ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • kr ምዕ. 20 ገጽ 209-219
  • ኣገልግሎት ረድኤት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣገልግሎት ረድኤት
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕዮ ረድኤት ንኣምላኽ ዚቐርብ ‘ኣገልግሎት’ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ንጹር ሸቶታት ዘለዎ ዕዮ ረድኤት
  • ኣገልግሎት ረድኤት ነባሪ ጥቕምታት የምጽእ
  • እጃምካ ኽትገብር ትኽእልዶ፧
  • ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ይካፈሉ ድዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ዕዮ ረድኤት ኣብ 2021—ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይተሓድጉን
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ደገፍ መንግስቲ ኣምላኽ—ንኣምልኾ ምህናጽን ረድኤት ምሃብን
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
kr ምዕ. 20 ገጽ 209-219

ምዕራፍ 20

ኣገልግሎት ረድኤት

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ብግዜ ሓደጋ፡ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብግብሪ ኸም እትርአ

1, 2. (ሀ) ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ከመይ ኢሎም እዮም ፍቕሪ ብግብሪ ዘርኣዩ፧

እዋኑ 46 ድ.ክ. ኣቢሉ ነበረ፣ ኣብ ይሁዳ ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ኣብታ ዓዲ ዚነብሩ ኣይሁድ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ነቲ ኸቢሩ ዝነበረ እኽሊ ኺዕድጉ ዜኽእሎም ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ጠምዮም እዮም ነይሮም፣ እዚ ጥሜት ናብ ዓጸቦ ኸይቅየር እውን ሰጊኦም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ርእዮምዎ ብዘይፈልጡ መገዲ፡ ኢድ የሆዋ ብኸመይ ከም እተዕቍቦም ረኣዩ። እሞኸ እንታይ እዩ ዀነ፧

2 ኣብ ኣንጾክያን ሶርያን ዝነበሩ ኻብ ኣይሁድን ካብ ኣህዛብን ዝዀኑ ክርስትያናት፡ እቲ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ኣይሁድ ክርስትያናት ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ስቓይ ከም ናታቶም ብምቝጻር፡ ንክርስትያናት ብጾቶም ዚኸውን ገንዘብ ኣከቡ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ረድኤት ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት ኬብጽሑሎም፡ ሓላፍነት ዚስከሙ ኽልተ ኣሕዋት፡ ማለት ንበርናባስን ንሳውልን፡ ሓረዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:27-30፣ 12:25 ኣንብብ።) እቶም ኣብ ይሁዳ ተሸጊሮም ዝነበሩ ኣሕዋት በቲ እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ብግብሪ ዘርኣይዎም ፍቕሪ ኸመይ ልቦም ተተንክዮም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እሞ ሕሰቦ!

3. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ከመይ ገይሮም እዮም ነቲ እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት ዝሓደግዎ ኣብነት ዚስዕቡ፧ ኣብነት ሃብ። (“ኣብዚ ግዜና ዝገበርናዮ ናይ ፈለማ ዓብዪ ዕዮ ረድኤት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።) (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

3 እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝዀነ ፍጻመ፡ ኣብ ሓደ ኽፋል ዓለም ዚነብሩ ክርስትያናት ኣብ ካልእ ክፋል ናብ ዚነብሩ ክርስትያናት ረድኤት ከም ዝሰደዱ ዚሕብር ናይ ፈለማ እተመዝገበ ጸብጻብ እዩ። ሎሚ፡ ንሕና እውን ነቲ እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት ዝሓደግዎ ኣብነት ንስዕብ ኢና። ኣብ ካልእ ቦታ ዚርከቡ ክርስትያናት ብጾትና ሓደጋ ወይ ፈተና ኸም ዘጋጠሞም ምስ ፈለጥና፡ ክንረድኦም ንጽዕር ኢና።a ዕዮ ረድኤትና ምስ ካልእ ንጥፈታት ኣገልግሎትና ኸመይ ከም ዚዛመድ ንምግንዛብ፡ ብዛዕባ እዚ ኣገልግሎት ረድኤት ሰለስተ ሕቶታት ንመርምር፦ ዕዮ ረድኤት ከም ኣገልግሎት ጌርና እንርእዮ ስለምንታይ ኢና፧ ሸቶታት ዕዮ ረድኤት እንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ኻብ ኣገልግሎት ረድኤት ብኸመይ ንጥቀም፧

ዕዮ ረድኤት ንኣምላኽ ዚቐርብ ‘ኣገልግሎት’ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4. ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እንታይ በሎም፧

4 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ክርስትያናት ክልተ ኽፋል ዘለዎ ኣገልግሎት ከም ዘለዎም ገለጸ። መልእኽቲ ጳውሎስ ናብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እኳ እንተ ነበረት፡ ቃላቱ ነቶም ሎሚ ዘለዉ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ክርስቶስ እውን ይምልከቶም እዩ። (ዮሃ. 10:16) ሓደ ኽፋል እቲ ኣገልግሎት፡ “ኣገልግሎት ዕርቂ፡” ማለት ናይ ምምሃርን ምስባኽን ዕዮ እዩ። (2 ቈረ. 5:18-20፣ 1 ጢሞ. 2:3-6) እቲ ኻልኣይ ክፋል እቲ ኣገልግሎት ድማ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና እንህቦ ኣገልግሎት እዩ። ጳውሎስ ድማ፡ እዚ ንክርስትያናት ብጾት ዚግበር ‘ልግስን ኣገልግሎትን’ ከም ዝዀነ ወይ ብመሰረት እተኸለሰ ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ “ኣገልግሎት ረድኤት” ከም ዝዀነ ጠቒሱ ኣሎ። (2 ቈረ. 8:4) ኣብተን “ኣገልግሎት ዕርቂ” ዀነ “ኣገልግሎት ረድኤት” ዚብላ ቓላት፡ እታ ኣብ ክልቲአን ዘላ “ኣገልግሎት” እትብል ቃል፡ ዲያኮኒያ ኻብ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እያ ተተርጒማ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5. ጳውሎስ ንዕዮ ረድኤት፡ ኣገልግሎት ኢሉ ምጽዋዑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ጳውሎስ ንኽልቲኡ ንጥፈታት ሕደ ናይ ግሪኽኛ ቓል ብምጥቃም፡ ንዕዮ ረድኤት ምስቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚግበር ካልእ ዓይነት ኣገልግሎት ኣብ ሓደ መዲብዎ እዩ። ኣቐዲሙ፡ “በበይኑ ኣገልግሎት . . . ኣሎ፡ ጐይታ ግና ሓደ እዩ፣ በበይኑ ተግባራት ኣሎ፡ . . . ንዅሉ እዚ ተግባራት እዚ ግና፡ እቲ ሓደ መንፈስ እቲ . . . እዩ ዚዕድሎ” በለ። (1 ቈረ. 12:4-6, 11) ጳውሎስ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚግበር በበይኑ ኣገልግሎት ‘ንኣምላኽ ምስ ዚቐርብ ኣገልግሎት’ ኣተኣሳሲርዎ እዩ።b (ሮሜ 12:1, 6-8) ገለ ኻብ ግዜኡ፡ “ነቶም ቅዱሳት ከገልግል” ኢሉ ምምዳቡ እምበኣር ግቡእ እዩ ነይሩ።—ሮሜ 15:25, 26።

6. (ሀ) ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ዕዮ ረድኤት ክፍሊ ኣምልኾና ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ዕዮ ረድኤት ኣብ ብዘላ ዓለም ብኸመይ ይዕየ ኸም ዘሎ ግለጽ። (ኣብ ገጽ 214 እትርከብ፡ “ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

6 ጳውሎስ ነቶም ሰብ ቈረንቶስ፡ ዕዮ ረድኤት ክፍሊ ኣገልግሎትን ንየሆዋ ዚቐርብ ኣምልኾን ምዃኑ ኣረዲእዎም እዩ። ብዛዕባ እዚ ኼረድኦም ከሎ፡ ረድኤት ዚህቡ ክርስትያናት፡ ነቲ “ብስራት ክርስቶስ ተገዛእቲ” ብምዃኖም ከም ዚገብርዎ እዩ ገሊጹ። (2 ቈረ. 9:13) ስለዚ፡ ክርስትያናት፡ ትምህርትታት ክርስቶስ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኻብ ዘለዎም ድሌት ተላዒሎም፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም ኪረድኡ ይድረኹ እዮም። እቲ ንኣሕዋቶም ንምጥቃም ዚገብርዎ ሰናይ ተግባር፡ ብሓቂ “ሓለፍ ዝበለ ጸጋ ኣምላኽ” ምዃኑ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (2 ቈረ. 9:14፣ 1 ጴጥ. 4:10) ስለዚ፡ ናይ 1 ታሕሳስ 1975 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እቲ ዕዮ ረድኤት ዜጠቓልል ንእተሸገሩ ኣሕዋት ናይ ምሕጋዝ ተግባር፡ “የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ብሓቂ ኣገዳሲ ገይሮም ከም ዚርእይዎ ኽንጠራጠር የብልናን” በለት። እወ፡ ዕዮ ረድኤት ሓደ ኣገዳሲ መዳይ እቲ ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣገልግሎት እዩ።—ሮሜ 12:1, 7፣ 2 ቈረ. 8:7፣ እብ. 13:16።

ንጹር ሸቶታት ዘለዎ ዕዮ ረድኤት

7, 8. ቀዳማይ ሸቶ ኣገልግሎት ረድኤት እንታይ እዩ፧ ግለጽ።

7 ሸቶታት እቲ እንገብሮ ኣገልግሎት ረድኤት እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቱ መሊስዋ እዩ። (2 ቈረንቶስ 9:11-15 ኣንብብ።) ኣብዘን ፍቕድታት እዚአን፡ “እዚ ኣገልግሎት እዚ [ማለት ዕዮ ረድኤት] ዚግበር” ሰለስተ ቐንዲ ሸቶታት ንምውቃዕ ምዃኑ ኣጕሊሑ ኣሎ። በብሓደ እስከ ንርኣዮ።

8 ቀዳማይ፡ ኣገልግሎት ረድኤትና ንየሆዋ የኽብሮ። ኣብተን ኣብ ላዕሊ ተሓቢረን ዘለዋ ሓሙሽተ ፍቕድታት፡ ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ኽንደይ ሳዕ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝጠቐሰሎም ነስተብህል። እቲ ኣገልግሎት፡ “ንኣምላኽ ምስጋና ዜምጽእ፡” ከምኡ ድማ “ንኣምላኽ ዚቐረብ ብዙሕ ምስጋና” ምዃኑ እውን ኣዘኻኺርዎም እዩ። (ፍቕዲ 11, 12) ዕዮ ረድኤት ንክርስትያናት፡ ‘ንኣምላኽ ኬመጕስዎ’ ኸም ዚድርኾም፡ ነቲ “ሓለፍ ዝበለ ጸጋ ኣምላኽ” ድማ ውዳሰ ኸም ዜምጽእ ገለጸ። (ፍቕዲ 13, 14) ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣገልግሎት ረድኤት ዝሃቦ ሓሳብ፡ “ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ” ብምባል ዛዘሞ።—ፍቕዲ 15፣ 1 ጴጥ. 4:11።

9. ዕዮ ረድኤት ኣብ ኣተሓሳስባ እንታይ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

9 ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከም ጳውሎስ፡ ንዕዮ ረድኤት፡ ንየሆዋ ኽብሪ ኼምጽኡሉን ንትምህርቱ ኺስልሙን ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተሎም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (1 ቈረ. 10:31፣ ቲቶ. 2:10) ዕዮ ረድኤት ነቲ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ የሆዋን መሰኻኽሩን ዘለዎም ኣሉታዊ ርእይቶ ኣብ ምውጋድ፡ ዓብዪ ግደ ይጻወት እዩ። ንኣብነት፡ ብህቦብላ ኣብ ዝዓነወ ቦታ እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ፡ ኣብ ማዕጾኣ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣይትዃኵሑ” ዚብል ጽሑፍ ለጢፋ ነይራ። ድሕሪኡ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ማዕዶ ቤታ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንእተጐድአ ቤት ኪጽግኑ ረኣየት። ንእተወሰነ መዓልትታት፡ ነቶም ምቕሉላት ሰራሕተኛታት ተዓዘበት፣ ስለዚ፡ መን ምዃኖም ክትፈልጥ ከደት። እቶም ወለንተኛታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ምስ ፈለጠት፡ ውሽጣ ስለ እተተንከየት፡ “ብዛዕባኹም ጌጋ ርእይቶ እዩ ነይሩኒ” በለት። እሞኸ እንታይ ገበረት፧ ነቲ ኣብ ማዕጾኣ ዝነበረ ጽሑፍ ኣልዓለቶ።

10, 11. (ሀ) እንታይ ኣብነታት እዩ ነቲ ኻልኣይ ሸቶ ዕዮ ረድኤት ንወቕዖ ኸም ዘለና ዜርኢ፧ (ለ) እንታይ ጽሑፍ እዩ ንሰራሕተኛታት ረድኤት ዚሕግዞም፧ (“ንሰራሕተኛታት ረድኤት ዚሕግዝ ተወሳኺ ንዋት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

10 ካልኣይ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ‘ዜድልዮም ዘበለ ነማልኣሎም።’ (2 ቈረ. 9:12ሀ) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብህጹጽ ዜድልዮም ንምምላእን ሽግሮም ንምቅላልን ንህንጠ ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ‘ሓደ ሰብነት’ እዮም፣ “ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ ኸኣ፡ ኵሉ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ እዩ።” (1 ቈረ. 12:20, 26) ስለዚ፡ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሕውነታዊት ፍቕርን ብርሕራሐን ስለ ዚድረኹ፡ ብህጹጽ መደባቶም ኣተዓራርዮም፡ ናውቶም ሒዞም፡ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታታት ከይዶም ንክርስትያናት ብጾቶም ይረድኡ እዮም። (ያእ. 2:15, 16) ንኣብነት፡ ብ2011 ሱናሚ ንጃፓን ምስ ወቕዓ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነተን ኣብታ ሃገር ዚርከባ ኮሚተታት ከባብያዊ ህንጸት፡ ኣብ ጃፓን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዳግም ንምህናጽ “ሒደት ብቑዓት ኣሕዋት” ኪረኽባ ዚኽእላ እንተ ዀይነን እትሓትት ደብዳበ ለኣኸለን። እሞኸ እንታይ ምላሽ ተረኽበ፧ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት፡ ዳርጋ 600 ወለንተኛታት ኪሕግዙ ኣመልከቱ፣ ብናታቶም ወጻኢ ናብ ጃፓን ብነፋሪት ኪኸዱ ድማ ተሰማምዑ። ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ “እቲ ምላሽ ካብ እተጸበናዮ ንላዕሊ እዩ” በለ። ኣብ ጃፓን ዚነብር ሓደ ሓውና ንሓደ ኻብ ወጻኢ ዝኸደ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ ስለምንታይ ኪሕግዝ ከም ዝመጸ ምስ ሓተቶ፡ “ኣብ ጃፓን ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ክፍሊ ‘ሰብነትና’ እዮም። ስቓዮምን መከራኦምን ይስምዓና እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ሰራሕተኛታት ረድኤት በታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ንክርስትያናት ብጾቶም ንምሕጋዝ ሓድሓደ ግዜ ህይወቶም እኳ ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም።c—1 ዮሃ. 3:16።

ብ1946 ኣብ ስዊዘርላንድ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንክርስትያን ኣሕዋታ ዚኸውን ረድኤት ክትጥርንፍ ከላ

ስዊዘርላንድ፡ 1946

ኣብዚ ግዜና ዝገበርናዮ ናይ ፈለማ ዓብዪ ዕዮ ረድኤት

ኣብ መስከረም 1945፡ ማለት ካብቲ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኤውሮጳ እተወድኣሉ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ፡ ሓውና ኖር “ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ ንእተሸገሩ ኣሕዋት ስጋዊ ረድኤት” ንምስዳድ ዓብዪ ወፈራ ኸም እተጀመረ ምልክታ ነገረ።

እቲ ምልክታ ኻብ ዚንገር ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ክዳውንትን ምግብን ኣዳልዮም ኪዕሽጉ ጀመሩ። ካብ ጥሪ 1946 ንደሓር፡ ኣብ ሃንጋሪ፡ ሩማንያ፡ በልጅዩም፡ ቡልጋርያ፡ ቸኮስሎቫክያ፡ ቻይና፡ ነዘርላንድስ፡ ኖርወይ፡ ኢጣልያ፡ ኦስትርያ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ደንማርክ፡ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ፈረንሳ፡ ፊንላንድ፡ ፊሊፒንስ፡ ፖላንድ ናብ ዚርከቡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት፡ ረድኤት ተላኢኹ እዩ።

እዚ መደብ ረድኤት እዚ፡ ናይ ሓደ ግዜ ዕዮ ጥራይ ኣይነበረን። ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ረድኤት ተላኢኹ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣስታት 85,000 ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናብቶም ብውግእ ኣብ ዝዓነዋ ሃገራት ዝነበሩ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ልዕሊ 300,000 ኪሎ ግራም ምግብን ልዕሊ 450,000 ኪሎ ግራም ክዳውንትን ልዕሊ 124,000 ጽምዲ ሳእንን ልኢኾም እዮም። ኣብ ነሓሰ 1948፡ እዚ ዓብዪ ዕዮ ረድኤት ተዛዘመ። ኣብ 1949 ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ በለት፦ “እዚ፡ ብርግጽ ንሓድሕድና ፍቕርና ዝገለጽናሉ እዩ ነይሩ። ኵሎም ኣሕዋትና ንጐይታና ኽብሪ ኼምጽኡ ኢሎም፡ እዚ ስጋዊ ረድኤት ንኻልኦት ናይ ሓቂ ኣምልኾኦም ኬካይዱ ኸም ዚሕግዞም ኣብ ግምት ብምእታው እዮም ነዚ ገይሮምዎ፣ ስለዚ፡ ንኣሕዋቶም በዚ መገዲ እዚ ኼገልግሉ ምኽኣሎም ዓብዪ መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።” እዚ ዕዮ ረድኤት እዚ፡ ንየሆዋ ውዳሰ ኣምጺኡሉ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ረድኤት ኪረኽቡ ኣኽኢልዎም፡ ሓድነት እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋት ከኣ ኣደልዲሉ እዩ።

11 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እውን ንዕዮ ረድኤትና የማስዉሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብ2013 ኣብ ኣርካንሰስ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ፡ ሓንቲ ጋዜጣ ብዛዕባ እቲ ወለንተኛታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሃብዎ ቕልጡፍ ምላሽ፡ “ውድባዊ መዋቕር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ንሓደጋ ኻብ ኣገልግሎት ወለንተኛታት ዚውሃብ ምላሽ ብሉጽ ከም ዚኸውን ገይርዎ እዩ” በለት። እወ፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ንኣሕዋትና ‘ዜድልዮም ዘበለ ነማልኣሎም’ ኢና።

12-14. (ሀ) ነቲ ሳልሳይ ሸቶ ዕዮ ረድኤት ምውቃዕና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ መግለጺታት እዩ ኣገዳስነት ቀጻሊ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዜጕልሕ፧

12 ሳልሳይ፡ ንእተሸገሩ ናብ መንፈሳዊ ልማዶም ኪምለሱ ንሕግዞም። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ጳውሎስ እቶም ረድኤት ዚረኽቡ፡ ‘ንኣምላኽ ብዙሕ ምስጋና ኬቕርቡ’ ኸም ዚድረኹ ገሊጹ ኣሎ። (2 ቈረ. 9:12ለ) እቶም እተሸገሩ፡ ናብ መንፈሳዊ ልማዶም ብቕልጡፍ ካብ ምምላስ ንላዕሊ፡ ንየሆዋ ምስጋና ኬቕርቡ ዜኽእሎም ዝሓሸ መገዲ እሞ እንታይ ኣሎ፧ (ፊል. 1:10) ብ1945 ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ኢላ ነይራ፦ “ጳውሎስ ውጽኢታት ኪእከብ እተሰማምዐ፡ . . . እተሸገሩ ክርስትያን ኣሕዋት ረድኤት ኪረኽቡ እሞ፡ በዚ ኸምዚ ኣብቲ ናይ የሆዋ ዕዮ ምስክርነት ብዝያዳ ኣበርቲዖም ኪሳተፉ ይሕግዝ ብምንባሩ እዩ።” ሎሚ እውን፡ ሸቶና ኻብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ኣሕዋትና ናብ ዕዮ ስብከት እንተ ተመሊሶም፡ ኣብ ጭንቂ ንዚርከቡ ጐረባብቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንርእሶም እውን እዮም ዜጸናንዑ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።

13 ረድኤት ኣድልይዎም ምስ ረኸቡ፡ ኣገልግሎት ዝቐጸሉ እሞ፡ በዚ እተበራትዑ ገለ ሰባት ዝሃብዎ ሓሳባት እስከ ንርአ። ሓደ ሓው፡ “ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምኻድ፡ ንስድራ ቤትና በረኸት እዩ ነይሩ። ንኻልኦት ከነጸናንዕ ከለና፡ ብጕዳይና ኻብ ምጭናቕ ቍሩብ እፎይታ ረኺብና ኢና” በለ። ሓንቲ ሓብቲ ድማ፡ “ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምትኳር፡ ነቲ ኣብ ከባብየይ ዘጋጠመ ጥፍኣት ኸም ዝርስዖ ገይሩኒ እዩ። ድሕንነት ከም ዚስምዓኒ ገይሩ እዩ” በለት። ካልእ ሓብቲ ኸኣ፡ “ብዙሕ ነገራት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣገልግሎት ግና ንስድራ ቤትና ኣንፈት ኣትሒዝዋ እዩ። ብዛዕባ ሓዳስ ዓለም ዘሎና ተስፋ ምስ ካልኦት ምዝርራብ፡ ነቲ ዅሉ ሓድሽ ከም ዚኸውን ዘሎና እምንቶ ኣደልዲልዎ እዩ” በለት።

14 እተሸገሩ ክርስትያን ብጾት ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም ኪገብርዎ ዘለዎም ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈት ከኣ፡ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ እዩ። ኪዮኮ ዝስማ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 50ታት ዕድሚኣ ዝነበረት ሓብቲ ዘጋጠማ እሞ ንርአ። ብዘይካ እቲ እተኸድነቶ ኽዳውንትን ዝወደየቶ ሳእንን ዘለዋ ዅሉ ብሱናሚ ምስ ተወስደ፡ እንታይ ከም እትገብር ሓርበታ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ሽማግለ ኣብ ማኪናኡ ስሩዕ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኸም ዚገብሩ ነገራ። ኪዮኮ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ በለት፦ “ኣነን ሓደ ሽማግለን ሰበይቱን ካልእ ሓብትን ኣብታ ማኪና ኾፍ በልና። እቲ ኣኼባ ተራ እዩ ነይሩ፣ ከም ተኣምር ግና፡ ብዛዕባ እቲ ሱናሚ ዝነበረኒ ተዘክሮ ኻብ ኣእምሮይ ጠፍአ። ናይ ኣእምሮ ሰላም ረኸብኩ። እቲ ኣኼባ እቲ፡ ክርስትያናዊ ሕብረት ዘለዎ ሓይሊ ኣርእዩኒ እዩ።” ካልእ ሓብቲ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሓደጋ እተኣከበትሉ ኣኼባታት፡ “ንኽጻወር ሓጊዙኒ እዩ” በለት።—ሮሜ 1:11, 12፣ 12:12።

ኣገልግሎት ረድኤት ነባሪ ጥቕምታት የምጽእ

15, 16. (ሀ) ኣብ ቈረንቶስን ኣብ ካልእን ዝነበሩ ክርስትያናት ንዕዮ ረድኤት ብምድጋፍ እንታይ ጥቕምታት ረኺቦም፧ (ለ) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ኻብ ዕዮ ረድኤት ብኸመይ ንጥቀም፧

15 ጳውሎስ ብዛዕባ ኣገልግሎት ረድኤት ንሰብ ቈረንቶስ ኪገልጽ ከሎ፡ ንሳቶምን ካልኦት ክርስትያናትን ኣብዚ ዕዮ እዚ ብምስታፍ ዚረኽብዎ ጥቕምታት ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ እዩ፦ “ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ሓለፍ ዝበለ ጸጋ ኣምላኽ፡ [እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚርከቡ ነቲ ረድኤት እተቐበሉ ኣይሁድ ክርስትያናት] ምእንታኹም ብምምህላል ከኣ፡ ኪላለዩኹም ሃረር ከም ዚብሉ የርእዩ ኣለዉ።” (2 ቈረ. 9:14) እወ፡ እቲ እቶም ሰብ ቈረንቶስ ዝገበርዎ ልግሲ ነቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ምእንቲ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋቶም፡ እንተላይ ምእንቲ እቶም ካብ ኣህዛብ ዘበሉ፡ ኪጽልዩ ደሪኽዎም እዩ። እዚ ድማ ነቲ ንዕኦም ዘለዎም ፍቕሪ ኣዕሚቝዎ እዩ።

16 ናይ 1 ታሕሳስ 1945 ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ጥቕምታት ዕዮ ረድኤት እተዛረቦ ቓላት ኣብዚ ግዜና ብምውዓል፡ “ሓደ ኽፋል ውፉይ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ንኻልእ ጕጅለ ዜድልዮ ንምምላእ ኬዋጽእ ከሎ፡ እዚ ዚፈጥሮ ሓድነት እሞ ሕስብ ነብሎ!” በለት። ሎሚ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምኡ እዩ ዚስምዖም። ሓደ ኣብ ዕዮ ረድኤት ዝሓገዘ ሽማግለ፡ “ዕዮ ረድኤት ምዕያይ፡ ካብ ቅድሚኡ ንላዕሊ ምስ ኣሕዋተይ ከም ዝቀራረብ እዩ ገይሩኒ” በለ። ሓንቲ ረድኤት ብምርካባ እተመስግን ሓብቲ፡ “ናብታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ዘሎና ዝቐረበ ነገር ሕውነትና እዩ” በለት።—ምሳሌ 17:17 ኣንብብ።

17. (ሀ) እቲ ኣብ ኢሳይያስ 41:13 ዚርከብ ቃላት ኣብ ዕዮ ረድኤት ብኸመይ ይውዕል፧ (ለ) ዕዮ ረድኤት ንየሆዋ ኽብሪ ኸም ዜምጽኣሉን ሓድነትና ኸም ዜደልድልን ዜርኢ ገለ ኣብነታት ጥቐስ። (“ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ዓለም ዚርከቡ ወለንተኛታት ይረድኡ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

17 ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ሓደጋ ናብ ዘጋጠመሉ ቦታ ኺበጽሑ ኸለዉ፡ እቶም እተሸገሩ ኣሕዋትና ነቲ፡ “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽካ እየ” ዚብል ኣምላኽ ዝኣተዎ ቓል ብፍሉይ መገዲ ይምከርዎ እዮም። (ኢሳ. 41:13) ሓንቲ ሓብቲ ኻብ ሓደ ሓደጋ ምስ ደሓነት፡ “ነቲ ጕድኣት ምስ ረኣኹ ተስፋ ቐቢጸ ነይረ፣ የሆዋ ግና ኢዱ ዘርጊሑለይ። እቲ ኻብ ኣሕዋትና ዝረኸብክዎ ሓገዝ ኪግለጽ ዚከኣል ኣይኰነን” በለት። ኣብ ሓደ ኸባቢ ኸቢድ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ፡ ክልተ ሽማግለታት ንጉባኤታቶም ወኪሎም፡ “እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዙሕ ስቓይ ኣምጺኡ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብኣሕዋትና ኣቢሉ ዚህበና ሓገዝ ርኢና ኢና። ብዛዕባ ዕዮ ረድኤት ነንብብ ኔርና ኢና፣ ሕጂ ግና ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኺፍጸም ርኢናዮ” ኢሎም ጸሓፉ።

ፒተር ጆንሰን ኣብ ዕዮ ቲኦክራስያዊ ህንጸት

ንመገዲ ህይወቱ ቐሪጽዎ

ኣብ ዕዮ ረድኤት ምስታፍ፡ ንመንእሰያት እንታይ ጦብላሕታ ኺሓድገሎም ይኽእል፧ ወዲ 18 ዓመት ከሎ ኸምኡ ንዝገበረ ፒተር ጆንሰን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ንሱ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣሕዋት ኣመስገንቲ ምዃኖምን ምሃብ ዜምጽኦ ሓጐስን ውሽጠይ ተንክዩኒ እዩ። ነቲ ህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ንምግልጋል ኬውዕላ ዝነበረኒ ድሌት ኣደልዲልዎ እዩ” በለ። ድሕሪኡ፡ ፒተር ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ኣብ ቤት-ኤል እውን ኣገልጊሉ እዩ፣ ጸኒሑ ኸኣ፡ ኣባል ኮሚተ ኸባብያዊ ህንጸት ኰይኑ ኼገልግል ጀመረ። ሎሚ ኸኣ፡ “እቲ ንፈለማ ግዜ ብ1974 እተሳተፍኩሉ ዕዮ ረድኤት፡ ንመገዲ ህይወተይ ቀሪጽዎ እዩ” ብምባል ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ። ንስኻኸ መንእሰይ ዲኻ፧ ኣብነት ፒተር ክትስዕብ ትኽእልዶ፧ ዕዮ ረድኤት ነቲ ንኣገልግሎት የሆዋ እተውዕሎ መገዲ ህይወትካ ኸመይ ከም ዚቐርጾ መን ይፈልጥ፧

እጃምካ ኽትገብር ትኽእልዶ፧

18. ኣብ ዕዮ ረድኤት ክትሳተፍ እንተ ደሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (“ንመገዲ ህይወቱ ቐሪጽዎ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

18 ዕዮ ረድኤት ዜምጽኦ ሓጐስ ክትጥዕሞ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብቶም ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚዓይዩ ኸም ዚምረጹ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ስለዚ፡ ንሽማግለታትካ መመልከቲ ፎርም ክትመልእ ከም እትደሊ ንገሮም። ሓደ ኣብ ዕዮ ረድኤት ብዙሕ ተመክሮ ዘለዎ ሽማግለ፡ “ካብ ኮሚተ ረድኤት ሓደጋ ወግዓዊ ጻውዒት ምስ ተቐበልካ ጥራይ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ኸባቢ ተጕዓዝ” ዚብል መዘኻኸሪ ሂቡ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ዕዮ ረድኤትና ስርዓት ሓልዩ ይዕየ።

19. ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ንሕና ብሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃንና ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

19 ዕዮ ረድኤት ነቲ ክርስቶስ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ” ብምባል ዝሃበና ትእዛዝ እንእዘዘሉ ሓደ ዜደንቕ መገዲ እዩ። ከምዚኣ ዝበለት ፍቕሪ ብምርኣይ፡ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃንና ነርኢ ኢና። (ዮሃ. 13:34, 35) ሎሚ፡ ነቶም ብተኣማንነት ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚድግፉ ዜድልዮም ረድኤት ብምሃብ፡ ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽኡ ብፍታው ዚዓይዩ ሰራሕተኛታት ምህላዎምሲ፡ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

a እዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ኣብቲ ምእንቲ ክርስትያናት ብጾትና እተገብረ ዕዮ ረድኤት እያ እተተኵር። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ግና፡ ዕዮ ረድኤትና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ እውን ይጠቅም እዩ።—ገላ. 6:10።

b ጳውሎስ ን“ኣገልገልቲ ጉባኤ” ንምግላጽ፡ ነታ ዲያኮኖስ (ኣገልጋሊ) እትብል ቃል ንብዙሕ ብእተመልክት ኣገባብ ተጠቒሙላ እዩ።—1 ጢሞ. 3:12።

c ኣብ ናይ 1 ሕዳር 1994 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 23-27 ዝወጸ፡ “ኣብ ቦስንያ ንዚርከቡ ብእምነት ቤተ ሰብና እተዋሃበ ረድኤት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኸም ናይ ሓቂ ጌርካ እትርእያ፧

  • ዕዮ ረድኤት ክፍሊ እቲ ንየሆዋ ዚቐርብ ኣገልግሎት ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

  • ለስተ ቐንዲ ሸቶታት ዕዮ ረድኤት እንታይ እዩ፧

  • ዕዮ ረድኤት እንታይ ነባሪ ጥቕምታት የምጽእ፧

  • ዕዮ ረድኤት ምስቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 13:34 ዝሃቦ ትእዛዝ ብኸመይ ይዛመድ፧

ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ዓለም ዚርከቡ ወለንተኛታት ይረድኡ

ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ

ብ1994፡ ኣስታት 800,000 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚዀኑ ሰባት፡ ኣብ ሩዋንዳ ብሰንኪ እተላዕለ ቐቢላዊ ጃምላዊ ቕትለት ህይወቶም ሰኣኑ። ድሕሪ እቲ ጃምላዊ ቕትለት፡ ዘይምርግጋእ ናብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣስፋሕፍሐ፣ ሰፈራት ስደተኛታት ከኣ ብብዝሒ ስደተኛታት ቅጽጽ በለ። ኣብ ስዊዘርላንድን በልጅዩምን ፈረንሳን ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም ንምድጋፍ፡ 300 ቶን ዚኣክል ክዳውንትን መድሃኒትን ድንኳናትን ምግብን ካልእ ዜድሊ ነገራትን ብነፈርቲ ለኣኹ። ኣብ ውሽጢ ሰሙናት፡ እዚ ረድኤታት እዚ ነቶም እተሸገሩ ኣሕዋት በጽሖም።

ኣብ ኣፍሪቃ ድማ፡ ካብ ፈረንሳ ዝመጹ ዓሰርተ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን፡ ነቲ ኣሕዋትና ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድን ጥሜትን ሕማምን ዜጋጥሞም ሽግራት ንምፍኳስ ተዋፊሮም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት ጥራይ፡ እቶም ጕጅለ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ልዕሊ 10,000 ሳዕ ሕክምናዊ መርመራ ገይሮም እዮም። ዕዮኦም ንየሆዋን ንውድቡን ዜወድስ እዩ። ሓንቲ ኻብተን ኣለይቲ ሕሙማት፡ “ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክንሕግዝ ናብ ሓደ ቦታ ምስ እንኸይድ፡ ሰባት ብኣኽብሮት፡ ‘እዚኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ንኣሕዋቶም ኪሕግዙ እዮም መጺኦም’ ይብሉ” በለት። ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ሓገዝ ምስ ተዋህባ፡ “ሓብተየ፡ አመስግነኪ። የሆዋ፡ አመስግነካ!” በለት።

ሓድሓደ ግዜ፡ ከቢድ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ እኳ፡ ዕዮ ረድኤት የድሊ እዩ። ብ2012፡ ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ማኪና፡ ኵሎም ካብ ሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ዝዀኑ 13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሞቱ፣ 54 ድማ ከቢድ ማህሰይቲ ኣጋጠሞም። መዓልትን ለይትን ዚዓይዩ ዝነበሩ ኮሚተ ረድኤት፡ ንነፍሲ ወከፍ ግዳይ እቲ ሓደጋ ረዲኦምዎ እዮም። ሓንቲ ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበረት ተሓካሚት፡ እቲ ነቶም እተሃስዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እተዋህቦም ብዙሕ ሓገዝ ምስ ረኣየት፡ ናብ ቀሻ ደዊላ፡ “ካብ ቤተ ክርስትያንና ዋላ ሓደ ኺበጽሓኒ ኣይመጸን። ናብ ሆስፒታል ንዓ እሞ፡ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ፍቕሪ ብግብሪ ርኣዮ!” በለቶ።

እቶም ኣብታ ንእሽቶ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋትና ኸቢድ ሓዘን እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ በቲ ኻብ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ዝረኸብዎ መግለጺ ፍቕሪ ተጸናኒዖም እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ገሊኦም ውልቀ ሰባት ነቲ እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ዘርኣይዎ ፍቕራዊ ሓልዮት ድሕሪ ምዕዛቦም፡ ኣገልግሎቶም ኬሐይሉ ተለዓዒሎም እዮም። ቅድሚ እቲ ሓደጋ፡ ኣብታ ጉባኤ 35 ኣስፋሕቲ ነበሩ። ኣብ ውሽጢ ዓመት ግና፡ እቲ ቝጽሪ እቲ ናብ 60 ወሰኸ።

ኣውስትራልያ

ብ2013፡ ክፋል ገማግም ኲንስላንድ ስለ ዘዕለቕለቐ፡ 70 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣባይቶም ሰኣኑ። ማርክን ሮንዳን ጓሎምን ካብታ ዘዕለቕለቕት ቤቶም ሃዲሞም፡ ናብ ሓደ ኻብቲ ኸባቢ ንምውጻእ ዜገልግል ዝነበረ ማእከል ከዱ። እቲ ቦታ ኸኣ ብሰባት መሊኡ ነበረ። ሮንዳ፡ “ደው መበሊ ኽፍሊ ጥራይ እዩ ዀይኑ ነይሩ” በለት። እተን ካብቲ ቦታ ዚልዓላን ናብኡ ዚዓልባን ዝነበራ ሄሊኮፕተራት ዜውጽኣኦ ብርቱዕ ድምጺ ድማ፡ ነቲ ዝነበሮም ውጥረት ኣጋደዶ። በዚ ስለ እተጨነቐት፡ ንሰብኣያ፡ “እንታይ ኢና እንገብሮ፧” በለቶ። ማርክ ኸኣ ናብ የሆዋ ኣበርቲዑ ጸለየ። ሮንዳ ድማ፡ “ድሕሪ 30 ደቂቕ ኣቢሉ፡ ማኪና ናብቲ ማእከል መጸት፣ ሰለስተ ኣሕዋትና ኸኣ ወጹ። ምስ ረኸብናዮም፡ ‘ምሳና ኽንወስደኩም ኢና። ኣብ ቤት ሓውና ኽትጸንሑ ኢኹም’ በሉና” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ፡ “ነቲ ፍቕራዊ ሓልዮት ውድብ የሆዋ ኣብቲ ህሞት እቲ ዝፈጠረልና ብርቱዕ ስምዒት ክንገልጾ ኣይንኽእልን ኢና” በለት።

ልዕሊ 250 ወለንተኛታት ንኣሕዋቶም ንምሕጋዝ፡ ተቐላጢፎም ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ኸዱ። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው፡ “በየን መጹ ኸይተባህሉ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺኦም፡ ነቲ ኣብ ገዛይ ዝነበረ ጐሓፍ ንምጽራይ ከም ጻጸ እዮም ሰሪሖም። ኣነን ሰበይተይን ከመይ ከም ዝረድኡና ኸቶ ኣይንርስዖን ኢና” በለ።

ብራዚል

ብ2008፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ሳንታ ካታሪና ዘጋጠመ መደራጋሕን ምዕልቕላቕን፡ ኣስታት 80,000 ንዚኣኽሉ ሰባት ካብ ኣባይቶም ኣፈናቐሎም። ሓደ ነባሪ፡ እቲ መደራጋሕ ከም “ናይ ሓመድን ጭቃን ኣእዋምን ሱናሚ” ምንባሩ እዩ ገሊጽዎ። ገሊኦም ኣሕዋትና ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ኣዕቀሉ። ሓላው እቲ ኣዳራሽ ዝነበረ ማርስዩ፡ “እተን ተኸዲኖምወን ዝነበሩ ኽዳውንቲ ጥራይ ሒዞም እዮም ሃዲሞም፣ ኵላቶም ድማ ጭቃ ብጭቃ ዀይኖም ነይሮም” በለ። ሓንቲ ሓብቲ ኸኣ፡ “ገዛና ፈሪሳ። ኣብ ውሽጢ ኻልኢታት ክትጠፍእ ምርኣይ ዜሕዝን እዩ ነይሩ፣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከመይ ከም ዘጸናንዑና ግና ከቶ ኣይርስዖን እየ። ብዙሕ መግለጺ ፍቕሪ ርኢና ኢና! እዚ ተመክሮ እዚ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢርካ ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ምዃኑ ምሂሩኒ እዩ” በለት።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብራዚል ንዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋ እተወፈየ  ረድኤት ይውድቡን ይዕድሉን

ብ2009፡ ኣብ ሳንታ ካታሪና፡ ብራዚል ዚርከብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ፡ ማእከል ረድኤት ኰይኑ ኼገልግል ከሎ

ካብቲ ኣብ ጥቓ ኸተማ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ዚርከብ ከረን ዚመጽእ መደራጋሕ፡ ንብዙሓት ኣባይቲ ኣዕንዩ እዩ። ብተደጋጋሚ ንዜጋጥም ሓደጋታት ቅልጡፍ ስጕምቲ ንምውሳድ፡ ኣሕዋትና ቐዋሚ ኮሚተ ረድኤት ሓደጋ ኣቚሞም እዮም። መደራጋሕ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ምልክት ኪርአ ኸሎ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ እተመደቡ ኣሕዋት ነቲ ኮሚተ ይሕብርዎ። “ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ሰብኣዊ ረድኤት” ዚብል ምልክት ዘለወን ማካይን ዝሓዙ ወለንተኛታት ከኣ ብቕልጡፍ ናብቲ ቦታ ይኸዱ። ኵሎም እቶም ብግቡእ እተዓጥቁ ኣባላት እቲ ረድኤት፡ ኣቐዲሙ እተመደበ ዕዮ ኣለዎም። እቶም ሰራሕተኛታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ዚሕብር ሰደርያ ይኽደኑ እዮም። ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ እናተሓባበሩ ኸኣ፡ ንእተሃስዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይረድእዎም እዮም። እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ምግብን ማይን መድሃኒትን ክዳውንትን ንጽሬት ዜድሊ ነገራትን ሒዞም እዮም ዚኸዱ። መደራጋሕ ዘምጽኦ ጭቃ ኻብ ኣባይቲ ምጽራይ፡ ከቢድ ዕዮ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን መደራጋሕ ድሕሪ ምግጣሙ፡ 60 ወለንተኛታት ካብ ሓንቲ ቤት ጥራይ ኣርባዕተ ናይ ጽዕነት ማኪና ምሉእ ጭቃ ኣውጺኦም እዮም!

ንሓደጋ ዚግበር ምድላው

ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዋ ዅለን ጨናፍር፡ ንሽማግለታት ጉባኤን ንገየሽቲ ሓለውትን ንዜጋጥም ሓደጋ ብኸመይ ከም ዚዳለዉሉን ከም ዚሕዝዎን መምርሒ ኺህባኦም ኣዚዙ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓደጋ ቕድሚ ምግጣሙ፡ ሽማግለታት ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ኺረኽቡሉ ዚኽእሉ እዋናዊ ሓበሬታ ይሕዙ እዮም።

ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ

  1. ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ዅነታት ስድራ ቤታት ይከታተል

    ሽማግለታት ምስ ኵሎም ኣስፋሕቲ ርክብ ይፈጥሩ

  2. ሽማግለታት ንኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ጸብጻብ ይህቡ

  3. ኣብ ሞንጎ ኣተሓባበርቲ ጉባኤን ገየሽቲ ሓለውትን ሓላፍነት እተዋህቦም ክርስትያን ኣሕዋትን ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ዚግበር ርክብ

    ኣተሓባበርቲ ምስ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ርክብ ናብ ዘለዎም ገየሽቲ ሓለውትን ሓላፍነት ናብ ዘለዎም ካልኦት ኣሕዋትን ጸብጻብ ይህቡ

  4. ቀረብ ምግብን ማይን

    ብእተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ፡ ምግቢ፡ ማይ፡ መዕቀሊ፡ ሕክምና፡ ስምዒታውን መንፈሳውን ደገፍ ንምሃብ ጻዕሪ ይግበር

  5. ጸብጻብ ዕዮ ረድኤት ሓደጋ ይኽለስ

    ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ እቲ ዅነታትን ብዛዕባ ዜድሊ ነገራትን ናብ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ጸብጻብ ይልእኽ

  6. ቀረብ ረድኤት ሓደጋ ይከፋፈል

    ኮሚተ ረድኤት ሓደጋ፡ ዕዮ ረድኤት ይውድብ፣ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ከኣ ናይ ነዊሕ ግዜ ሓገዝ ይህቦም

  7. ኣብ በረራ እትርከብ ነፋሪት

    ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ነቲ ዜድሊ ሓገዝ ይግምግም፣ እንተ ኣድልዩ ኸኣ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ወለንተኛታት ኪኸዱ ይውስን

ንሰራሕተኛታት ረድኤት ዚሕግዝ ተወሳኺ ንዋት

ገበር እታ ጀሆቫስ ዊትነስስ ኤንድ ዲዛስተር ረሊፍ ዘርእስታ ብሮሹር

ኣብ ሰነ 2013፡ ጂሆቫስ ዊትነስስ ኤንድ ዲዛስተር ረሊፍ (ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ረድኤት ሓደጋን) ዘርእስታ ብሮሹር ወጺኣ እያ። ብፍላይ ነቶም ድንገታዊ ዅነታት ዜመሓድሩ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተባሂላ እያ ተዳልያ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ኻብ መፋርቕ 1940ታት ኣትሒዝና ዝገበርናዮ ዕዮ ረድኤት ሒዛ ኣላ። ብደረጃ ዓለምለኸ ዚግበር ዕዮ ረድኤት ዜርኢ ካርታ እውን ኣለዋ። ዕዮ ረድኤት ኣብ ምውዳብ ዚዓዪ ሓደ ሽማግለ፡ “ኣብ ኮሚተ ረድኤት ሓደጋ ዜገልግሉ ኣሕዋትና፡ ሓደጋ ቕድሚ ምግጣሙ፡ ኣብቲ ሓደጋ ብብዝሒ ዜጋጥመሉ ቦታታት ምስ ዚርከቡ ኣገደስቲ ሰበ ስልጣን ርክብ ንምምስራት ይጥቀሙላ እዮም። እዞም ሰበ ስልጣን እዚኦም ንንጥፈታት ረድኤትና ምስ ፈለጥዎ፡ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታታት ንምእታው ዜኽእል ፍቓድ ንምርካብ ዝቐለለ ይዀነልና” በለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ