ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/3 ገጽ 10-15
  • ንትምህርትኻ ተጠንቀቕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንትምህርትኻ ተጠንቀቕ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዘለዉ መማህራን
  • ብምርዳእ ምእማን
  • ንትምህርትኻ ተጠንቀቕ
  • ተማሃሮ ቃል ኣምላኽ
  • ነቶም ዝማሃሩ ምፍቃርን ምኽባርን
  • ከከም ኣድላይነቱ ምኻድ
  • ውዕዉዕ ስምዒት ይሃልኻ
  • ‘ንጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣቕልበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ‘ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ኣድሕን’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንየሱስ ምሰሎ—ብፍቕሪ ምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ትእዛዛት ክርስቶስ ኪሕልዉ ብኸመይ ንሕግዞም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/3 ገጽ 10-15

ንትምህርትኻ ተጠንቀቕ

“ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።”—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16

1, 2. ሎሚ ቀናኣት መማህራን ብህጹጽ ዘድልዩ ስለምንታይ ኢዩ፧

“ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) ብመሰረት እዚ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ትእዛዝ ኵሎም ክርስትያናት መማህራን ንምዃን ክጽዕሩ ኣለዎም። ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ግዜኡ ከይሓለፈ ከሎ ፍልጠት ኣምላኽ ንኽረኽቡ ምእንቲ ክሕግዝዎም ቀናኣት መማህራን ይድለዩ ኣለዉ። (ሮሜ 13:⁠11) ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን እቲ ቓል ስበኽ’ ኢሉ ተማሕጸነ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2) እዚ ኸኣ ኣብ ጉባኤን ካብ ጉባኤ ወጻእን ምምሃር ዘጣመረ ኢዩ። አረ: እቲ ናይ ምስባኽ ተልእኾ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ካብ ምንጋር ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ምእንቲ ክዀኑ እቲ ኣመሃህራ ኣሳልጦ ዘለዎ ክኸውን ኣድላዪ ኢዩ።

2 ኣብቲ “ክፉእ ዘመን” ኢና እንነብር ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ሰባት ብዓለማዊ ፍልስፍናታትን ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ኣእምሮኦም ተሓጺቡ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት “ኣእምሮኦም ጸልሚቱ” ብምህላዉ ‘ደንዚዞም’ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:⁠18, 19) ገሊኦም ዘሳቒ ስምዒታዊ ቍስሊ ኣለዎም። እወ: ሰባት ብሓቂ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ኢዮም ኰይኖም። (ማቴዎስ 9:⁠36) እንተዀነ ግን ክእለት ኣመሃህራ ተጠቒምና ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት እቲ ኣድላዪ ዝዀነ ለውጢ ንኽገብሩ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።

ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዘለዉ መማህራን

3. (ሀ) እቲ የሱስ ዝሃቦ ናይ ምምሃር ተልእኾ እንታይ ዘጣመረ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ቀንዲ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ዘለዎም መን ኢዮም፧

3 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ብሕታዊ መምርሒ ይወሃቦም ኣሎ። እንተዀነ ግን ሓደስቲ ሰባት ድሕሪ ምጥማቖም ምእንቲ ‘ሱር ክሰዱን ክስረቱን’ ተወሳኺ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። (ኤፌሶን 3:⁠17) እቲ ኣብ ማቴዎስ 28:⁠19, 20 ተመዝጊቡ ዘሎ የሱስ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ምስ እንፍጽምን ንሓደስቲ ኸኣ ናብ ማሕበር የሆዋ ንኽመጹ ምስ እንመርሖምን ካብቲ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዝርከብ ትምህርቲ ክጥቀሙ ኢዮም። ኤፌሶን 4:⁠11-13 “እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ: . . . ገሊኦም ጓሶትን መምህራንን” ኰይኖም ዘገልግሉ ሰብኡት ከም እተሸሙ ይገልጽ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ናይ ምምሃር ክእለቶም ‘ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን [“ብኽእለት ኣመሃህራን:” NW ]: . . . ምግናሕ: ምቕጻዕ: ምምዓድ’ ዘጣምር ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2) ዕዮ ናይቶም መማህራን ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝነበረ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ክጽሕፈሎም ከሎ ነቶም መማህራን ድሕሪ ሃዋርያትን ነብያትን ሰሪዕዎም ኣሎ።​—⁠1 ቈረንቶስ 12:⁠28

4. ናይ ምምሃር ክእለት ነቲ ኣብ እብራውያን 10:⁠24, 25 ዘሎ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ንኽንእዘዞ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

4 ሓቂ ኢዩ ሽማግለታት ወይ ተዓዘብቲ ኰይኖም ዘገልግሉ ኵሎም ክርስትያናት ኣይኰኑን። ይኹን እምበር: ኵሎም ኣብ ንሓድሕዶም “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ክነቓቕሑ ተተባቢዖም ኢዮም። (እብራውያን 10:⁠24, 25) ኣብ ኣኼባታት ከምኡ ምግባር ጽቡቕ ገይርካ ተዳሊኻ መጺእካ ንኻልኦት ክሃንጽን ከተባብዕን ዝኽእል ካብ ልቢ ዝነቐለ ሓሳባት ምሃብ ዘጣመረ ኢዩ። ተመክሮ ዘለዎም ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ምስቶም ሓደስቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ሓቢሮም ክዓዩ ኸለዉ ፍልጠቶምን ተመክርኦምን ብምክፋል ‘ንሰናይ ግብሪ ከነቓቕሑ’ እውን ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናትን ኣብ ንእግረ-መገዲ ዝርከብ ኣጋጣሚታትን ክቡር ዝዀነ መምርሒ ከካፍልዎም ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት ብሱላት ኣንስቲ “መሃርቲ ሰናይ ኪዀና” ምሕጽንታ ተዋሂብወን ኣሎ።​—⁠ቲቶስ 2:⁠3

ብምርዳእ ምእማን

5, 6. (ሀ)ናይ ሓቂ ክርስትና ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ብኸመይ ኢዩ ዝነጻጸር፧ (ለ) ሽማግለታት ነቶም ሓደስቲ ጥበብ ዘለዎ ውሳነ ንኽገብሩ ዝሕግዝዎም ብኸመይ ኢዮም፧

5 በዚ መገዲ እዚ ናይ ሓቂ ክርስትና ካብተን መብዛሕትአን ንኣተሓሳስባ ናይ ኣባላተን ክቈጻጸራ ዝደልያ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኣዝያ እተፈልየት ኢያ። የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ዝነበሩ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንነፍሲ ወከፍ መዳይ ናይ ሰብ ህይወት በቲ ብሰባት ዝቘመ ጨቋኒ ባህልታት ገይሮም ክቈጻጸርዎ ይደልዩ ነበሩ። (ሉቃስ 11:⁠46) ናይ ህዝበ-ክርስትና ኣቕሽሽቲ እውን ንብዙሕ ግዜ ከምኡ ኢዮም ገይሮም።

6 ሓቀኛ ኣምልኾ ግን እቲ ብናይ “ምስትውዓል ክእለትና” እንፍጽሞ “ቅዱስ ኣገልግሎት” ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠1 NW ) ኣገልገልቲ የሆዋ ‘ብምርዳእ ኢዮም ኣሚኖም።’ (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠14 NW ) ሓድሓደ ግዜ እቶም መሪሕነት ዝወስዱ ሰባት ኣብታ ጉባኤ ነገራት ብዘይ ሽግር ምእንቲ ክካየዱ መምርሒታትን ስርዓታትን ምትእትታው ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቶም ብጾቶም ክርስትያናት ውሳነታት ክገብርሎም ኣብ ክንዲ ዝፍትኑ ግን “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ” ምእንቲ ክኽእሉ ክምህርዎም ይግብኦም። (እብራውያን 5:⁠14) ሽማግለታት ከምዚ ዝገብሩሉ ቀንዲ መገዲ ድማ ነተን ጉባኤታት ‘ብቓል እምነትን ጽቡቕ ምህሮን’ ገይሮም ብምምጋብ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠6

ንትምህርትኻ ተጠንቀቕ

7, 8. (ሀ) ብዙሕ ክእለት ዘይብሎም ሰባት ከም መማህራን ኰይኖም ከገልግሉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ኣስላጢ መምህር ንምዃን ናይ ብሕቲ ጻዕሪ ከም ዘድሊ ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧

7 እንተዀነ ግን: እስከ ናብቲ ሓፈሻዊ ናይ ምምሃር ተልእኾና ንመለስ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ንምክፋል ፍሉይ ሜላ: ትምህርቲ ወይ ክእለት ዝሓትት ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። መብዛሕትኡ እዚ ዓለምለኻዊ ናይ ምምሃር ዕዮ እዚ ብዙሕ ክእለት ብዘይብሎም ተራ ውልቀ-ሰባት ኢዩ ዝዕየ። (1 ቈረንቶስ 1:⁠26-29) ጳውሎስ “እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን: እዚ መዝገብ [ኣገልግሎት] እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት [ኣብ ዘይፍጹም ኣካልና] እዩ ዘሎና” ብምባል ይገልጽ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠7) እቲ ዓለምለኻዊ ናይ መንግስቲ ስብከት ረኺቡዎ ዘሎ ዓቢ ኣሳልጦ ንሓይሊ መንፈስ የሆዋ ዝምስክር ኢዩ!

8 ይኹን እምበር: “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ” ንኽትገብራ ናይ ብሕትኻ ጻዕሪ እውን ዝሓትት ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ብምባል ተማሕጸኖ:- “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።” (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16) ሓደ ሰብ ኣብ ጉባኤ ይኹን ካብ ጉባኤ ወጻኢ ንትምህርቱ ዝጥንቀቕ ብኸመይ ኢዩ፧ ንትምህርትኻ ምእንቲ ክትጥንቀቕ ገለ ዓይነት ሜላ ወይ ክእለት ኣመሃህራ ክህልወካ ኣድላዪ ድዩ፧

9. ካብ ባህርያዊ ክእለት ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ እንታይ ኢዩ፧

9 የሱስ ኣብቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ ብሉጽ መረዳእታ ናይ ኣመሃህራ ሜላ ኣርእዩ ኢዩ። ዘረብኡ ምስ ወድአ “እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።” (ማቴዎስ 7:⁠28) ርግጽ ኢዩ ዋላ ሓደ ካባና ከምቲ የሱስ ዝምህሮ ዝነበረ ገይሩ ክምህር ዝኽእል የለን። ይኹን እምበር ኣስለጥቲ መማህራን ንምዃን ፍሉይ ናይ ምዝራብ ክእለት ዘለና ክንከውን ኣየድልየናን ኢዩ። ምኽንያቱ ብመሰረት እዮብ 12:⁠7 ‘እንስሳን ኣዕዋፍ ሰማይን’ እውን ከይተረፈ ብዘይ ድምጺ ክምህሩ ይኽእሉ ኢዮም! ምስቲ ዘሎና ባህርያዊ ክእለት ወይ ሜላ ተወሳኺ ኣገዳሲ ነገር “ከመይ ዝበሉ” ሰባት ምዃንና ኢዩ። እዚ ኸኣ ዓይነት ናይቲ ተማሃሮ ክቐድሕዎ ዝኽእሉ ዘጥረናዮ ባህርያትን ዘሎና መንፈሳዊ ልምድታትን ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠11፣ ሉቃስ 6:⁠40

ተማሃሮ ቃል ኣምላኽ

10. የሱስ ከም ተማሃራይ ቃል ኣምላኽ መጠን ሰናይ ኣብነት ዝሰርዐ ብኸመይ ኢዩ፧

10 ሓደ ሓቅታት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝምህር ኣስላጢ መምህር ንርእሱ ተማሃራይ ቃል ኣምላኽ ክኸውን ኣለዎ። (ሮሜ 2:⁠21) የሱስ ክርስቶስ በዚ መዳይ እዚ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ኢዩ ሰሪዑ። ኣብ እዋን ኣገልግሎቱ ካብ ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን መጻሕፍቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጠቒሱ ወይ ምስኡ ዝሰማማዕ ሓሳባት ገሊጹ ኢዩ።a ምስ ቃል ኣምላኽ ሌላ ከም ዝነበሮ ዘርኣየ ኸኣ ወዲ 12 ዓመት ከሎ “ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን” ምስ ረኸብዎ ኢዩ። (ሉቃስ 2:⁠46) ምስ ዓበየ ድማ ናብቲ ቃል ኣምላኽ ዝንበበሉ ዝነበረ ቤት ጸሎት ምኻድ ልማዱ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ሉቃስ 4:⁠16

11. ሓደ መምህር ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልምዲ ኢዩ ከማዕብል ዘለዎ፧

11 ህንጡይ ኣንባቢ ቃል ኣምላኽ ዲኻ፧ ቃል ኣምላኽ ንምምርማር ኣበርቲዕካ ብምጽዓር ኢኻ “ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ” እትኽእል። (ምሳሌ 2:⁠4, 5) ስለዚ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልምዲ ኣማዕብል። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ገለ ክፍሊ ቃል ኣምላኽ ከተንብብ ፈትን። (መዝሙር 1:⁠2) ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ትቕብል ምስ ኣበልካ ምንባብ ልምዲ ግበሮ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተጠንቂቕካ ስማዕ። ብጥንቃቐ ምርምር ምግባር። ‘ንዅሉ ኣደላዲልካ ምስ እትስዕብ’ ክትምህር ከሎኻ ካብ መጠን ንላዕሊ ምግናንን ጌጋን ከተወግድ ትኽእል ኢኻ።​—⁠ሉቃስ 1:⁠3

ነቶም ዝማሃሩ ምፍቃርን ምኽባርን

12. የሱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎ፧

12 ካልእ ኣገዳሲ ባህሪ ኸኣ ኣብቶም እትምህሮም ሰባት ግቡእ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ምህላው ኢዩ። ፈሪሳውያን ነቶም ንየሱስ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ይንዕቅዎም ነበሩ። “እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ . . . ርጉም እዩ” ይብሉ ነበሩ። (ዮሃንስ 7:⁠49) የሱስ ግን ኣብቶም ደቀ መዛሙርቱ ዓሚቝ ፍቕርን ኣኽብሮትን ነበሮ። ከምዚ ኸኣ ይብሎም ነበረ:- “እቲ ኻብ አቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ: ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ።” (ዮሃንስ 15:⁠15) እዚ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ናይ ምምሃር ንጥፈቶም ብኸመይ ክፍጽምዎ ከም ዝነበሮም ዘመልክት ኢዩ ነይሩ።

13. ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ዝማሃሮም ሰባት ከመይ ተሰምዖ፧

13 ንኣብነት ጳውሎስ ምስቶም ተማሃሮኡ ስምዒት ዘይብሉ ናይ ማዕዶ ርክብ ኣይኰነን ነይርዎ። ንሰብ ቈረንቶስ “ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ አለዉኹም: ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ: ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን” በሎም። (1 ቈረንቶስ 4:⁠15) አረ ሓድሓደ ግዜ ጳውሎስ ነቶም ዝማሃሮም ክምዕድ ከሎ ይነብዕ ነይሩ ኢዩ! (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠31) ሓለፍ ዝበለ ዓቕልን ሕያውነትን እውን ኣርኣየ። ስለዚ ኸኣ ንሰብ ተሰሎንቄ “ኣብ ማእከልኩምሲ: ከምታ ውሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት . . . ርሕሩሓት ነበርና” ክብሎም ክኢሉ ኢዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:⁠7

14. ኣብቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ መብርሂ ሃብ።

14 ንየሱስን ንጳውሎስን ትመስልዎምዶ ኢኹም፧ እቲ ኣብቶም ተማሃሮና እነርእዮ ቅንዕና ዘለዎ ፍቕሪ ነቲ ዘሎና ባህርያዊ ጕድለት ኣጸቢቑ ክሽፍን ይኽእል ኢዩ። እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ብዛዕብኦም ብብሕቲ ከም እንግደስ ይርድኡ ድዮም፧ ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦም ግዜ ንወስድ ዲና፧ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንሓንቲ ተማሃሪት መንፈሳዊ ምዕባለ ንኽትገብር ምሕጋዛ ምስ ሰኣነት ብሕያውነት “ገለ ዘጨንቐኪ ነገር ኣሎ ድዩ፧” ኢላ ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ብዙሕ ዘሻቕላን ዘጨንቓን ነገራት ከም ዘሎ ልባ ብምፍሳስ ክትነግራ ጀመረት። እቲ ፍቕራዊ ምዝርራብ ነታ ጽንዓት ትገብር ዝነበረት ሰበይቲ ለውጢ ከም እትገብር ገበራ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዘጸናንዕን ዘተባብዕን ጥቕሳዊ ሓሳባትን ቃላትን ግቡእ ኢዩ። (ሮሜ 15:⁠4) ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ግን ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብቕልጡፍ ምዕባለ ይገብር እኳ እንተ ሃለወ ገና ክገድፎ ዘለዎ ዘይክርስትያናዊ መገድታት ክህልዎ ይኸእል ኢዩ። ስለዚ ምስቲ ሰብ እቲ ሓለፍ ዝበለ ማሕበራዊ ርክብ ክህልወና ጥበባዊ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ግቡእ ዝዀነ ክርስትያናዊ ደረት ክዕቀብ ኣለዎ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠33

15. ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ኣኽብሮት ከነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ንተማሃሮና ምኽባር ነቲ ብሕታዊ ህይወቶም ክንቈጻጸሮ ዘይምፍታን ዘጠቓልል ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:⁠11) ንኣብነት: ንሓንቲ ከይተመርዓወት ምስ ሓደ ሰብኣይ ተኣኪባ እትነብር ሰበይቲ ጽንዓት ንገብረላ ንህሉ ንኸውን። ምናልባትውን ወሊዶም ይዀኑ። እታ ሰበይቲ ግን ብመሰረት እቲ ዝረኸበቶ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ: ምስ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዓ ንምንባር ኵነታታ ከተተዓራሪ የድልያ። (እብራውያን 13:⁠4) ነቲ ሰብኣይ ክትምርዓዎዶ ወይስ ካብኡ ክትፈላለ ኢዩ ዝሓይሽ፧ ምናልባት ምስቲ ብዙሕ ወይ ከኣ ፈጺሙ መንፈሳዊ ተገዳስነት ዘይብሉ ሰብኣይ ምምርዓው ነቲ ኣብ መጻኢ እትገብሮ መንፈሳዊ ምዕባለ ክዓግቶ ኢዩ ዝብል ስምዒት ይህልወና ይኸውን። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ብዛዕባ ድሕንነት ደቃ ንጭነቕ እሞ: እንተ ተመርዓወቶ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ነሕድር ንኸውን። እቲ ኵነታት ዝዀነ ይኹን: ኣብ ህይወት ናይ ተማሃራይና ጠብሎቝ ምባልን ኣብ ከምዚ ዝበለ ጕዳያት ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባት ከነተኣታቱ ምፍታንን ኣኽብሮትን ፍቕርን ዘይምርኣይ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ውሳነኣ ዘምጽኦ ሳዕቤን ተሰኪማ እትነብር ንሳ ኢያ። እሞኸ ደኣ ንኸምዚኣ ዝበለት ተማሃሪት ናይ ገዛእ ርእሳ ‘ልቦና’ ተጠቒማ ነቲ ክትገብሮ ዝግብኣ ባዕላ ክትውስን ምልምማድዶ ዝበለጸ ኣይምዀነን፧​—⁠እብራውያን 5:⁠14

16. ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከርእዩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

16 ብፍላይ ከኣ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ክሕዝዎ ኣድላዪ ኢዩ። ጳውሎስ ናብ ፊልሞን ክጽሕፍ ከሎ “እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ የሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ: . . . ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ አሎኹ” በለ። (ፊልሞን 8, 9) ሓድሓደ ግዜ ኣብታ ጉባኤ ዘጨንቕ ኵነታት ክለዓል ይኽእል ኢዩ። ጽኑዕ ምዃን ኣድላዪ ዝዀነሉ ኵነታት እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ንቲቶስ ‘ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ [ነቶም በደለኛታት] ኣሕሚሙ ክገንሖም’ ተማሕጸኖ። (ቲቶስ 1:⁠13) እንተዀነ ግን: ተዓዘብቲ ነታ ጉባኤ ብትሪ ከይዛረብዋ ክጥንቀቑ ኣለዎም። ጳውሎስ “ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ: መሃሪ: ዕጉስ ኪኸውን እምበር: ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:⁠24፣ መዝሙር 141:⁠3

17. ሙሴ እንታይ ጌጋ ኢዩ ዝገበረ: ሽማግለታትከ ካብዚ እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዝኽእሉ፧

17 ተዓዘብቲ “መጓሰ ኣምላኽ  ” ሒዞም ከም ዘለዉ ብቐጻሊ ንገዛእ ርእሶም ከዘኻኽሩ ይግባእ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠2) ሙሴ ትሑት እኳ እንተ ነበረ: ንሓጺር ግዜ እቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣጥፊኡ ኢዩ። እስራኤላውያን “ንመንፈሱ ኣንጸርጺሮምዎ ነበሩ እሞ: ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ።” (መዝሙር 106:⁠33) እስራኤላውያን ጕድለት እኳ እንተ ነበሮም: ኣምላኽ በዚ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ናይ መጓሴኡ ኣዝዩ ጐሃየ። (ዘሁልቍ 20:⁠2-12) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ብድሆታት ከጋጥም ከሎ ሽማግለታት ብምስትውዓልን ሕያውነትን መምርሒ ክህቡን ክምህሩን ኢዩ ዘለዎም። ኣሕዋትና ክዕረዩ ተስፋ ከም ዘይብሎም ክርኣዩ ከለዉ ዘይኰነስ ብሓልዮትን ከም ሓገዝ ዘድልዮም ውልቀ-ሰባትን ኰይኖም ምስ ዝረኣዩ ኢዮም ዝበለጸ መልሰ-ግብሪ ዘርእዩ። ሽማግለታት ከምቲ ጳውሎስ “እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን: ብዛዕባኻትኩም ኣብ ጐይታ እምነት ኣላትና” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልዎም ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠2 ተሰሎንቄ 3:⁠4

ከከም ኣድላይነቱ ምኻድ

18, 19. (ሀ) ምስቶም ሒደት ናይ ምርዳእ ክእለት ዘለዎም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ከከም ኣድላይነቱ እንኸይድ ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ነቶም ኣብ ፍሉይ ጕዳያት ጸገም ዘለዎም ተማሃሮ ብኸመይ ኢና ክንድግፎም እንኽእል፧

18 ሓደ ኣስላጢ ዝዀነ መምህር ምስ ክእለትን ድሩትነትን ናይ ተማሃሮኡ ክሰማማዕ ፍቓደኛ ኢዩ። (ምስ ዮሃንስ 16:⁠12 ኣረኣእዮ።) ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ መክሊት ዝሃቦ ምሳሌ ዘሎ ጐይታ “ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም” ኢዩ መሰል ዝሃቦም። (ማቴዎስ 25:⁠15) ንሕና እውን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከሎና ተመሳሳሊ ኣገባብ ክንስዕብ ንኽእል ኢና። ሓደ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ጽሑፍ ኣብ ሕጽር ዝበለ ግዜ ክትሽፍን ምብሃግ ባህርያዊ ኢዩ። ይኹን እምበር: ጽቡቕ ናይ ምንባብ ወይ ሓድሽ ሓሳብ ቀልጢፍካ ናይ ምርዳእ ክእለት ዘለዎ ኵሉ ሰብ ከም ዘይኰነ ኣፍልጦ ክወሃበሉ ይግባእ። ስለዚ እቶም ጽንዓት ዝገብሩ ዘለዉ ሰባት ቅልጥፍ ኢሎም ክስዕቡ ይጽግሞም እንተድኣ ኣልዩ ኣብቲ ጽንዓት እንገብረሉ እዋን ካብ ሓደ ነጥቢ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ክትሓልፍ ከሎኻ ምስትውዓል ኣድላዪ ኢዩ። ነቲ ጽንዓት ብሃወኽ ናይ ምውዳእ ግዴታ ክስምዓና የብሉን። ኣብ እተወሰነ ግዜ ጽሑፍ ካብ ምሽፋን ንላዕሊ: ተማሃሮ ትርጕም ናይቲ ዝማሃርዎ ዘለዉ ክርድኦም ኢዩ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኸውን።​—⁠ማቴዎስ 13:⁠51

19 ብዛዕባ እቶም ንኸም ትምህርቲ ስላሴ ወይ ሃይማኖታዊ በዓላት ዝኣመሰለ ፍሉይ ነጥብታት ክርድኡ ጸገም ዘለዎም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተመሳሳሊ ክብሃለሎም ይኽእል ኢዩ። ብሓፈሽኡ ኣብ እዋን ጽንዓትና ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ንምምርማር ዝጠቅም ጽሑፋት ክንውስኽ ኣድላዪ እኳ እንተ ዘይኰነ: ሓድሓደ ግዜ ጠቓሚ ኰይኑ ክንረኽቦ ከሎና ግን ከምኡ ክንገብር ንኽእል ኢና። ንምዕባለ ናይቲ ተማሃራይ ዘየድሊ ምድንጓይ ምእንቲ ከይንፈጥረሉ ጽቡቕ ምስትውዓል ከነርኢ ይግብኣና።

ውዕዉዕ ስምዒት ይሃልኻ

20. ጳውሎስ ኣብ ኣመሃህርኡ ውዕዉዕ ስምዒትን ተኣማንነትን ብምርኣይ ኣብነት ዝሰርዐ ብኸመይ ኢዩ፧

20 ጳውሎስ “ብመንፈስ ተቓጸሉ” ኢሉ ኣሎ። (ሮሜ 12:⁠11) እወ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ ንሃሉ ወይ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ክፍሊ ነቕርብ ብዘየገድስ ቅንእን ውዕዉዕ ስምዒትን ክህልወና ይግባእ። ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ከምዚ በሎም:- “እቲ ወንጌልና ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር: ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን።” (1 ተሰሎንቄ 1:⁠5) ስለዚ ኸኣ ኢዮም ጳውሎስን ብጾቱን ‘ገዛእ ነፍሶም ድማ እምበር: ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰኑን’ ዘካፍሉ ዝነበሩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:⁠8

21. ኣብቲ ናይ ምምሃር መዝነትና ውዕዉዕ ኣረኣእያ ሒዝና ክንቅጽል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

21 እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና እቲ ክንብሎ ዘሎና ክሰምዕዎ የድልዮም ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ምስ ዝህልወና ኢዩ ናይ ሓቂ ውዕዉዕ ስምዒት ክሓድረና ዝኽእል። ነቲ ዝወሃበና ዝዀነ ይኹን ናይ ምምሃር መዝነት ከም ተደጋጋሚ ነገር ገይርና ፍጹም ኣይንርኣዮ። እዝራ እቲ ጸሓፊ በዚ መዳይ እዚ ንትምህርቱ ይጥንቀቕ ከም ዝነበረ እተረጋገጸ ኢዩ። “ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን: . . . ኣብ እስራኤል ኪምህርንሲ ልቡ ኣዳለወ።” (እዝራ 7:⁠10) ንሕና እውን ብግቡእ ብምድላውን ኣድላይነት ናይቲ እንምህሮ ዘለና ነገር ብምጕላሕን ከምኡ ክንገብር ኣሎና። እምነትን ምትእምማንን ምእንቲ ክህበና ናብ የሆዋ ንጸሊ። (ሉቃስ 17:⁠5) እቲ ውዕዉዕ ስምዒትና ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ሓቂ ንኽሓድሮም ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ኣብ ኣመሃህራና ምቕላብ ፍልይ ዝበለ ናይ ምምሃር ሜላታት ምጥቃም ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ንገለ ካብዚ ሜላታት እዚ ክትዝርዝሮ ኢያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ኣብ ጥራዝ 2 ገጽ 1071 (እንግሊዝኛ) ርአ።

ትዝክሮዶ፧

◻ ሎሚ ክእለት ዘለዎም ክርስትያን መማህራን ዝድለዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

◻ እንታይ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ኢና ከነማዕብል እንኽእል፧

◻ ነቶም እንምህሮም ፍቕርን ኣኽብሮትን ምርኣይ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ከከም ኣድላይነቱ ክንከይድ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

◻ ንኻልኦት ክንምህሮም ከሎና ውዕዉዕ ስምዒትን ተኣማንነትን ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንፉዓት መማህራን ንርእሶም ተማሃሮ ቃል ኣምላኽ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ብሕቲ ተገዳስነት ኣርኢ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ