ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ድዩ፧
    ግምቢ ዘብዐኛ—2010 | 1 መጋቢት
    • “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17።

      ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥቕሚ፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓያል ቃላት ገይሩ እዩ ገሊጽዎ። ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ሕጂ ሰባት ብሉይ ኪዳን ዚብልዎ ጽሑፋት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ብመሰረቱ ግን፡ እዚ ቓላቱ ንዅለን እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ 66 መጻሕፍቲ፡ እንተላይ ነተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ብእሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተጻሕፋ ዚምልከት እዩ።

      ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ጳውሎስ፡ ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም ከም ዝጸሓፍዎ ዲኻ እትኣምን፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምኡ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። እዚ እምነት እዚ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዘመናት እውን ቀጺሉ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መበል 14 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጆን ዊክሊፍ ዚበሃል እንግሊዛዊ ቐሺ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም “ዘይጋገ ስርዓት ሓቂ” ገይሩ ይርእዮ ነበረ። ዘ ኒው ባይብል ዲክሽነሪ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቓላት ጳውሎስ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ እውን፡ ንዅሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ውሕስነት ዚኸውን እዩ” በለ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እዩ
    ግምቢ ዘብዐኛ—2010 | 1 መጋቢት
    • ሃዋርያ ጳውሎስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ ኺዛረብ ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ጳውሎስ ብቛንቋ ግሪኽኛ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ቃል ብቓሉ “ኣምላኽ ዘስተንፈሶ” ዝትርጕማ ቓል እዩ ተጠቒሙ። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝደለዮ ነገራት ጥራይ ኪጽሕፉ ኸም ዝመርሖም እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ