-
የሱስ መን እዩ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
1. የሱስ መን እዩ፧
የሱስ ኣብ ሰማይ ዚነብር ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንዕኡ፡ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ነገር እዩ ፈጢርዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሱስ፡ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ቈሎሴ 1:15) ብቐጥታ ብየሆዋ እተፈጥረ ንሱ በይኑ ብምዃኑ ኸኣ፡ ንኣምላኽ “ሓደ ወዱ” ኸም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 3:16) የሆዋ ንዝተረፈ ዅሉ ነገራት ኪፈጥር ከሎ፡ የሱስ ምስ ኣቦኡ ብቐረባ ይዓዪ ነይሩ እዩ። (ምሳሌ 8:30 ኣንብብ።) ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ፡ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ኣለዎ። ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መምርሕን መልእኽትን ብተኣማንነት ብምምሕልላፍ፡ ኣፈኛ ወይ “ቃል” ኰይኑ የገልግል እዩ።—ዮሃንስ 1:14።
-
-
ሞት የሱስ ብኸመይ የድሕነና፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
ትምህርቲ 27
ሞት የሱስ ብኸመይ የድሕነና፧
እቶም ቀዳሞት ክልተ ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዙ፡ ንሕና ንሓጥእን መከራ ንጸግብን ንመውትን ኣለና።a ተስፋ ዘይብልና ግና ኣይኰንናን። የሆዋ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኻብ መርገም ሓጢኣትን ሞትን ሓራ እንወጸሉ መገዲ ኣዳልዩልና ኣሎ። የሱስ ብሞቱ ኣቢሉ በጃ ኸም ዝኸፈለልና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። በጃ ኺብሃል ከሎ፡ ንሓደ ሰብ ሓራ ንምውጻእ ዚኽፈል ነገር እዩ። የሱስ፡ ዋጋ እታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ እዩ ኸፊሉ። (ማቴዎስ 20:28 ኣንብብ።) የሱስ ነቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ዝነበሮ መሰል ብፍታዉ ኣሕሊፉ ምስ ሃበ፡ ኵሉ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝሰኣንዎ ኽንረክብ መገዲ ኸፊቱልና እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ንሱን የሆዋን ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሩና ገሊጹልና እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ንሞት የሱስ ዘሎና ሞሳ ኸነዕዝዝ ይሕግዘና እዩ።
1. ሎሚ፡ ካብ ሞት የሱስ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
ሓጥኣን ስለ ዝዀነና፡ ንየሆዋ ባህ ዘየብል ብዙሕ ነገር ንገብር ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብሓጢኣትና ብሓቂ ንጥዓስ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ኸኣ ሓጢኣትና ኺሓድገልና ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ንልምኖ እንተ ዄንና፡ ነቲ ጌጋታትና ኸይንደግም ድማ ዚከኣለና ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህልወና ይኽእል እዩ። (1 ዮሃንስ 2:1) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ክርስቶስ እውን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺመርሓኩም ኢሉ፡ ስለ ሓጢኣት ሓንሳእ ንሓዋሩ ሞይቱ እዩ፣ ማለት ጻድቕ ስለ ዓመጽቲ ሞይቱ እዩ” ይብል።—1 ጴጥሮስ 3:18።
2. ኣብ መጻኢ፡ ካብ ሞት የሱስ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
የሆዋ፡ ብየሱስ “ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ” ንወዱ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ኪኸፍለልና ኢሉ ልኢኽዎ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ሳላ እቲ የሱስ ዝገበረልና ኸኣ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ዘይተኣዛዝነት ኣዳም ዜምጽኦ ኽፉእ ነገራት ኬዐርዮ እዩ። እዚ ኸኣ በቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ንኣምን እንተ ዄንና፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኣሎና ማለት እዩ።—ኢሳይያስ 65:21-23።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
የሱስ ስለምንታይ ህይወቱ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበ ዘሎካ ርድኢት ኣዕምቝ፡ ብኸመይ ከም እትጥቀም ድማ ርአ።
3. ሞት የሱስ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ የውጽኣና
ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሀ. ኣዳም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዘ፡ ንደቂ ሰብ እውን ናብ መገዲ ሓጢኣትን ሞትን ዘእተወ ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ
ለ. የሱስ ንኣምላኽ እተኣዘዘ፡ ንደቂ ሰብ እውን ናብ መገዲ ፍጽምናን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ዘእተወ ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ
4. ሞት የሱስ ንዅሎም ሰባት ኪጠቕሞም ይኽእል
ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሞት ሓደ ሰብ ንዅሎም ሰባት ኪጠቕሞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 2:5, 6 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣዳም ንደቂ ሰብ ናብ መገዲ ሓጢኣትን ሞትን ዘእተወ ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ። የሱስ እውን ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ “ተመዓራራዪ በጃ” ኸፊሉ፧
5. የሱስ ዝኸፈሎ በጃ፡ የሆዋ ንዓኻ ዝሃበካ ውህበት እዩ
ኣዕሩኽ የሆዋ ነቲ በጃ፡ ብብሕቲ ኸም እተዋህቦም ውህበት ገይሮም ይርእይዎ እዮም። ንኣብነት፡ ገላትያ 2:20 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ በጃ ብብሕቲ እተዋህቦ ውህበት ገይሩ ኸም ዝረኣዮ ዝሓበረ ብኸመይ እዩ፧
ኣዳም ምስ ሓጥአ፡ ንሱን ኵሎም ዘርኡን ንሞት ተፈሪዶም ነይሮም እዮም። የሆዋ ግና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ምእንቲ ኽትረክብ ኢሉ፡ ወዱ ኺሞተልካ ሰዲዱልካ እዩ።
ነዚ ዚስዕብ ፍቕድታት ከተንብብ ከለኻ፡ የሱስ ኣብ ዚሳቐየሉ እዋን፡ የሆዋ እንታይ ይስምዖ ኸም ዝነበረ ብኣእምሮኻ ስኣል። ዮሃንስ 19:1-7, 16-18 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልካ ነገር እንታይ ይስምዓካ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ሓደ ሰብ ንዅሎም ሰባት ከመይ ገይሩ ኺሞተሎም ይኽእል፧”
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ጽማቝ
የሆዋ ብመሰረት ሞት የሱስ፡ ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሓድገልና፡ ንዘለኣለም ንምንባር እውን ኣጋጣሚ ምእንቲ ኪኸፍተልና፡ መሰረት ገይሩ ኣሎ።
ክለሳ
ስለምንታይ እዩ የሱስ ሞይቱ፧
ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ተመዓራራዪ በጃ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
ሞት የሱስ ንዓኻ ኺጠቕመካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ዳህስስ
ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ስለምንታይ በጃ ተባሂሉ ኸም ዚጽዋዕ ተምሃር።
ምእንቲ ኽንድሕን እንታይ ክንገብር ከም ዚግባኣና ፍለጥ።
የሆዋ ንኸቢድ ሓጢኣት ይቕረ ኺብል ይኽእል ድዩ፧
ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ መስዋእቲ ክርስቶስ ምፍላጡ ባህርያቱ ኪቕይር ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ርአ።
a ሓጢኣት ኪብሃል ከሎ፡ ሕማቕ ተግባር ጥራይ ኣይኰነን። ሓጢኣት ነቲ ንሕና ዝወረስናዮ ሕማቕ ኵነታት እውን የመልክት እዩ።
-
-
ነቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልካ ሰናይ ኣማስወሉንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
1. ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገበሩልና ሰናይ እነማስወሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብየሱስ “ዚኣምን” ንዘለኣለም ከም ዚነብር የተስፉ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) እሞ ደኣ ዚኣምን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ የሱስ እምነት ካብ ምሕዳር ንላዕሊ የጠቓልል እዩ። እምነትና ብውሳነታትናን ብተግባራትናን እውን ከነርኢ ኣሎና። (ያእቆብ 2:17) እምነትና ብተግባርናን ብዘረባናን ምስ እነርኢ፡ ነቲ ምስ የሱስን ምስ ኣቦኡ የሆዋን ዘሎና ዕርክነት ነደልድል ኢና።—ዮሃንስ 14:21 ኣንብብ።
-