸላ፡ ቪድዮ ተርእያ።

ሕጡብ ጽሑፍ  8 ርአb

ኬንብቡ ኣተባብዓዮም

እታ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እናተወከሰት መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ።

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዋላ እውን ኣብ መዓልቲ ንሒደት ደቓይቕ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ኣተባብዓዮም። መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሃቦም። (ኪሕተም ዚኽእል “መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ” ርአ። ኣብ jw.org፡ ኣብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ናውቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ርአ።) ነቲ መእተዊ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ቪድዮታት ኪርእዩ ኣተባብዓዮም፣ እቲ ቪድዮታት ኣብ ወብሳይትና ኣበይ ከም ዚርከብ ድማ ኣርእዮም።

ኬስተንትኑ ሓግዞም

እታ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዘንበበቶ ተስተንትን።

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንቓል ኣምላኽ ኬስተንትኑሉ ሓግዞም። ኣብ ቅድሚት ሸነኽ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ “መእተዊ ቓል ኣምላኽ” ኣብ ዘርእስቱ ኽፋል ዘላ፡ “ከመይ ጌርካ ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧” እትብል ሕቶ 20 ኣርእዮም። እተን ኣብኡ ዘለዋ ኣርባዕተ ሕቶታት፡ ኬስተንትኑ ይሕግዛኦም እየን። ነዚ ሜላ እዚ ብግብሪ ምእንቲ ኸተርእዮም፡ ብሓባር ኴንኩም እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምንባብ፡ ነተን ኣርባዕተ ሕቶታት መልስወን። ነዚ ሜላ እዚ እንተ ምሂርናዮም፡ ባዕሎም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሃብቲ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ሓጐስ የምጽኣሎም፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኪቐርቡ እውን የኽእሎም።

ኪጽልዩ ምሃሮም

እታ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ትጽሊ።

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብ የሆዋ ኺጽልዩ ምሃሮም፣ ኣብ ጸሎቶም እንታይ ኪብሉ ኸም ዚኽእሉ እውን ኣረድኣዮም። ናብ የሆዋ ምጽላይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግላጽ፡ ከም እኒ መዝሙር 25:4, 5፣ 1 ዮሃንስ 5:14, 15 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ተጠቐም። ቅድሚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ድሕሪኡን ክትጽሊ ኸለኻ፡ ዝርዝር ሓሳባት ጥቐስ። ንተምሃራይካ ኻብ ልቢ ኸም እትግደሰሉ ዜንጸባርቕ ሓሳባት ግለጽ። እቲ እነቕርቦ ልባዊ ጸሎት ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ዚገልጽ እንተ ዀይኑ፡ ተምሃራይና እውን ናብ ኣምላኽ ልባዊ ጸሎት ንምቕራብ ኪድረኽ እዩ። ከምዚ ዝበለ ጸሎት ዜቕርብ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኺእዘዞን ትእዛዛት ክርስቶስ ኪስዕብን ድሌት ኬማዕብል እዩ።

9. እቲ ምምራሕ ማኪና ዚምሃር ተምሃራይ ብኸመይ እዩ ኣገዳሲ ትምህርትታት ዚምሃር፧

9 ብዛዕባ እቲ ምምራሕ ማኪና ዚምሃር ተምሃራይ እሞ ዳግም ሕሰብ። እቲ ተምሃራይ ምስ መምህሩ ዀይኑ ኣብቲ ብዙሓት ማካይን ዚርከባኦ ጐደና ኺዝውር ከሎ፡ ብኸመይ እዩ ዚምሃር፧ ነቲ መምህሩ ብምስማዕን ንኻልኦት መራሕቲ ማካይን ብምዕዛብን እዩ ዚምሃር። ንኣብነት፡ እቲ መምህር፡ ንኻልኦት ኬቐድም ፍቓደኛ ንዝዀነ መራሕ ማኪና የርእዮ ይኸውን። ወይ ከኣ ፊት ንፊቱ ንዚመጹ መራሕቲ ማካይን ከይደጕሕ ኢሉ መብራህቱ ንዝነከየ መራሕ ማኪና የመልክተሉ ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት ነቲ ተምሃራይ፡ ማኪና ኺዝውር ከሎ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ዚኽእል ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺረክብ የኽእሎ እዩ።

10. እንታይ ነገራት እዩ ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብር ዚሕግዞ፧

10 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መገዲ ህይወት ኪጐዓዝ ዚጅምር ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ መምህሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ኻልኦት ኣገልገልቲ የሆዋ ዜርእይዎ ሰናይ ኣብነታት እውን ይምሃር እዩ። እሞ ደኣ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ እንታይ እዩ ኣጸቢቑ ኺሕግዞም ዚኽእል፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ። ስለምንታይ፧ እቲ ኣብቲ ኣኼባታት ዚቐርብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ንፍልጠቶም የዕምቖ፡ ንእምነቶም የድልድሎ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ድማ የዕብዮ እዩ። (ግብ. 15:30-32) ብተወሳኺ፡ እቲ መምህር ንተምሃራዩ ምስቶም ምስኡ ሓባራዊ ነገር ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ኬላልዮ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ እቲ ተምሃራይ ኣብ ጉባኤ እንታይ ኣብነታት ክርስትያናዊ ፍቕሪ እዩ ብግብሪ ኺርኢ ዚኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ንርአ።

11. ተምሃሮ ኣብ ጉባኤ እንታይ ኣብነታት እዮም ኬስተብህሉ ዚኽእሉ፧ እዚኸ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረሎም ይኽእል፧

11 ንኣብነት፡ ሓንቲ በይና ንደቃ እተዕቢ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተመሳሳሊ ዅነታት ዘለዋ ክርስትያን ሓብቲ ትርኢ። እታ ሓብቲ ንደቃ ሒዛ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ እትገብሮ ጻዕሪ ድማ ነታ ተምሃሪት ልባ ይትንክያ። ሓደ ምትካኽ ሽጋራ ኺሓድጎ ዚቃለስ ተምሃራይ፡ ምስ ሓደ ተመሳሳሊ ቓልሲ ነይርዎ ዘሰነፈ ኣስፋሒ ይላለ። እቲ ኣስፋሒ ድማ ነቲ ተምሃራይ፡ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ምዕባዩ ንትእዛዛቱ ኺሕሉ ብኸመይ ከም ዝደረኾ ይነግሮ። (2 ቈረ. 7:1፣ ፊል. 4:13) እቲ ተምሃራይ ንተመክሮ እቲ ኣስፋሒ ድሕሪ ምስማዑ፡ መምህሩ “ምትካኽ ክትሓድጎ ትኽእል ኢኻ” ኺብሎ ኸሎ ዝያዳ ርእሰ ምትእምማን የሕድር። ሓንቲ መንእሰይ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓንቲ ሕጕስቲ ዝዀነት ናይ የሆዋ ምስክር ተስተብህለላ። ስለምንታይ ወትሩ ሕጕስቲ ኸም ዝዀነት ከኣ ክትፈልጥ ትደሊ።

12. ኣብ ጉባኤ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሕጋዝ ግደ ኣለዎ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

12 ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እተፈላለዩ እሙናት ኣስፋሕቲ ምስ ዚፋለጡ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ከነፍቅር እተዋህበ ትእዛዝ ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዚሕልውዎ ኻብ ኣብነቶም ይምሃሩ እዮም። (ዮሃ. 13:35፣ 1 ጢሞ. 4:12) ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኸኣ፡ ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቶም ከም ናቱ ዓይነት ጸገማት ዜሕልፉ ኣስፋሕቲ ኺምሃር ይኽእል እዩ። ወደ መዝሙር ክርስቶስ ንምዃን ኪገብሮ ዘለዎ ለውጥታት እውን ይምሃር እዩ። (ዘዳ. 30:11) ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ፡ ንመንፈሳዊ ዕቤት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ መገዲ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:16) እሞ ደኣ ናብ ኣኼባታት ንዚመጹ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትብባዕ ብብሕትኻ እንታይ ጻዕርታት ኢኻ እትገብር፧

ንዘይንጡፋት ከም ብሓድሽ ኣብ ስብከት ኪሳተፉ ንሓግዞም

13-14. የሱስ ነቶም ዝጐሃዩ ሃዋርያቱ ብኸመይ እዩ ሒዝዎም፧

13 ንዘይንጡፋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብቲ ክርስቶስ ዝሃበና ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኺሳተፉ ኽንሕግዞም ንደሊ ኢና። ካብቲ የሱስ ንዝጐሃዩ ሃዋርያቱ ዝሓዘሉ መገዲ፡ ሎሚ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ንምሃር ኢና።

14 የሱስ ዚሞተሉ ግዜ ምስ ቀረበ፡ “ኵላቶም” ሃዋርያቱ “ሓዲጎምዎ ሃደሙ።” (ማር. 14:50፣ ዮሃ. 16:32) እሞ ደኣ የሱስ ነቶም ንግዜኡ ደኺሞም ዝነበሩ ሃዋርያቱ ብኸመይ እዩ ሒዝዎም፧ ደድሕሪ ምትንሳኡ፡ ንገሊአን ሰዓብቱ፡ “ኣይትፍርሃ! ኪዳ፡ ንኣሕዋተይ [ከም ዝተንሳእኩ] ንገራኦም” ኢልወን እዩ። (ማቴ. 28:10ሀ) የሱስ ብሃዋርያቱ ተስፋ ኣይቈረጸን። ዋላ እኳ እንተ ሓደግዎ፡ “ኣሕዋተይ” ኢሉ እዩ ጸዊዕዎም። ከም የሆዋ፡ መሓርን ይቕረ በሃልን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።—2 ነገ. 13:23።

15. ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ዝሓደጉ ኸመይ ይስምዓና፧

15 ንሕና እውን ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ዝሓደጉ ሰባት ብዙሕ ንሓልየሎም ኢና። ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዮም፣ ንፈትዎም እውን ኢና። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ብፍቕሪ ተደሪኾም ዝገበርዎ ነገራት ኣይንርስዖን ኢና፣ ገሊኦም ንሓያሎ ዓመታት እዮም ኣገልጊሎም። (እብ. 6:10) ካብ ልቢ ንናፍቖም ኢና! (ሉቃ. 15:4-7) እሞ ደኣ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ንዓታቶም ዘሎና ሓልዮት ብኸመይ ክንገልጽ ንኽእል፧

16. ንዘይንጡፋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ሓልዮት ብኸመይ ክንገልጽ ንኽእል፧

16 ናብ ኣኼባ ብውዕዉዕ መንፈስ ዓድሞም። ሓደ ኻብቲ የሱስ ነቶም ዝጐሃዩ ሃዋርያቱ ዘተባብዓሉ መገዲ፡ ናብ ኣኼባ ብምዕዳም እዩ። (ማቴ. 28:10ለ፣ 1 ቈረ. 15:6) ሎሚ እውን ነቶም ናብ ኣኼባታት ዘይመጹ ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ኽንዕድሞም ንኽእል ኢና። ነቲ ዕድመና ቕድሚ ምቕባሎም፡ ምናልባት ደጋጊምና ኽንዕድሞም የድሊ ይኸውን። የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ዕድሚኡ ኣኽቢሮም ከም ዝመጹ ምስ ረኣየ፡ ብዘይጥርጥር ተሓጒሱ እዩ።—ምስ ማቴዎስ 28:16ን ሉቃስ 15:6ን ኣረኣኢ።

17. ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ናብ ኣኼባ ምስ ዚመጽእ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

17 ካብ ልቢ ሓንጐፋይ ኢልካ ተቐበሎም። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ እተራኸበሉ እዋን፡ ብጽቡቕ ተቐቢልዎም እዩ፣ ንሱ ተበግሶ ወሲዱ ተዛሪብዎም እዩ። (ማቴ. 28:18) እሞኸ ሓደ ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ዚመጽእ፡ እንታይ ኢና እንገብር፧ ብተበግሶና ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎ ኣሎና። ኣብ ፈለማ፡ እንታይ ከም እንብል ንጭነቕ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ከም ዚሽቝረር ከይገበርና፡ ብምምጻኡ ሓጐስና ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና።

18. ንዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ኸመይ ጌርና ኸነተባብዖም ንኽእል፧

18 ናይ ሓቂ መተባብዒ ሃቦም። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ እቲ ኣብ ኵላ ዓለም ኪሰብኩ እተዋህቦም መዝነት ልዕሊ ዓቕሞም ከም ዝዀነ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም እዩ። (ማቴ. 28:20) እሞኸ እዝስ ሓጊዝዎምዶ፧ እወ። ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ብትግሃት “ይምህሩን የበስሩን” ነይሮም እዮም። (ግብ. 5:42) ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ እውን መተባብዒ የድልዮም እዩ። ዳግም ስብከት ምጅማር ዚብል ሓሳብ ልዕሊ ዓቕሞም ከም ዝዀነ ይመስሎም ይኸውን። ናብ ስብከት በይኖም ከም ዘይከዱ ብምንጋር፡ ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። ንኣገልግሎት ምስ ተዳለዉ፡ ከነሰንዮም ንኽእል ኢና። ነቲ ዳግም ኪሰብኩ ኣብ ዚጅምሩሉ እዋን እንገብረሎም ደገፍ ብርግጽ የማስዉሉ እዮም። ንዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ኸም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጌርና ንርእዮም እንተ ዄንና፡ ኣብ ጉባኤና ዜሐጕስ ፍረ ኽንርኢ ኢና።

ነቲ ብሕድሪ እተዋህበና ዕዮ ኽንፍጽሞ ንደሊ ኢና

19. ልባዊ ድሌትና እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

19 ነዚ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኽሳዕ መዓስ ኢና ኽንቅጽሎ ዘሎና፧ ክሳዕ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ። (ማቴ. 28:20፣ ኣብ ማህደረ ቓላት፡ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ርአ።) እሞኸ ነዚ የሱስ ዝሃበና መዝነትሲ ኽንፍጽሞ ዲና፧ ከምኡ ኽንገብር ቈሪጽና ኢና ዘለና! ነቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ሰባት ንምርካብ፡ ተሓጒስና ግዜናን ጕልበትናን ገንዘብናን ንውፊ ኢና። (ግብ. 13:48) ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ኣብነት የሱስ ኢና እንስዕብ። ንሱ፡ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ እውን ክፍጽም እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃ. 4:34፣ 17:4) ልባዊ ድሌትና እውን እዚ እዩ። ነቲ ብሕድሪ እተዋህበና ዕዮ ኽንፍጽሞ ንደሊ ኢና። (ዮሃ. 20:21) ካልኦት ሰባት፡ እንተላይ ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ፡ ብተጻዋርነት ነዚ ዕዮ እዚ ኺዓይዩ እውን ንደሊ ኢና።—ማቴ. 24:13።

20. ብመሰረት ፊልጲ 4:13፡ ነቲ የሱስ ዝኣዘዘና ዕዮ ኽንፍጽም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

20 ልክዕ እዩ፡ ነቲ የሱስ ዝሃበና ዓብዪ መዝነት ምፍጻም ቀሊል ኣይኰነን። ነዚ ዕዮ እዚ ግና በይንና ኣይኰንናን እንዓይዮ ዘለና። የሱስ ምሳና ኸም ዚኸውን ቃል ኣትዩልና እዩ። ነዚ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ፡ ከም “መዓይይቲ ኣምላኽ” መጠን፡ “ምስ ክርስቶስ ሓቢርና” ኢና እንዓይዮ። (1 ቈረ. 3:9፣ 2 ቈረ. 2:17) ስለዚ፡ ክንፍጽሞ ንኽእል ኢና። ነዚ ዕዮ እዚ ምፍጻምን ንኻልኦት ከምኡ ኺግብሩ ምሕጋዝንሲ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብርን ሓጐስን ኰን እዩ!—ፊልጲ 4:13 ኣንብብ።

ከመይ ጌርና ኢና . . .

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንእንምህሮም ሰባት፡ ትእዛዛት የሱስ ኪሕልዉ እንሕግዞም፧

  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ እነተባብዖም፧

  • ንዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ዳግም ስብከት ኪጅምሩ እንሕግዞም፧

መዝሙር 79 ኪጸንዑ ኣሰልጥኖም

a የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንሰባት ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ዝኣዘዞም ኵሉ ኺሕልዉ ኺምህርዎምን መምርሒ ሂብዎም እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ኸመይ ጌርና ኸም እንስዕቦ ትገልጽ። እዚ ሓበሬታ እዚ ብኸፊል ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14-19 ኣብ ዝወጸት ዓንቀጽ እተመስረተ እዩ።

b መግለጺ ስእሊ፦ እታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሕ ሓብቲ ንተምሃሪታ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘለዋ ፍቕሪ ምእንቲ ኸተዕምቝ እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ከም ዘለዋ ትገልጸላ። ጸኒሓ እታ ተምሃሪት ነቲ ኻብታ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ ሓብቲ እተዋህባ ሰለስተ ሓሳባት ትዓይየሉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ