-
“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”ግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 15 ጥቅምቲ
-
-
ንእከይ ብሰናይ ምስዓር
13, 14. (ሀ) ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ ኺገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቶም ዜሳጕጉና ኽንምርቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
13 ሮሜ 12:14, 21 ኣንብብ። የሆዋ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽም ምሉእ ምትእምማን ስለ ዘሎና፡ “ወንጌል መንግስቲ . . . ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም” ኣብ ምስባኽ ከነተኵር ንኽእል ኢና። (ማቴ. 24:14) እዚ ክርስትያናዊ ንጥፈት እዚ፡ ንጸላእትና ኸም ዜቘጥዖም ንፈልጥ ኢና፣ ከመይሲ፡ የሱስ፡ “ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:9) ስለዚ፡ ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ ኣየገርመናን ወይ ተስፋ ኣየቝርጸናን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዝረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። . . . ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥ. 4:12, 13።
-
-
“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”ግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 15 ጥቅምቲ
-
-
15. ንእከይ ብሰናይ ክንስዕሮ እንኽእለሉ ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧
15 ስለዚ፡ ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ነቲ ኣብ መወዳእታ ሮሜ ምዕራፍ 12 ዘሎ፡ “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዐር” ዚብል ምኽሪ ኬቕልበሉ ኣለዎ። ምንጪ ዅሉ እከይ፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። (ዮሃ. 8:44፣ 1 ዮሃ. 5:19) ኣብቲ የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ዘርኣዮ ራእይ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ “ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን [ንሰይጣን] ሰዐርዎ።” (ራእ. 12:11) እዚ ነጥቢ እዚ፡ ንሰይጣንን ነቲ ንሱ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዜሕድሮ ዘሎ እኩይ ጽልዋን ክንስዕሮ እንኽእለሉ ብሉጽ መገዲ፡ ብዕዮ ምስክርነት፡ ማለት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ምዃኑ ዚሕብር እዩ።
-