ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/4 ገጽ 13-19
  • ነታ ናይ ሓቂ ሰላም ድለያ ሰዓባውን!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነታ ናይ ሓቂ ሰላም ድለያ ሰዓባውን!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰባት ሰላማውያን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም
  • እቶም ሰላም ዝስዕቡ ዘለዉ ሰባት
  • ዝያዳ ዝዓበየ ለውጢ
  • ግዝኣት ናይቲ መስፍን ሰላም
  • ናይ ሓቂ ሰላም—ካበየናይ ምንጪ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ከም ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ኴንካ ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሰላም—ከመይ ጌርካ ትረኽባ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/4 ገጽ 13-19

ነታ ናይ ሓቂ ሰላም ድለያ ሰዓባውን!

“እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ: . . . ካብ እከይ ይዝበል

ሰናይ ከኣ ይግበር: ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።”​—⁠1 ጴጥሮስ 3:​10, 11

1. ኣየኖት ኢሳይያስ እተዛረበን ፍሉጣት ቃላት ኢየን ብርግጽ ፍጻሜአን ዝረኽባ፧

“ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።” (ኢሳይያስ 2:4) እዚ ፍሉጥ ጥቕሲ እዚ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ዓለም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ተሰቒሉ እኳ እንተሃለወ: እዛ ናይ ዓለም ውድብ ነዚ ቓላት እዚ ፈጺማ ኣብ ግብሪ ኣየውዓለቶን። ይኹን እምበር: ክፍሊ ናይቲ ኣብ ምድሪ ዘይወድቕ ቃል የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: እዚ ጥቕሲ እዚ ብዘይ ፍረ ኣይክተርፍን ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 55:10, 11

2. ብመሰረት ኢሳይያስ 2:​2, 3 “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ ኢዩ ክፍጸም ዘለዎ፧

2 እተን ኣብ ኢሳይያስ 2:4 ዝርከባ ቃላት ብሓቂ ክፍሊ ናይ ሓደ ንሰላም ዘመልክት ዘደንቕ ትንቢት ኢየን: እዚ ድማ ልክዕ ኣብዚ ግዜ እዚ ፍጻሜኡ ይረክብ ኣሎ። እቲ ትንቢት: ድሕሪ ደጊም ውግእን ኣጽዋርን ከም ዘይህሉ ዝገልጽ ዘሐጕስ ተስፋታት ቅድሚ ምእዋጁ ከምዚ ይብል:⁠- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ድማ ልዕል ኪብል: ኵሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ሕጊ ኻብ ጽዮን: ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ: ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ: ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና: ድማ ኪብሉ እዮም።”​—⁠ኢሳይያስ 2:​2, 3

ሰባት ሰላማውያን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም

3. ሓደ ሰብ ተባኣሳይ ነይሩ ሰላማዊ ክኸውን ዝኽእል ብኸ​­መይ ኢዩ፧

3 ሰባት ሰላማዊ መገዲ ክስዕቡ ቅድሚ ምኽኣሎም: መገድታት የሆዋ ክማሃሩ ከም ዘለዎም ኣስተብህል። ንትምህርቲ የሆዋ እዙዝ ምላሽ ምሃብ ንኣተሓሳስባን ተግባርን ናይ ሓደ ሰብ ክቕይሮ ይኽእል ኢዩ: በዚ ድማ ሓደ ተባኣሲ ዝነበረ ሰብ ሰላማዊ ይኸውን። እዚ ምልዋጥ እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧ ሮሜ 12:2 ከምዚ ትብል:⁠- “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” በቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ስርዓታትን ምስትውዓልን ብምምላእ: ንሓሳብና ንልውጦ: ወይ ናብ እተፈልየ ኣንፈት ከም ዝኸይድ ገይርና ነለዓዕሎ። ስርዓታውያን ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ: እዚ ለውጢ እዚ ክንገብርን ፍቓድ የሆዋ ንኣና እንታይ ማለት ምዃኑ ብቐጻሊ ከነረጋግጽን ይሕግዘና: ስለዚ ኸኣ ነቲ ክንከዶ ዝግብአና መገዲ ኣነጺርና ክንርኢ ንኽእል።​—⁠መዝሙር 119:105

4. ሓደ ሰብ ነቲ ሓድሽ ሰላማዊ ባህርይ ዝለብሶ ብኸ​­መይ ኢዩ፧

4 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኣገባብ ኣተሓሳስባና ጥራይ ዘይኰነስ ንተግባርናን ባህርያትናን እውን ይቕይሮ ኢዩ። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ክንገብሮ ዘተባብዓና ንምግባር ይሕግዘና ኢዩ:⁠- “ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ: ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም: በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ [“ንኣእምሮ ዘንቀሳቕስ ሓይሊ:” NW ] ክትሕደሱ እሞ: እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።” (ኤፌሶን 4:​22⁠-24) እቲ ንኣእምሮ ዘንቀሳቕስ ሓድሽ ሓይሊ ውሽጣዊ ኢዩ። ንየሆዋን ንሕግታቱን ዘሎና ፍቕሪ እናዓበየ ምስ ዝኸይድ: ይልወጥን ይብርትዕን: መንፈሳውያንን ሰላማውያንን ሰባት ድማ ይገብረና።

5. እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም “ሓድሽ ትእዛዝ” ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሰላም ግዲኡ ዘበርክት ብኸመይ ኢዩ፧

5 ናይዚ ምልዋጥ እዚ ኣድላይነት ካብቲ የሱስ ኣብተን ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ዝሃቦም መም​­ርሒ ክርአ ይከኣል ኢዩ:⁠- “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።” (ዮሃንስ 13:34, 35) እዛ ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለት: ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ብፍጹም ሕብረት ትጠምሮም ኢያ። (ቈሎሴ 3:​14) እቶም ነቲ “ሓድሽ ትእዛዝ” ክቕበልዎ: ብእኡ ክነብሩ ድማ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ጥራይ ኢዮም ነቲ ኣምላኽ እተማባጽዖ ሰላም ዘስተማቕርዎ። ሎሚ ከምዚ ዝገብሩ ገለ ሰባት ይህልዉዶ፧

6. ምስቲ ዝተረፈ ህዝቢ ዓለም ብምንጽጻር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰላም ዘስተማቕሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዓለምለኻዊ ሕውነቶም ፍቕሪ ከርእዩ ይጽዕሩ ኢዮም። ካብ ኵሎም ህዝብታት ዓለም ዝመጹ እኳ እንተዀኑ: ሕሱም ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጸቕጥታት እውን ከይተረፈ የሕልፉ: ኣብቲ ናይ ዓለም ግርጭታት ኣይኣትዉን ኢዮም። ከም ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ መጠን ብየሆዋ እተማህሩ ኢዮም: ሰላም ድማ የስተማቕሩ ኢዮም። (ኢሳይያስ 54:13) ኣብ ፖለቲካዊ ግርጭታት ገለልተኛታት: ኣብ ውግእ ድማ ኣይሳተፉን ኢዮም። ቅድም ዓመጸኛታት ዝነበሩ ገለ ሰባት ነቲ ኣነባብራ እቲ ሓዲጎምዎ ኢዮም። ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣብነት ብምቕዳሕ: ሰላም ዘፍቅሩ ክርስትያናት ኰይኖም ኢዮም። ነቲ “ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ: ልሳኑ ኻብ ክፉእ: ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር: ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን” ዝብል ናይ ጴጥሮስ ምኽሪ ብምሉእ ልቦም ኢዮም ዝስዕብዎ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:​10, 11፣ ኤፌሶን 4:3

እቶም ሰላም ዝስዕቡ ዘለዉ ሰባት

7, 8. ውግእ ጠንጢኖም ሰዓብቲ ሰላም ናይ ዝዀኑ ሰባት ኣብነት ሃብ። (ካልእ እትፈልጦ ተመክሮ እንተድኣ ኣሎ ኣዘንቱ።)

7 ንኣብነት: ራሚ ኦቪድ እተባህለ: ቀደም ኣብ ሓደ ፍሉይ ናይ ጸረ ፈጠርቲ ራዕዲ ጕጅለ ሓላፊ ዝነበረ ሰብ ንርአ። ንጸላእቱ ክቐትል ተዓሊሙ ኢዩ። ክሳዕ እቶም ራቢታት ነታ ዘፍቀራ ሰበይቲ: ጓል እስያ ጥራይ ብምዃና ማለት ካብ ኣህዛብ ብምንባራ: ክምርዓዋ ከም ዘይደልይዎ ዝፈለጠላ መዓልቲ ኣብቲ ዝነበሮ ናይ እስራኤል ሃገራዊ ስምዒት ብልቢ ኢዩ ዝኣምን ነይሩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክደሊ ጀመረ። ድሕርዚ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ። እቲ ምስ መሰኻኽር ዝገበሮ መጽናዕቲ ድሕሪ ደጊም እምነተ⁠-ድርቅና ዝሓዘ ሃገራዊ ስምዒት ክህልዎ ከም ዘይክእል ኣእመኖ። ክርስትያናዊ ፍቕሪ ውግእን ኣጽዋርን ጠንጢንካ ካብ ኵሉ ዓሌት ንዝመጹ ሰባት ከተፍቅር ምምሃር ማለት ኢዩ። “ራሚ ሓወይ” ዝብል መእተዊ ቃላት ዝሓዘት ደብዳበ ምስ ተቐበለስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እተገረመ! ነዚ ኣዝዩ ዘገርም ዝገበሮ እንታይ ነበረ፧ እታ ደብዳበ ዝጸሓፈትሉ ሰብ ፍልስጤማዊት ምስክር ኢያ ነይራ። ራሚ “ፍልስጥኤማውያን ጸላእተይ ስለ ዝነበሩ እዚ ዘይእመን ኢዩ ኢለ ሓሰብኩ: ሕጂ ግን ሓንቲ ካብኣቶም ‘ሓወይ’ ኢላ ትጽውዓኒ ኣላ” ይብል። ኣብዚ እዋን እዚ ራሚን በዓልቲ ቤቱን ነታ ብመገዲ ኣምላኽ እትርከብ ናይ ሓቂ ሰላም ይስዕብዋ ኣለዉ።

8 ካልእ ኣብነት ድማ ናይቲ ብግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብቲ ንሩስያ ዝወረረ ሰራዊት ጀርመን ዘገልገለ ጆርጅ ሬውተር ኢዩ። ብዙሕ ከይጸንሐ መወዳእታ በቲ ሂትለር ዓለም ንምግዛእ ዝነበሮ ኣዝዩ ሰፊሕ ውዲት ተስፋ ቘረጸ። ካብቲ ውግእ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ከምዚ ብምባል ድማ ጸሓፈ:⁠- “ኣብ መወዳእታ ነገራት እናነጸሩለይ መጹ። በቲ ዅሉ . . . ዝፈሰሰ ደም: ኣምላኽ ከም ዘይውቀስ ተገንዘብኩ። ንእዙዛት ደቅሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት ዝሓዘት ኣብ ምልእቲ ምድሪ እትዝርጋሕ ገነት ከቕውም ዕላምኡ ምንባሩ ተረዳእኩ። . . . ሂትለር ብዛዕባ እቲ ‘ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ’ ተጃሂሩ ኢዩ: ይኹን እምበር ን12 [ዓመታት] ጥራይ ኢዩ ገዚኡ: ኣየ ከመይ ዝበለ ዘስካሕክሕ ውጽኢት ድማ ኢዩ ዘጋጠሞ! ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ከቕውም ዝኽእል: ሂትለር . . . ዘይኰነስ ክርስቶስ ኢዩ: ከቕውም ከኣ ኢዩ።” ጆርጅ ከም ልኡኽ ናይቲ ሓቀኛ ሰላም መጠን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንገለ 50 ዓመታት ዝኸውን ኣገልጊሉ ኢዩ።

9. ተመክሮ ናይቶም ኣብ ናዚ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባዓት ግናኸ ሰላማውያን ምንባሮም ዘረጋግጽ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ንጽህናን ገለልትነትን ናይቶም ብግዜ ናዚ ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሕጂ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 50 ዓመታት ጸኒሑ እውን ከይተረፈ: ናይቲ ንኣምላኽን ንሰላምን ዘለዎም ፍቕሪ ምስክርነት ምሃብ ቀጺሉ ኢዩ። በቲ ኣብ ዋሺንግቶን ዲ. ሲ. ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሆሎካስት ሙዝየም ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተሓትመት ንእሽቶ መጽሓፍ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:⁠- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናዚ ከቢድ መስጐግቲ ተጸሚሞም ኢዮም። . . . [ሃይማኖቶም ብወግዒ ምንጻግ] ብምእባዮም: ኣብ ቅድሚ ስቓይ: ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ዘጋጠሞም ሕማቕ ኣተሓሕዛ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ምርሻን: መብዛሕትኦም ዘርኣይዎ ትብዓት ካብቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ሰባት ክብረት ኣትሪፍሎም ኢዩ።” ቀጺላ ድማ ከምዚ ትብል:⁠- “ካብቲ ደምበታት ሓራ ክወጹ ከለዉ ኸኣ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ማእከል እቶም ካብቲ ደምበ ዝደሓኑ ሰባት ኣመንቲ ንምፍራይ ዕዮኦም ቀጺሎም ኢዮም።”

ዝያዳ ዝዓበየ ለውጢ

10. (ሀ) ናይ ሓቂ ሰላም ክመጽእ እንተድኣ ዀይኑ እንታይ ዓቢ ለውጢ ኢዩ ዘድሊ፧ (ለ) እዚኸ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ብኸመይ ኢዩ ተገሊጺ ዘሎ፧

10 እዚ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ኣብ ክርስትያናዊ ገለልትነት ንምእማን ብጃምላ ዝግበር ምልዋጥ ገይሮም ንዓለም ሰላም ከምጽኡላ ከም ዝኽእሉ ይኣምኑ ኢዮም ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን! ሰላም ናብ ምድሪ ክትምለስ እንተድኣ ኰይና ዝያዳ ዝዓበየ ለውጢ ኢዩ ዘድሊ። እዚ ለውጢ እዚ እንታይ ኢዩ፧ እቲ ፈላላዪ: ጨቋኒ: ከምኡውን ሕሱም ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ነቲ በታ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክትመጽእ ክጽልዩላ ዝማሃሮም መንግስቲ ኣምላኽ ዝመጽእ ኣገዛዝኣ ቦታ ክሓድገሉ ኣለዎ። (ማቴዎስ 6:​9, 10) እዚ ግን ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧ ነብዪ ዳንኤል ኣብቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝረኣዮ መንፈስ ዝነፈሶ ሕልሚ: ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት መንግስቲ ኣምላኽ ልክዕ ከም ዓቢ እምኒ ኰይና ‘ኢድ ከይተንከያ’ ንሓደ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዘለዋ ናይ ደቅሰብ ፖለቲካውያን መንግስታት ዘመልክት ገዚፍ ምስሊ ክትድዕምኾ ምዃና ፈለጠ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል:⁠- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”​—⁠ዳንኤል 2:​31, 44

11. የሆዋ እቲ ንሰላም ዝኸውን ኣድላዪ ለውጢ ዘምጽእ በየናይ መገዲ ገይሩ ኢዩ፧

11 ኣብ ኵነታት ዓለም ከምዚ ዝበለ መሰረታዊ ለውጢ ዝፍጸም ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ንምድሪ ካብ ኵሎም እቶም ዝብክልዋን ዘዕንዉዋን ሰባት ከጽርያ ተማባጺዑ ኢዩ። (ራእይ 11:18) እዚ ምልዋጥ እዚ ኣብቲ ኣንጻር ሰይጣንን እክይቲ ዓለሙን ዝግበር ጽድቃዊ ውግእ የሆዋ ክፍጸም ኢዩ። ኣብ ራእይ 16:14, 16 ከምዚ ነንብብ:⁠- “እዚኣቶም [ማለት ርኹስ መንፈስ ዝነፈሶም መግጸሊታት]: ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት [ማለት ፖለቲካውያን መራሕቲ] ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ አከብዎም።”

12. ኣርማጌዶን ከመይ ክትመስል ኢያ፧

12 ኣርማጌዶን ከመይ ክትመስል ኢያ፧ ናይ ኑክሌር ኣርማጌዶን ወይ ብሰንኪ ሰባት ዝለዓል ዕንወት ኣይክትከውንን ኢያ። ንዅሉ ሰብኣዊ ውግኣት እትዛዝምን ነቶም ናይ ከምዚ ዝበለ ውግኣት መለዓዓልቲ ዝዀኑ ሰባት እተጽንትን ውግእ ኣምላኽ ኢያ። ነቶም ፈተውቲ ሰላም ዝዀኑ ሰባት ናይ ሓቂ ሰላም እተምጽእ ውግእ ኣምላኽ ኢያ። እወ: ከምቲ የሆዋ ዝዓለሞ ኣርማጌዶን ክትመጽእ ኢያ። ኣይክትድንጕን ከኣ ኢያ። ነብዪ ኣንባቆም ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ:⁠- “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ: ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ: ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ።” (ኣንባቆም 2:3) ብምኽንያት ሰብኣዊ ስምዒታትና ዝደንጐየ መሲሉ ይርአ ይኸውን: የሆዋ ግን መደቡ ኢዩ ዝሕሉ። ኣርማጌዶን ኣብታ የሆዋ ኣቐዲሙ ዝወሰና ሰዓት ክትወቅዕ ኢያ።

13. ኣምላኽ ነቲ ናይ ሓቂ ገበነኛ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ብኸመይ ኢዩ ስጕምቲ ዝወስደሉ፧

13 እዚ ወሳኒ ዝዀነ ስጕምቲ እዚ ነቲ ናይ ሓቂ ሰላም መገዲ ክጸርግ ኢዩ! ናይ ሓቂ ሰላም ጸኒዑ ክስረት እንተድኣ ኰይኑ ግን: ገለ ተወሳኺ ነገር ክግበር ኣለዎ​—⁠እቲ ጠንቂ ፍልልይን ጽልእን ናዕብን ዝዀነ ኣካል ክርሕቕ ኣለዎ። ስለዚ ድማ ቀጺሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢታት ማለት ምእሳር ናይቲ መለዓዓሊ ውግእን ኣቦ ሓሶትን ዝዀነ ሰይጣን: ክፍጸም ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ: ከምቲ ኣብ ራእይ 20:​1⁠-3 ተመዝጊቡ ዘሎ: ነዚ ፍጻመ እዚ ብትንቢታዊ ትርኢት ተዓዚብዎ ኢዩ:⁠- “መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል: ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን: ሐዞ: እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ: ሽሕ ዓመትውን አሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ: ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን: ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ።”

14. የሆዋ ኣንጻር ሰይጣን ዝወስዶ ዕዉት ስጕምቲ ብኸመይ ኢዩ ክግለጽ ዝከኣል፧

14 እዚ ሕልሚ ኣይኰነን፣ መብጽዓ ኣምላኽ ኢዩ​—⁠መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ‘ኣምላኽ ክሕሱ ኣይክእልን’ ኢዩ ይብለና። (እብራውያን 6:​18) ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሆዋ ብነብይኡ ኤርምያስ ገይሩ ከምዚ ክብል ዝኸኣለ:⁠- “እዚ እዩ ባህ ዜብለኒ እሞ:​—⁠ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን ፍትሕን:” NW ] ጽድቅን ዝገብር: . . . ይብል እግዚኣብሄር።” (ኤርምያስ 9:​24) የሆዋ ብፍትሕን ጽድቅን ኢዩ ስጕምቲ ዝወስድ: በቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘምጽኦ ሰላም ድማ ይሕጐስ ኢዩ።

ግዝኣት ናይቲ መስፍን ሰላም

15, 16. (ሀ) ንጉስ ኰይኑ ንኽገዝእ ብየሆዋ እተሓርየ መን ኢዩ፧ (ለ) እቲ ግዝኣት እቲ ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: ኣብኡኸ መን ኢዩ ዝካፈል፧

15 ንዅሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ናይታ መንግስቱ ዝነብሩ ሰባት ሰላም ከም ዝመጸሎም ንምርግጋጽ: የሆዋ ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 9:​6, 7 ኣቐዲሙ እተነግረ: እቲ ግዝኣት ነቲ ናይ ሓቂ መስፍን ሰላም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ሂብዎ:⁠- “ሕጻን ተወሊዱልና: ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ: እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ: ስሙውን ግሩም: መካር: ብርቱዕ ኣምላኽ: ኣቦ ዘለኣለም: መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። . . . ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።” እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን ንሰላማዊ ግዝኣት ናይቲ መስፍን ኣመልኪቱ ብትንቢታዊ መገዲ ጽሒፉ ኢዩ:⁠- “ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ።”​—⁠መዝሙር 72:7

16 ብተወሳኺ: ብመንፈስ እተቐብኡ 144,000 ኣሕዋት ክርስቶስ ምስኡ ኣብ ሰማያት ክገዝኡ ኢዮም። እዚኣቶም እቶም ጳውሎስ ንዓኣቶም ኣመልኪቱ “ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን” ብምባል ዝጸሓፈ መዋርስቲ ክርስቶስ ኢዮም። (ሮሜ 16:20) እወ: እዚኣቶም ኣብ ሰማያት ብምዃን ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ እቲ መለዓዓሊ ኲናት ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ዝረኽቦ ዓወት ክሳተፉ ኢዮም!

17. ናይ ሓቂ ሰላም ምእንቲ ክንወርስ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧

17 ሕጂ ዝቐርብ ሕቶ እምበኣር: ናይ ሓቂ ሰላም ምእንቲ ክትወርስ እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧ ዝብል ኢዩ። ናይ ሓቂ ሰላም ክመጽእ ዝኽእል ብመገዲ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ: ንኽትረኽቦ ድማ ኣወንታዊ ስጕምትታት ክትወስድ ኣሎካ። ነቲ መስፍን ሰላም ክትቅበሎን ኣብኡ ድማ ክትውከልን ኣሎካ። እዚ ድማ ነቲ ክርስቶስ ከም መድሓንን ተበጃውን ሓጢኣተኛታት ደቅሰብ መጠን ዘለዎ ግደ ክትቅበሎ ኣሎካ ማለት ኢዩ። የሱስ ባዕሉ ነተን “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዝብላ ቃላት ተዛሪብወን ኢዩ። (ዮሃንስ 3:​16) ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ንምምጻእ ወኪል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይርካ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ከተርኢ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ሰላም ከምጽእን ውሕስነት ዘለዋ ክገብራን ዝኽእል ካልእ ስም የለን። (ፊልጲ 2:​8⁠-11) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሱስ ኣምላኽ ዝሓረዮ ኢዩ። ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ሰባት እቲ ዝዓበየ ልኡኽ ሰላም ኢዩ። ንየሱስ ክትሰምዖን ኣብነቱ ድማ ክትስዕብን ዲኻ፧

18. ነቲ ኣብ ዮሃንስ 17:3 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት የሱስ ምላሽ ንምሃብ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧

18 የሱስ ከምዚ በለ:⁠- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ዮሃንስ 17:3) ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት ስርዓታዊ ኴንካ ብምስታፍ ርጡብ ፍልጠት እትረኽበሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። እዚ ትምህርታዊ ኣኼባታት እዚ ፍልጠትካን ተስፋኻን ንኻልኦት ከተማቕሎ ከለዓዕለካ ኢዩ። ንስኻውን ልኡኽ ኣምላኻዊ ሰላም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብመሰረት ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 26:​3 ተገሊጹ ዘሎ: ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ብምውካል ሕጂ ሰላም ከተስተማቕር ትኽእል ኢኻ:⁠- “እቲ ጽኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎ: ኣባኻ ስለ ዝውከል ብፍጹም ሰላም ትሕልዎ።” ኣብ መን ኢኻ ክትውከል ዘሎካ፧ “ኣቱም ህዝብታት: ያህ የሆዋ ናይ ዘለኣለም ከውሒ ኢዩ እሞ: ንሓዋሩ ኣብ የሆዋ ተወከሉ።”​—⁠ኢሳይያስ 26:4 NW

19, 20. ነቶም ሎሚ ንሰላም ዝደልዩን ዝስዕብዋን ዘለዉ ሰባት እንታይ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧

19 ኣብታ ሰላም ዝመልኣ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዘለኣለማዊ ህይወት ክትመርጽ ወስን። ኣብ ራእይ 21:​3, 4 ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:⁠- “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” እቲ ብሃንቀውታ እትጽበዮ ሰላማዊ መጻኢ ግዜስ እዚዶ ኸይኰነ፧

20 እምበኣር ነቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ዘክሮ። “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ: እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ: ነዚ ቕኑዕ ርአዮ።” (መዝሙር 37:11, 37) እቲ ዘሕጕስ እዋን እቲ ምስ መጸ ብሞሳ “ኣብ መወዳእታ ናይ ሓቂ ሰላም! ነቲ ምንጪ ናይ ሓቂ ሰላም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ምስጋና ይብጽሓዮ!” እንብል ይግበረና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

◻ ሓደ ሰብ ብኣተሓሳስብኡን ተግባሩን ለውጢ ንኽገብር ክሕግዞ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

◻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብውልቂ ይኹን ብጕጅለ ደረጃ: ነቲ ናይ ሓቂ ሰላም ዘለዎም ፍቕሪ ዝገልጹ ብኸመይ ኢዮም፧

◻ የሆዋ ንዅሎም እቶም ጽልእን ውግእን ዘለዓዕሉ ሰባት ስጕምቲ ዝወስደሎም ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ግዝኣት ናይቲ መስፍን ሰላም ንደቅሰብ እንታይ ክገብረሎም ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእልታት]

ቃላት ኢሳይያስ ብሕቡራት ሃገራት ዘይኰነስ: በቶም ንትምህርቲ የሆዋ ምላሽ ዝህብሉ ሰባት ኢዩ ፍጻሜኡ ዝረክብ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]

እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ንሰላም ምእንቲ ክስዕቡ ለውጢ ገይሮም ኢዮም

ራሚ ኦቪድ

ጆርጅ ሬውተር

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይቲ መስፍን ሰላም ናይ ሓቂ ሰላም ክሰፍን ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ