-
‘በቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ’ እተለዓዓሉግምቢ ዘብዐኛ—2002 | 1 ነሓሰ
-
-
ስጕምቲ ንኽወስዱ ተደረኹ!
4. ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣየናይ ትንቢት ዮኤል ኢዩ ፍጻሜኡ ዝረኸበ፧
4 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ: ውዓል ሕደር ከይበሉ ነቲ ናይ ድሕነት ብስራት ንኻልኦት ከካፍሉ ጀመሩ፣ በቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ መጺኦም ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ስብከቶም ጀመሩ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ኻብቲ ግዜ እቲ ሸሞንተ ዘመናት ኣቐዲሙ ብነብዪ ዮኤል ወዲ ጴቱኤል እተነግረ ፍሉይ ትንቢት ፍጻሜኡ ረኸበ። እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክኽዑ እየ: ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ: ኣረገውትኹም ሕልሚ ኺሐልሙ: ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኤንሲ [እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት] ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ።”—ዮኤል 1:1፣ 2:28, 29, 31፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:17, 18, 20
5. እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ኢዮም ዝንበዩ ነይሮም፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)
5 እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ከምቲ ዳዊትን ዮኤልን ዴቦራን ዝንበዩሉ ዝነበሩ ኣገባብ ገይሮም ምእንቲ ኽንበዩ ኢሉ ኣምላኽ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነብያት ከተንስእ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ክርስትያናት ‘ኣወዳትን ኣዋልድን: ኣረገውትን ኣጕባዝን’ ክንበዩ ኢዮም ክበሃል ከሎ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮን ንዝመጽእ ዝገብሮን “ዓብዪ ግብሪ” ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኾም ንኻልኦት ክነግሩ ምዃኖም ኢዩ ዘመልክት። ስለዚ ኣፈኛ ናይቲ ኣዝዩ ልዑል ኣምላኽ ብምዃን የገልግሉ ማለት ኢዩ።a እቶም ሰባትከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧—እብራውያን 1:1, 2
-