ነቲ ሓቂ ምፍላጥካ ንህይወትካ ኪቕይሮ ይኽእል
ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓንቀጻት እተገልጸ ንኣምላኽ ዚምልከት ሓሶት ሰሚዕካ ወይ ተማሂርካ ትኸውን ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ብፍላይ ንነዊሕ ዓመታት እትኣምነሉ ዝነበርካ እንተ ዀይኑ፡ ኣረኣእያኻ ኻብ ምቕያር ተድሓርሕር ትኸውን።
ከምኡ እንተ ገበርካ ዜገርም ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ገሊኣተን ሃይማኖታት፡ ምእመናነን ነቲ ዚምህራኦ ትምህርቲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኬረኣእይዎ ኣየተባብዓኦምን እየን። ገሊኣቶም ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እተሓላለኸን ኵሉ ሰብ ኪርድኦ ዘይክእልን ከም ዝዀነ ብምዝራብ፡ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ይስዕቡ። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኦም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ዘይተማህሩ ተራ ሰባት ክነሶም፡ ነቲ እተማህርዎ ትምህርቲ ይርድእዎ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:13።
እምነትካ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ምምርማርካ፡ እምነት ከም ዝጐደለትካ ዜርኢ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣምላኽ ባዕሉ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝለኣኾ መልእኽቲ ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ ምምርማርካን ብዛዕባ መለክዒታቱ ምንባብካን፡ ንኣምላኽ ዜጕህዮዶ ይመስለካ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ” ኽንምርምር እዩ ዜተባብዓና።—ሮሜ 12:2።
ብዛዕባ ኣምላኽ እትመሃሮ ትምህርቲ፡ ሓድሽ ትምህርቲ ዚምህር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህይወት እውን ዚቕይር እዩ። (ዮሃንስ 8:32) እታ ኣብ መእተዊ እተጠቐሰት ዲን፡ ሕጂ ኣብ ቃል ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ኣላታ። ከምዚ ኸኣ በለት፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ቅድሚ ምጅማረይ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና፡ የሆዋ ስምዒት ዘይብሉ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦይ ከም ዝዀነ ፈሊጠ እየ። ትርጕም ዘለዎ ህይወት ከኣ እነብር ኣለኹ።”
ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ኣጽናዕካ፡ ጥቕሚ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ሓሶት ተማሂርካ ኽነስኻ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ምፍታን ኣጸጋሚ እዩ፣ ከምኡ ምግባር፡ ንሓደ ማሽን ንምዕራይ፡ ግጉይ ማኑዋል ምስ ምጥቃም ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ንእተወሰነ ኽፋል እቲ ማሽን ከተዐርዮ እኳ እንተ ኸኣልካ፡ ምሉእ ብምሉእ ከተዐርዮ ስለ ዘይትኽእል፡ ተስፋ ኢኻ እትቘርጽ። ቅኑዕ ማኑዋል እንተ ተጠቒምካ ግና፡ ነቲ ማሽን ምሉእ ብምሉእ ከተዐርዮ ትኽእል ኢኻ።
እሞኸ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኽትመሃር ትደሊዶ፧ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወይ ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኸተጽንዕ፡ ናብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 4 እዛ መጽሔት እዚኣ ዚርከብ ኣድራሻታት ክትጽሕፍ ንዕድመካ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
‘እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርምር።’—ሮሜ 12:2