ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስእላዊ ዘረባ ይርድኣካዶ፧
ሓንቲ ስእሊ ኽንዲ ሽሕ ቃላት ክትከውን ትኽእል እያ፣ ሓድሓደ ግዜ ግን ሓንቲ ወይ ክልተ ቓላት ስእሊ ኺስእለልካ ይኽእል እዩ። ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮ ኣንባቢ ስእሊ ኸም ዚሰኣል ዚገብር ሓያሎ ስእላዊ ዘረባ ይርከብ እዩ።a ንኣብነት፡ ሓደ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዘቕረቦ ስብከት ጥራይ ልዕሊ 50 እተፈላለየ ስእላዊ ዘረባ ተጠቒሙ እዩ።
ስእላዊ ዘረባ ኼገድሰካ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት፡ ነዚ ቓላት እዚ ምርዳእካ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ባህ ዜብልን ተፈታውን ይገብሮ፡ ንቓል ኣምላኽ ብዝያዳ ንኸተስተማቕሮ ኸኣ ይሕግዘካ። ብተወሳኺ፡ ነቲ እተንብቦ ስእላዊ ዘረባ ብግቡእ እንተ ተገንዚብካዮ፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትርድኦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓደ ስእላዊ ዘረባ ኽትግንዘቦ እንተ ዘይክኢልካ፡ ምርዳኡ የሸግረካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ ግጉይ መደምደምታ እውን ኪመርሓካ ይኽእል እዩ።
ንስእላዊ ዘረባ ምርዳኡ
ስእላዊ ዘረባ ንሓደ ሓሳብ ምስ ካልእ የነጻጽር። እቲ ኺነጻጸር እተደልየ ሓሳብ፡ ርእሰ ነገር ይበሃል፣ እቲ ዚነጻጸረሉ ዘሎ ኸኣ ምስሊ ይበሃል። ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ሓሳባት ዘሎ ምንጽጻር ድማ፡ ተመሳሳልነት ይበሃል። እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ትርጕም ሓደ ስእላዊ ዘረባ ምእንቲ ኽትግንዘቦ፡ ንሰለስቲኡ እዚ ባእታታት እዚ ኽትግንዘቦን ክትርድኦን ኣሎካ።
ሓድሓደ ግዜ ነቲ ርእሰ ነገርን ነቲ ምስልን ምልላዩ ቐሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ተመሳሳልነቱ ግን እተፈላለየ ኣማራጺታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ነዚ ብልክዕ ንኸተለሊ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።b
ንኣብነት፡ የሱስ ነታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ፡ “እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ” ኢልዋ እዩ። የሱስ ኣብዚ ንምምጻኡ (ርእሰ ነገር) ምስ ምምጻእ ሰራቒ (ምስሊ) ኣመሳሲልዎ ኣሎ። እዚ ኽልተ ነገራት ግን እንታይ ተመሳሳልነት እዩ ዘለዎ፧ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት፡ መልሲ እዛ ሕቶ ንኽንረክብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ” በለ። (ራእይ 3:3) ስለዚ፡ ዜመሳሳሎ ዘሎ ነገር፡ ዕላማ መምጽኢኡ ኣይኰነን። ሓደ ነገር ንምስራቕ ከም ዚመጽእ ኣይኰነን ዚእምት ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ትጽቢት ከይተገብረሉ ብሃንደበት ከም ዚመጽእ እዩ ገሊጹ።
ሓድሓደ ግዜ ግን፡ ኣብ ሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስእላዊ ዘረባ፡ ነቲ ኣብ ካልእ ክፋል ዚርከብ ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ብምጽሓፍ፡ ከምቲ የሱስ እተጠቕመሉ ዓይነት ስእላዊ ዘረባ ተጠቒሙ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:2) ኣብ ከባቢ እዚ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ቓላት ዚርከብ ሓሳባት፡ ነቲ ተመሳሳልነት ብንጹር ኣይገልጾን እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ስእላዊ ዘረባ እዚ ምስቲ የሱስ ኣብ ራእይ 3:3 እተጠቕመሉ ኸነነጻጽሮ ኸለና፡ ነቲ ተመሳሳልነቱ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። እዚ ስእላዊ ዘረባ እዝስ ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብመንፈስ ንቑሓት ንኪዀኑ ዜጕልሕ ከመይ ዝበለ ሓያል መዘኻኸሪ ዀን እዩ!
ብዛዕባ ኣምላኽ ዚምህረና ስእላዊ ዘረባ
ዋላ ሓደ ሰብ ንዅሉ ባህርያትን ሓይልን እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦ ኣይክእልን እዩ። ብግዜ ጥንቲ፡ ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ፡ “ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 145:3) እዮብ እውን ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽ ድሕሪ ምሕሳቡ፡ “[ካ]ብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዅሽዅስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጕዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል፧” በለ።—እዮብ 26:14።
ይኹን እምበር፡ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት እቲ ሰማያዊ ኣምላኽ ብእተወሰነ መዳይ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ስእላዊ ዘረባ ይጥቀም እዩ። የሆዋ ኸም ንጉስ፡ ሓጋግ ሕጊ፡ ፈራዲ፡ ተዋጋኢ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣኽቢርካ ንኽትርእዮ ይሕግዘካ። ብተወሳኺ እውን፡ ከም ጓሳ፡ መኻሪ፡ መምህር፡ ኣቦ፡ ፈዋሲ፡ መድሓኒ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንኸተፍቅሮ ይድርኸካ። (መዝሙር 16:7፣ 23:1፣ 32:8፣ 71:17፣ 89:26፣ 103:3፣ 106:21፣ ኢሳይያስ 33:22፣ 42:13፣ ዮሃንስ 6:45) ኵሉ እዚ ቐሊል መግለጺታት እዚ፡ መሳጢ ዝዀነ ተመሳሳልነት ዘለዎ ነገራት ናብ ኣእምሮኻ ኸም ዚመጸካ ይገብር። ከምዚ ዝኣመሰለ ስእላዊ ዘረባ፡ ካብቲ ብዙሕ ቃላት ኪገልጾ ዚኽእል ንላዕሊ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሆዋ ምስ ህይወት ዘይብሉ ነገራት እውን የመሳስሎ እዩ። ንኣብነት፡ ከም “ከውሒ እስራኤል፡” ከም “ከውሒ፡” ከምኡውን ከም “ዕርዲ” ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (2 ሳሙኤል 23:3፣ መዝሙር 18:2፣ ዘዳግም 32:4) እዚ ምስ የሆዋ እንታይ ተመሳሳልነት እዩ ዘለዎ፧ ከምቲ ዓብዪ ኸውሒ ጽኑዕን ዘይነቓነቕን ዝዀነ፡ የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንዓኻ ዜተኣማምን ምንጪ ዕቝባ ኪዀነካ ይኽእል እዩ።
ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ንእተፈላለየ ባህርያት የሆዋ ዜጕልሕ ስእላዊ ዘረባ ብብዝሒ ይርከብ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ምንጪ ብርሃንን ህይወትን ጸዓትን ዕቝባን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መዝሙር 84:11፡ ከም “ጸሓይን ዋልታን” ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ መዝሙር 121:5፡ “እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ” ትብል። ከምቲ ጽላል ዘለዎ ቦታ ኻብ መራር ጸሓይ ዜጽልለካ፡ የሆዋ ኸኣ ንኣገልገልቱ ኣብ ትሕቲ ‘ኢዱ’ ወይ ‘ኣኽናፉ’ ብምጽላል፡ ካብ መዓት ኬዕቍቦም ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 51:16፣ መዝሙር 17:8፣ 36:7።
ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ስእላዊ ዘረባ
መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ብተደጋጋሚ “ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (ዮሃንስ 1:34፣ 3:16-18) ኣምላኽ ከም ሰብ ስለ ዘይኰነን ቃል ብቓሉ ሰበይቲ ስለ ዘይብሉን፡ ገሊኦም ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ነዚ ንምርዳኡ ይኸብዶም እዩ። ኣምላኽ ምስቲ ሰብ ዚወልደሉ ኣገባብ ብዚመሳሰል መገዲ፡ ወዲ ኸም ዘይወልድ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ እዚ መግለጺ እዚ ስእላዊ ዘረባ እዩ። የሱስ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ፡ ከምቲ ሰብኣዊ ወዲ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ርክብ ምዃኑ ንኼረድኣና ተባሂሉ እዩ ተጠቒሱ። ብተወሳኺ እውን፡ የሱስ ብየሆዋ ስለ እተፈጥረ፡ ህይወቱ ኻብኡ ኸም ዝረኸበ የጕልሓልና። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝነበረ ኣዳም፡ “ወዲ ኣምላኽ” ተባሂሉ ኣሎ።—ሉቃስ 3:38።
የሱስ ነቲ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ንምግላጽ፡ እተፈላለየ ስእላዊ ዘረባ ተጠቒሙ እዩ። ንኣብነት፡ “ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ጨናፍር ወይኒ ኣመሳሰሎም። (ዮሃንስ 15:1, 4) እዚ ስእላዊ ዘረባ እዚ እንታይ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ ዚምህረና፧ ጨናፍር ወይኒ ህያውን ፍረ ዚፈርን ኰይኑ ንኪቕጽል፡ ካብ ጕንዱ ኺፍለ የብሉን። ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ እውን ብተመሳሳሊ ኣብኡ ኺጸንዑ ኣለዎም። የሱስ፡ “ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 15:5) ከምቲ ሓደ ተኻሊ ንወይኑ ፍረ ኺፈሪ ዚጽበዮ፡ የሆዋ ኸኣ ነቶም ኣብ ክርስቶስ ዚጸንዑ ዘበሉ መንፈሳዊ ፍረ ኺፈርዩ ይጽበዮም እዩ።—ዮሃንስ 15:8።
ነቲ ተመሳሳልነት ኣርጊጽካ ፍለጦ
ስእላዊ ዘረባ ኸነንብብ ከለና፡ ነቲ ተመሳሳልነት እንተ ዘይተገንዚብናዮ፡ ግጉይ ምርዳእ ኪህልወና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ሮሜ 12:20 ዚርከብ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጕሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ” ዚብል ቃላት እሞ ንውሰድ። ኣብ ርእሲ ሰብ ጕሁር ሓዊ ምእካብ ኪበሃል ከሎ፡ ንመቕጻዕቲ ድዩ ዜመልክት፧ ነቲ ኣብዚ ተዓዩሉ ዘሎ ተመሳሳልነት እንተ ተረዲእናዮ፡ ከምኡ ኸም ዘየመልክት ይንጽረልና እዩ። እዚ ስእላዊ ዘረባ እዚ፡ ካብቲ ጥንቲ ዚዕየየሉ ዝነበረ መስርሕ ምምካኽ ማዕድናት እዩ ተወሲዱ። ዘይተጻረየ ማዕድን ንምምካኽ፡ ብልዕሊኡን ብትሕቲኡን ጕሁር ከሰል ይግበረሉ ነበረ። እዚ መስርሕ እዚ ነቲ ማዕድን የምክኾ፡ ነቲ ጽሩይ ብረት ካብቲ ርስሓቱ ኸም ዚፈላለ ድማ ይገብሮ። ብተመሳሳሊ፡ ሕያውነት ምግባር፡ ንኣረኣእያ ሰብ ቀይሩ፡ ጽቡቕ ባህርያት ከም ዜርኢ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።
ንስእላዊ ዘረባ ብግቡእ ምርዳእና፡ ንኣእምሮና የብርሃልና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንልብና እውን ይትንክፎ እዩ። ሓጢኣት ምስ “ዕዳ” ምምስሳሉ፡ ክብደቱ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። (ሉቃስ 11:4 NW) የሆዋ ይቕረ ኺብለልናን ዕዳና ኺስርዘልናን ከሎ ግን፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እፎይታ እንረክብ! ሓጢኣትና ኸም ‘ዚስውረልናን’ ከም ‘ዚድምስሰልናን’ ኪግለጸልና ኸሎ፡ ኣብ መጻኢ ሓጢኣትና ኸም ዘይጸባጸበና ኢና መረጋገጺ እንረክብ። (መዝሙር 32:1, 2፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:19) የሆዋ ነቲ ኸም ጁዅ ወይ ከም ዝዋውዕ ድሙቕ ዝነበረ ሓጢኣት፡ ከም በረድ ጻዕዳ ዚገብሮ ምዃኑ እውን ብሓቂ ዜጸናንዕ እዩ!—ኢሳይያስ 1:18።
እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ነጥብታት፡ ካብቲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብኣማእታት ዚቝጸር ስእላዊ ዘረባ ሒደት ኣብነታት ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ብፍላይ ነቲ ስእላዊ ዘረባ ኣስተብህለሉ። ግዜ ወሲድካ ተመሳሳልነቱ ኣርጊጽካ ፍለጥ፡ ነዚ ድማ ኣስተንትነሉ። ከምኡ ምግባርካ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎካ ምርዳእን ሞሳን ኬስፍሓልካ እዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ “ስእላዊ ዘረባ” ዚብል መግለጺ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንተምሳል፡ ንመነጻጸሪ፡ ወይ ንኻልእ ዓይነት ምሳልያዊ ቛንቋ የመልክት።
b እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሕተም ክልተ ጥራዝ ዘለዎ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዚበሃል መዝገበ-ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ሓያሎ መዳያት ንተመሳሳልነት ንኽትርድኦ ዚሕግዝ ሰፊሕ ሓበሬታ ይህብ እዩ።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]
ስእላዊ ዘረባ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ
ስእላዊ ዘረባ ብእተፈላለየ መገድታት ይሕግዘና እዩ። ሓደ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ዝዀነ ነጥቢ፡ ምስ ዝቐለለ ነጥቢ ኺነጻጸር ይኽእል እዩ። ንእተፈላለየ መዳያት ሓደ ጕዳይ ንምብራህ፡ ልዕሊ ሓደ ስእላዊ ዘረባ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕለሉ ግዜ እውን ኣሎ። ኣገዳሲ ሓሳባት ብስእላዊ ዘረባ ኣቢልካ ኺጐልሕ ወይ ዝያዳ መሳጢ ኺግበር ይከኣል እዩ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን]
ንእተፈላለየ ባእታታት ስእላዊ ዘረባ ኣለሊ
ስእላዊ ዘረባ፦ “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም።” (ማቴዎስ 5:13)
ርእሰ ነገር፦ ንስኻትኩም (ደቀ መዛሙርቲ የሱስ)
ምስሊ፦ ጨው
ተመሳሳልነት፦ ዕቃበ
ትምህርቲ፦ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንህይወት ብዙሓት ሰባት ኪዕቅብ ዚኽእል መልእኽቲ ነበሮም
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን።”--መዝሙር 23:1