መዝሙር 28
ሓድሽ መዝሙር
(መዝሙር 98)
1. ሃየ ዘምሩ፡ ንኣምላኽና ሓድሽ መዝሙር፡
ብዛዕባ ተግባሩ፡ ሃቡሉ ምስክር፣
’ወ፡ ንቕልጽሙ፡ ንዓወታቱ ዘምሩ፡
ፍትሒ’ዩ ዚፍጽም፡ ጽድቂ’ዩ ተግባሩ።
(ኣዝማች)
ዘምሩ!
ብመዝሙር ወድሱ፣
ዘምሩ!
የሆዋ ነጊሱ።
2. ሃየ ጨድሩ፡ ንኣምላኽና እልል በሉ፡
ንስሙ ወድሱ፡ ክብሪ ኣምጽኡሉ፣
ንዑ ዘምሩ፡ ምድሪ ትምላእ ብእልልታ፡
ብደሃይ በገና ዀነ ብእምብልታ።
(ኣዝማች)
ዘምሩ!
ብመዝሙር ወድሱ፣
ዘምሩ!
የሆዋ ነጊሱ።
3. ባሕርን ምልኣቱን፡ ኵሉ ፍጥረትውን ይወድስ፡
ምስ ፍጥረት ሓቢርና፡ ንኣምላኽ ንመጕስ፣
ምልእቲ ምድሪ፡ ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ኣኽራን፡
ንኣምላኽ ይሃቦ፡ ውዳሰን ምስጋናን።
(ኣዝማች)
ዘምሩ!
ብመዝሙር ወድሱ፣
ዘምሩ!
የሆዋ ነጊሱ።