ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 3 ገጽ 20-27
  • “ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ” (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4)
  • “በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ስለ ዝሰምዕዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 2:5-13)
  • “ጴጥሮስ . . . ተንሲኡ” (ግብሪ ሃዋርያት 2:14-37)
  • “ነፍሲ ወከፍኩም . . . ይጠመቕ” (ግብሪ ሃዋርያት 2:38-47)
  • ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ይሰብኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ክርስትና ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣስፋሕፍሐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ካብ ኵሉ ቛንቋታት” እተዋጽኡ ህዝቢ ነቲ ብስራት ይሰምዑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 3 ገጽ 20-27

ምዕራፍ 3

“ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ”

መንፈስ ቅዱስ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ምፍሳሱ ዘሕደሮ ጽልዋ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:1-47 እተመስረተ

1. ኣብ በዓል ጰንጠቈስጠ ዝነበረ ሃዋህው ግለጽ።

ጐደናታት የሩሳሌም ባህ ብዜብል ንጥፈታት መሊኡ ነበረ።a ሌዋውያን እናተቐባበሉ መዝሙራት ሃለል (መዝሙር 113 ክሳዕ 118) ኪዝምሩ ኸለዉ፡ ካብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መሰውኢ ትኪ ይዓርግ ነበረ። በጻሕቲ ነቲ ጐደናታት ኣጻበብዎ። ካብ ከም ዔላምን መሶጶታምያን ቀጶዶቅያን ጶንጦስን ግብጽን ሮሜን ዝኣመሰለ ርሑቕ ቦታታት እዮም መጺኦም።b ዘተኣኻኸቦም እንታይ እዩ ነይሩ፧ ጰንጠቈስጠ ወይ በዓላት ሓምሳ ንምብዓል እዮም ተኣኻኺቦም፣ እዛ በዓል እዚኣ፡ ‘ቀዳማይ ፍረ ዚእከበላ መዓልቲ’ ተባሂላ እውን ትጽዋዕ እያ። (ዘሁ. 28:26) እዚ ዓመታዊ ዚብዓል ዝነበረ በዓል፡ መወዳእታ ዓጺድ ስገምን መጀመርታ ዓጺድ ስርናይን ዜመልክት እዩ ነይሩ። እታ መዓልቲ ብሓቂ እተሐጕስ መዓልቲ እያ ነይራ።

እቶም ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰምዑ ሰባት ዝመጹሉ ቦታታት። 1. ዞባታት፦ ሊብያ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ቢቲንያ፡ ጶንጦስ፡ ቀጶዶቅያ፡ ይሁዳ፡ መሶጶታምያ፡ ባቢሎንያ፡ ዔላም፡ ሜዶን፡ ጳርትያ። 2. ከተማታት፦ ሮሜ፡ እስክንድርያ፡ ሞፍ፡ ኣንጾክያ (ናይ ሶርያ)፡ የሩሳሌም፡ ባቢሎን። 3. ማያት፦ ባሕሪ መዲተራነያን፡ ጸሊም ባሕሪ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባሕሪ ካስፕያ፡ ወሽመጥ ፋርስ።

የሩሳሌም—ማእከል ኣይሁድነት

መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ ሓደ ተጠቒሱ ዘሎ ንጥፈታት፡ ኣብ የሩሳሌም እዩ ተፈጺሙ። እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ካብ ባሕሪ መዲተራነያን 55 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሒቓ፡ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ሰንሰለት ኣኽራን ይሁዳ ዚርከብ ኵድዅዶታት እያ ተደኲና። ብ1070 ቅ.ክ.፡ ንጉስ ዳዊት ነቲ ኣብታ ኸተማ ዚርከብ ዕርዲ ኸረን ጽዮን ተቘጻጸሮ፣ እታ ኣብቲ ኸባቢ እቲ ዝሰፍሐት ከተማ ድማ ርእሲ ኸተማ ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ኰነት።

ኣብ ጥቓ ኸረን ጽዮን፡ ከረን ሞርያ ይርከብ፣ እዚ ኸረን እዚ ብመሰረት ያታ ኣይሁድ፡ ካብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሱ ዘሎ ፍጻመ ኣስታት 1,900 ዓመት ኣቐዲሙ ኣብርሃም ንይስሃቅ ኪስውኦ ዝፈተነሉ ቦታ ምዃኑ እዩ ዚንገር። ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ኸረን ሞርያ ቐዳመይቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ ምስ ሃነጸ፡ እቲ ኸረን ክፍሊ እታ ኸተማ ዀነ። እቲ ህንጻ ድማ ማእከል ህዝባዊ ኣገልግሎትን ኣምልኾን ኣይሁድ ኰነ።

ኵሎም ሃይማኖተኛታት ኣይሁድ መስዋእቲ ንምስዋእ፡ ኣምልኾ ንምቕራብ፡ በዓላት ድማ ንምብዓል፡ ካብ ኵሉ ዅርናዓት ምድሪ ኣዘውቲሮም ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ይተኣኻኸቡ ነይሮም። ከምኡ ዚገብሩ ዝነበሩ፡ ነቲ፡ “ተባዕታይካ ዘበለ ዅሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኣብታ ንሱ ዚሓርያ ቦታ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ” ዚብል ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዝ ኪሕልዉ ኢሎም እዮም። (ዘዳ. 16:16) የሩሳሌም መንበር እቲ ዓብዪ ዋዕላ ዚብሃል፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ምምሕዳርን ኣይሁድ እውን ነይራ እያ።

2. ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እንታይ ዜደንቕ ነገር ኰነ፧

2 ኣብታ ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ. ዝወዓለት መዓልቲ፡ ሰዓት ትሸዓተ ናይ ንግሆ ኣቢሉ ንዘመናት ዘስደመመ ነገር ኣጋጠመ። “ብሃንደበት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚመስል ደሃይ ካብ ሰማይ መጸ።” (ግብ. 2:2) እቲ ብርቱዕ ደሃይ ነታ እቶም 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተኣከቡላ ቤት መልኣ። ቀጺሉ፡ ሓደ ዜደንቕ ነገር ኪኸውን ጀመረ። ልሳናት ሓዊ ዚመስል ተራእዮም፣ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ዓለበ።c ድሕሪኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፡” ብኻልእ ቋንቋታት ድማ ኪዛረቡ ጀመሩ! ካብታ ቤት ምስ ወጹ፡ ነቶም ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ዘጓነፍዎም በጻሕቲ ብቛንቋኦም ኪዛረብዎም ስለ ዝኸኣሉ፡ እቶም በጻሕቲ በዚ ተገረሙ! እወ፡ ኵሎም እቶም በጻሕቲ “በብቛንቋኦም” ኪሰምዑ ኸኣሉ።—ግብ. 2:1-6።

3. (ሀ) መዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ኣብ ታሪኽ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዋ ዕለት ክትብሃል እትከኣል ብኸመይ እያ፧ (ለ) ጴጥሮስ ዘቕረቦ መደረ ምስቲ “መፋትሕ መንግስተ ሰማያት” ብኸመይ ይተኣሳሰር፧

3 እዚ ዜነቓቕሕ ጸብጻብ እዚ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መንፈሳዊ ህዝቢ እስራኤል ቈመ፡ ማለት ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ተመስረተት። (ገላ. 6:16) ኣብ ልዕሊ እዚ እውን፡ ጴጥሮስ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ህዝቢ ኺዛረቦም ከሎ፡ ካብተን ነፍሲ ወከፈን ንእተፈላለየ ጕጅለ ሰባት ፍሉይ መሰል ዚኸፍታ ሰለስተ “መፋትሕ መንግስተ ሰማያት፡” ነታ ቐዳመይቲ ተጠቕመላ። (ማቴ. 16:18, 19) እታ ቐዳመይቲ መርሖ፡ ንኣይሁድን ንጵሮሴሊታትን ነቲ ብስራት ምእንቲ ኪቕበሉን ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኪቕብኡን ኣኽኣለቶም።d በዚ ኸምዚ፡ ክፍሊ መንፈሳዊ እስራኤል ኰኑ፡ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ መሲሓዊት መንግስቲ ናይ ምግዛእ ተስፋ እውን ኪህልዎም ከኣለ። (ራእ. 5:9, 10) ድሕሪ ግዜ፡ እዚ ፍሉይ መሰል እዚ ፈለማ ናብ ሳምራውያን፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ኣህዛብ ተዘርግሐ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ካብቲ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ዘጋጠመ ኣገዳሲ ፍጻመ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

“ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ” (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4)

4. ኣብዚ ግዜና ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ መቐጸልታ እታ ኣብ 33 ድ.ክ. ዝቘመት ጉባኤ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

4 ክርስትያናዊት ጉባኤ በቶም “ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ” ኣብ ሓንቲ ደርቢ ዝነበሩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ እተቐብኡ 120 ደቀ መዛሙርቲ ተጀመረት። (ግብ. 2:1) ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቍጽሪ ጥሙቓት ኣባላት እታ ጉባኤ ብኣሽሓት ወሰኸ። እዚ ግና መጀመርታ እታ ኽሳዕ ሕጂ እናወሰኸት እትኸይድ ዘላ ውድብ እዩ! እወ፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምምጻኡ፡ በታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ብሓባር ዜቝምዋ ማሕበር፡ ማለት በታ ኣብዚ ግዜና ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢልካ እዩ ‘ብስራት መንግስቲ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ዚስበኽ።’—ማቴ. 24:14።

5. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምሕባር እንታይ በረኸት ይርከብ፧

5 ብዘይካዚ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቶም ካብ ቅቡኣት ኰነ ኻብ “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ኣባላታ፡ ምንጪ መንፈሳዊ ብርታዐ እያ። (ዮሃ. 10:16) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “ምእንቲ ኽትጸንዑስ፡ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም ኢለ፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣለኹ፣ ማለት፡ ብእምነት ሓድሕድና፡ በታ ናትኩምን በታ ናተይን እምነት፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኢለ እየ” ብምባል ነቲ ሓድሕዳዊ ምድግጋፍ ዘለዎ ሞሳ ገለጸ።—ሮሜ 1:11, 12።

ሮሜ—ርእሲ ኸተማ ሃጸያዊት ግዝኣት

ኣብቲ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እትሽፍኖ እዋን፡ ሮሜ ኣብቲ ሽዑ ዚፍለጥ ዝነበረ ዓለም፡ ዝዓበየትን ብፖለቲካ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዋን ከተማ እያ ነይራ። ርእሲ ኸተማ ሃጸያዊት ግዝኣት እያ ነይራ፣ እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ከኣ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ምስ በጽሐት ካብ ብሪጣንያ ኽሳብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ካብ ኣትላንቲክ ክሳብ ወሽመጥ ፋርስ ዚሽፍን ግዝኣት እተጠቓልል ነበረት።

ሮሜ ሓያሎ ባህልታትን ዓሌታትን ቋንቋታትን ማሪታዊ እምነታትን ዚተሓናፈጸላ ኸተማ እያ ነይራ። ጽቡቕ ክንክን ዚግበረሉ ዝነበረ መገድታት ስለ ዝነበራ፡ ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ተጓዓዝትን ሸቐጣትን ይመጻ ነበረ። ኣብታ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ወደብ ኦስትያ፡ መራኽብ ናብታ ኸተማ ዚኸይድ ምግብን ኣቕሑ ምሾትን የራግፋ ነበራ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዚኣኽሉ ሰባት ኣብ ሮሜ ይነብሩ ነበሩ። ምናልባት ፍርቂ እቶም ተቐማጦ፡ ባሮት እዮም ነይሮም ዚዀኑ፣ እዚ ማለት እተፈርዶም ገበነኛታት፡ እተሸጡ ወይ ብወለዶም እተራሕርሑ ቘልዑ፡ ከምኡ እውን ሰራዊት ሮሜ ኣብ ወፍርታቶም ዝማረኽዎም እሱራት እዮም ነይሮም። ገለ ኻብቶም ባሮት ኰይኖም ናብ ሮሜ ዝመጹ ሰባት፡ ደድሕሪ እቲ ብ63 ቅ.ክ. ሮማዊ ጀነራል ፖምፐይ ንየሩሳሌም ምስ ሰዓራ ዝማረኾም ኣይሁድ ይርከብዎም።

መብዛሕትኦም እቶም ሓራ ዝዀኑ ተቐማጦ፡ ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም ነዳያት እዮም ነይሮም፣ እዚኣቶም ኣብቲ ተጨቓጪቑ እተሰርሐ ደርብታት ዚነብሩ ዀይኖም፡ ብደገፍ መንግስቲ ድማ እዮም ዚናበሩ ነይሮም። እቶም ሃጸያት ግና ነታ ርእሲ ኸተማኦም ብኣዝዩ ድንቂ ዝዀነ ህዝባዊ ህንጻታት የመላኽዕዋ ነበሩ። ገለ ኻብቲ ህንጻታት፡ ትያትራትን ዓበይቲ ስታድዩማትን ኪጥቀስ ይከኣል፣ እዚ ድማ ንሓፋሽ ብናጻ ዚቐርብ ተዋስኦታትን ቃልስታትን ቅድድም ሰረገላታትን ይግበረሉ ነበረ።

6, 7. ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ የሱስ ንዅሎም ኣህዛብ ኪስበኽ ዝሃቦ መዝነት ብኸመይ ትፍጽሞ ኣላ፧

6 ዕላማ እዛ ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብቲ ናይታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ እተፈልየ ኣይኰነን። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በዳሂ፡ ግናኸ ዜሐጕስ ዕዮ ኺህቦም ከሎ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” በሎም።—ማቴ. 28:19, 20።

7 የሆዋ ሎሚ ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ዚጥቀም። ልክዕ እዩ፡ ንሰባት በብቛንቋኦም ምስባኽ በዳሂ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት የዳልዉ ኣለዉ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣዘውቲርካ ትእከብ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ከኣ ትሳተፍን እንተ ኣሊኻ፡ እኹል ዜሐጕስ ምኽንያት ኣሎካ። እወ፡ ምስቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ንስም የሆዋ ኣጸቢቖም ኪምስክሩ ፍሉይ መሰል ዘለዎም ሒደት ሰባት ኢኻ እትቝጸር!

8. ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ሓገዝ ኢና እንረክብ፧

8 የሆዋ ኣምላኽ ኣብዚ ወሳኒ ግዜ እዚ ብሓጐስ ጸኒዕካ ኽትቅጽል ምእንቲ ኺሕግዘካ ኢሉ፡ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኣዳልዩልካ ኣሎ። ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብ. 10:24, 25) ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ንኻልኦትን ንርእስኻን ከተተባብዕ እትሕግዝ የሆዋ ዝገበረልካ መሰናድዎ እያ። ካብ መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣይትፈለ። ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ከቶ ኣይትሕደግ!

“በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ስለ ዝሰምዕዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 2:5-13)

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዚውሕዘሉ ጐደና ንኣይሁድን ንጵሮሴሊታትን ይሰብኩሎም።

“ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ በብቛንቋና ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣለና።”​—ግብሪ ሃዋርያት 2:11

9, 10. ገሊኦም ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት፡ መልእኽቲ ኼብጽሑሎም ኢሎም እንታይ እዮም ገይሮም፧

9 እቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን እተሰምዖም ሓጐስ እሞ ገምቶ። መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ፡ ሓደ ሓባራዊ ቛንቋ፡ ማለት ግሪኽኛ ወይ እብራይስጢ ይዛረቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ‘በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ሰምዕዎም።’ (ግብ. 2:6) እቶም ሰማዕቲ ነቲ ብስራት ብቛንቋ ኣዲኦም ኪሰምዑ ብምኽኣሎም ተገሪሞም ኪዀኑ ኣለዎም። ልክዕ እዩ፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ቋንቋታት ወጻኢ ናይ ምዝራብ ተኣምራዊ ኽእለት የብሎምን። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ ይሰብኩ ኣለዉ። ብኸመይ፧ ገሊኦም ኣብ ጥቓኦም ኣብ እትርከብ ጉባኤ ቛንቋ ወጻኢ ኼገልግሉ ወይ ናብ ወጻኢ ሃገር ኪግዕዙ ኢሎም ካልእ ቋንቋ ተማሂሮም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ሰማዕቶም ብጻዕርታቶም ይግረሙ እዮም።

10 ንኣብነት፡ ምስ ሸውዓተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢራ ቛንቋ ጉጃራቲ እተማህረት ክርስቲን ንውሰድ። ሓንቲ ቛንቋ ጉጃራቲ እትዛረብ መሳርሕታ ምስ ኣጓነፈታ፡ ነታ ሰበይቲ ብቛንቋኣ ሰላምታ ሃበታ። እታ ሰበይቲ በዚ ስለ እተደነቐት፡ ክርስቲን ከም ጉጃራቲ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ቛንቋ ምእንቲ ኽትምሃር እትጽዕረሉ ዘላ ምኽንያት ሓተተታ። ክርስቲን ጽቡቕ ምስክርነት ክትህብ ከኣለት። እታ ሰበይቲ ድማ ንክርስቲን፡ “ክትነግርኒ ዘሎኪ ኣገዳሲ ነገር ኪህሉ ኣለዎ” በለታ።

11. ካልእ ቋንቋ ንዚዛረቡ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧

11 ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኵላትና ኻልእ ቋንቋ ኽንምሃር ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ምእንቲ ኽንሰብከሎም ክንዳሎ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ሓደ መገዲ፡ በቲ JW Language® ዚብሃል ኣፕሊኬሽን ጌርካ ኣብ ከባቢኻ ብብዝሒ ብዚዝረብ ቋንቋ ብኸመይ ሰላምታ ኸም እትህብ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ሒደት ሓረጋት እንተ ተማሂርካ እውን፡ እዚ ንተገዳስነት እቶም ነቲ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ኬለዓዕል ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ jw.org ሓብሮም፣ ነቲ ኣብኡ ብቛንቋኦም ዚርከብ በበይኑ ዓይነት ቪድዮታትን ጽሑፋትን እውን ከተርእዮም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎትና ነዚ ናውቲ እዚ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ኻብ ካልኦት ዓድታት ንዝመጹ ሰባት “በብቛንቋኦም” ምስ ኣበሰርዎም እተሓጐሱ፡ ንሕና እውን ክንሕጐስ ንኽእል ኢና።

ኣይሁድ ኣብ መሶጶታምያን ግብጽን

ዘ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ጂዊሽ ፒፕል ኢን ዘ ኤጅ ኦቭ ጂሰስ ክራይስት (175 ቅ.ክ.–135 ድ.ክ.) ከምዚ ትብል፦ “ሓደ እዋን ኣሶራውያንን ባቢሎናውያንን ዘግዓዝዎም ዘርኢ እቶም ኣባላት እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ [እስራኤል] ከምኡ እውን መንግስቲ ይሁዳ፡ ኣብ መሶጶታምያን ሜዶንን ባቢሎንያን ይነብሩ ነበሩ።” ብመሰረት እዝራ 2:64፡ 42,360 እስራኤላውያን ጥራይ እዮም ካብ ምርኮ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም። እዚ ብ537 ቅ.ክ. ኰነ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እቶም “ኣብ ከባቢ ባቢሎንያ ዚቕመጡ” ኣይሁድ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ይቝጸሩ ምንባሮም፡ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ገሊጹ ኣሎ። ካብ ሳልሳይ ክሳዕ ሓምሻይ ዘመን ድ.ክ.፡ እዞም ማሕበረ ሰባት እዚኦም ታልሙድ ባቢሎን ተባሂሉ ዚፍለጥ ጽሑፍ ኣዳለዉ።

ኣይሁድ እንተ ወሓደ ኻብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ኣትሒዞም ኣብ ግብጺ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር ሰነዳት ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኤርምያስ ነቶም ኣብ እተፈላለየ ኸባቢ ግብጺ፡ እንተላይ ነቶም ኣብ ሞፍ ዝነበሩ ኣይሁድ መልእኽቲ ለኣኸሎም። (ኤር. 44:1፡ እ.ጽ.) ኣብቲ ባህሊ ግሪኽ ንሓያሎ ቦታታት ዓብሊሉ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዙሓት ኣይሁድ ናብ ግብጺ ግዒዞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣይሁድ ኣብ እስክንድርያ ዝሰፈሩ ቐዳሞት ተቐማጦ ምንባሮም፡ ጆሰፈስ ሓቢሩ ኣሎ። ድሕሪ ግዜ፡ ሓደ ኽፋል እታ ኸተማ ንዓታቶም ተመደበ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ፊሎ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ጸሓፊ፡ ሓደ ሚልዮን ዚኣኽሉ ደቂ ዓዱ ኣብ ምልእቲ ግብጺ ማለት፡ ካብ “ወሰን ሊብያ ኽሳብ ዶባት ኢትዮጵያ” ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ገሊጹ ኣሎ።

“ጴጥሮስ . . . ተንሲኡ” (ግብሪ ሃዋርያት 2:14-37)

12. (ሀ) ነብዪ ዮኤል ነቲ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ዘጋጠመ ተኣምራዊ ፍጻመ ዝኣመተ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተራእየ ፍጻመ ትንቢት ዮኤል፡ ትጽቢት ዚግበረሉ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

12 “ጴጥሮስ . . . ተንሲኡ” ነቶም እተፈላለየ ቛንቋ ዚዛረቡ ህዝቢ ተዛረቦም። (ግብ. 2:14) እቲ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ተኣምራዊ ኽእለት ካብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ እዚ ድማ ፍጻመ እቲ፡ “መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ ኸፍስስ እየ” ዚብል ትንቢት ዮኤል ምዃኑ ገለጸሎም። (ዮኤ. 2:28) የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንኣቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚኸውን ካልእ ሓጋዚ ኺህበኩም እዩ” በሎም፣ ነዚ ሓጋዚ እዚ ድማ “መንፈስ” ኢሉ ገለጾ።—ዮሃ. 14:16, 17።

13, 14. ጴጥሮስ ንልቢ ሰማዕቱ ንምትንካይ ዝጸዓረ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ነቲ ሜላኡ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ኣብ መደምደምታ፡ ጴጥሮስ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ኵላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ” ብምባል ጽኑዕ ቃላት ተዛረቦም። (ግብ. 2:36) ልክዕ እዩ፡ መብዛሕትኦም ንጴጥሮስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኣብ እተሰቕለሉ እዋን ብኣካል ኣይነበሩን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ተግባር እቲ ብደረጃ ህዝቢ ብሓላፍነት ተሓተትቲ እዮም ነይሮም። ጴጥሮስ ነቶም ኣይሁድ ብኣኽብሮት ከም እተዛረቦምን ልቦም ከም ዝተንከየን ግና ኣስተብህል። ዕላማኡ ንሰማዕቱ ንምዅናን ዘይኰነስ፡ ናብ ንስሓ ኸም ዚበጽሑ ንምግባር እዩ ነይሩ። እቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ በቲ ዘረባኡ ተቐይሞምዶ፧ ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ልቦም ተወግአ።” “እንታይ ንግበር፧” ኢሎም እውን ሓተቱ። ጴጥሮስ ብኣወንታዊ መገዲ ምዝራቡ፡ ልቢ ብዙሓት ሰባት ብምትንካይ ከም ዚንስሑ ኣብ ምግባር ግደ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 2:37።

14 ነቲ ጴጥሮስ ንልቢ ሰባት ንምትንካይ እተጠቕመሉ ኣገባብ ክንቀድሖ ንኽእል ኢና። ንሰባት ክንምስክረሎም ከለና፡ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ዚጠቕስዎ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ኸነተኵረሉ ኣየድልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ኽንሰማምዓሉ እንኽእል ነጥብታት ተመርኲስና፡ ዘረባና ኽንሃንጽ ኣሎና። ምስ ሰማዕትና ሓባራዊ ባይታ እንተ ኣንጺፍና፡ ድሕሪኡ ብቓል ኣምላኽ ጌርና ብሜላ ኸነረድኦም ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣወንታዊ መገዲ ኪቐርብ ከሎ፡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ መልእኽቲ ንምቕባል ዝሰፍሐ ዕድል ይህልዎም።

ክርስትና ኣብ ጶንጦስ

ካብቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. መደረ ጴጥሮስ ዝሰምዑ ሰባት፡ ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ንእሽቶ እስያ ዚርከብ ጶንጦስ ዚብሃል ኣውራጃ ዝመጹ ኣይሁድ ይርከብዎም። (ግብ. 2:9) ጴጥሮስ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ኻብ ዝለኣኸሎም ሰባት፡ ኣብ ጶንጦስ “ፋሕ ኢሎም” ዝነበሩ ኣመንቲ ስለ ዚርከብዎም፡ ገለ ኻብቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ነቲ ብስራት ናብ ዓዶም ወሲዶምዎ ኪዀኑ ኣለዎም።g (1 ጴጥ. 1:1) ኣብታ መልእኽቱ፡ እዞም ክርስትያናት እዚኦም በቲ ኣብ እምነቶም ዘጋጠሞም ‘ብእተፈላለየ ፈተናታት ከም ዝጐሃዩ’ ገሊጹ ኣሎ። (1 ጴጥ. 1:6) እዚ ንምጽራርን መስጐጕትን ዜጠቓልል ኪኸውን ኣለዎ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ እቲ ሮማዊ ሹም ቢቲንያን ጶንጦስን ዝነበረ ፕሊኒ ንእሽቶን ኣብ መንጎ ሃጸይ ትራጃንን እተገብረ ምጽሕሓፍ፡ ኣብ ጶንጦስ ዝነበሩ ክርስትያናት ተወሳኺ ፈተናታት ከም ዘጋጠሞም ዚእምት ሓሳብ ኣሎ። ብ112 ድ.ክ. ኣቢሉ ፕሊኒ ኻብ ጶንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ እቲ “ተላጋቢ ሕማም” ክርስትና፡ ጾታ፡ ዕድመ፡ ወይ መዓርግ ከይፈለየ ንዅሉ ኣብ ሓደጋ የእትዎ ምህላዉ ጸብጻብ ሃበ። እቶም ክርስትያናት ብምዃኖም እተኸስሱ፡ እምነቶም ኪኽሕዱ ኣጋጣሚ ኸም ዚውሃቦም፡ እቶም ዚኣብዩ ድማ ከም ዚቕተሉ ገሊጹ ኣሎ። ዝዀነ ይኹን ንክርስቶስ ዝረገመ፡ ወይ ከኣ ንኣማልኽቲ ወይ ንምስሊ ትራጃን ጸሎት ዝደገመ ኽሱስ ይፍታሕ ነበረ። እዚ ነገራት እዚ “ነቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣገዲድካ ኸተግብሮም ዘይከኣል” ምዃኑ፡ ፕሊኒ ተኣሚኑ ኣሎ።

g እተን “ፋሕ ኢሎም” ዚብላ ቓላት፡ ካብታ “ድያስጶራ” ዝትርጉማ ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጻ እየን። እዛ ቓል እዚኣ ንኣይሁድ እትእምት ስለ ዝዀነት፡ መብዛሕትኦም እቶም ናብ ክርስትና ዝመጹ ቐዳሞት ሰባት፡ ኣይሁድ ምንባሮም እያ እትሕብር።

“ነፍሲ ወከፍኩም . . . ይጠመቕ” (ግብሪ ሃዋርያት 2:38-47)

15. (ሀ) ጴጥሮስ እንታይ ኢሉ እዩ እተዛረበ፧ እቶም ሰማዕቱኸ እንታይ ገበሩ፧ (ለ) እቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ነቲ ብስራት ዝሰምዑ ኣሽሓት ሰባት፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንጥምቀት ኪበቕዑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

15 ኣብታ ባህ እተብል መዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ጴጥሮስ ነቶም ነቲ መልእኽቲ እተቐበሉ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ “ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ . . . ይጠመቕ” በሎም። (ግብ. 2:38) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣስታት 3,000 ሰባት ኣብ የሩሳሌም ወይ ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዚርከብ ጋብላታት ተጠምቁ።e እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ስምዒታውያን ኰይኖም ዝገበርዎ ውሳነ ድዩ ነይሩ፧ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ደቂ ክርስትያናትን ገና ኸይተዳለዉ ተቐላጢፎም ኪጥመቑ ዚድግፍ ሓሳባት ድዩ ሒዙ ዘሎ፧ ኣይኰነን። እቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እተጠምቁ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ትጉሃት ተምሃሮ ቃል ኣምላኽ ምንባሮምን ክፍሊ እቲ ንየሆዋ እተወፈየ ህዝቢ ኸም ዝነበሩን ኣይትረስዕ። ኣብ ርእሲኡ፡ ቅንኣቶም ብግብሪ ኣርእዮም ነይሮም እዮም፣ ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ኪእከቡ ኢሎም ነዊሕ ርሕቀት እዮም ተጓዒዞም። ነቲ ብዛዕባ እቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ዚገልጽ ኣገዳሲ ሓቅታት ድሕሪ ምቕባሎም፡ ንኣምላኽ ንምግልጋል ድሉዋት እዮም ነይሮም። ድሕሪኡ ግና፡ ጥሙቓት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኰይኖም ኬገልግልዎ ነበሮም።

ጵሮሴሊታት እንታዎት እዮም ነይሮም፧

“ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን” ነቲ ጴጥሮስ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ዝሃቦ ስብከት ሰሚዖምዎ እዮም።—ግብ. 2:10።

ካብቶም ነቲ ንዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ዚምልከት “ኣገዳሲ ጕዳይ” ኪኣልዩ ብሓላፍነት እተሸሙ ብቑዓት ሰባት፡ “ኒቆላዎስ እቲ ጵሮሴሊት ብዓል ኣንጾክያ” ይርከቦም። (ግብ. 6:3-5) ጵሮሴሊታት እምነቶም ናብ ኣይሁድነት ዝቐየሩ ኻብ ዓሌት ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣህዛብ እዮም ነይሮም። ንኣምላኽን ንሕጊ እስራኤልን ስለ እተቐበሉ፡ ንዅሎም ካልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝነጸጉ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዘበሉ ስለ እተገዝሩ፡ ምስ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ስለ ዝሓበሩ፡ ብዅሉ መዳያት ከም ኣይሁድ እዮም ዚቝጸሩ ነይሮም።

ብ537 ቅ.ክ. ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ምስ ወጹ፡ ብዙሓት ካባታቶም ካብ ምድሪ እስራኤል ርሒቖም ናብራኦም እኳ እንተ ቐጸሉ፡ ሰዓብቲ እምነት ኣይሁድነት ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ብዘላ ጥንታዊ ቐረባ ምብራቕን ስግሩን ዚርከቡ ሰባት ምስ ሃይማኖት ኣይሁድነት ኪላለዩ ኸኣሉ። ከም ሆረስን ሰነካን ዝኣመሰሉ ጥንታውያን ጸሓፍቲ፡ ብኣይሁድን ብእምነታቶምን እተማረኹ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ምስ ኣይሁድ ከም ዝሓበሩን ጵሮሴሊታት ከም ዝዀኑን ምስክርነቶም ሂቦም ኣለዉ።

16. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

16 የሆዋ ነቶም ጕጅለ ብርግጽ ባሪኽዎም እዩ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ብሓንሳእ ነበሩ፣ ዘለዎም ኵሉ እውን ናይ ሓባር ነበረ፣ ጥሪቶምን ንብረቶምን ሸይጦም ከኣ፡ ንዅሎም ከከም ዜድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።”f (ግብ. 2:44, 45) ኵሎም ክርስትያናት ነዚ ፍቕሪ ዝመልኦ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኪቐድሕዎ ኸም ዚደልዩ ኣየጠራጥርን እዩ።

17. ሓደ ሰብ ንጥምቀት ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ስጕምትታት እዩ ኺወስድ ዘለዎ፧

17 ክርስትያናዊ ወፈያን ጥምቀትን፡ እተወሰነ ኣገዳሲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስጕምትታት ዚሓትት እዩ። ሓደ ሰብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ኬጥሪ ኣለዎ። (ዮሃ. 17:3) ድሕሪኡ፡ ኪኣምነሉን ብዝሓለፈ መገዱ ኺንሳሕን፡ ማለት ብሓቂ ኸም እተጣዕሰ ኼርኢ ኣለዎ። (ግብ. 3:20) ቀጺሉ፡ ኪልወጥ፡ ወይ ካብ መገዱ ኺምለስ፡ ከምኡ እውን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ዚሰማማዕ ቅኑዕ ተግባራት ኪጽመድ ኣለዎ። (ሮሜ 12:2፣ ኤፌ. 4:23, 24) ነዚ ስጕምትታት እዚ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ብጸሎት ርእሱ ንኣምላኽ ይውፊ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ይጥመቕ።—ማቴ. 16:24፣ 1 ጴጥ. 3:21።

18. ንጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ተኸፊቱሎም ዘሎ፧

18 ንስኻኸ ርእስኻ ወፊኻ እተጠመቕካ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ተዋሂቡካ ዘሎ ፍሉይ መሰል ከተመስግነሉ ኣሎካ። ከምቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተመልኡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ኣጸቢቕካ ኽትምስክርን ፍቓድ የሆዋ ኽትገብርን ትኽእል ኢኻ!

a “የሩሳሌም—ማእከል ኣይሁድነት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b “ሮሜ—ርእሲ ኸተማ ሃጸያዊት ግዝኣት”፣ “ኣይሁድ ኣብ መሶጶታምያን ግብጽን”፣ ከምኡውን “ክርስትና ኣብ ጶንጦስ” ዘርእስታ ሳጹናት ርአ።

c እቲ “ልሳናት” ተባሂሉ ዘሎ ቓል ብቓሉ ሓዊ ዘይኰነስ፡ “ሓዊ ዚመስል” ነገር እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ወደ መዝሙር ከም ሓዊ ዚበርህ ነገር ከም እተራእየ ዚሕብር ኪኸውን ኣለዎ።

d “ጵሮሴሊታት እንታዎት እዮም ነይሮም፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

e ብ7 ነሓሰ 1993 እውን፡ ኣብቲ ኣብ ክየቭ፡ ዩክረይን እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ 7,402 ሰባት ኣብ ሽዱሽተ ጋብላታት ተጠሚቖም እዮም። ብምሉኡ እቲ ስነ ስርዓት ጥምቀት፡ ክልተ ሰዓትን ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቒቕን ወሰደ።

f እዚ ግዜያዊ መሰናድዎ ዘድለየ፡ እቶም በጻሕቲ ተወሳኺ መንፈሳዊ ፍልጠት ንምርካብ ኣብ የሩሳሌም ኪቕንዩ ስለ ዘድለዮም እዩ። ብፍታው ንብረቶም የማቕሉ ስለ ዝነበሩ፡ ከም ኮምዩኒስትነት ጌርካ ኺርአ የብሉን።—ግብ. 5:1-4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ