-
2 | ሕነ ኣይትፍደግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022 | ቍ. 1
-
-
ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦
“ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። . . . ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። . . . ‘“ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ይብል የሆዋ’ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ . . . ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።”—ሮሜ 12:17-19።
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
ክንብደል ከለና ዚስምዓና ቝጥዓ ባህርያዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ግና ሕነ ኽንፈዲ ኣይደልየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሱ ንዅሉ በደል ስለ ዜዐርዮ፡ ንዕኡ ኽንጽበዮ እዩ ዚምሕጸነና።—መዝሙር 37:7, 10።
-