ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 17
  • ባህርያት የሱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ባህርያት የሱስ
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • የሱስ መን እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ‘ወዲ ንኣቦ ኺገልጾ ይፈቱ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እንታይ ገይሩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 17
ትምህርቲ 17. የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ንሓደ ሕሙም ሰብኣይ ብተኣምር የሕውዮ።

ትምህርቲ 17

ባህርያት የሱስ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት እንተ ፈሊጥና፡ ንዕኡን ንኣቦኡ የሆዋን ክንቀርቦም ዜኽእል ባህርያት ንረክብ ኢና። ገለ ኻብቲ ማራኺ ባህርያት እቲ እንታይ እዩ፧ ኣብ ህይወትናኸ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

1. የሱስ ከም ኣቦኡ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ሰማይ የሱስ ንቢልዮናት ዓመታት ነቲ ፈቃር ኣቦኡ ተዓዚብዎን ካብኡ ተማሂሩን እዩ። ስለዚ፡ ብኣተሓሳስባኡን ብስምዒቱን ብተግባሩን ልክዕ ከምኡ እዩ። (ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።) የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኻብ ምንጽብራቑ እተላዕለ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:9) ብዛዕባ ባህርያት የሱስ እናፈለጥካ ብዝኸድካ መጠን፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኢኻ እትፈልጦ። ንኣብነት፡ የሱስ ንሰባት ዘርኣዮ ርሕራሐ፡ የሆዋ ብዛዕባኻ እንታይ ከም ዚስምዖ ይሕብር እዩ።

2. የሱስ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅሮ ብኸመይ ኣርእዩ፧

የሱስ፡ “ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ እውን ከም ዝገብር፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ከምኡ እገብር ኣለኹ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:31) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እዙዝ ብምዃን፡ ንኣቦኡ ዘላቶ ዓባይ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ ምዝራብን ሰባት ምስ ኣቦኡ ዕርክነት ኬማዕብሉ ምሕጋዝን ይፈቱ ነይሩ እዩ።—ዮሃንስ 14:23።

3. የሱስ ንሰባት ከም ዚፈቱ ብኸመይ ኣርእዩ፧

የሱስ፡ “ምናዳ ድማ ንደቂ ሰብ እፈትዎም ነበርኩ” ኸም ዝበለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (ምሳሌ 8:31) ነዛ ፍቕሩ ኸኣ፡ ንሰባት ብምትብባዕን ገዛእ ርእሱ ኸይበቐቐ ብምሕጋዝን ኣርእዩ እዩ። ተኣምራት ኪገብር ከሎ ድማ፡ ሓይሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ርሕራሐኡ እውን ኣርእዩ እዩ። (ማርቆስ 1:40-42) ንሰባት ብለውሃትን ብዘይ ኣድልዎን እዩ ሒዝዎም። ቃላቱ ንዅሎም እቶም ዚሰምዕዎ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት መጸናንዕን ተስፋን ሂብዎም እዩ። የሱስ ብምኽንያት እቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ኪሳቐን ኪመውትን ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ምናዳ ግና ነቶም ንትምህርትታቱ ዚስዕቡ ሰባት የፍቅሮም እዩ።—ዮሃንስ 15:13, 14 ኣንብብ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ብዛዕባ ባህርያት የሱስ ፍለጥ። ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ጌርካ ፍቕርን ልግስን ብኸመይ ከም እተርኢ ድማ መርምር።

4. የሱስ ንኣቦኡ የፍቅሮ

እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ክንገልጽ ከም እንኽእል የርእየና። ሉቃስ 6:12ን ዮሃንስ 15:10፣ 17:26ን ኣንብብ። ካብዚ ጥቕስታት እዚ ሓዲኡ መምስ ኣንበብካ፡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸመይ ጌርና ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

የሱስ ይጽሊ።

የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ የፍቅሮ፡ ብጸሎት ኣቢሉ እውን ብዙሕ ሳዕ ይዛረቦ ነይሩ እዩ

5. የሱስ ንእተሸገሩ ሰባት ይሓልየሎም

የሱስ ካብ ገዛእ ርእሱ ንላዕሊ ንኻልኦት ሰባት ይሓልየሎም ነይሩ እዩ። ደኺሙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ ግዜኡን ጕልበቱን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ተጠቒሙሉ እዩ። ማርቆስ 6:30-44 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብዚ ዛንታ እዚ፡ ገለ ኻብቲ የሱስ ንሰባት ሓልዮቱ ዘርኣየሉ መገድታት እንታይ እዩ፧—ፍቕዲ 31, 34, 41, 42 ርአ።

  • የሱስ ብምንታይ ተደሪኹ እዩ ንሰባት ዚሕግዝ ነይሩ፧—ፍቕዲ 34 ርአ።

  • የሱስ ባህርያት የሆዋ ስለ ዜንጸባርቕ፡ እዚ ዅሉ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

  • ገለ ኻብቲ ነቲ የሱስ ንሰባት ዘለዎ ሓልዮት ክንቀድሓሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

የሱስ ንሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ንእሽቶ ዓሳን ከም ዚበዝሕ ብምግባር፡ ኣሽሓት ሰባት ብተኣምር ይምግብ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ንሰብኡትን ንኣንስትን ንቘልዑን ይዕድልዎም።

6. የሱስ ለጋስ እዩ

የሱስ ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ለጋስ እዩ ነይሩ። ንዓና እውን ለጋሳት ክንከውን ኣተባቢዑና እዩ። ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ሕጉሳት ክንከውን እንኽእል፧

ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ “ምሃብ የሐጕስ”—ቍንጽል (4:00)

  • ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት እኳ እንተ ዘይብልና፡ ገለ ኻብቲ ንሰባት ክንህበሉ እንኽእል መገድታት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

ትፈልጥዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ የሆዋ ብስም የሱስ ክንጽሊ እዩ ዚምህረና። (ዮሃንስ 16:23, 24 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ነቲ የሱስ ኣዕሩኽ የሆዋ ኽንከውን ኢሉ ዝገበረልና ነገር ከም እነመስግነሉ ነርኢ ኢና።

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ኣምላኽ ብመከራና ኣይግደስን እዩ።”

  • የሱስ ባህርያት ኣቦኡ ስለ ዜንጸባርቕ፡ ተግባራቱ፡ የሆዋ ብዛዕባና ኸም ዚሓሊ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

ጽማቝ

የሱስ ንየሆዋ የፍቅሮ እዩ፡ ንሰባት እውን የፍቅሮም እዩ። የሱስ ከም ኣቦኡ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ብዝያዳ ብዝፈለጥካዮ መጠን፡ ንየሆዋ እውን ብዝያዳ ትፈልጦ ኢኻ።

ክለሳ

  • ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ጌርና ንየሆዋ ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ጌርና ንሰባት ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ካብ ባህርያት የሱስ ልዕሊ ዅሉ እንታይ ስሒቡካ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ንሕና ኽንቀድሖ እንኽእል ገለ ኻብ ባህርያት የሱስ ርአ።

“ንየሱስ ንምምሳል፡ ነዚ ዚስዕብ ባህርያቱ ቕድሓዮ” (የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን፡ ገጽ 317)

የሱስ ኣብ ጸሎት ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ መርምር።

“ብስም የሱስ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ለካቲት 2008)

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትርኢት የሱስ እንታይ ይብል፧

“የሱስ ከመይ ይመስል ነይሩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ካብቲ የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

“ኣምላኽ ንደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢሩ ይርእየን” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 መስከረም 2012)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ