ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 4 ገጽ 28-35
  • “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ብገዛእ ሓይልና” ኣይኰነን (ግብሪ ሃዋርያት 3:11-26)
  • “ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” (ግብሪ ሃዋርያት 4:1-22)
  • “ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም” (ግብሪ ሃዋርያት 4:23-31)
  • “ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ” ኣይኰኑን ተሓተትቲ (ግብሪ ሃዋርያት 4:32–5:11)
  • ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ብተኣማንነት ፈተናታት ሰገረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 4 ገጽ 28-35

ምዕራፍ 4

“ዘይተማህሩ ተራ ሰባት”

ሃዋርያት ብትብዓት ስጕምቲ ወሰዱ፡ የሆዋ ኸኣ ባረኾም

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:1–5:11 እተመስረተ

1, 2. ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ እንታይ ተኣምር ገበሩ፧

እዋኑ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ነይሩ። ሃይማኖተኛታት ኣይሁድን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስን ናብ ቀጽሪ እቲ ቤተ መቕደስ ይኣትዉ ነበሩ። “ሰዓት ጸሎት” ቀሪቡ ነበረ።a (ግብ. 2:46፣ 3:1) ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብታ ጽብቕቲ እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ገጾም ከዱ። ካብቲ ያዕያዕታን ደሃይ ኣእጋርን ንላዕሊ፡ ሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ዝለመሰ ሰብኣይ ምጽዋት ኪልምን ከሎ ይስማዕ ነበረ።—ግብ. 3:2፣ 4:22።

2 ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብቲ ለማኒ ገጾም ምስ ቀረቡ፡ ኪምጽውቱሉ ልሙድ ልመና ኣቕረበሎም። እቶም ሃዋርያት ደው በሉ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣተኰረሎም። ጴጥሮስ፡ “ብሩርን ወርቅን የብለይን፣ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ። ብስም የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ተንሲእካ ኺድ!” በሎ። ጴጥሮስ ነቲ ልሙስ ሰብኣይ ብኢዱ ሒዙ ምስ ኣተንስኦ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ግዜ ቐኒዑ ደው ምስ በለ፡ እቶም ህዝቢ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተገረሙ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! (ግብ. 3:6, 7) እቲ ሰብኣይ ነተን ዝሓወያ ኣእጋሩ እናጠመተ ንፈለማ ግዜ ኺስጕም ከሎ ይረኣየካዶ ኣሎ፧ ኪሰራሰርን ንኣምላኽ ዓው ኢሉ ኺውድስን ጀመረ።

3. እቲ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይን እቶም ህዝብን እንታይ ብሉጽ ውህበት እዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧

3 እቶም እተገረሙ ህዝቢ ናብቶም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ዝነበሩ ጴጥሮስን ዮሃንስን ጐየዩ። ጴጥሮስ ኣብቲ ሓደ ግዜ የሱስ ደው ኢሉ ዝመሃረሉ ቦታ ዀይኑ፡ ናይ ሓቂ ትርጉም እቲ እተፈጸመ ነገር ሓበሮም። (ዮሃ. 10:23) ነቶም ህዝብን ነቲ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይን ካብ ብሩር ኰነ ወርቂ ዚበልጽ ውህበት ኣቕረበሎም። እዚ ውህበት እዚ፡ ካብ ጥዕና ዚኸብር ነበረ። ኪንስሑን ሓጢኣቶም ኪድምሰስን ሰዓብቲ እቲ የሆዋ ዝሸሞ “ቐንዲ ወኪል ህይወት” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑን እዩ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም።—ግብ. 3:15።

4. (ሀ) እቲ ተኣምራዊ ምሕዋይ እንታይ ምስሕሓብ ከም ዚፍጠር ገበረ፧ (ለ) እንታይ ክልተ ሕቶታት ኢና ኽንምልስ፧

4 ከመይ ዝበለት እተደንቕ መዓልቲ ዀን እያ ነይራ! ሓደ ሰብ ካብ መልመስቱ ሓውዩ ብእግሩ ኪኸይድ ከኣለ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ድማ ንኣምላኽ ብቑዓት ኰይኖም ምእንቲ ኺመላለሱ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሓውዩ መገዲ ተኸፍተሎም። (ቈሎ. 1:9, 10) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ኣብ መንጎ እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስን ኣብ መንጎ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰባትን ምስሕሓብ ከም ዚፍጠር ገበረ፣ እቶም ሰበ ስልጣን ነቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ነቲ የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ዝሃቦም መዝነት ከይፍጽሙ ኺዓግትዎም ደለዩ። (ግብ. 1:8) ካብቲ እቶም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” እተባህሉ ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ኺምስክሩሎም ከለዉ እተጠቕሙሉ ሜላታትን ዘንጸባረቕዎ ኣረኣእያን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧b (ግብ. 4:13) ነቲ ንሳቶምን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ምጽራር ኬጋጥሞም ከሎ ዝገበርዎ ነገራት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

“ብገዛእ ሓይልና” ኣይኰነን (ግብሪ ሃዋርያት 3:11-26)

5. ካብቲ ጴጥሮስ ነቶም ህዝቢ እተዛረበሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

5 ጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ገለ ኻብቶም የሱስ ምእንቲ ኺስቀል ዝጨደሩ ሰባት ኣብኡ ኸም ዘለዉ እናፈለጡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ደው በሉ። (ማር. 15:8-15፣ ግብ. 3:13-15) ጴጥሮስ፡ እቲ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ ብስም የሱስ ከም ዝሓወየ ኸይፈርሀ ኺገልጽ ከሎ ዘርኣዮ ትብዓት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሓቂ ኣይዓባበጠን። እቶም ህዝቢ ብሞት ክርስቶስ ተሓተትቲ ምንባሮም ብቐጥታ ነገሮም። ኰይኑ ግና፡ “ብዘይ ፍልጠት” ስለ ዝገበርዎ፡ ምስቶም ህዝቢ ጽልኢ ኣይነበሮን። (ግብ. 3:17) ከም ኣሕዋቱ ገይሩ ተማሕጸኖም፡ ኣብ ኣወንታዊ መዳይ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣተኰረ። እንተ ተነሲሖምን ኣብ ክርስቶስ እንተ ኣሚኖምን፡ ካብ የሆዋ “እዋን ዕረፍቲ” ኺመጸሎም ምዃኑ ነገሮም። (ግብ. 3:19) ንሕና እውን ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ ኣምላኽ ክንእውጅ ከለና፡ ተባዓትን ሓቂ ዘይንዓባብጥን ክንከውን ኣሎና። ምስናይዚ ግና፡ ተረርቲ ወይ ኰነንቲ ኽንከውን የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቶም እንሰብከሎም ሰባት፡ ኣሕዋትና ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ጌርና ንርእዮም፣ ከም ጴጥሮስ ከኣ፡ ብሕልፊ ኣብቲ ኣወንታዊ መዳይ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነተኵር ኢና።

6. ጴጥሮስን ዮሃንስን ትሕትና ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

6 እቶም ሃዋርያት ትሑታት እዮም ነይሮም። በቲ ዝፈጸምዎ ተኣምራዊ ተግባር ኪምጐሱ ኣይደለዩን። ጴጥሮስ ነቶም ህዝቢ፡ “ስለምንታይከ ብገዛእ ሓይልና ወይ ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነት ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮ ጌርኩም ትጥምቱና ኣለኹም፧” በሎም። (ግብ. 3:12) ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣብ ኣገልግሎቶም ዚዓምዎ ዝነበሩ ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ነገር ብሓይሎም ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ብትሕትና ተደሪኾም፡ በቲ ዝዓመምዎ ነገራት የሆዋን የሱስን ከም ዚውደሱ ገበሩ።

7, 8. (ሀ) ንሰባት እንታይ ውህበት ኢና ኸነቕርበሎም እንኽእል፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ “ምምላስ ኵሉ” እተነግረ ቓል፡ ሎሚ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧

7 ንሕና እውን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሳተፍ ከለና፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ትሕትና ኸነርኢ ኣሎና። ሓቂ እዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ተኣምራዊ ምሕዋይ ኪገብሩ ዜኽእል ሓይሊ ኣይህቦምን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሰባት ኣብ ኣምላኽን ክርስቶስን እምነት ምእንቲ ኼሕድሩ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዘቕረበሎም ውህበት ከኣ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ እዚ ማለት ሓጢኣቶም ምእንቲ ኺሕደገሎምን ካብ የሆዋ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺረኽቡን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ኣብ ዓዓመት፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ነዚ ተቐቢሎም፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ይዀኑ ኣለዉ።

8 እወ፡ ኣብቲ ጴጥሮስ “ምምላስ ኵሉ” ኢሉ ዝጸውዖ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። ከም መፈጸምታ እቲ “ኣምላኽ ብኣፍ እቶም ናይ ጥንቲ ቕዱሳት ነብያቱ [እተዛረቦ]” ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ቈመት። (ግብ. 3:21፣ መዝ. 110:1-3፣ ዳን. 4:16, 17) ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚግበር መንፈሳዊ ዕዮ ምቕናዕ፡ ብሓላፍነት ኪመርሖ ጀመረ። ከም ውጽኢቱ፡ ሚልዮናት ናብ መንፈሳዊ ገነት ኣትዮምን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖምን እዮም። ነቲ ብልሹው ኣረጊት ስብእና ቐንጢጦም፡ “ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና” ለቢሶም እዮም። (ኤፌ. 4:22-24) ከምቲ ኣብቲ ልሙስ ለማኒ እተራእየ፡ እዚ ዜደንቕ ዕዮ እዚ፡ ብጻዕሪ ሰብ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ እዩ ዚፍጸም። ከም ጴጥሮስ፡ ብቓል ኣምላኽ ጌርና ብትብዓትን ብውጽኢታዊ መገድን ንሰባት ክንምህር ኣሎና። ንሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ኣብ ምሕጋዝ እንረኽቦ ዝዀነ ይኹን ኣሳልጦ፡ ብሓይልና ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ እዩ ዚርከብ።

“ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” (ግብሪ ሃዋርያት 4:1-22)

9-11. (ሀ) መራሕቲ ኣይሁድ ነቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ሒዞምዎ ዝነበሩ መልእኽቲ ምስ ሰምዑ እንታይ ገበሩ፧ (ለ) እቶም ሃዋርያት እንታይ ኪገብሩ እዮም ቈሪጾም ዝነበሩ፧

9 እቲ ጴጥሮስ ዜቕርቦ መደረን እቲ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ እናተሰራሰረ ዓው ኢሉ ምዝራቡን፡ ያዕያዕታ ፈጠረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ንጸጥታ እቲ ቤተ መቕደስ ኪቈጻጸር እተሸመ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሊቃውንቲ ኻህናትን ነቲ ጕዳይ ንምምርማር ተቐላጢፎም መጹ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ እቶም ሃብታማትን ፖለቲካዊ ጽልዋ ዝነበሮምን ሰዱቃውያን እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። እዞም ጕጅለ እዚኦም ምስ ሮማውያን ሰላማዊ ርክብ ኪህሉ ይዓይዩ ነበሩ፣ ነቲ ብፈሪሳውያን ኣዝዩ ዚፍቶ ዝነበረ ብኣፍ ዚመሓላለፍ ሕጊ ነጺጎምዎ ነበሩ፣ ኣብ ትንሳኤ ኸኣ ኣይኣምኑን ነበሩ።c ንጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ብትብዓት ኪምህሩ ምስ ረኸብዎም ኣዝዮም ሓረቑ!

10 እቶም ዝሓረቑ ተጻረርቲ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበይዎም፣ ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ኣቕረብዎም። ብኣረኣእያ እቶም ምኩሓት ገዛእቲ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህሩ መሰል ዘይብሎም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” እዮም ነይሮም። ኣብ ዝዀነ ይኹን ተፈላጥነት ዘለዎ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኣይተማሃሩን። ትብዓቶምን ምትእምማኖምን ግና፡ ነቶም ኣባላት እቲ ቤት ፍርዲ ኸም ዚግረሙ ገበሮም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ንፉዓት ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ሓደ ምኽንያት፡ “ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ” ተገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 4:13) ጐይታኦም ከምቶም ጸሓፍቲ ዘይኰነስ፡ ብናይ ሓቂ ስልጣን እዩ ዚምህር ነይሩ።—ማቴ. 7:28, 29።

11 እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ሃዋርያት ከይሰብኩ ኣዘዞም። ትእዛዝ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ኣኽቢድካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ቅድሚ እተወሰነ ሰሙናት እኳ፡ ኣባላት እዚ ቤት ፍርዲ እዚ ንየሱስ፡ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም ፈሪዶምዎ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 26:59-66) ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣይፈርሁን። ኣብ ቅድሚ እቶም ሃብታማትን ምሁራትን ጽልዋ ዝነበሮምን ሰብኡት ደው ኢሎም፡ ከይፈርሁ ብኣኽብሮት፡ “ካብ ንኣምላኽ፡ ንዓኻትኩም ምስማዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ፡ ባዕላትኩም ፍረዱ። ንሕና ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” በልዎም።—ግብ. 4:19, 20።

ሊቀ ኻህናትን ሊቃውንቲ ኻህናትን

ሊቀ ኻህናት ንህዝቢ ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቐርብ ነበረ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ከኣ፡ ርእሲ እቲ ዋዕላ ተባሂሉ ዘሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ነበረ። ንዕኡ ኸቢቦምዎ ዝነበሩ ኸም መራሕቲ ኣይሁድ ኰይኖም ዜገልግሉ ሰባት፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ይብሃሉ ነበሩ። እዚኣቶም ከኣ፡ ከም ሃና ዝኣመሰሉ ኣቐዲሞም ሊቀ ኻህናት ዝነበሩ ሰብኡትን እኹላት ሰብኡት ዝዀኑ ኣባላት እቶም ሊቀ ኻህናት ዚሕረየሎም ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዚኣኽሉ ስድራ ቤታትን እዮም ነይሮም። ኤሚል ሹረር ዚብሃል ምሁር፡ “ኣባል ሓደ ኻብዞም ፍሉይ መሰል ዘለዎም ስድራ ቤታት ምዃን፡ ካብ ካልኦት ጸብለል ከም እትብል ይገብር ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ” ኢሉ ጸሓፈ።

ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኬገልግል ከም ዚግብኦ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይሕብር እዩ። (ዘሁ. 35:25) መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣብ እተጻሕፈትሉ እዋን ግና፡ ሮማውያን ኣመሓደርትን ኣብ ትሕቲ ሮሜ ዀይኖም ዚገዝኡ ዝነበሩ ነገስታትን ከም ድላዮም ሊቀ ኻህናት ይሸሙን የውርዱን ነበሩ። ይኹን እምበር፡ እዞም ኣረማውያን ገዛእቲ እዚኦም፡ ካብ ዓሌት ኣሮን ዚሸሙ ዝነበሩ እዩ ዚመስል።

12. ትብዓትን ምትእምማንን ንምምዕባል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

12 ንስኻኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትብዓት ከተርኢ ትኽእል ዲኻ፧ ንሃብታማት፡ ንምሁራት፡ ወይ ጽልዋ ንዘለዎም ኣባላት ማሕበረ ሰብካ ንምምስካር ኣጋጣሚ ኽትረክብ ከለኻ ኸመይ ይስምዓካ፧ ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ መማህርትኻ፡ ወይ መሳርሕትኻ ብእምነትካ እንተ ኣላጊጾምልካ ትፈርህ ዲኻ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ስምዒታት እዚ ኽትሰግሮ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሃዋርያቱ ብኸመይ ንእምነቶም ብምትእምማንን ብኣኽብሮትን ከም ዚጣበቑ ምሂርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:11-18) ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ክሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ” ምሳታቶም ኪኸውን ምዃኑ ቓል ኣተወሎም። (ማቴ. 28:20) እዚ ሕጂ ዘሎ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ኰይኑ ዚዓዪ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እውን፡ ንእምነትና ብኸመይ ከም እንጣበቕ ይምህረና እዩ። (ማቴ. 24:45-47፣ 1 ጴጥ. 3:15) ነዚ ድማ በቲ ኣብ ከም ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ዝኣመሰለ ኣኼባታት ጉባኤ ዚቐርብ መምርሒታትን በቲ ኸም ኣብ jw.org ዚወጽእ “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስቱ ዓንቀጻት ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኣቢሉ እዩ ዚገብሮ። ነዚ መሰናድዎታት እዚ ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ትብዓትካን ምትእምማንካን ኪውስኽ እዩ። ከምቶም ሃዋርያት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ዜደንቕ መንፈሳዊ ሓቅታት ካብ ምዝራብ ዋላ ሓደ ኺዓግተካ ኣይከተፍቅደሉን ኢኻ።

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ንመሳርሕታ ትምስክረላ።

ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ ዜደንቕ መንፈሳዊ ሓቅታት ካብ ምዝራብ ዋላ ሓደ ኺዓግተካ ኣይተፍቅደሉ

“ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም” (ግብሪ ሃዋርያት 4:23-31)

13, 14. ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧

13 ጴጥሮስን ዮሃንስን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ፡ ብኡብኡ ምስ ኣባላት እታ ጉባኤ ተራኸቡ። “ብሓደ ሰሚሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም” ስብከቶም ንምቕጻል ዜኽእል ትብዓት ኪውሃቦም ጸለዩ። (ግብ. 4:24) ጴጥሮስ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም፡ ኣብ ናይ ብሕትኻ ሓይሊ ምውካል ዕሽነት ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ሰሙናት ኣቐዲሙ፡ ንየሱስ፡ “ኵላቶም እኳ ብኣኻ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክዕንቀፍን እየ!” ኢሉ ብምትእምማን ተዛሪብዎ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ ነዊሕ ኸይጸንሐ ንሰብ ስለ ዝፈርሀ፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ንዓርኩን መምህሩን ከሓዶ። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ካብ ጌጋኡ ተማሂሩ እዩ።—ማቴ. 26:33, 34, 69-75።

14 ብዛዕባ ክርስቶስ ንምምስካር ዘሎካ መዝነት ክትፍጽም ከለኻ፡ ቈራጽነት ጥራይ ኣየዋጽኣካን እዩ። ተጻረርቲ፡ እምነትካ ኽትክሕድ ወይ ስብከትካ ደው ከተብል ኬገድዱኻ ምስ ዚፍትኑ፡ ኣብነት ጴጥሮስን ዮሃንስን ስዓብ። ብርታዐ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸሊ። ካብ ጉባኤ ደገፍ ድለ። ንሽማግለታት ወይ ንኻልኦት ብሱላት ክርስትያናት፡ ብዛዕባ እቲ ጸገማትካ ንገሮም። ጸሎት ካልኦት እውን ክትጸንዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 6:18፣ ያእ. 5:16።

15. እቶም ኣብ ሓደ እዋን ስብከት ዘቋረጹ ኺደሃሉ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

15 በቲ ዘጋጠመካ ጸቕጢ ሓንሳእ እንተ ተምበርኪኽካን ንእተወሰነ እዋን ስብከትካ ደው እንተ ኣቢልካን፡ በዚ ኣይትደሃል። የሱስ ድሕሪ ሙማቱ፡ ኵሎም ሃዋርያት ንእተወሰነ እዋን ስብከቶም ኣቋሪጾም ከም ዝነበሩ ኣይትረስዕ፣ ኰይኑ ግና፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ኸም ብሓድሽ ብንጥፈት ኪሰብኩ ጀሚሮም እዮም። (ማቴ. 26:56፣ 28:10, 16-20) ሕሉፍ ጌጋታትካ ኺደቝሰካ ኣብ ክንዲ እተፍቅድ፡ ካብ ተመክሮኻ ኽትምሃርን ንኻልኦት ንምብርታዕ ክትጥቀመሉን ትኽእልዶ፧

16, 17. ካብቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘቕረብዎ ጸሎት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

16 ሰበ ስልጣን ኪጭቍኑና ኸለዉ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧ ሃዋርያት፡ ፈተናታት ኪርሕቀሎም ኣይኰኑን ጸልዮም። ነቲ የሱስ፡ “ንዓይ እንተ ሰጒጎምኒ፡ ንዓኻትኩም እውን ኪሰጕጉኹም እዮም” ኢሉ እተዛረቦም ቃላት ኣጸቢቖም ይዝክርዎ ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 15:20) ስለዚ ድማ፡ እዞም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ንየሆዋ፡ ናብ ምፍርራህ እቶም ጨቈንቲ ‘ቘላሕታ ኺገብር’ ለመንዎ። (ግብ. 4:29) እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ መስጐጕቲ መፈጸምታ ትንቢት ምዃኑ ስለ ዘስተውዓሉ፡ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ኣይሰሓትዎን። እወ፡ ሰብኣውያን ገዛእቲ ዝበሉ እኳ እንተ በሉ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ከምቲ የሱስ ኪጽልዩ ዝመሃሮም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ‘ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን’ ይፈልጡ ነበሩ።—ማቴ. 6:9, 10።

17 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺገብሩ፡ “ንባሮትካ . . . ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ፍቐደሎም” ኢሎም ናብ የሆዋ ጸለዩ። የሆዋኸ ብኡብኡ እንታይ ምላሽ ሃቦም፧ “እታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ ቦታ ተናወጸት፣ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፡ ቃል ኣምላኽ እውን ብትብዓት ይዛረቡ ነበሩ።” (ግብ. 4:29-31) ፍቓድ ኣምላኽ ከይፍጸም ኪዓግቶ ዚኽእል ነገር የልቦን። (ኢሳ. 55:11) እቲ ዅነታት ሽሕ ሳዕ ይጸንክር፡ ተጻረርቲ እውን ሽሕ ሳዕ ይሓይሉ ብዘየገድስ፡ ድምጽና ብጸሎት ናብ ኣምላኽ እንተ ኣልዒልና፡ ቃሉ ብትብዓት ምዝራብ ምእንቲ ኽንቅጽል ብርታዐ ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

“ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ” ኣይኰኑን ተሓተትቲ (ግብሪ ሃዋርያት 4:32–5:11)

18. ኣባላት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ንሓድሕዶም እንታይ ይገብሩ ነበሩ፧

18 እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት እግሪ ተኽሊ ጉባኤ፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ልዕሊ 5,000 ኣባላት ዘለውዋ ዀነት።d እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኻብ እተፈላለየ እተኣኻኸቡ እኳ እንተ ነበሩ፡ “ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን” ነበሩ። ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ይመላለሱ ነበሩ። (ግብ. 4:32፣ 1 ቈረ. 1:10) የሆዋ ጻዕርታቶም ምእንቲ ኺባርኸሎም ይጽልዩ ጥራይ ኣይኰኑን ነይሮም። ብመንፈሳዊ ዀነ ብስጋዊ መዳይ ይደጋገፉ ነይሮም እዮም። (1 ዮሃ. 3:16-18) ንኣብነት፡ እቲ ብሃዋርያት በርናባስ እተባህለ ዮሴፍ፡ መሬቱ ሸይጡ፡ ንብምሉኡ እቲ ገንዘብ ወፈዮ፣ እቲ ወፈያ ድማ ነቶም ካብ ርሑቕ ሃገራት ዝመጹ እሞ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነቶም ዝያዳ ምእንቲ ኺምሃሩ ኢሎም ኣብ የሩሳሌም ኪጸንሑ ዝደለዩ ሰባት ዚሕግዝ ነበረ።

19. የሆዋ ንሃናንያን ንሰጲራን ዝቐዘፎም ስለምንታይ እዩ፧

19 ሃናንያን ሰጲራን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር እውን፡ መሬቶም ሸይጦም፡ ውጽኢት ገበሩ። ኵሉ ኸም ዚህቡ መሲሎም ቀረቡ፣ ከም ሓቂ ግና ‘ካብቲ ዋጋ መቒሎም ብሕቡእ ኣትረፉ።’ (ግብ. 5:2) የሆዋ ነዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ቀዘፎም። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እቲ ዝወፈይዎ እኹል ስለ ዘይነበረ ዘይኰነስ፡ ኪህቡ ዝደረኾም ነገር እከይ ስለ ዝነበረን መታለልቲ ብምንባሮምን እዩ። ‘ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሓሰዉን።’ (ግብ. 5:4) ከምቶም የሱስ ዝዀነኖም ግቡዛት ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ኣምላኽ ሞገስ ኪረኽቡ ኣብ ክንዲ ዚጽዕሩ፡ ካብ ሰብ ክብሪ ኺረኽቡ ደለዩ።—ማቴ. 6:1-3።

20. ንየሆዋ ብዛዕባ ምሃብ፡ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንምሃር፧

20 ሎሚ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ዝነበሮም ዓይነት መንፈስ ልግሲ ስለ ዘለዎም፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብፍታው ወፈያታት ይገብሩ እዮም። ነዚ ዕዮ እዚ ንምድጋፍ፡ ግዜኡ ወይ ገንዘቡ ብግዲ ኺህብ ዚሕተት ሰብ የሎን። የሆዋ ብጓሂ ወይ ብግዲ ኸነገልግሎ ኣይደልን እዩ። (2 ቈረ. 9:7) ክንህብ ከለና፡ ኣብቲ እንህቦ መጠን ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንምሃብ ዘለዓዓለና ውሽጣዊ ድራኸ እዩ ዜተኵር። (ማር. 12:41-44) ከም ሃናንያን ሰጲራን ንጥቕሚ ርእስና ኢልና ወይ ክብሪ ኽንረክብ ኢልና ኸነገልግል ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ጴጥሮስን ዮሃንስን በርናባስን፡ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ወትሩ ኻብታ ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘላትና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዝፈልፈለ ይኹን።—ማቴ. 22:37-40።

ጴጥሮስ—ካብ ገፋፍ ዓሳ ናብ ብርቱዕ ሃዋርያ

ጴጥሮስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣርባዕተ ስማት ተጸዊዑ ኣሎ። ብእብራይስጢ ዀነ ብግሪኽኛ፡ ስምኦን ተባሂሉ ኺጽዋዕ ከሎ፡ ብዘይካዚ ጴጥሮስ ከምኡ እውን ብሴማዊ ቛንቋታት ኬፋ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ስምኦን ጴጥሮስ ዚብል ክልተ ስማት ብሓባር ይወሃቦ እዩ።—ማቴ. 10:2፣ 16:16፣ ዮሃ. 1:42።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ዓሳታት ተሰኪሙ ኣሎ።

ጴጥሮስ ምርዑው እዩ ነይሩ፣ ምስ ሓማቱን ሓዉን ድማ ብሓደ ይነብር ነበረ። (ማር. 1:29-31) ዓዱ እታ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቤት-ሳይዳ ኽትከውን ከላ፡ ስራሑ ድማ ምግፋፍ ዓሳ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 1:44) ጸኒሑ ኣብ ቅፍርናሆም ይነብር ነበረ። (ሉቃ. 4:31, 38) የሱስ ነቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ እተኣከቡ ብዙሓት ህዝቢ ኣብ እተዛረበሉ እዋን፡ ኣብ ጃልባ ጴጥሮስ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ብምእዛዙ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ብዙሕ ዓሳ ገፈፈ። ሽዑ ስለ ዝፈርሀ ብብርኩ ተምበርክኸ፣ የሱስ ግና፡ “ደጊም ኣይትፍራህ። ካብ ሕጂ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ኽትገፍፍ ኢኻ” በሎ። (ሉቃ. 5:1-11) ጴጥሮስ ምስ እንድርያስ ሓዉን ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ብሓባር ኰይኑ ዓሳ ይገፍፍ ነበረ። ኣርባዕቲኦም ነዚ ዕዮኦም ሓዲጎም፡ ነቲ የሱስ ሰዓብቱ ኪዀኑ ዘቕረበሎም ጻውዒት ተቐበልዎ። (ማቴ. 4:18-22፣ ማር. 1:16-18) ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፡ ጴጥሮስ ሓደ ኻብቶም የሱስ ዝሓረዮም እሞ “ሃዋርያት፡” ማለት “እተላእኩ” ኢሉ ዝሰመዮም 12 ሰባት ኰነ።—ማር. 3:13-16።

የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን፡ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ኬሰንይዎ ሓርይዎም እዩ። ኣብቲ የሱስ ብተኣምራዊ እተለወጠሉ እዋን ምስኡ ነይሮም፡ ንጓል ያኢሮስ ኬተንስኣ ኸሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነይሮም፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ድማ ተኻፈልቲ ጓሂኡ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 17:1, 2፣ 26:36-46፣ ማር. 5:22-24, 35-42፣ ሉቃ. 22:39-46) እዞም ሰለስተ እዚኦምን እንድርያስን፡ ንየሱስ ብዛዕባ ምልክት እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ሓተትዎ።—ማር. 13:1-4።

ጴጥሮስ ብቐጥታ ዚዛረብ፡ ብርቱዕ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ውዑይ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንብጾቱ ቐዲምዎም ዚዛረብ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ኣብ ወንጌላት፡ ንሱ እተዛረቦ ቓላት፡ ካብቲ እቶም 11 ኻልኦት ሃዋርያት ብድምር እተዛረብዎ ቓላት ይበዝሕ። ካልኦት ስቕ ኣብ ዚብሉሉ እዋን፡ ጴጥሮስ ሕቶታት ይሓትት ነበረ። (ማቴ. 15:15፣ 18:21፣ 19:27-29፣ ሉቃ. 12:41፣ ዮሃ. 13:36-38) የሱስ እግሩ ኸይሓጽቦ ተቓዊሙ ኼብቅዕ፡ መግናሕቲ ምስ ተዋህቦ ኸኣ ኣእዳዉን ርእሱን ኪሓጽቦ ሓተቶ።—ዮሃ. 13:5-10።

የሱስ ከም ዚስቀን ከም ዚቕተልን ኣብ ዚገልጸሉ እዋን፡ ጴጥሮስ ካብ ሓያል ስምዒታት ተላዒሉ፡ ንየሱስ ካብዚ ምእንቲ ኼምልጥ ኬእምኖ ፈተነ። ጴጥሮስ ኣብቲ ግዜ እቲ ጽቡቕ ምምዝዛን ስለ ዘይነበሮ ግና፡ የሱስ ኣትሪሩ ኣረሞ። (ማቴ. 16:21-23) ኣብታ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ጴጥሮስ፡ ዋላ እውን ካልኦት ሃዋርያት ንየሱስ እንተ ሓደግዎ፡ ንሱ ግና ከም ዘይሓድጎ ተዛረበ። የሱስ ብጸላእቱ ኣብ እተታሕዘሉ እዋን፡ ጴጥሮስ ብትብዓት ሰይፉ ኣልዒሉ ኺከላኸለሉ ፈተነ፣ ጸኒሑ ድማ ደድሕሪኡ ስዒቡ ናብ ቀጽሪ ሊቀ ኻህናት ኣተወ። ድሕሪ እዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ንጐይታኡ ሰለስተ ሳዕ ከሓዶ፣ እንታይ ከም ዝገበረ ምስ ተረድኦ ኸኣ ኣምሪሩ በኸየ።—ማቴ. 26:31-35, 51, 52, 69-75።

የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንሃዋርያቱ ኣብ ገሊላ ኸይተራእዮም ከሎ፡ ጴጥሮስ ዓሳ ኺገፍፍ ከም ዚኸይድ ተዛረበ፡ ካልኦት ሃዋርያት እውን ሰዓብዎ። ንየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ምስ ኣለለዮ፡ ዘሊሉ ናብቲ ማይ ኣትዩ እናሓምበሰ ናብቲ ገምገም ወጸ። ነቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ዘዳለወሎም ቍርሲ እናበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ካብዚኣቶም [ማለት ካብቶም ዓሳ] ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ንጴጥሮስ፡ ነቲ ኸም ምግፋፍ ዓሳ ዝኣመሰለ ኻልእ ሞያ ሓዲጉ፡ ምሉእ ግዜኡ ንዕኡ ኣብ ምስዓብ ኪውፊ እዩ ዚምሕጸኖ ነይሩ።—ዮሃ. 21:1-22።

ብ62-64 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ጴጥሮስ ነቲ ብስራት ኣብታ ብዙሓት ኣይሁድ ዝነበርዋ፡ ሕጂ ዒራቕ እትብሃል ዘላ ባቢሎን ሰበኸ። (1 ጴጥ. 5:13) ኣብ ባቢሎን ከሎ፡ ነታ ብስሙ እትጽዋዕ ቀዳመይቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ መልእኽቱ ጸሓፋ፣ ነታ ኻልአይቲ እውን ኣብኡ እዩ ጽሒፍዋ ዚኸውን። የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ንጴጥሮስ ኣብቶም ግዙራት ሃዋርያ ኪኸውን ስልጣን [ሃቦ]።” (ገላ. 2:8, 9) ጴጥሮስ ከኣ ብርሕራሐን ብውዕዉዕ መንፈስን መዝነቱ ፈጸመ።

ዮሃንስ—እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር

ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ወዲ ዘብዴዎስን ሓው ሃዋርያ ያእቆብን እዩ ነይሩ። ኣዲኦም ሰሎሜ እያ ነይራ ኽትከውን እትኽእል፣ ንሳ እውን ሓብቲ ማርያም ኣደ የሱስ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። (ማቴ. 10:2፣ 27:55, 56፣ ማር. 15:40፣ ሉቃ. 5:9, 10) ስለዚ፡ ዮሃንስ ዘመድ የሱስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስድራ ዮሃንስ ብስጋ ሃብታማት ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ዘብዴዎስ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነበሮ ስራሕ ሰፊሕ ብምንባሩ፡ ግዙኣት ኪቘጽር ከኣለ። (ማር. 1:20) የሱስ ኣብ ገሊላ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰሎሜ ተሰንዮን ተገልግሎን ነበረት፣ ጸኒሓ ድማ ንስጋ የሱስ ንቐብሪ ንምድላው ሽቱ ኣምጽአት። (ማር. 16:1፣ ዮሃ. 19:40) ዮሃንስ ምናልባት ናይ ርእሱ ቤት ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዮሃ. 19:26, 27።

ሃዋርያ ዮሃንስ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ሒዙ ኣሎ።

ዮሃንስ፡ ወደ መዝሙር ዮሃንስ መጥምቕ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ዮሃንስ መጥምቕ ናብ የሱስ እናረኣየ፡ “እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ!” ኣብ ዝበለሉ እዋን ከኣ ምስ እንድርያስ ደው ኢሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 1:35, 36, 40) ድሕሪኡ፡ ዮሃንስ ወዲ ዘብዴዎስ ንየሱስ ኣሰንይዎ ናብ ቃና ኸይዱ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኣብኡ ኸኣ ነቲ የሱስ ዝፈጸሞ ናይ መጀመርታ ተኣምር ብዓይኑ ረኣየ። (ዮሃ. 2:1-11) ነቲ ቐጺሉ የሱስ ኣብ የሩሳሌምን ሰማርያን ገሊላን ዝፈጸሞ ንጥፈታት፡ ዮሃንስ ኣብ ወንጌሉ ኣነጺሩ ብዝርዝር ምግላጹ፡ ነቲ ንጥፈታት ብዓይኑ ኸም ዝረኣዮ ዚሕብር እዩ። ዮሃንስ፡ ሰዓቢ የሱስ ኪኸውን ጻውዒት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ከም ያእቆብን ጴጥሮስን እንድርያስን፡ ንመርበቡን ጃልባኡን መነባብሮኡን ሓዲጉ ንየሱስ ምስዓቡ፡ ንእምነቱ ዜርኢ እዩ።—ማቴ. 4:18-22።

ዮሃንስ ኣብ ጸብጻባት ወንጌል፡ ከም ጴጥሮስ ብዙሕ ሳዕ ኣይተጠቕሰን። ይኹን እምበር፡ ካብቲ የሱስ ንዕኡን ንሓዉ ያእቆብን ቦኣኔርጌስ፡ ማለት “ደቂ ነጐዳ” ኢሉ ዘውጽኣሎም ስም ከም እነስተውዕሎ፡ ሓያል ሰብ እዩ ነይሩ። (ማር. 3:17) ኣብ ፈለማ፡ ምርኡይ ኪኸውን ይደሊ ብምንባሩ፡ ንሱን ሓዉን ንኣዲኦም ናብ የሱስ ቀሪባ ኣብ መንግስቱ ብሉጽ ቦታታት ኪህቦም ከም እትልምነሎም ገበሩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ንጥቕሚ ርእሶም ይሓስቡ ምንባሮም ዚሕብር እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ዜርኢ መርትዖ እውን እዩ ነይሩ። የሱስ በቲ እቶም ክልተ ኣሕዋት ዘርኣይዎ ህርፋን ስልጣን ተጠቒሙ፡ ንዅሎም ሃዋርያቱ ትሕትና ኸም ዜድልዮም መዓዶም።—ማቴ. 20:20-28።

ዮሃንስ ንሓደ ሰዓቢ የሱስ ዘይኰነ ሰብኣይ፡ ብስም የሱስ ኣጋንንቲ ኸየውጽእ ኪኽልክሎ ምስ ፈተነ፡ ሓያል ባህርይ ከም ዘለዎ ኣርኣየ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ሳምራውያን ዝነበሩ ተቐማጦ ነቶም የሱስ እተወሰነ ምድላዋት ኪገብሩሉ ዝለኣኾም ልኡኻት ምቕባል ምስ ኣበዩ፡ ዮሃንስ ካብ ሰማይ ሓዊ ኼውርድ ሓሰበ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሱስ ንዮሃንስ ገንሖ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ዮሃንስ ነቲ ጐዲልዎ ዝነበረ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባን ምሕረትን ኣማዕቢሉ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃ. 9:49-56) እዚ ጕድለታት እዚ እናሃለዎ ግና፡ “የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር” እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ የሱስ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ ንማርያም ኣዲኡ ኺከናኸነሉ፡ ንዮሃንስ ሕድሪ ሃቦ።—ዮሃ. 19:26, 27፣ 21:7, 20, 24።

ዮሃንስ ከምቲ የሱስ እተነበዮ፡ ድሕሪ ዅሎም ሃዋርያት ብህይወት ተረፈ። (ዮሃ. 21:20-22) ን70 ዓመት ኣቢሉ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልገለ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ፡ ሮማዊ ሃጸይ ዶሚሽያን ይገዝእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ‘ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራቡን ብዛዕባ የሱስ ብምምስካሩን’ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተሓየረ። ብ96 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ኣብታ ደሴት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዝመዝገቦ ራእያት ረኣየ። (ራእ. 1:1, 2, 9) ምስ ተፈትሐ ናብ ኤፌሶን ከም ዝኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ነታ ብስሙ እትጽዋዕ ወንጌልን 1ይትን 2ይትን 3ይትን ዮሃንስ ተባሂለን ዚፍለጣ መልእኽትታትን ከም ዝጸሓፈ፡ ድሕሪኡ ድማ ብ100 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ ኤፌሶን ከም ዝሞተ እዩ ዚእመን።

a ኣብታ ቤተ መቕደስ ምስቲ ንግሆን ምሸትን ዚቐርብ መስዋእትታት ብሓባር፡ ጸሎት ይቐርብ ነበረ። እቲ ምሸት ዚቐርብ መስዋእቲ፡ ኣብ “ታሽዐይቲ ሰዓት” ወይ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ እዩ ዚቐርብ ነይሩ።

b “ጴጥሮስ—ካብ ገፋፍ ዓሳ ናብ ብርቱዕ ሃዋርያ” ከምኡውን “ዮሃንስ—እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር” ዘርእስታ ሳጹናት ርአ።

c “ሊቀ ኻህናትን ሊቃውንቲ ኻህናትን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

d ብ33 ድ.ክ.፡ ኣብ የሩሳሌም 6,000 ጥራይ ዚዀኑ ፈሪሳውያንን ካባታቶም ዚውሕዱ ሰዱቃውያንን እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። እዚ ድማ፡ እቶም ክልተ ጕጅለታት ብትምህርትታት የሱስ ስግኣት ዝሓደሮም ስለምንታይ ምዃኑ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ