ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr18 ሕዳር ገጽ 1-8
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ሕዳር 2018

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ሕዳር 2018
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን (2018)
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 5-11 ሕዳር
  • 12-18 ሕዳር
  • 19-25 ሕዳር
  • 26 ሕዳር–2 ታሕሳስ
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን (2018)
mwbr18 ሕዳር ገጽ 1-8

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ሕዳር 2018

5-11 ሕዳር

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 20-21

“ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧”

(ዮሃንስ 21:1-3) ድሕርዚ፡ የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጢቤርያስ ከም ብሓድሽ ተጋህደሎም። በዚ ኸምዚ እውን ተጋህደሎም። 2 ስምኦን ጴጥሮስን እቲ ማንታ ዚብሃል ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ናይ ገሊላን ደቂ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓባር ነበሩ። 3 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ “ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ንሕና እውን ምሳኻ ኽንከይድ ኢና” በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ደየቡ፣ በታ ለይቲ እቲኣ ግና ሓደ እኳ ኣይሓዙን።

(ዮሃንስ 21:4-14) ኪወግሕ ምስ በለ ኸኣ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና የሱስ ምዃኑ ኣየለለይዎን ነበሩ። 5 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ የብልኩምን፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ። 6 ንሱ ኸኣ፡ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ፡ ንሳቶም ደርበይዎ፣ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ግና፡ ኪስሕብዎ ኣይከኣሉን። 7 ሽዑ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ፡ “ጐይታና እዩ!” በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዓጢቑ፡ ናብ ባሕሪ ዘለለ። 8 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ኣስታት 90 ሜተር ጥራይ እምበር፡ ብዙሕ ርሒቖም ስለ ዘይነበሩ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናጐተትዎ፡ በታ ንእሽቶ ጃልባ መጹ። 9 ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ግና፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራን ረኣዩ። 10 የሱስ ከኣ፡ “ካብዚ ሕጂ ዝሓዝኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ” በሎም። 11 ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ደዪቡ፡ ነቲ 153 ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ ናብ ምድሪ ጐተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐድደን። 12 የሱስ ድማ፡ “ንዑ ቝረሱ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ኺሓትቶ ዝደፈረ ኣይነበረን። 13 የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሃቦም፣ ከምኡ እውን ነቲ ዓሳ። 14 የሱስ ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንሳኡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ እተጋህደሎም፡ እዚ ሳልሳይ ሳዕ እዩ።

(ዮሃንስ 21:15-19) ምስ ቈረሱ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ፡ “ዕያውተይ ኣብልዕ” በሎ። 16 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ካልኣይ ሳዕ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ተፍቅረኒ ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እወ ጐይታይ፡ ከም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ እውን፡ “ኣባጊዐይ ጓሲ” በሎ። 17 ሳልሳይ ሳዕ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ትፈትወኒ ዲኻ፧” በሎ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ሳልሳይ ሳዕ፡ “ትፈትወኒ ዲኻ፧” ኢሉ ስለ ዝሓተቶ ጕህዩ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፣ ከም ዝፈትወካ እውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ። 18 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ብንእስነትካ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኽትዝርግሕ፡ ካልእ እውን ኬዕጥቐካ፡ ናብ ዘይደለኻዮ እውን ኪወስደካ እዩ” በሎ። 19 ብኸመይ ዝበለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ኼመልክት ኢሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ “ብቐጻሊ ስዓበኒ” በሎ።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 21:15, 17

የሱስ ንስምኦን . . . በሎ፦ እዚ ኣብ መንጎ የሱስን ጴጥሮስን እተገብረ ዝርርብ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ድሕሪ ምኽሓዱ ነዊሕ ከይጸንሐ እተገብረ እዩ። የሱስ ድማ ንጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ዝነበሮ ስምዒት ሰለስተ ዜመራምር ሕቶ ሓተቶ፣ በዚ ኸኣ ጴጥሮስ “ጕህዩ” እዩ። (ዮሃ 21:17) እቲ ኣብ ዮሃ 21:15-17 ዚርከብ ዮሃንስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ፡ ክልተ እተፈላለያ ናይ ግሪኽኛ ግሲ እዩ ዚጥቀም፦ እታ ተፍቅረኒ ተባሂላ እተተርጐመት ኣጋፔኦ፡ ከምኡ ድማ እታ ዝፈትወካ ተባሂላ እተተርጐመት ፊለዮ። የሱስ ክልተ ሳዕ ንጴጥሮስ፡ “ተፍቅረኒ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ ድማ ንየሱስ ከም ‘ዚፈትዎ’ ኽልተ ሳዕ ብጽኑዕ ገለጸሉ። ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ፡ “ትፈትወኒ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ ከኣ ከም ብሓድሽ ከም ዚፈትዎ ኣረጋገጸሉ። ጴጥሮስ ንየሱስ ፍቕሩ መምስ ገለጸሉ፡ እዚ ፍቕርን ፍትወትን እዚ ነቶም ኣባጊዕ ተባሂሎም ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኬብልዕን ‘ኪጓስን’ ኪድርኾ ኸም ዘለዎ የሱስ ኣጕልሓሉ። (ዮሃ 21:16, 17፣ 1ጴጥ 5:1-3) የሱስ ንጴጥሮስ ሰለስተ ሳዕ ፍቕሩ ኺገልጽ ኣጋጣሚ ምስ ሃቦ፡ ነተን ኣባጊዕ ኪከናኸን ሓላፍነት ኣሰኪምዎ እዩ። የሱስ በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ብምኽሓዱ የሱስ ይቕረ ኢሉሉ እንተ ዀይኑ ዝነበሮ ዝዀነ ይኹን ጥርጣረ ኣወጊድዎ እዩ።

ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧፦ ብሰዋስዋዊ መገዲ እታ “ኻብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ” እትብል ሓረግ ብእተፈላለየ መገዲ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። ገሊኦም ምሁራት፡ “ካብቲ ነዞም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ እተፍቅሮም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” ወይ “ካብቲ እዞም ደቀ መዛሙርቲ ንዓይ ዘለዎም ፍቕሪ ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” ተባሂላ ኽትትርጐም ይመርጹ እዮም። እቲ ትርጉም ግና፡ “ካብዚ ነገራት እዚ ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” ኪኸውን ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ካብቶም ዝገፈፍዎም ዓሳ ወይ ካብቲ ምስ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ዚተሓሓዝ ነገራት ማለት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ሓፈሻዊ ሓሳባት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ‘ካብ ስጋዊ ነገራት ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ ተፍቅረኒ እንተ ዄንካ፡ ኣባጊዐይ ኣብልዕ’ ዚብል እዩ ዚመስል። ንሕሉፍ ታሪኽ ጴጥሮስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እታ ሕቶ ግብእቲ እያ ነይራ። ጴጥሮስ ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እኳ እንተ ነበረ (ዮሃ 1:35-42)፡ ብኡብኡ ኣይኰነን ንየሱስ ብምሉእ ግዜኡ ዝሰዓቦ። የግዳስ፡ ናብ ምግፋፍ ዓሳ እዩ ተመሊሱ። ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ የሱስ ንጴጥሮስ ነቲ ዕዮ እቲ ሓዲጉ፡ ‘ገፋፍ ሰብ’ ኪኸውን ጸውዖ። (ማቴ 4:18-20፣ ሉቃ 5:1-11) ድሕሪ ሞት የሱስ ነዊሕ ከይጸንሐ እውን ጴጥሮስ ዓሳ ኺገፍፍ ከም ዚኸይድ ገለጸ፣ ካልኦት ሃዋርያት ድማ ሰዓብዎ። (ዮሃ 21:2, 3) ስለዚ፡ የሱስ ንጴጥሮስ ቈራጽ ውሳነ ኺገብር ከም ዘለዎ ኼረድኦ ዚጽዕር ዝነበረ እዩ ዚመስል፦ ጴጥሮስ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ተኣኪቡ ብዝነበረ ዓሳ ዚውከል ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ድዩ ኣብ ህይወቱ ቐዳማይ ቦታ ኺህብ፡ ወይስ ነቲ ንኣባጊዕ ወይ ንሰዓብቲ የሱስ ብመንፈሳዊ መገዲ ናይ ምምጋብ ዕዮ እዩ ቐዳማይ ቦታ ኺህብ፧—ዮሃ 21:4-8።

ሳልሳይ ሳዕ፦ ጴጥሮስ ንጐይታኡ ሰለስተ ሳዕ እዩ ኽሒድዎ ነይሩ፣ የሱስ ከኣ ንጴጥሮስ ስምዒቱ ሰለስተ ሳዕ ኪገልጽ እዩ ኣጋጣሚ ሂብዎ። ጴጥሮስ ከምኡ ምስ ገበረ፡ የሱስ ንጴጥሮስ ንቕዱስ ኣገልግሎት ልዕሊ ዅሉ ነገራት ብምስራዕ ፍቕሩን ፍትወቱን ኬርኢ ነጊርዎ። ጴጥሮስ ምስ ካልኦት ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ኰይኑ፡ ነቲ ብእሙናት ሰዓብቲ ዝቘመ መጓሰ ክርስቶስ ኪምግብን ኬበርትዕን ኪጓስን ዕዮ ተዋሂብዎ። ንሳቶም ቅቡኣት እኳ እንተ ነበሩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምገቡ የድልዮም ነይሩ እዩ።—ሉቃ 22:32።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ዮሃንስ 20:17) የሱስ ከኣ፡ “ገና ናብ ኣቦ ኣይዓረግኩን እሞ፡ ኣይትሓዝኒ። ግናኸ፡ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ‘ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን፡ ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እዓርግ ኣለኹ’ በልዮም” በላ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 20:17

ኣይትሓዝኒ፦ እታ ሃፕቶማይ እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ “ምትንካይ” ወይ ድማ “ምሓዝ፣ ምጥባቕ፣ ምልጋብ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ንቓላት የሱስ፡ “ኣይትተንክይኒ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። የሱስ ግና ንማርያም መግደላዊት ከይትትንክዮ ኣይኰነን ዚዛረባ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ምስ ተንስአ ዝረኣያኦ ኻልኦት ኣንስቲ ኺትንክያኦን ‘እግሩ ኺሕዛኦን’ ከለዋ ኣይተቓወመንን። (ማቴ 28:9) ማርያም መግደላዊት፡ የሱስ ናብ ሰማይ ዚዓርገሉ ግዜ ዝኣኸለ ዀይኑ ስለ እተሰምዓ፡ ዝፈርሀት እያ እትመስል። ምስ ጐይታኣ ኽትከውን ካብ ዝነበራ ብርቱዕ ድሌታ ተላዒላ፡ ንየሱስ ኣጽኒዓ ሒዛቶ፡ ምፍናዉ ድማ ኣብያ። የሱስ ንማርያም፡ ዚኸደሉ ግዜ ገና ኸም ዘይኣኸለ ምእንቲ ኼረጋግጸላ፡ ከይትሕዞ፡ ኣብ ክንዳኡስ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኸይዳ ኸም ዝተንስአ ኸተበስሮም ኣዘዛ።

(ዮሃንስ 20:28) ቶማስ ከኣ፡ “ጐይታይን ኣምላኸይን!” ኢሉ መለሰ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 20:28

ጐይታይን ኣምላኸይን!፦ ገሊኦም ምሁራት ነዚ መግለጺ እዚ፡ ቶማስ ካብ ምግራም ተላዒሉ ንየሱስ እተዛረቦ፡ ግናኸ ናብቲ ኣቦኡ ዝዀነ ኣምላኽ ዘቕንዐ ኸም ዝነበረ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ገሊኦም ድማ ብመሰረት እቲ በዅሪ ግሪኽኛ፡ እቲ ቓላት እቲ ናብ የሱስ ዘቕንዐ ኸም ዝነበረ ጌርካ ኺርአ ኸም ዘለዎ ይገልጹ። ዋላ እውን ከምኡ እንተ ዀነ፡ ንዕላማ እታ “ጐይታይን ኣምላኸይን” እትብል ሓረግ ብዝያዳ ንምርዳእ፡ ንዝተረፈ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር የድሊ። የሱስ ኣቐዲሙ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን፡ ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እዓርግ ኣለኹ” ኢልዎም ከም ዝነበረ ተመዝጊቡ ስለ ዘሎ፡ ቶማስ ንየሱስ ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ገይሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ጌርና ኸም እንሓስብ ዚገብረና ምኽንያት የልቦን። (ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 20:17 ርአ።) የሱስ ናብ ‘ኣቦኡ’ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት፡ ንኣቦኡ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ኢሉ ኺጽውዖ ኸሎ፡ ቶማስ ሰሚዑ እዩ። (ዮሃ 17:1-3) እምበኣር፡ ቶማስ ንየሱስ “ኣምላኸይ” ኢሉ ዝጸውዓሉ ምኽንያት እዚ ዚስዕብ ኪኸውን ይኽእል እዩ፦ ንየሱስ ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ገይሩ እኳ እንተ ዘይረኣዮ፡ ከም ኣምላኽ፡ ማለት መለኮታዊ ባህርይ ከም ዘለዎ ገይሩ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 1:1 ርአ።) ወይ ድማ ከምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተመዝጊቡ እንረኽቦ፡ ንየሱስ በቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቶም ካብ ኣምላኽ እተላእኩ መላእኽቲ ዚጽውዑሉ ዝነበሩ መገዲ ብዚመሳሰል ኣጸዋውዓ ይጽውዖ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቶማስ ነቲ ገሊኦም ውልቀ ሰባት፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ገሊኦም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓደ ኻብ ኣምላኽ እተላእከ መልኣኽ ኪምልሱሉ ወይ ኪዛረብዎ ኸለዉ፡ ንሱ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሮም ከም እተዛረብዎ ዚገልጽ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ምስ ዘፍ 16:7-11, 13፣ 18:1-5, 22-33፣ 32:24-30፣ መሳ 6:11-15፣ 13:20-22 ኣረኣኢ።) እምበኣር፡ ቶማስ ብተመሳሳሊ መገዲ፡ የሱስ ወኪልን ኣፈኛን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ስለ ዝኣመነሉ፡ “ኣምላኸይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ገሊኦም ሰባት፡ ቅድሚ እተን “ጐይታ”ን “ኣምላኽ”ን ዚብላ ቓላት፡ ናይ ግሪኽኛ ውሱን ኣመልካቲ ዚርከብ ምዃኑ፡ እዘን ቃላት እዚአን ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዜመልክታ ዜርኢ ኸም ዝዀነ ይማጐቱ እዮም። ኣብዚ ሓሳብ እዚ ኣመልካቲ ኣትዩ ምህላዉ ግና፡ ንሰዋስው ግሪኽኛ ዜንጸባርቕ ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከም ሉቃ 12:32 (ቃ.ቃ.፡ “እቲ ሒደት መጓሰ”) ከምኡ ድማ ቈሎ 3:18–4:1 (ቃ.ቃ.፡ “እተን ኣንስቲ”፣ “እቶም ሰብኡት”፣ “እቶም ውሉዳት”፣ “እቶም ኣቦታት”፣ “እቶም ባሮት”፣ “እቶም ጐይተት”) ዝኣመሰለ ጥቕስታት ዚርከብ ቃል ብቓሉ እተተርጐመ ሓሳባት፡ ኣመልካቲ ዝኣተዎ ተውላጠ ስም፡ ኣብ ግሪኽኛ ኸም መጸውዒ ጥራይ ዚዓይየሉ እዋናት ከም ዘሎ የርኢ። ብተመሳሳሊ፡ 1ጴጥ 3:7 ቃል ብቓሉ እንተ ትትርጐም፡ “እቶም ሰብኡት” ተባሂላ ምተነብበት ነይራ። ስለዚ፡ እቲ ቶማስ ኪዛረብ ከሎ እተጠቕመሉ ኣመልካቲ፡ እንታይ ማለቱ ምንባሩ ኣብ ምሕባር ኣገዳስነት ዘይብሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ዮሃንስ 20:1-18) ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ማርያም መግደላዊት ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፣ እቲ እምኒ ኻብቲ መቓብር ተኣልዩ ኸኣ ረኣየት። 2 ስለዚ፡ ጐይያ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዚፈትዎ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፡ “ንጐይታና ኻብቲ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ድማ ኣይንፈልጥን ኢና” በለቶም። 3 ሽዑ፡ ጴጥሮስን እቲ ኻልእ ወደ መዝሙርን ናብቲ መቓብር ከዱ። 4 ክልቲኦም ብሓንሳእ ጐየዩ፣ እቲ ኻልእ ወደ መዝሙር ግና ብፍጥነት ጐይዩ ንጴጥሮስ ቀደሞ፡ ኣብቲ መቓብር እውን ቅድም በጽሐ። 5 ድንን ምስ በለ ኸኣ፡ እቲ በፍታ ተነቢሩ ረኣየ፣ ግናኸ፡ ኣይኣተወን። 6 ሽዑ፡ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ። ነቲ በፍታ ኸኣ ተነቢሩ ረኣዮ። 7 እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ጨርቂ ኸኣ፡ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ ኻልእ መግነዝ ኣይነበረን። 8 ሽዑ፡ እቲ ቕድም ናብቲ መቓብር ዝበጽሐ ኻልእ ወደ መዝሙር እውን ኣተወ፣ ርእዩ ድማ ኣመነ። 9 ከመይሲ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ከም ዚግብኦ ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፍ ገና ኣይተረድእዎን ነበሩ። 10 ስለዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነናብ ቤቶም ተመልሱ። 11 ማርያም ግና ኣብ ጥቓ እቲ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ክትርኢ ናብቲ መቓብር ድንን በለት፣ 12 ጻዕዳ እተኸድኑ ኽልተ መላእኽቲ ኣብቲ ሬሳ የሱስ ዝነበሮ ቦታ፡ ሓደ ብትርኣስ፡ ሓደ ኸኣ ብትርጋጽ ተቐሚጦም ረኣየት። 13 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ስለምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ፧” በልዋ። ንሳ ድማ፡ “ንጐይታይ ወሲዶምዎ፣ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን እየ” በለቶም። 14 እዚ ምስ በለት፡ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ፡ ንየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ፣ የሱስ ምዃኑ ግና ኣየለለየቶን። 15 የሱስ ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ስለምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ፧ ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ፧” በላ። ንሳ ድማ ኣታኽልተኛ መሲልዋ፡ “ጐይታይ፡ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” በለቶ። 16 የሱስ ከኣ፡ “ማርያም!” በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፡ “ረቡኒ!” (“መምህር!” ማለት እዩ) በለቶ። 17 የሱስ ከኣ፡ “ገና ናብ ኣቦ ኣይዓረግኩን እሞ፡ ኣይትሓዝኒ። ግናኸ፡ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ‘ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን፡ ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እዓርግ ኣለኹ’ በልዮም” በላ። 18 ማርያም መግደላዊት ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ንጐይታ ርእየዮ!” በለቶም። እቲ ዝበላ እውን ነገረቶም።

12-18 ሕዳር

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 1-3

“ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ መንፈስ ቅዱስ ፈሰሰ”

(ግብሪ ሃዋርያት 2:1-8) ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ድማ፡ ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ ነበሩ። 2 ብሃንደበት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚመስል ደሃይ ካብ ሰማይ መጸ፣ ንብዘላ እታ ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ቤት እውን መልኣ። 3 ልሳናት ሓዊ ዚመስል ከኣ ተራእዮም፣ ተመቓቒሉ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ዓለበ። 4 ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ እሞ፡ ከምቲ እቲ መንፈስ ኪዛረቡ ዘኽኣሎም እውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። 5 በቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዅሎም ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ነበሩ። 6 እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ ድማ፡ ህዝቢ ተኣከቡ፣ በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ስለ ዝሰምዕዎም ከኣ ደንጸዎም። 7 ተደሚሞምን ተገሪሞምን ከኣ ከምዚ በሉ፦ “እንሆ፡ ኵሎም እዞም ዚዛረቡ ዘለዉ፡ ገሊላውያን ደይኰኑን፧ 8 ከመይ ኢልና ደኣ ኢና ነፍሲ ወከፍና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ እንሰምዖም ዘለና፧

(ግብሪ ሃዋርያት 2:14) ጴጥሮስ ግና ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዅላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ።

(ግብሪ ሃዋርያት 2:37, 38) ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግአ እሞ፡ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ሃዋርያትን፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፧” በልዎም። 38 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣቱ ይጠመቕ፣ ናጻ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እውን ክትቅበሉ ኢኹም።

(ግብሪ ሃዋርያት 2:41) ስለዚ፡ እቶም ነቲ ቓሉ ተሓጒሶም እተቐበልዎ ተጠምቁ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣስታት 3,000 ሰባት ተወሰኹ።

(ግብሪ ሃዋርያት 2:42-47) ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቝራስ እንጌራን ብጸሎትን ከኣ ጸኒዖም ነበሩ። 43 እወ፡ ኣብ ኵሉ ሰብ ፍርሃት ኰነ፣ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትታትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። 44 ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ብሓንሳእ ነበሩ፣ ዘለዎም ኵሉ እውን ናይ ሓባር ነበረ፣ 45 ጥሪቶምን ንብረቶምን ሸይጦም ከኣ፡ ንዅሎም ከከም ዜድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። 46 መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ከየብኰሩ ብሓባር ይእከቡ ነበሩ፣ ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ድማ ይምገቡ፡ ብታሕጓስን ብግሩህ ልብን ከኣ ምግቦም ይማቐሉ ነበሩ፣ 47 ንኣምላኽ ይውድስዎ ነበሩ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ እውን ሞገስ ነበሮም። የሆዋ ድማ ዚድሕኑ መዓልቲ መዓልቲ ይውስኸሎም ነበረ።

w86 1/12-E 29 ¶4-5, 7

ንልቢ ዜሐጕስ ወፈያታት

ብ33 ድ.ክ.፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተመስረተትላ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ 3,000 ዚኣኽሉ ሓደስቲ እተጠምቁ ኣሕዋት፡ ‘ዘለዎም ብምምቓልን ብምቝራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።’ ስለምንታይ፧ ‘ብትምህርቲ ሃዋርያት ብምጽናዕ፡’ ነታ ሓዳስ እምነቶም ኬደልድሉ ምእንቲ ኪኽእሉ ኢሎም እዮም ከምኡ ገይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:41, 42፡ እ.ጽ.።

ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን በዓል ጰንጠቈስጠ ኽሳዕ ዚውዳእ ጥራይ ኣብ የሩሳሌም ኪጸንሑ ኢሎም እዮም መጺኦም። እቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ግና እምነቶም ንምድልዳል ዝያዳ ምእንቲ ኺምሃሩ ኢሎም ንዝነውሐ ግዜ ኺጸንሑ ደለዩ። እዚ ኸኣ ህጹጽ ፍታሕ ዜድልዮ ናይ ምግብን ናይ መሕደርን ጸገማት ፈጠረ። ገሊኦም በጻሕቲ እኹል ገንዘብ ኣይነበሮምን፣ ገሊኦም ግና ዝተረፎም እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ንእተወሰነ እዋን ገንዘብ ይዋጻእን ነቶም ዜድልዮም ዘበለ ስጋዊ ነገራት ይምቀል ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:43-47።

ጥሪትካን ንብረትካን ምሻጥ፡ ንዅሉ ነገር ድማ ብሓባር ምምቓል፡ ምሉእ ብምሉእ ብወለንታ ዚግበር እዩ ነይሩ። ኪሸይጥ ወይ ኪውፊ ዚግደድ ሰብ ኣይነበረን፣ ድኽነት ንምትብባዕ እተገብረ እውን ኣይኰነን። እቲ ኺመሓላለፍ እተደልየ ነጥቢ፡ እቶም ሃብታማት ዘበሉ ዅሉ ጥሪቶም ሸይጦም ድኻታት ምዃኖም ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዘጋጠመ ዅነታት፡ ንኣመንቲ ብጾቶም ካብ ዝነበሮም ርሕራሐ ተላዒሎም ንብረቶም ብምሻጥ፡ ንዅሉ እቲ ኻብኡ እተረኽበ ኣታዊ ንምድንፋዕ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድሊ ነገር ኪውዕል ምውፋዮም እዩ።—ምስ 2 ቈረንቶስ 8:12-15 ኣረኣኢ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ግብሪ ሃዋርያት 3:15) ነቲ ቐንዲ ወኪል ህይወት ግና ቀቲልኩምዎ። ኣምላኽ ግና ንዕኡ ኻብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ፣ ነዚ ኸኣ ንሕና መሰኻኽር ኢና።

it-2-E 61 ¶1

የሱስ ክርስቶስ

“ቀንዲ ወኪል ህይወት።” ክርስቶስ የሱስ፡ ከም መግለጺ ጸጋ ኣቦኡ፡ ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕሪቡ እዩ። እዚ ኸኣ ነቶም ሕሩያት ሰዓብቲ ክርስቶስ ምስኡ ኣብ ሰማያዊ ግዝኣቱ ኺሓብርዎን ነቶም ኣብ ትሕቲ መንግስቱ ዚግዝኡ ምድራውያን ተገዛእቱ ዚኸውን መሰናድዎታት ኪህሉን ኣኽኢሉ እዩ። (ማቴ 6:10፣ ዮሃ 3:16፣ ኤፌ 1:7፣ እብ 2:5፣ በጃ ርአ።) በዚ ኸምዚ ንዅሎም ደቂ ሰብ፡ “ቀንዲ ወኪል [“መስፍን፡” ኪንግ ጀምስ ቨርሽን፣ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል] ህይወት” ኰነ። (ግብ 3:15) እታ ኣብዚ ተዓይዩላ ዘሎ ናይ ግሪኽኛ ስያመ ብመሰረቱ “ቐንዲ መራሒ” ማለት ኰይና፡ ምስታ ኸም “ሓለቓ” እስራኤል መጠን ኣብ ሙሴ ዝወዓለት ቃል (ግብ 7:27, 35) ትዛመድ እያ።

(ግብሪ ሃዋርያት 3:19) “እምበኣር፡ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ የሆዋ ባዕሉ ኸኣ እዋን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡ ተነስሑን ተመለሱን፣

cl 265 ¶14

“ንይቕሬታ ድልው” ዝዀነ ኣምላኽ

እቲ የሆዋ ዘለዎ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:19 እውን ተወሳኺ መግለጺ ተዋሂብዎ ኣሎ። እታ ጥቕሲ ‘ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም ተነስሑን ተመለሱን’ ትብለና። እታ ኣብዚ ኽድምሰሰልኩም ተባሂላ ዘላ ሓረግ ካብታ “ምጽራግ . . . ምስራዝ ወይ ምጥፋእ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ግሲ እተወስደት እያ። ገሊኣቶም ምሁራት ከም ዝብልዎ እቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ንናይ ኢድ ጽሕፈት ምድምሳስ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘመሓላልፍ። እዚ ብኸመይ እዩ ዝከኣል፧ እቲ ኣብ ጥንቲ ዝዝውተር ዝነበረ ቐለም ከም ካርቦንን ዕንዲዳን ማይን ብዝኣመሰለ ሕውስዋስ ነገራት ተቓሚሙ እዩ ዝስራሕ ነይሩ። ሓደ ሰብ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቐለም ወይ ብርዒ ምስ ጸሓፈ ነቲ ጽሕፈት ብጥሉል ሰፍነግ ወይ ስፕኞ ክድምስሶ ይኽእል ነይሩ እዩ። እዚ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ዘብርህ ንጹር መግለጺ እዩ። ሓጢኣትና ኽሓድገልና ኸሎ ብሰፍነግ ገይሩ ይድምስሶ ኸም ዘሎ እዩ ዝቝጸር።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ግብሪ ሃዋርያት 2:1-21) ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ድማ፡ ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ ነበሩ። 2 ብሃንደበት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚመስል ደሃይ ካብ ሰማይ መጸ፣ ንብዘላ እታ ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ቤት እውን መልኣ። 3 ልሳናት ሓዊ ዚመስል ከኣ ተራእዮም፣ ተመቓቒሉ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ዓለበ። 4 ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ እሞ፡ ከምቲ እቲ መንፈስ ኪዛረቡ ዘኽኣሎም እውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። 5 በቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዅሎም ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ነበሩ። 6 እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ ድማ፡ ህዝቢ ተኣከቡ፣ በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ስለ ዝሰምዕዎም ከኣ ደንጸዎም። 7 ተደሚሞምን ተገሪሞምን ከኣ ከምዚ በሉ፦ “እንሆ፡ ኵሎም እዞም ዚዛረቡ ዘለዉ፡ ገሊላውያን ደይኰኑን፧ 8 ከመይ ኢልና ደኣ ኢና ነፍሲ ወከፍና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ እንሰምዖም ዘለና፧ 9 ንሕና ሰብ ጳርትያውያንን ሜዶናውያንን ዔላማውያንን ነበርቲ መሶጶታምያን ይሁዳን ቀጶዶቅያን ጶንጦስን ኣውራጃ እስያን 10 ፍርግያን ጰምፊልያን ግብጽን ዞባታት ሊብያ ጥቓ ቀሬኔን ካብ ሮሜ ዝመጹ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን 11 ቅሬጥሳውያንን ኣዕራብን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ በብቛንቋና ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣለና።” 12 ኵላቶም ተደሚሞምን ደንጽይዎምን፡ “እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧” ተባሃሃሉ። 13 ካልኦት ግና ኣላገጹሎም፡ “ጕዕሽ ወይኒ ጸጊቦም እዮም” ድማ በሉ። 14 ጴጥሮስ ግና ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዅላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። 15 ሳልሰይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ እያ እሞ፡ ከምዚ ንዓኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ኣይሰኸሩን። 16 እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፦ 17 ‘“በተን ዳሕሮት መዓልትታት፡” ይብል ኣምላኽ፡ “ካብ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ ኸፍስስ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጕባዝኩም ራእያት ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹም እውን ሕልምታት ኪሓልሙ እዮም፣ 18 በተን መዓልትታት እቲአን ድማ ካብ መንፈሰይ ኣብ ተባዕትዮ ባሮተይን ኣንስትዮ ባሮተይን እውን ከፍስስ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። 19 ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓ ትክን ክህብ እየ። 20 እታ ዓባይን ድምቕትን መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጻኣ፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። 21 ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ድማ ኪድሕን እዩ።”’

19-25 ሕዳር

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 4-5

“ቃል ኣምላኽ ብዅሉ ትብዓት ተዛሪቦም”

(ግብሪ ሃዋርያት 4:5-13) ንጽብሒቱ፡ ኣሕሉቖምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ፣ 6 ምሳታቶም እውን ሃና እቲ ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን ቤተ ሰብ ሊቀ ኻህናት ዘበሉን ነበሩ። 7 ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም ድማ፡ “በየናይ ሓይሊ ወይስ ብስም መን ኢኹም እዚ ዝገበርኩም፧” ኢሎም ሓተትዎም። 8 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ኣሕሉቕ ህዝብን ዓበይትን፡ 9 ሎሚ ንሕና ብዛዕባ እቲ ንሓደ ስንኩል ሰብ እተገብረሉ ጽቡቕ ግብሪ ኻብ እንምርመር፡ ንዕኡ መን ከም ዘሕወዮ ኸኣ ክትፈልጡ ኻብ ደለኹም፡ 10 ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፡ ኣምላኽ ግና ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኵላትኩምን ኣብ ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። 11 ‘እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ኸም ገለ እኳ ዘይቈጸርኩምዎ እሞ ርእሲ እምኒ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡’ ንሱ እዩ። 12 ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ድሕነት ብኻልእ የልቦን።” 13 ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረኣዩ፡ ዘይተማህሩ ተራ ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተገንዘቡ፡ ገረሞም። ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።

w08 1/9 15፡ ሳጹን

ካብ ዘረባ ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽሓፍን ቀዳሞት ክርስትያናትን

ሃዋርያት መሃይም ድዮም ነይሮም፧

ገዛእትን ዓበይትን የሩሳሌም “ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፡ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) እቶም ሃዋርያት ብሓቂ ዘይተማህሩ ወይ መሃይም ድዮም ነይሮም፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ዘ ኒው ኢንተርፕረተርስ ባይብል ከምዚ ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ፦ “እዚ ቓላት እዚ፡ ጴጥሮስ[ን ዮሃንስን] ዘይተማህሩን ኪጽሕፉ ዀነ ኼንብቡ ዘይክእሉን ከም ዝዀኑ ዚሕብር ጌርካ ቓል ብቓሉ ኺውሰድ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ መንጎ እቶም ንፍርዲ ተቐሚጦም ዝነበሩን እቶም ሃዋርያትን ኣብ ማሕበራዊ ደርቢ ዝነበረ ሰፊሕ ፍልልይ ዚሕብር ጥራይ እዩ።”

w08 15/5 30 ¶6

ካብ ግብሪ ሃዋርያት ዚጐልሕ ነጥብታት

4:13—ጴጥሮስን ዮሃንስን ኬንብቡ ወይ ኪጽሕፉ ዘይክእሉ መሃይም ድዮም ነይሮም፧ ኣይነበሩን። “ዘይተማህሩ ጭዋታት” እተባህሉ፡ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ስልጠና ዝወሃበሉ ዝነበረ ኣብያተ-ትምህርቲ ረቢታት ስለ ዘይተማህሩ እዩ።

(ግብሪ ሃዋርያት 4:18-20) ጸዊዖም ድማ፡ ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይዛረቡ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም። 19 ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ “ካብ ንኣምላኽ፡ ንዓኻትኩም ምስማዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ፡ ባዕላትኩም ፍረዱ። 20 ንሕና ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም መለሱሎም።

(ግብሪ ሃዋርያት 4:23-31) ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶም፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን እንታይ ከም ዝበልዎም ነገርዎም። 24 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓደ ሰሚሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም ከምዚ በሉ፦ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ፡ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ፣ 25 ብመንፈስ ቅዱስ፡ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ጊልያኻ ኸምዚ ዝበልካ እውን ንስኻ ኢኻ፦ ‘ስለምንታይ ኣህዛብ ተናዊጾም፡ ህዝብታትሲ ኸንቱ ሓሲቦም፧ 26 ንየሆዋን ንቕቡኡን ኪጻረሩስ፡ ነገስታት ምድሪ ቘይሞም፡ ኣሕሉቕ ከኣ ብሓደ ተኣኪቦም።’ 27 ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን ኰይኖም፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ነቲ ዝቐባእካዮ ቕዱስ ጊልያኻ የሱስ ንምጽራር ተኣኪቦም እዮም፣ 28 እዚ ድማ፡ እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኣቐዲሙ ዝመደቦ ምእንቲ ኪኸውን እዩ። 29 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ፡ ናብ ምፍርራሆም ቈላሕታኻ ግበር፣ ንባሮትካ እውን ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ፍቐደሎም፣ 30 ንምሕዋይ ከኣ ኢድካ ዘርግሕ፣ ብስም እቲ ቕዱስ ጊልያኻ የሱስ እውን ትእምርትታትን ተኣምራትን ግበር።” 31 ምስ ተማህለሉ ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ ቦታ ተናወጸት፣ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፡ ቃል ኣምላኽ እውን ብትብዓት ይዛረቡ ነበሩ።

it-1-E 128 ¶3

ሃዋርያ

ንጥፈታት ክርስትያናዊት ጉባኤ። ብጰንጠቈስጠ መንፈስ ቅዱስ ምስ ፈሰሰ፡ እቶም ሃዋርያት ኣዝዮም እዮም በርቲዖም። እተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ምዕራፋት ግብሪ ሃዋርያት፡ ብዛዕባ እቲ እቶም ሃዋርያት ዝነበሮም ድፍረትን ብዛዕባ እቲ ብመራሕቶም እናተኣስሩን እናተወቕዑን ኪቕተሉ ምዃኖም ምፍርራህ እናኣጋጠሞምን ክነሶም ብስራትን ትንሳኤ የሱስን ኣብ ምእዋጅ ዘርኣይዎ ትብዓትን ይምስክራ እየን። ኣብተን ድሕሪ ጰንጠቈስጠ ዝነበራ ቐዳሞት መዓልትታት፡ እቲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እተደገፈ ሓያል መሪሕነት እቶም ሃዋርያት፡ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜደንቕ ዕቤት ክትገብር ኣኽኢልዋ እዩ። (ግብ 2:41፣ 4:4) ኣገልግሎቶም ፈለማ ኣብ የሩሳሌም ጥራይ እተሓጽረ እኳ እንተ ነበረ፡ ጸኒሑ ግና ናብ ሰማርያ፡ ድሕሪ ግዜ ኸኣ ናብ መላእ እታ ሽዑ እትፍለጥ ዓለም ተዘርጊሑ እዩ።—ግብ 5:42፣ 6:7፣ 8:5-17, 25፣ 1:8።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ግብሪ ሃዋርያት 4:11) ‘እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ኸም ገለ እኳ ዘይቈጸርኩምዎ እሞ ርእሲ እምኒ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡’ ንሱ እዩ።

it-1-E 514 ¶4

እምኒ መኣዝን

መዝሙር 118:22፡ እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ “ርእሲ መኣዝን” (እብራይስጢ፡ ሮሽ ፊናህ) ከም ዚኸውን ትገልጽ እያ። የሱስ ነዚ ትንቢት እዚ ጠቒሱ ኣብ ርእሱ ብምውዓል፡ “ርእሲ እምኒ መኣዝን” (ግሪኽኛ፡ ከፋለ ጐኒያስ፡ ርእሲ መኣዝን) ከም ዝዀነ ገለጸ። (ማቴ 21:42፣ ማር 12:10, 11፣ ሉቃ 20:17) ከምቲ ኣብ ህንጻ ዚርከብ ርእሲ እምኒ ጐሊሑ ዚርአ፡ የሱስ ክርስቶስ እውን ርእሲ እምኒ እታ በቶም ምስ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ተመሳሲሎም ዘለዉ ቕቡኣት ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ። ጴጥሮስ እውን ንመዝሙር 118:22 ኣብ ክርስቶስ ብምውዓል፡ ክርስቶስ እቲ ሰባት ዝነዓቕዎ፡ ኣምላኽ ግና “ርእሲ እምኒ መኣዝን” ኪኸውን ዝሓረዮ “እምኒ” ኸም ዝዀነ ገለጸ።—ግብ 4:8-12፣ 1ጴጥ 2:4-7 እውን ርአ።

(ግብሪ ሃዋርያት 5:1) ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ሰጲራ መሬቱ ሸጠ።

w13 1/3 15 ¶4

ጴጥሮስን ሃናንያን ሓሰዉ—ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ሃናንያን ሰበይቱን እውን እተወሰነ ንብረቶም ሸይጦም፡ ነቶም ሓደስቲ እተጠምቁ ሰባት ብገንዘብ ኪሕግዝዎም ደለዩ። ሃናንያ ነቲ ገንዘብ ናብ ሃዋርያት ኣምጺኡ፡ ንዅሉ ንብረቱ ሸይጡ ዝረኸቦ ገንዘብ ከም ዝሃበ ተዛረበ። እዚ ግና ሓቂ ኣይነበረን። እተወሰነ ገንዘብ ንርእሱ ኣትሪፉ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ንጴጥሮስ ኣፍለጦ እሞ፡ ጴጥሮስ ንሃናንያ፡ “ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሓሰኻን” በሎ። ሽዑ ሃናንያ ወዲቑ ሞተ። ድሕሪ ሰለሰተ ሰዓት ኣቢሉ ኸኣ ሰበይቱ እውን መጸት። ንሰብኣያ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ስለ ዘይፈለጠት፡ ንሳ እውን ሓሰወት፡ ወዲቓ ኸኣ ሞተት።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ግብሪ ሃዋርያት 5:27-42) ኣምጺኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ሓተቶም፡ 28 “በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩ ብጽኑዕ ኣዚዝናኩም ኔርና፣ እንሆ ግና፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ፣ ደም እዚ ሰብ እዚ ኣብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ቘሪጽኩም ኣለኹም” ድማ በሎም። 29 ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ከኣ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ። 30 ኣምላኽ ኣቦታትና ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ጕንዲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ ኣተንሲእዎ እዩ። 31 ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ፡ ኣምላኽ ንዕኡ ቐንዲ ወኪልን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣቢልዎ እዩ። 32 ንሕና ድማ ነዚ ነገር እዚ መሰኻኽር ኢና፣ እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስ እውን ከምኡ” ኢሎም መለሱ። 33 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ነደሩ፡ ኪቐትልዎም ከኣ ደለዩ። 34 ግናኸ፡ ሓደ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ብዅሉ እቲ ህዝቢ ዚኽበር መምህር ሕጊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ነቶም ሰባት ሓንሳእ ኣብ ወጻኢ ኼጽንሕዎም ኣዘዘ። 35 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኦም ክትገብርዎ እትሓስቡ ዘለኹም ነገር ተጠንቀቑሉ። 36 ንኣብነት፡ ቅድሚ እዘን መዓልትታት እዚአን፡ ቴዎዳስ፡ ‘ኣነ ዓብዪ እየ’ ኢሉ ተንሲኡ ነይሩ፣ 400 ዚኣኽሉ ሰብኡት ከኣ ሓቢሮምዎ። ግናኸ፡ ንሱ ተቐቲሉ፡ ኵሎም እቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኸኣ ተበቲኖም፡ ከም ዘይነበሩ እውን ኰይኖም። 37 ድሕሪኡ፡ ይሁዳ እቲ ገሊላዊ፡ በተን መዓልትታት ምዝገባ ተንሲኡ ነይሩ፣ ሰዓብቲ ድማ ገይሩ። ንሱ እውን ጠፊኡ፡ ኵሎም እቶም ዚእዘዝዎ ዝነበሩ ኸኣ ፋሕ ኢሎም። 38 ሕጂ ድማ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣይትተንክይዎም፡ ሕደግዎም። እዚ ውጥን እዚ ወይ እዚ ግብሪ እዚ ኻብ ሰብ እንተ ዀይኑስ፡ ኪፈርስ እዩ፣ 39 ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እንተ ዘይኰነስ፡ ምናልባት ምስ ኣምላኽ እትብኣሱ ዄንኩም ክትርከቡ ኢኹም።” 40 ሽዑ፡ ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፣ ንሃዋርያት ጸዊዖም ከኣ ገረፍዎም፣ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ድማ ሓደግዎም። 41 ንሳቶም ከኣ ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱ። 42 ኵሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብዛዕባ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ከየቋረጹ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ።

26 ሕዳር–2 ታሕሳስ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 6-8

“እታ ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተፈቲና”

(ግብሪ ሃዋርያት 6:1) በተን መዓልትታት እቲአን፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እናበዝሑ ምስ ከዱ፡ እቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ፡ መበለታቶም ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ እተባህላ፡ ኣብቶም እብራይስጢ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ ኣጕረምረሙ።

bt 41 ¶17

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ”

ድሕርዚ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሓዳስ ጉባኤ ሓደ ኣስጋኢ ነገር ተፈጥረ። እዚኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ብዙሓት ካብቶም ሽዑ እተጠምቁ ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሩሳሌም ኪበጽሑ ዝመጹ እዮም ነይሮም፣ ናብ ዓዶም ቅድሚ ምምላሶም ከኣ ዝያዳ ኺመሃሩ ደለዩ። ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ድማ፡ ዜድሊ ምግብን ካልእ ነገራትን ንምምላእ ብፍታዎም ገንዘብ ወፈዩ። (ግብ. 2:44-46፣ 4:34-37) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ተነቃፊ ጕዳይ ተፈጥረ። ኣብ “ምምቃል ምግቢ ዕለት፡” እተን ተዛረብቲ ቛንቋ ጽርኢ ወይ ግሪኽኛ ዝዀና መበለታት ‘ተጐስያ።’ (ግብ. 6:1) እተን ተዛረብቲ ቛንቋ እብራይስጢ ዝዀና መበለታት ግን ኣይተጐስያን። እዚ ኣድልዎ ምንባሩ ርዱእ እዩ። እዚ ጕዳይ እዚ ድማ ኪኸፋፍል ዚኽእል ሓደገኛ ነገር እዩ።

(ግብሪ ሃዋርያት 6:2-7) ሽዑ፡ እቶም ዓሰርተው ክልተ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዖም፡ “ንሕና ቓል ኣምላኽ ሓዲግና፡ ኣብ መኣዲ ምግቢ ኽንዕድል ግቡእ ኣይኰነን። 3 ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ምእንቲ ኽንሸሞም፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሸውዓተ ሰብኡት ድለዩ፣ 4 ንሕና ግና ጸኒዕና ጸሎትን ኣገልግሎት እቲ ቓልን ክንገብር” በልዎም። 5 እዚ ዘረባ እዚ ንዅላቶም ባህ ኣበሎም፣ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ንኒቆላዎስ እቲ ጵሮሴሊት ብዓል ኣንጾክያን ሓረዩ። 6 ናብ ሃዋርያት ድማ ኣምጽእዎም፣ ንሳቶም ከኣ ጸልዮም፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም። 7 ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ እናዓበየ፡ ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሐ ኸደ፣ ብዙሓት ካብ ካህናት እውን ነታ እምነት ተኣዘዙ።

bt 42 ¶18

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ”

እቶም ከም ኣመሓዳሪ ኣካል እታ እናሰፍሐት ትኸይድ ዝነበረት ጉባኤ ዀይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ “ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን” በሉ። (ግብ. 6:2) ነዚ ንምፍታሕ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም” ሸውዓተ ሰብኡት ኪሓርዩ መምርሒ ሃብዎም፣ ነዚኣቶም ድማ ሃዋርያት ኣብ ልዕሊ እቲ “ጕዳይ” ኪምዝዝዎም እዮም ሓሲቦም። (ግብ. 6:3) እቲ ዕዮ፡ ምምቃል ምግቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገንዘብ ምሓዝ፡ ዜድሊ ነገራት ምሽማት፡ ከምኡውን ብጥንቃቐ መዛግብቲ ምሓዝ ዜጠቓልል ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ብቑዓት ሰብኡት እዮም ዜድልዩ ነይሮም። ኵሎም እቶም እተሓርዩ ሰብኡት ስማት ግሪኽኛ ነበሮም፣ እዚ ድማ በተን እተበደላ መበለታት ዝያዳ ተቐባልነት ከም ዚህልዎም ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሃዋርያት ብዛዕባ እቶም ዝቐረቡሎም ሸውዓተ ሕጹያት ብጸሎት ድሕሪ ምሕሳቦም፡ ነቲ “ጕዳይ” እቲ መዘዝዎም።

(ግብሪ ሃዋርያት 7:58–8:1) ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ኺጭፍጭፍዎ ጀመሩ። እቶም መሰኻኽር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ኣእጋር ሳውል ዚብሃል ጐበዝ ኣንበሩ። 59 ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸለዉ ኸኣ፡ እስጢፋኖስ፡ “ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል” ኢሉ ተማሕጸነ። 60 ተምበርኪኹ ኸኣ፡ ብብርቱዕ ድምጺ፡ “የሆዋ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም” ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለ እውን ሞተ።

8 ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ብርቱዕ መስጐጕቲ ተላዕለ፣ ብዘይካ ሃዋርያት ከኣ፡ ኵላቶም ናብ ዞባታት ይሁዳን ሰማርያን ፋሕ በሉ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ግብሪ ሃዋርያት 6:15) ኵሎም እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ድማ ጠመትዎ እሞ፡ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።

bt 45 ¶2

እስጢፋኖስ “ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ”

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ገጽ እስጢፋኖስ ዚንበብ ዝነበረ ነገር ኣዝዩ ዜደንቕ ነበረ። እቶም ፈራዶ ጠመትዎ እሞ፡ ገጹ “ኸም ገጽ መልኣኽ” ኰይኑ ተራእዮም። (ግብ. 6:15) መላእኽቲ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ እተላእከ መልእኽቲ ዜብጽሑ ፍጡራት ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ገጾም ትብዓትን ህድኣትን ሰላምን እዩ ዚንበብ። ኣብ ገጽ እስጢፋኖስ እውን ከምኡ እዩ ዚንበብ ነይሩ፣ እቶም ብጽልኢ እተመልኡ ፈራዶ እውን ከይተረፉ ነዚ ኺርእዩ ኸኣሉ። ከመይ ገይሩ ግን እዩ ኺሃድእ ክኢሉ፧

(ግብሪ ሃዋርያት 8:26-30) ግናኸ፡ መልኣኽ የሆዋ ንፊልጶስ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ደቡብ፡ ናብታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋዛ እተውርድ መገዲ ኺድ” ኢሉ ተዛረቦ። (ንሳ መገዲ ምድረ በዳ እያ።) 27 ተንሲኡ ኸኣ ከደ፣ እንሆ ድማ፡ ሓደ ስሉብ ኢትዮጵያዊ፡ ኣብ ትሕቲ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ስልጣን ዝነበሮ፡ ኣብኣ ነበረ። ንሱ ኼምልኽ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ነበረ፣ 28 ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ የንብብ ነበረ። 29 መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ “ኪድ ናብቲ ሰረገላ ቕረብ” በሎ። 30 ፊልጶስ ጐድኒ ጐድኑ ጐየየ፡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ ኼንብብ ከሎ ድማ ሰምዖ እሞ፡ “ነቲ እተንብቦስ ብሓቂዶ ትፈልጦ ኢኻ፧” በሎ።

bt 58 ¶16

“ብዛዕባ የሱስ ወንጌል” ምስባኽ

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብቲ ፊልጶስ እተኻፈለሉ ዕዮ ናይ ምዕያይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ነቶም ኣብ ጕዕዞ ዀነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ብወዝቢ ዜጓንፍዎም ሰባት፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግርዎም እዮም። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ምስ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ምርኻቦም፡ ናይ ኣጋጣሚ ጥራይ ዘይምዃኑ ግሁድ እዩ። እቲ መልእኽቲ “ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ምእንቲ ኺበጽሖም፡ መላእኽቲ ነቲ ዕዮ ስብከት ይኣልይዎ ኸም ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚገልጽ፡ እዚ እንጽበዮ ጕዳይ እዩ። (ራእ. 14:6) መላእኽቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ናይ ምእላይ ግደ ኸም ዚህልዎም፡ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝመሰሎ ምሳሌ፡ እቶም ኣብ ግዜ ቐውዒ፡ ማለት ኣብ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ ኣብቲ ዕዮ ዚሳተፉ “ዓጻዶ፡” “መላእኽቲ” ምዃኖም ሓበረ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት፡ “መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም” ምዃኖም ገለጸ። (ማቴ. 13:37-41) መላእኽቲ ነቶም የሆዋ ናብ ውድቡ ኺስሕቦም ዚደሊ ወረስቲ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ዀነ ነቶም ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ኪእክብዎም ነበሮም።—ራእ. 7:9፣ ዮሃ. 6:44, 65፣ 10:16።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ግብሪ ሃዋርያት 6:1-15) በተን መዓልትታት እቲአን፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እናበዝሑ ምስ ከዱ፡ እቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ፡ መበለታቶም ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ እተባህላ፡ ኣብቶም እብራይስጢ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ ኣጕረምረሙ። 2 ሽዑ፡ እቶም ዓሰርተው ክልተ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዖም፡ “ንሕና ቓል ኣምላኽ ሓዲግና፡ ኣብ መኣዲ ምግቢ ኽንዕድል ግቡእ ኣይኰነን። 3 ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ምእንቲ ኽንሸሞም፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሸውዓተ ሰብኡት ድለዩ፣ 4 ንሕና ግና ጸኒዕና ጸሎትን ኣገልግሎት እቲ ቓልን ክንገብር” በልዎም። 5 እዚ ዘረባ እዚ ንዅላቶም ባህ ኣበሎም፣ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ንኒቆላዎስ እቲ ጵሮሴሊት ብዓል ኣንጾክያን ሓረዩ። 6 ናብ ሃዋርያት ድማ ኣምጽእዎም፣ ንሳቶም ከኣ ጸልዮም፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም። 7 ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ እናዓበየ፡ ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሐ ኸደ፣ ብዙሓት ካብ ካህናት እውን ነታ እምነት ተኣዘዙ። 8 እስጢፋኖስ ድማ ሞገስ ኣምላኽን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ተኣምራትን ትእምርትታትን ይገብር ነበረ። 9 ገለ ኻብታ ምኵራብ ውጹኣት ሓራ እትብሃልን ካብ ቀሬናውያንን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና፡ ንእስጢፋኖስ ኪከራኸርዎ ተንስኡ። 10 ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪረትዕዎ ኣይከኣሉን። 11 ሽዑ፡ “ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ” ዚብሉ ሰብኡት ብሕቡእ ሓበሉ። 12 ንህዝብን ንዓበይትን ንጸሓፍትን ከኣ ኣለዓዓልዎም፣ ብሃንደበት መጺኦም ድማ፡ መንዚዖም ናብቲ ዋዕላ ወሰድዎ። 13 ሓሰውቲ መሰኻኽር ከኣ ኣምጽኡ፣ ንሳቶም ድማ፡ “እዚ ሰብ እዚ፡ ኣንጻር እዛ ቕድስቲ ቦታ እዚኣን ኣንጻር ሕግን ካብ ምዝራብ ኣይዓርፍን እዩ። 14 ንኣብነት፡ ‘የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ነዛ ቦታ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ልምዲ ኸኣ ኪልውጦ እዩ’ ኺብል ከሎ ሰሚዕናዮ” በሉ። 15 ኵሎም እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ድማ ጠመትዎ እሞ፡ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ