ወለዲ፡ ደቅኹም ውሕሉል ኣቓልቦ የድልዮም ኢዩ
“ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪኾኑ እዮም።”—መዝሙር 128:3
1. ተኽሊ ምዕባይን ቆልዑ ምእላይን ብኸመይ ክመሳሰል ይኽእል?
ብብዙሕ መገዲ፡ ናይ ቆልዑ ኣተዓባብያን ኣማዓባብላን ከምቲ ናይ ኣታኽልቲ ኢዩ። በዚ ኢዩ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ክዛረብ ከሎ ‘ኸም ፈራይት ወይኒ’ ነቶም ቆልዑ ድማ “ኣብ ዙርያ መኣድኻ [ናይቲ ሰብኣይ] ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ” ገይሩ ብምዝራቡ ክገርመና ዘይብሉ። (መዝሙር 128:3) ንሓደ ሓረስታይ ብዛዕባ ሓዲሽ ተኽሊ ምዕባይ ብፍላይ እኳ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ኣየርን ሓመድን እንተ ንሓቶ፡ ቀሊል ከም ዘይኰነ ኢዩ ዝነግረና። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዘን ጽንኩራት “ዳሕሮት መዓልትታት” እሩማትን ፈሪሃ ኣምላኽ ዘለዎምን ሰባት ከም ዝኾኑ ገይርካ ንቆልዑ ምዕባይ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5
2. ጽቡቕ ምህርቲ ንምሕፋስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ ኢዩ ዘድሊ?
2 ሓደ ሓረስታይ ጽቡቕ ምህርቲ ክሓፍስ እንተደኣ ኾይኑ ልሙዕ መሬት፡ ሙቐት ዝህብ ናይ ጸሓይ ብርሃን ከምኡውን ማይ የድልዮ። ኣብ ርእሲ ምኹስኳስን ምጽህያይን፡ ጸረ-ባልዕን ካልእ ካብ ሓደጋ መከላኸልን ክገብረሉ የድልዮ። ክሳዕ ቀውዒ ኰይኑ ምህርቱ ዝሓፍሰሉ ዘሎ ግዜ፡ ብዙሕ ጽንኩር ኩነታት የጋጥሞ ይኸውን። ኩሉ እቲ ዘራእቲ ክበላሾ ከሎስ፡ ኣየ ክንደይ ዘሕዝን ኢዩ! እዚ ኹሉ ጻዕሪ ዝተገብረሉ ዘራእቲ ጽቡቕ ምህርቲ እንተተሓፊሱዎ ግና፡ ኣየ ክንደይ ሓጐስ ኢዩ ነቲ ሓረስታይ ዝስምዖ!—ኢሳይያስ 60:20-22፣ 61:3
3. ኣታኽልትን ቆልዑን እቲ ዋግኦም ብኸመይ ይነጻጸር? ንቖልዑ ከመይ ዝበለ ኣቓልቦ ኢዩ ዘድልዮም?
3 ሓደ ዕዉትን ኣፍራይን ሰብኣዊ ህይወት ብርግጽ ካብ ናይ ሓደ ሓረስታይ ፍርያት ኣዝዩ ዝኸበረ ኢዩ። ንሓደ ቆልዓ ከተዕቢ ዝሓቶ ግዜን ጻዕርን ካብቲ ንኣዝዩ ብዙሕ ዘራእቲ ዘድልዮ ንላዕሊ ምዃኑ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን። (ዘዳግም 11:18-21) ሓደ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ናይ ህይወት ዝተተኽለ ቆልዓ፡ ማይ እንተሰትዩን ብፍቕሪ እንተተዓንጊሉን፡ ከምኡውን ጥዑይ ሓጹር እንተተገይርሉ ዋላ ኣብዛ ዝቀዝፍ ኣሳሓይታ ናይ ሞራላዊ ስርዓት ዘለዋ ዓለም፡ ዝጉልምስን ብመንፈስ ዝዕንብብን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተደኣ ብግቡእ ዘይተታሒዙ ወይ ተጨቍኑ ግና እቲ ቆልዓ ብውሽጡ ክቕምስልን ብመንፈስ ድማ ኽመውትን ኢዩ። (ቈሎሴ 3:21፣ ምስ ኤርምያስ 2:21፣ 12:2 ኣነጻጽርዎ) እወ፡ ብሓቂ ኩሎም ቆልዑ ውሕሉል ኣቓልቦ የድልዮም ኢዩ!
መዓልታዊ ኣቓልቦ ካብ ግዜ ህጻንነቶም
4. ቆልዑ ከመይ ዝበለ ኣቓልቦ ኢዩ ካብ “ግዜ ህጻንነቶም” ዘድልዮም?
4 ወለዲ ንሓደ ሓዲሽ ዝተወለደ ህጻን ዘየቋርጽ ኣቓልቦ ክህብዎ ኣለዎም። ይኹን እምበር እዚ ህጻን እዚ እቲ መዓልቲ-መዓልቲ ዝግበረሉ ኣካላዊ ወይ ስጋዊ ኣቓልቦ ጥራይ ድዩ ዘድልዮ? ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ነቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ክጽሕፈሉ ከሎ፡ “ነተን ካብ ቍልዕነትካ [ህጻንነትካ ትሓዓ] ጀሚርካ . . . ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ” በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:15) ስለዚ፡ እቲ ጢሞቴዎስ ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ካብ ወለዱ ዝረኽቦ ኣቓልቦ መንፈሳዊ ነገራት እውን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ፡ ማለት ኢዩ። ህጻንነት ግን መዓስ ኢዩ ዝጅምር?
5, 6. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ገና ዘይተወልዱ ህጻናት እንታይ ይብል? (ለ) ወለዲ ብዛዕባ ኩነታት ናይቶም ገና ዘይተወልዱ ህጻናት ክግደሱ ከም ዝግብኦም ዝሕብር እንታይ ኣሎ?
5 እዛ ኣብዚ ጳውሎስ ዝተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል (ብረፎስ) ኣብ ሓደ ገና ዘይተወልደ ቆልዓውን ትውዕል ኢያ። ኤልሳቤጥ፡ ኣደ ዮሃንስ መጥመቕ ነታ ዘመዳ ዝነበረት ማርያም፡ ከምዚ በለታ፡ “እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን [ብረፎስ] ብሓጐስ ተሰራሰረ።” (ሉቃስ 1:44) ስለዚ እምበኣር ገና ዘይተወልዱ ቆልዑውን ህጻናት ተባሂሎም ይጽውዑ ኢዮም፡ ከምኡውን ነቲ ካብ ማህጸን ወጻኢ ንዝግበር ነገራት ይምልሽሉ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኣሎ። እዚ ሕጂ ብዙሕ ምትብባዕ ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ጌና ዘይተወልዱ ህጻናት ሓልዮት፡ ንመንፈሳዊ ኩነታት ናይቶም ጌና ዘይተወልዱ ህጻናት እውን ኣቓልቦ ክግበረሉ ከም ዝግባእ ዘጠቓለለ ክኸውንዶ ኣይግብኦን?
6 እዚ ከገድሰና ዘለዎ ነገር ኢዩ፡ ምኽንያቱ መረጋገጺታት ይሕብሩዎ ከም ዘለው፡ ገና ዘይተወልዱ ህጻናት በቲ ዝሰምዕዎ ነገር ከም ዝጥቀሙ ወይ ከኣ ኣጸቢቖም ከም ዝጉድኡ ኢዩ። ሓደ ናይ ሙዚቃ መራሒ ልምምድ እናገበሩ ከለዉ ንመብዛሕትኦም ካብቶም ናይ ሙዚቃ ጽሑፋት ብፍላይ እኳ እቶም ብቫዮሊን ዝጽወቱ ዝፈልጦም ኰይኑ ተሰምዖ። ነታ ብቫዮሊን ምጽዋት ኪኢላ ዝነበረት ኣዲኡ እቲ ኣስማት ናይቲ ሙዚቃ ምስ ጠቐሰላ፡ ሽዑ ንሳ ንእኡ ጥንስቲ ከላ ነዞም ሙዚቃታት እዚኣቶም ትለማመደሎም ከም ዝነበረት ነገረቶ። ብተመሳሰሊ እቶም ገና ዘይተወልዱ ቆልዑ ኣዴታቶም ከየቋረጻ ሶፕ ኦፐራ [ብተሌቪዥን ወይ ቪድዮ ዝርአ ዘይውዳእ ፍልምታት] ዝከታተላ እንተደኣ ኰይነን ብኣሉታዊ መገዲ ክንክኡ ይኽእሉ ኢዮም በዚ ኢዩ እምበኣር፡ እቲ መዲካል ጆርናል ብዛዕባ “መዕነዊ ወልፊ ናይ ሶፕ [ኦፐራ]” ዝተዛረበ።
7. (ሀ) ብዙሓት ወለዲ ንኩነታት ናይቶም ገና ዘይተወልዱ ቆልዑቶም ብኸመይ ኢዮም ኣቓልቦኦም ዝሃቡ? (ለ) ንሓደ ቆልዓ ከመይ ዝበለ ክእለት ኣለዎ?
7 ኣወንታዊ ድራኼ ኣብ ህጻናት ዘምጽኦ ጥቕሚ ዝተገንዘቡ ብዙሓት ወለዲ፡ ንደቆም ገና ከይተወልዱ ከለዉ ዓው ኢሎም የንብቡሎም፡ ይዛረብዎምን ይዝምሩሎምን ኣለዉ። ንስኻውን ከምኡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሽሕኳ እቲ ህጻን ነቶም ቃላት ዘይርድኦም እንተኾነ፡ እቲ ህዱእን ፍቕሪ ዝመልኦን ድምጽኻ ግና ብዙሕ ክጠቕሞ ይኽእል ኢዩ። እቲ ቆልዓ ምስ ተወልደ ነቶም ቃላትካ ካብቲ ንስኻ እትግምቶ ንላዕሊ ቀልጢፉ ከስተውዕሎም ኢዩ። ሓደ ቆልዓ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ንሓደ ዝተሓላለኸ ቋንቋ፡ ብምስማዕ ጥራይ ክለምዶ ይኽእል። ከምኡውን ሓደ ህጻን ነቲ ‘ጽሩይ ቋንቋ’ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክመሃሮ ወይ ክለምዶ ይኽእል ኢዩ።—ጸፎንያስ 3:9
8. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ንቅዱሳት ጽሑፋት “ካብ ግዜ ህጻንነቱ” ኣትሒዙ ይፈልጦ ነይሩ ክብል ክሎስ እንታይ ማለቱ ኢዩ? (ለ) እቲ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ ሓቂ ኰይኑ ዝተረኽበ ነገር እንታይ ኢዩ?
8 ጳውሎስ፡ ጢሞቴዎስ ‘ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ቅዱሳት ጽሑፋት ይፈልጥ ነይሩ’ ክብል ከሎስ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ። እዚ ማለት ካብቲ እኹል ቆልዓ ዝኾነሉ ግዜ ዘይኰነስ ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ መንፈሳዊ ምልምማድ ረኺቡ ማለቱ ከም ዝኾነ ግልጺ ኢዩ። እዚ ድማ ምስታ ኣብቶም ገና ዘይተወልዱ ህጻናት እትውዕል ብረፎስ ዝተባህለት ናይ ግሪኽ ቃል ዘለዋ ትርጉም ዝሰማማዕ ሓሳባት ኢዩ። (ሉቃስ 2:12, 16፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:19) ጢሞቴዎስ ካብ ኣዲኡ ኤውንቄን ካብ ዓባዩ ሎኢስን ካብቲ ተዘክሩኡ ክበጽሖ ካብ ዝኽእል ግዜ ጀሚሩ መንፈሳዊ ትምህርቲ ረኺቡ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:5) እቲ “ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሑሱ” ዝበሃል ምስላ ብሓቂ ኣብ ጢሞቴዎስ ውዒሉ ኢዩ። ‘በታ ክኸደላ ዝግብኦ መገዲ ዝተለማመደ’ ብምዃኑ፡ ፍሪኡ ድማ ዝበለጸ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ንምዃን በቕዐ።—ምሳሌ 22:6፣ ፊልጲ 2:19-22
እቲ ዝድለ ዘሎ ውሕሉል ኣቓልቦ ኢዩ
9. (ሀ) ወለዲ እንታይ ካብ ምግባር ኢዮም ክቑጠቡ ዘለዎም? ስለምንታይከ? (ለ) ሓደ ቆልዓ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ፡ ወለዲ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም? ንኸመይ ዝበለ ኣብነትከ ኢዮም ከቕልብሉ ዘለዎም?
9 ቆልዑ ልክዕ ከም ኣታኽልቲ፡ ንኹሎም ሓደ ዓይነት ጠባይ የብሎምን ከምኡውን ኣብ ኩሎም ሓደ ዓይነት ኣገባብ ኣተዓባብያ ኣይሰርሕን ኢዩ። ጥበበኛታት ወለዲ ነቲ ፍልልያት ዘኽብሩን ነቲ ሓደ ቆልዓ ምስቲ ሓደ ቆልዓ ካብ ምውድዳር ዝጥንቀቑን ኢዮም። (ምስ ገላትያ 6:4 ኣነጻጽርዎ) ደቅኻ ጥዑያት ሰባት ኰይኖም ክዕምብቡ እንተደኣ ኾይኖም፡ ነቲ ፍሉይ ባህሪኦም ፈሊኻ ብምፍላጥ ነቲ ጥዑይ ክትኩስኩስ ነቲ ሕማቕ ድማ ክትጽህይዮ ኣሎካ። እንተኾነ ግና ምናልባት ናብ ቅጥፈትን፡ ፍቕሪ ገንዘብን ስስዐን ዘምርሕ ድኽመት ወይ ዘይግቡእ ዝንባሌ እንተ ትዓዘብካኸ እንታይ ይገበር? ከምቲ የሱስ ነቲ ድኽመት ናይ ደቀ መዛሙርቱ ብሕያውነት ዝኣረሞ ንስኻውን ከምኡ ግበር። (ማርቆስ 9:33-37) ብፍላይ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ቆልዓ በቲ ዘለዎ ዕዉት ጐድኒን ጽቡቕ ጠባይን ኩሉ ግዜ ንኣዶ።
10. ንቆልዑ ብፍላይ ዘድልዮም እንታይ ኢዩ? ብኸመይከ ኢዩ እዚ ክትገብረሎም ዝከኣል?
10 ንቖልዑ ዝያዳ ዘድልዮም፡ ፍቕሪ ዝመልኦ ፍሉይ ኣቓልቦ ኢዩ። የሱስ ነቶም ቆልዑ፡ ዋላ ኣብተን ናይ መጨረሻ መዓልትታት ናይ ኣገልግሎቱ፡ ግዜ መዲቡ ፍሉይ ኣቓልብኡ የርእዮም ነበረ። (ማርቆስ 10:13-16, 32) ወለዲ ነዚ ኣብነት እዚ ሰዓብዎ! ብዘይ ስስዐ ምስ ደቅኹም እትኾኑሉ ግዜ መድቡ። ናይ ሓቂ ፍቕርኹም ንምግላጽ ኣይትሕፈሩ። ከምቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ፍቕሪ ዝመልኦ ምሕቋፍን ምስዓምን ኣርእይዎም። እቶም ጥዑያት ዓበይቲ መንእሰያት ዘለዉዎም ወለዲ ምስ ዝሕተቱ እቲ ኩሉ ግዜ ናብ ወለዲ ዘመሓላልፍዎ ምኽሪ፡ “ኣዚኹም ኣፍቅርዎም” “ግዜኹም ብሓንሳብ ኴንኩም ኣሕልፉ” “ናይ ነንሕድሕድ ምክብባር ኣማዕብሉ” “ጽን ኢልኩም ብሓቂ ስምዕዎም” “ኣብ ክንዲ መደረ ተስምዕዎም፡ መምርሒ ሃብዎም” ከምኡውን “ክውንነታውያን ኩኑ” ዝብል ኢዩ።
11. (ሀ) ንውሉዳቶም ውሕሉል ኣቓልቦ ምሃብ ወለዲ ብኸመይ ክርእይዎ ይግባእ? (ለ) ወለዲ ምስ ደቆም ጠቓሚ ዝኾነ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ መዓስ ኰን ክገብሩ ምኸኣሉ?
11 ከምዚ ዝበለ ውሕሉል ኣቓልቦ ምሃብ ንባዕሉ ዚሐጕስ ኢዩ። ሓደ ንደቁ ኣብ ምዕባይ ዝተዓወተ ወላዲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡ “እቶም ክልተ ኣወዳት ደቅና ንኣሽቱ ከለዉ፡ ንመደቀሲኦም ክኸዱ ከነዳልዎም፡ ከነንብበሎም፡ ነቲ ኮቦርታ ገንጺልና ከነእትዎም፡ ከምኡውን ሓቢርና ምስኦም ክንጽሊ ከሎና ኣዚና ንሕጐስ ነበርና።” እዚ ከምዚ ዝበለ ግዜ ንወለድን ውሉዳትን ዘተባብዕ ሓሳባት ንኽለዋወጡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝህቦም። (ምስ ሮሜ 1:11, 12 ኣነጻጽርዎ) ወለዲ ናይ ሓደ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኡ ቆልዓ፡ ኣምላኽ ን“ዋልይ” ክባርኾም ክልምን ከሎ ሰሚዖም ኢዮም። ከየቋረጸ ምሸት ምሸት “ዋልይ” እናበለ ይጽሊ ነበረ፡ እቲ ቆልዓ ነቶም ኣብቲ ግዜቲ ስደት ዝበጽሖም ዝነበረ ኣብ ማላዊ ዝነበሩ ኣሕዋት ይጽልየሎም ከም ዘሎ ምስ ፈለጡ፡ እቶም ወለዱ ብዙሕ ተተባብዑ። ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ትብል፡ “ጓል ኣርባዕተ ዓመት ከለኹ፡ ማዕረ እቲ ኣደይ ትሓጽበሉ ዝነበረት ባስካ መታን ክኸውን ኣብ ሰድያ ተሰቒለ ነቲ ኣደይ ዝሓጸበቶ ከንቅጾ ከለኹ ኣደይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታትን ናይ መንግስቲ መዝሙራትን ብቓል ንኽወጾም ትሕግዘኒ ነበረት ነበረት።” ምስቶም ንኣሽቱ ደቅኻ ጠቓሚ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ መታን ክትገብር ኢልካስ ካልእ ኣጋጣሚታትዶ ክትሓስብ ምኸኣልካ?
12. ክርስትያን ወለዲ ንደቆም እንታይ ጥበብ ዝመልኦ ነገር ክገብሩሎም ይኽእሉ? ከመይ ዝበለ ሜላኸ ክጥቀሙ ይኽእሉ?
12 ጥበበኛታት ክርስትያን ወለዲ ስርዓታዊ ናይ መጽናዕቲ መደብ የውጽኡ ኢዮም። ሽሕኳ እቲ ልሙድ ናይ ሕቶን መልስን ኣገባብ ትጥቀም እንተኾንካ ሕጂ ግና ብፍላይ ነቶም ንኣሽቱ ቆልዑ ከም ዝጥዕም ብምግባር ዘሐጉስ ምልውዋጥ ናይ ሓሳባት ከም ዝህልዎ ክትገብሮዶ ምኸኣልካ? ምናልባት ንፍጻሜታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንጸባርቑ ስእልታት፡ ዛንታታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጋር ወይ እቲ ቆልዓ ከዳልዎ ዝሓተትካዮ ክፍሊ ከቕርብ ከሎ ጽን ኢልካ ምስማዕ ክትውስኸሉ ትኽእል ኢኻ። ደቅኻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሃንቀውታ መታን ክሓድሮም ንቓል ኣምላኽ ብዝከኣለካ ጥዑም ጌርካ ከተቕርቦ ጽዓር። (1 ጴጥሮስ 2:2, 3) ሓደ ኣቦ ከምዚ በለ፦ ‘እቶም ቆልዑ ንኣሽቱ ከለዉ ምስኦም ኣብቲ ምድሪ ቤት ፍሑኽ እናበልና ንጻወትን ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉጣት ዛንታታት ድማ ብመልክዕ ተዋስኦ ነቕርበሎም ነበርና። እቶም ቆልዑ ድማ ባህ ይብሎም ነበረ።’
13. ጥቕሚ ናይ ምልምማድ መደብ እንታይ ኢዩ? ኣብዞም መደባት እዚኣቶምከ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ክትለማመድ እትኽእል?
13 ናይ ምልምማድ መደባትውን ንመንእሰያት ነቲ ኣብቲ ናይ ሓቂ ዓለም ዘጋጥሞም ነገር ዘዳልዎም ስለዝኾነ፡ ኣዝዩ ጠቓሚ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ክገብሩ የኽእሎም ኢዩ። ሓንቲ ካብቶም ኣብ ግዜ ናይ ናዚ ስደት ንኣምላኽ እሙናት ዝኾኑ 11 ቆልዑ ደቂ ኩስሮው፡ ብዛዕባ ወለዳ ከምዚ ትብል፦ “ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይርና ከመይ ኢልና ከም እንመላለስን ንርእስና ከም እንከላኸልን ኣርእዮምና ኢዮም፡ [1 ጴጥሮስ 3:15] ኩሉ ግዜ ናይ ልምምድ መደብ ነበረና፡ ማለት ሕቶ ንሓትት መልሲ ድማ ንህብ ነበርና።” ንስኹምከ ከምኡ ዘይትገብሩ? ኣብ ኣገልግሎት ከመይ ገይርካ ከም እትቐርብ ምልምማድ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም፡ እቲ ወላዲ ከም በዓል ቤት ክኸውን ይኽእል። ወይ ድማ እቲ ናይ ምልምማድ መደብ ኣብቲ ናይ ሓቂ ዓለም ንዘጋጥም ፈተና ዝምልከትውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 1:10-15) “ንሓደ ቆልዓ ንጽንኩር ኩነታት ኣቐዲምካ ምድላው ክእለቱን ትብዓቱን ንኸማዕብል ይሕግዞ ኢዩ።” እናበለት ሓንቲ ውልቀሰብ ገለጸት። “እቲ ምልምማድ ከም ዓርኩ ኰይንካ ንውላድካ ሽጋራ፡ መስተ ወይ ሓሽሽ ክትህቦ ከሎኻ ዘጠቓልል እውን ክኸውን ይኽእል።” እዚ ከምዚ ዝበለ መደባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ውሉድካ እንታይ ከም ዝገብር ንኽትፈልጥ ይሕግዘካ ኢዩ።
14. ምስ ደቅኻ ፍቕራውን ርሕሩሕን ምምይያጥ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነስ ስለምንታይ ኢዩ?
14 ኣብቲ ምስ ውሉድካ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ እትገብረሉ ግዜ፡ ከምቲ ቀጺሉ ዘሎ ጸሓፋይ ዝነበሮ ርህራሄ ብዝመልኦ ኣቀራርባ ገይርካ ቅረቦ፡ ቃላት እቲ ጸሓፊ ከምዚ ይብላ፦ “ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውስኸልካ ኢዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን።” (ምሳሌ 3:1, 2) ውላድካ ክእዘዝ ትደልዮ ዘሎኻ፡ ሰላምን ነዊሕ ዕድመን አረ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሰላማዊት ሓዳስ ዓለም፡ ክረክብ ኢልካ ምዃንካ ብፍቕራዊ ዝኾነ መገዲ እንተገሊጽካሉስ፡ እዝስ ንልቡ አይነኽኦንዶ? ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ክትመያየጡ ከሎኹም፡ ነቲ ባህሪ ናይቲ ውላድካ ኣብ ግምት ኣእትዎ። ነዚ ድማ ብጸሎት ግበሮ፡ የሆዋ ኸኣ ንጻዕርኻ ክባርኾ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ፍቕርን ርሕራሐን ዝመልኦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመስረተ ምምይያጥ፡ ጽቡቕ ውጽኢትን ነባሪ ጥቕምን ከም ዘምጽእ ዝተረጋገጸ ኢዩ።—ምሳሌ 22:6
15. ግድላት ንምፍታሕ ወለዲ ብኸመይ ንደቆም ክሕግዝዎም ምኸኣሉ?
15 ሽሕኳ ከምዚ ዝበለ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ፡ ኣብቲ ዝመደብካዮ ናይ መጽናዕቲ ግዜ ከተካይድ እንተዘይተኻእለ፡ ኣቓልቦኻ ግና ብካልእ ነገራት ክውሰድ የብሉን። ውሉድካ ክዛረብ ከሎ ነቲ ዝብሎ ዘሎ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ ከመይ ገይሩ ነቲ ሓሳብ ይገልጾ ከም ዘሎውን ተጠንቂቕካ ስምዓዮ። ሓደ ኪኢላ ከምዚ ይብል፦ “ንውሉድካ ጠምቶ፡ ምሉእ ኣቓልቦኻ ሂብካ ስምዓዮ። ኣብዚ ነቲ ነገር ክትርድኦ እምበር ክትሰምዖ ኣይኰነን ዝድለ ዘሎ። እቶም ኣብዚ መዳይ እዚ ዝጽዕሩ ወለዲ ኣብ ህይወት ናይ ደቆም ዓቢ ለውጢ ኢዮም ዘምጽኡ።” ሎሚ ንቆልዑት ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ካልእ ቦታን ከቢድ ጸገማት ኢዩ ዘጋጥሞም ዘሎ። ከም ወላዲ መጠን ንመዓልትታት ውሉዳትካ ኣንዋሓዮ ከምኡውን ንነገራት ብኣረኣእያ ናይ ኣምላኽ ክርእዮም ሓግዞ። ከመይ ገይርካ ነታ ግድል ከም እትፈትሓ ርግጸኛ እንተዘይኰይንካ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ ጽሑፋት ናይቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ ሃለው በል። (ማቴዎስ 24:45) ዝገበርካ ጌርካ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ዘድሊ ኩሉ ውሕሉል ኣቓልቦኻ ንውሉድካ ሃቦ።
ነቲ ብሓንሳብ እትኾኑሉ ግዜ ብግቡእ ተጠቐመሉ
16, 17. (ሀ) ሎሚ ንመንእሰያት ብፍላይ ኣዝዩ ውሕሉል ኣቓልቦን ትምህርትን ዘድልዮምስ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ቆልዑ ብወለዶም ክቕጽዑ ከለዉ እንታይ ኢዩ ክፈልጥዎ ዘድልዮም?
16 ኣብተን “ጽንኩራት ግዜያት” ናይተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ስለ ዘሎና ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ከም ሎሚ ገይሩ ንመንእሰያት ውሕሉል ኣቓልቦ ኣድልይዎም ኣይፈልጥን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5። ማቴዎስ 24:3-14) ወለድን ውሉዳትን በሓበራ እቲ ካብ ናይ ሓቂ ጥበብ ዝርከብ ዑቕባ የድልዮም ኢዩ፡ ከመይሲ ንሳ “ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ።” (መክብብ 7:12) እቲ ኣምላኻዊ ጥበብ ማለት ግቡእ ኣዋዓዕላ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመስረተ ፍልጠት ዘጣመረ ስለ ዝኾነ፡ ንቆልዑት ስርዓታዊ ትምህርቲ ናይ ቃል ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ንቅዱሳት ጽሑፋት ምስቶም ንኣሽቱ ደቅኻ ኰይንካ ኣጽንዓዮ። ብዛዕባ የሆዋ ንገሮም፡ ነቲ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ ግለጸሎም፡ ነቲ ዓበይቲ መብጽዓታቱ ንክፍጸም ሃረር ኢሎም ብሓጐስ ከም ዝጽበይዎ ግበሮም። ብዛዕባ እዞም ነገራት እዚኣቶም ኣብ ገዛ፡ ከምኡውን ኣብ መገዲ ደቅኻ ኣብ ጐድነኻ ምሳኻ እናኸዱ ተዛረብ። እወ ንዝረኸብካዮ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ።—ዘዳግም 6:4-7
17 ሓረስቶት ኩሉ ዓይነት ዘራእቲ ኣብ ሓደ ዓይነት ኩነታት ከም ዘይፈሪ ይፈልጡ ኢዮም። ዘራእቲ ውሕሉል ሓልዮት የድልዮም ኢዩ። ብተመሳሳሊ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ፍሉይ ስለ ዝኾነ፡ ውሕሉል ኣቓልቦ፡ ትምህርቲ ከምኡውን ተግሳጽ የድልዮም ኢዩ። ንኣብነት ወለዱ ጽውግ ኢሎም እንተርእዮሞ ካብ ክፉእ ምግባር ዝምለስ መንእሰይ ኣሎ፡ ነቲ ሓደ ግና ከቢድ መቕጻዕቲ የድልዮ ይኸውን። ግናኸ ደቅኹም በቲ ዝበልዎ ቃላት ወይ ዝገበርዎ ተግባር ስለምንታይ ከም ዘይተሓጐስኩም ክፈልጡ ኣለዎም፡ ከምኡውን እቲ መቕጻዕቲ ኣድማዒ መታን ክኸውን ክልቲኦም ወለዲ ሓደ ኰይኖም ክተሓባበሩ ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:4) ክርስትያናት ወለዲ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሰማማዕ ንጹር መምርሒ ክህቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።
18, 19. ክርስትያን ወለዲ ከመይ ዝበለ ሓላፍነት ኢዩ ኣብ ልዕሊ ደቆም ዘለዎም? ነዚ ዕዮ እዚ ብጽቡቕ እንተደኣ ፈጺሞሞ እንታይ ፍረ ኢዩ ክርከቦ ዝኽእል?
18 ሓደ ሓረስታይ ነቲ ናይ ምዝራእን ምኹስኳስን ዕዮ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ክገብሮ ኣለዎ። እንተደኣ ደንጕዩ ወይ ሸለል ኢሉዎ ነቲ ዘራእቱ ቍሩብ ወይ ከኣ ብጭራሽውን ፍረ ኣይረኽበሉን ኢዩ። እወ፡ እቶም ንኣሽቱ ደቅኹም ልክዕ ከምቶም ውሕሉል ኣቓልቦ ዘድልዮም ዝዓብዩ ዘለዉ “ዘራእቲ” ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ግዜኡ ሕጂ ደኣ ኢዩ እምበር ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ወይ ዓመት ኣይኰነን። እቲ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሰማማዕ መንፈሳዊ ዕብየት እትገብሩሎምን ነቲ ብመንፈስ ከቐምስሎምን ከሙቶምውን ዝኽእል ዓለማዊ ኣተሓሳስባ እትጽህዩሉን ናይ ሓቂ ግዜን ኣጋጣሚታትን ብላሽ ኣይተጠፍእዎም። እተን መዓልትታት ንእስነቶም ቀልጢፈን ዝሓልፋ ስለ ዝኾና፡ እተን ምስ ደቅኹም ብሓንሳብ ንኸተሕልፍወን ዝረኸብኩምወን ሰዓታትን መዓልትታትን ተኸናኺንኩም ሓዝወን ወይ ተጠቐሙለን። ከም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኰይኖም ባህ ዘብል ህይወት ከም ዝህልዎም ዝገብር ኣምላኻዊ ባህርያት ውሉድካ መታን ክኹስኩሱ ኣበርቲዕካ ጸዓር። (ገላትያ 5:22, 23፣ ቈሎሴ 3:12-14) እዚ ናይ ካልእ ሰብ ስራሕ ኣይኰነን፡ እዚ ናትካ ስራሕ ኢዩ፡ ኣምላኽ ድማ ነዚ ንኽትገብሮ ክሕግዘካ ኢዩ።
19 ንደቅኻ ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻ ኣውርሶም። ምስኦም ኰይነካ ንቃል ኣምላኽ ኣጽንዓዮ፡ ከምኡውን ሓቢርኩም ብዝሃንጽ መዘናግዒ ተሓጐሱ። ንደቅኻ ናብቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምሳኻ ውሰዶም፡ ኣብቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ጐድንኻ ይሃልዉ። ስምረት ናይ የሆዋ ዘውህብ ባይርያት ኣብ ውሽጢ እቶም ፍቑራት ውሉድካ ህነጽ፡ ብድሕሪኡ ድማ ዳሕራይ ምስ ዓበዩ ዓቢ ሓጐስ ከምጽኡልካ ኢዮም። እወ፡ ብርግጽ፡ “ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስ፡ ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ። ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይብሎም፡ እታ ዝወለደትካ ከኣ ትተሓጐስ።”—ምሳሌ 23:24, 25
ምሉእ ዓስቢ
20. ዕዉት ወላዲ ናይ ኰተቴ ንምዃን፡ እታ መፍትሕ እንታይ ኢያ?
20 ቆልዑ ምዕባይ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ሓላፍነት ኢዩ። ነዞም ‘ዙርያ መኣድኻ ከም ተኽሊ ኣውሊዕ’ ዝኾኑ ንኣምላኽ ዝፈርሁ ነታ መንግስቲውን ፍረ ዝፈርዩ ሰባት ገይርካ ከተዕብዮም ናይ 20 ዓመት ውጥን ወይ ፕሮጀክት ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (መዝሙር 128:3፣ ዮሃንስ 15:8) እዚ ውጥን እዚ ነቶም ቆልዑ ኣብቲ ብርቱዕ ተጽዕኖ ዘለዎ ዕድመ ናይ ኰተቴ ምስ በጽሑ ንወለዲ ጻዕሮም ንኸዛይዱ ይሓቶም ስለ ዝኾነ፡ ኣዝዩ ጽንኩር ኢዩ ዝኸውን፡ ይኹን እምበር፡ እታ መፍትሕ ናይ ዓወት ንሳ እያ፡ ኣይትልወጥን ድማ እያ፡ ንሳ ድማ ንቑሕ፡ ፈቃርን ዝርዳእን ምዃን ኢዩ። ደቅኻ ብሓቂ ናትካ ፍሉይ ኣቓልቦ ከም ዘድልዮም ኣይትረስዕ። ፍቕራዊ ሓልዮት ብምርኣይ ነዚ ኣቓልቦ እዚ ክትህቦም ትኽእል ኢኻ። ክትሕግዞም እንተደኣ ኰይንካ፡ ነቲ ብሓቂ ዘድልዮም ነገር ማለት ግዜ፡ ፍቕርን ሓልዮትን ከተርእዮም ክትጽዕር ኣሎካ።
21. ንደቅኻ ውሕሉል ኣቓልቦ ምሃብ እንታይ ዓስቢ የምጽእ?
21 እቲ ነቶም የሆዋ ከም ሕድሪ ዝሃበካ ክቡራት ፍሬኻ ዝኾኑ ዝገበርካሎም ጻዕሪ ጻማኻ ካብቲ ሓደ ሓረስታይ ብዙሕ ምህርቲ ሓፊሱ ዝሕጐሶ ንላዕሊ ኢዩ። (መዝሙር 127:3-5) ስለዚ እምበኣር፡ ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም ውሕሉል ኣቓልቦ ኣብ ምሃብ ቀጽሉ። ነዚ ድማ ንጽቡቕ ናይቶም ቆልዑን ንኽብሪ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋን ኢልኩም ግበርዎ።
እንታይ ኢልካ ምመለሽካ?
□ ተኽሊ ምዕባይን ቆልዑ ምእላይን ብኸመይ ክመሳሰል ይኽእል?
□ ሓደ ህጻን ካብ መዓልትታት ህጻንነቱ ጀሚሩ ከመይ ዝበለ ኣቓልቦ ኢዩ መዓልቲ መዓልቲ ክግበረሉ ዘለዎ?
□ ንቆልዑ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ሓልዮት ኢዩ ዘድልዮም? ብኸመይከ ክግበረሎም ምተኻእለ?
□ ንደቅኻ ውሕሉል ኣቓልቦ ምሃብ ዘድልስ ስለምንታይ ኢዩ?