ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 | ሕነ ኣይትፍደ
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022 | ቍ. 1
    • ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦

      “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። . . . ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። . . . ‘“ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ይብል የሆዋ’ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ . . . ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።”—ሮሜ 12:17-19።

      እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

      ክንብደል ከለና ዚስምዓና ቝጥዓ ባህርያዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ግና ሕነ ኽንፈዲ ኣይደልየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሱ ንዅሉ በደል ስለ ዜዐርዮ፡ ንዕኡ ኽንጽበዮ እዩ ዚምሕጸነና።—መዝሙር 37:7, 10።

  • 2 | ሕነ ኣይትፍደ
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022 | ቍ. 1
    • ኣድርያን ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝቐጸልኩ [መጠን]፡ ኣብ ባህርያተይ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ” ይብል። ጽልኢ ኺሓድግ፡ ዓመጻ እውን ኪገድፍ ነበሮ። ምናዳ እቲ ኣብ ሮሜ 12:17-19 ዚርከብ ሕነ ብዛዕባ ዘይምፍዳይ ዚገልጽ ሓሳብ ጠቒምዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “የሆዋ፡ ንዘይፍትሓውነት ብናቱ መገድን ኣብ ዝደለዮ ግዜን ኪኣልዮ ምዃኑ ኣመንኩ። በብቝሩብ ድማ ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ ኣነባብራይ ሓደግክዎ።”

      ሓደ ምሸት፡ ቀደም መቐናቕንቱ ዝነበሩ ጕጅለ ዓዋሉ ኣጥቅዕዎ፣ መራሒኦም ድማ፡ “ገዛእ ርእስኻ ተኸላኸል!” ኢሉ ጨደረሉ። ኣድርያን ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሕነ ኽፈዲ ዚደፋፍእ ሓያል ስምዒት . . . ነበረኒ” ኢሉ ተኣሚኑ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ዓጸፌታ ኣብ ክንዲ ዚምልስ፡ ናብ የሆዋ ሓጺር ጸሎት ድሕሪ ምጽላይ ሓዲግዎም ከደ።

      ኣድርያን ኣስዒቡ ኸምዚ ይብል፦ “ንጽብሒቱ፡ ምስቲ መራሒ እቶም ጕጅለ ጐፍ ንጐፍ ተራኸብና። ሽዑ ስለ ዝሓረቕኩ፡ ሕነ ኽፈዲ ደልየ ነይረ፣ ኰይኑ ግና፡ ርእሰይ ንምግታእ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ብልበይ ናብ የሆዋ ጸለኹ። እቲ ዜገርም ድማ እቲ መንእሰይ ናባይ ቀሪቡ፡ ‘ብዛዕባ እቲ ትማሊ ምሸት ዘጋጠመ ነገር ይቕረታ ግበረለይ። ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣነ እውን ከማኻ ክኸውን እየ ዝደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ክምሃር እደሊ እየ’ በለኒ። ቍጥዓይ ክቈጻጸር ብምኽኣለይ፡ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንሱ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ