ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/6 ገጽ 28-31
  • ኣብ እዋን ዘስካሕክሕ ፈተናታት ደገፍ ረኸብኩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ እዋን ዘስካሕክሕ ፈተናታት ደገፍ ረኸብኩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣይሁዳዊ መበቆል
  • ምጅማር ፈተናታት
  • ዝኸፍአ ፈተናይ
  • እፎይታ ዝረኸብኩሉ እዋን
  • ካብ ኦሽዊትዝ ምድሓን
  • ካብ ካልኦት ደምበታት ምድሓን
  • ናጻ ምውጻእን ብድሕሪኡ ዝነበረ ህይወትን
  • ብሓገዝ የሆዋ: ምልካዊ ስርዓት ሰገርና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣብ የሆዋ ምውካል ተማሃርኩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ካብ ሓቂ ዝበልጽ ዋላ ሓንቲ የለን! ብጂ. ኤን. ፋን ደር በይል እተዘንተወ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/6 ገጽ 28-31

ኣብ እዋን ዘስካሕክሕ ፈተናታት ደገፍ ረኸብኩ

ብአይቫ ዩሴፍሶን እተዘንተወ

እታ ንእሽቶ ጕጅለና ናብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምኻዳ ሕጽር ዝበለ ኣኼባ ንምግባር ኣብታ ናይ ቡዳፔስት ኣውራጃ ዝዀነት ኡኢፔሽት: ሃንጋሪ: ተኣኪባ ነበረት። ግዚኡ ካልኣይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ኣቐድም ኣቢሉ 1939 ኢዩ ነይሩ: ኣብ ሃንጋሪ ድማ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕዮ ስብከት ኣብ ትሕቲ እገዳ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣብተን መዓልትታት እቲኣተን መጽሓፍ ቅዱስ ብጋህዲ ኣብ ምምሃር ዝካፈሉ ዝነበሩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ይእሰሩ ነበሩ።

ኣብዚ ንጥፈት እዚ ክካፈል ንመጀመርታ ግዜይ ስለ ዝነበረ: ቍሩብ እተጨነቕኩን ዝፈራሕኩን መሲለ ተራእየ ክኸውን ኣሎኒ። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ክርስትያን ሓው ናባይ ገጹ ጠመተ እሞ “አይቫ: ፈጺምኪ ክትፈርሒ የብልክን። ሓደ ሰብ ካብቲ ክህልዎ ዝኽእል ዝዓበየ ኽብሪ ንየሆዋ ምግልጋል ኢዩ” በለኒ። እዘን ሓልዮት ዝመልአንን ዘሐይላን ቃላት እዚኣተን ንሓያሎ ዘስካሕክሕ ፈተናታት ንኽጻወሮ ሓገዛኒ።

ኣይሁዳዊ መበቆል

ኣብታ ሓሙሽተ ውሉዳት ዝነበርዋ ኣይሁዳዊት ስድራቤት እታ ዝዓበኹ ኣነ ኢየ ነይረ። ኣደይ በቲ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዕግበት ስለ ዘይነበራ: ካልኦት ሃይማኖታት ክትምርምር ጀመረት። በዚ ኸምዚ ኸኣ ምስታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ትምርምር ዝነበረት ኤርዠይቤት ስለይዚንገር እትበሃል ካልእ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ተራኸበት። ኤርዠይቤት: ነደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣፋለጠታ: ከም ውጽኢት ናይዚ: ኣነውን ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ኣዝየ ተገደስኩ። ብኡንብኡ: ነቲ እተማሃርኩዎ ነገራት ንኻልኦት ከካፍሎም ጀመርኩ።

ኣብ ክረምቲ 1941 ጓል 18 ዓመት ምስ ኰንኩ: እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝገበርክዎ ወፈያ ኣብ ፈለግ ዳንዩብ ብማይ ጥምቀት ገለጽክዎ። ኣደይ ከኣ ኣብቲ እዋን እቲ ተጠምቀት: ኣቦይ ግን ኣብቲ ሓድሽ ዝረኸብናዮ ክርስትያናዊ እምነት ኣይሓበረናን። ድሕሪ ጥምቀተይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ክካፈል ፓይነር ክኸውን መደብኩ። ብሽግለታ ክትህልወኒ ስለዝደለኹ ኣብ ሓደ ዓቢ ፋብሪካ ዓለባ ዝርከብ ላቦራተሪ ክሰርሕ ጀመርኩ።

ምጅማር ፈተናታት

ናዚ ንሃንጋሪ ተቘጻጸርዋ: እቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ፋብሪካ ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ጀርመን ኣተወ። ሓደ መዓልቲ ኵሎም ሰራሕተኛታት ንናዚ ከም ዝድግፉ ዝገልጽ ማሕላ ንኽምሕሉ ኣብ ቅድሚ እቶም ተቘጻጸርቲ ክቐርቡ ተጸውዑ። ነቲ ማሕላ ዘይምምሓል ከቢድ ሳዕቤናት ከም ዝህልዎ ተነጊሩና ነበረ። ኣብ እዋን እቲ ሀይል ሂትለር ክንብል ተሓቲትናሉ ዝነበርና ጽንብል: ብኣኽብሮት ደው በልኩ: ነቲ ዝድለ ተግባር ግን ኣይፈጸምኩን። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ቤት ጽሕፈት ተጸዋዕኩ: ደሞዘይ ሂቦም ከኣ ካብ ስራሕ ኣሰናበቱኒ። ስእነት ስራሕ ስለ ዝነበረ: ነቲ ፓይነር ናይ ምዃን መደበይ እበጽሖዶ እኸውን ብምባል ሓሰብኩ። ይኹን እምበር: ንጽባሒቱ ዝሓሸ ደሞዝ ዘለዎ ካልእ ስራሕ ረኸብኩ።

ሕጂ እቲ ፓይነር ናይ ምዃን ድሌተይ ጋህዲ ክኸውን ከኣለ። ምስ ሓያሎ ፓይነራት ኣገልጊለ ኢየ: እታ ናይ መወዳእታ መገላግልተይ ድማ ዩሊሽካ ኦስታሎሽ ነበረት። ኣብ ኣገልግሎት ዝዕደል ጽሑፍ ስለ ዘይነበረና: መጽሓፍ ቅዱስና ጥራይ ንጥቀም ነበርና። ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ክንረክብ ከሎና: ተመላለሲካ ምብጻሕ ንገብረሎም: ጽሑፍ ድማ ነለቅሖም ነበርና።

ኣነን ዩሊሽካን ካብቲ እነገልግለሉ ዝነበርና ዞባ ብተደጋጋሚ ክንቅይር ነበረና። እቲ ምኽንያት ድማ ካህናት ‘ነተን ኣባጊዖም’ ንበጽሐን ከም ዘለና ብኡንብኡ ምስ ዝፈልጡ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሕዎም እንተድኣ መጺኦም ንዕኦም ወይ ድማ ንፖሊስ ክሕብሩ ከም ዘለዎም ኣብ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ይዛረቡ ስለ ዝነበሩ ኢዩ። ገለ ምቕሉላት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ከም እተመሓላለፈ ምስ ዝነግሩና: ናብ ካልእ ዞባ ንቕይር ነበርና።

ሓደ መዓልቲ ኣነን ዩሊሽካን ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ መንእሰይ በጻሕናዮ። ገለ ዝንበብ ጽሑፍ ምእንቲ ከነለቅሖ ድማ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ቈጸራ ገበርና። ተመሊስና ምስ ከድና ግን ሓደ ፖሊስ ኣብኡ ጸንሓና: ተኣሲርና ድማ ናብቲ ኣብ ዱናቬቸ ዝርከብ መደበር ፓሊስ ተወሰድና። ንዓና ንምትሓዝ ነቲ ወዲ ከም መሳርሒ ተጠቒሞምሉ ነበሩ። ኣብቲ መደበር ፓሊስ ምስ በጻሕና: ሓደ ካህን ረኣና: ኣብቲ ጕዳይ ኢድ ከም ዝነበሮውን ፈለጥና።

ዝኸፍአ ፈተናይ

ኣብኡ ኣብቲ መደበር ፖሊስ: ጸጕሪ ርእሰይ ኵሉ ተላጸየ: ጥርሐይ ኰይነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዳርጋ ዓሰርተ ኽልተ ዝዀኑ ፖሊስ ደው ከም ዝብል ገበሩኒ። ኣብ ሃንጋሪ መራሒና መን ከም ዝዀነ ክፈልጡ ብምድላይ: መርመሩኒ። ብዘይካ የሱስ ክርስቶስ ካልእ መራሒ ከም ዘይብልና ገለጽኩሎም። ድሕርዚ በቲ ናይ ፓሊስ ኣባትሮም ገይሮም ብዘይ ርሕራሐ ወቕዑኒ: እንተዀነ ግን ንክርስትያናት ኣሕዋተይ ኣሕሊፈ ኣይሃብኩን።

ብድሕሪኡ: ንኽልቲኡ ኣእጋረይ ኣላጊቦም ኣሰርዎ: ንኣእዳወይ እውን ንላዕሊ ሓፍ ኣቢሎም ኣላጊቦም ኣሰርዎ። ድሕርዚ: ብዘይካ ሓደ ፓሊስ: ኵሎም በብተራ ተጋሰሱኒ። ኣዝዮም ኣጽኒዖም ኣሲሮምኒ ስለ ዝነበሩ: ክሳዕ እቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ግምቦ ኣእዳወይ ገና ስምብራት ይርአ ነበረ። እቲ ኣብ ልዕለይ እተፈጸመ ተግባር ኣዝዩ ኣራዊታዊ ስለ ዝነበረ እቲ ከቢድ ቍስሊ ዝነበሮ ዝበዝሐ ኣካላተይ ክሳዕ ዝሓዊ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ገዛ ተዓጸኹ።

እፎይታ ዝረኸብኩሉ እዋን

ደሓር ናብቲ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ኣብ ናጅኮኒዦ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተወሰድኩ። እሱራት እኳ እንተ ነበርና: ብተዛማዲ ግን ክልተ ሓጐስ ዝመልአን ዓመታት ኣሕለፍና። ከም ሓንቲ ምልእቲ ጉባኤ ኴንና ዳርጋ ኵሉ ኣኼባታትና ብምስጢር ነካይድ ነበርና። ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ንምሃብ እውን ብዙሕ ኣጋጣሚታት ነበረና። ምስ ኦልጋ ስለይዚንገር: ሓብታ ነታ ንዓይን ነደይን ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘፋለጠትና ኤርዠይቤት ስለይዚንገር: እተራኸብኩ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ኢዩ ነይሩ።

ብ1944 እቶም ኣብ ሃንጋሪ ዝነበሩ ናዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ዝሓዝዎ ቦታታት ንዝነበሩ ኣይሁድ ብሜላ ዝቐትልዎም ዝነበሩ: ነቶም ሃንጋራውያን ኣይሁድ ክርሽንዎም ወሰኑ። ሓደ መዓልቲ ንዓይን ንኦልጋን ወሰዱና። ኣብ ሓንቲ ከብቲ እተመላልስ ባጐኒ ድማ ጸዓኑና: ብቼኮዝላቫክያ ኣቢልና ኣዝዩ ኣጸጋሚ ጕዕዞ ምስ ገበርና ድማ ናብቲ ናይ ሞት ደምበ ኦሽዊትዝ ዝበሃል ኣብ ደቡባዊ ፖላንድ ዝርከብ እተመደበልና ቦታ በጻሕና።

ካብ ኦሽዊትዝ ምድሓን

ምስ ኦልጋ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ዕቝባ ይስምዓኒ ነበረ። ኣብ ዘጨንቕ ኵነታት እውን ከይተረፈ ተዋዛዪት ክትከውን ክኢላ ነበረት። ኣብ ኦሽዊትዝ ምስ በጻሕና: ኣብ ቅድሚ እቲ ስርሑ ካብቶም ሓደስቲ ዝመጹ ሰባት ነቶም ንስራሕ ዘይበቕዑ ካብቶም ክሰርሑ ዝኽእሉ ድልዱላት ምፍላይ ዝነበረ ነውራም ዶክተር መንጌላ ቀረብና። እቶም ብቕድሜና ዝነበሩ ሰባት ናብቲ እሱራት ብጋዝ ተዓፊኖም ዝቕተልሉ ዝነበሩ ክፍሊ ተሰዲዶም ነበሩ። ተራና ምስ በጽሐ: መንጌላ “ዕድሜኺ ክንደይ ኢዩ፧” ብምባል ንኦልጋ ሓተታ።

ፍሽኽ ብምባል ተቢዓ “20” ብምባል መለሰትሉ። ከም ሓቂ ግን ዕጽፊ ናይቲ ዝበለቶ ዕድመ ኢዩ ነይርዋ። መንጌላ ግን ሰሓቐ እሞ ብየማናይ ሸነኽ ክትከይድ ፈቐደላ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብ ሞት ደሓነት።

ኵሎም እቶም ኣብ ኦሽዊትዝ ዝነበሩ እሱራት በቲ ኣብ ናይ እሱራት ክዳውንቶም ዝነበረ ምልክት ኢዮም ዝልለዩ ነይሮም​—⁠ኣይሁድ ኰዀብ ዳዊት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ጁኽ ሕብሪ ዘለዎ ስሉስ ኵርናዕ ነበሮም። ኣብ ክዳውንትና ምልክት ኰዀብ ዳዊት ክሰፍዩልና ምስ ደለዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ክስፈየልና እንደልዮ ድማ ጁኽ ሕብሪ ዘለዎ ስሉስ ኵርናዕ ምዃኑ ገለጽናሎም። ናይ ኣይሁድ ዘርኢ ስለ ዝነበረና ሓፊርና ዘይኰነስ: ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና ኢዩ። ብእግሮም ብምቕላዕን ብምውቃዕን ነቲ ናይ ኣይሁድ ምልክት ንኽንቅብሎ ከገድዱና ፈተኑ። እንተዀነ ግን ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይሮም ክሳዕ ዝቕበሉና ድርቕ በልና።

ድሕሪ ግዜ ድማ: ምስታ ብሰለስተ ዓመት ዝዓብያ ዝነበርኩ ሓብተይ ኤልቪራ ብሃንደበት ተራኸብና። እታ ሸውዓተ ኣባላት ዝነበርዋ ስድራቤትና ብምሉኣ ናብ ኦሽዊትዝ ተወሲዳ ነበረት። ንስራሕ ይበቕዓ ኢየን ተባሂልና ክንሰርሕ ተፈቒዱልና ዝነበረ ኣነን ኤልቪራን ጥራይ ነበርና። ኣቦይን ኣደይን ሰለስተ ኣሕዋትናን ኣብቲ እሱራት ብጋዝ ዝዕፈንሉ ዝነበሩ ክፍሊ ሞቱ። ኤልቪራ ኣብቲ ግዜ እቲ ምስክር ስለ ዘይነበረት: ኣብ ሓደ ክፍሊ ናይቲ ደምበ ብሓንሳእ ኣይጸናሕናን። ብህይወት ድሒና ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከደት: ኣብ ፒትስበርግ: ፔንሲልቫንያ ከኣ ምስክር ኰነት: ደሓር ድማ ኣብኡ ብ1973 ሞተት።

ካብ ካልኦት ደምበታት ምድሓን

ኣብ ክረምቲ ናይ 1944/45 ሩስያውያን እናቐረቡ ይመጹ ስለ ዝነበሩ: እቶም ጀርመናውያን ካብ ኦሽዊትዝ ክርሕቁ ወሰኑ። በዚ ኸኣ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ጀርመን ዝርከብ በርጋን⁠-​በልዛን ገዓዝና። ኣብኡ ምስ በጻሕና ነዊሕ ከይጸናሕና: ኣነን ኦልጋን ናብ ብራውንሽቫይክ እትበሃል ከተማ ተለኣኽና። ኣብኡ: ጥሙር ሓይልታት ድሕሪ እቲ ዝገበርዎ ጽዑቕ ናይ ቦምባ ደብዳባት ነቲ ፍርስራስ ኣብ ምጽራይ ክንሕግዝ ነበረና። ኣነን ኦልጋን ነቲ ጕዳይ ተመያየጥናሉ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ምዕያይ ንገለልትነትና ዝትንክፍ ምዃኑ ርግጸኛታት እኳ እንተ ዘይነበርና: ኣብዚ ዕዮ እዚ ግን ክልቴና ንኸይንካፈል ወሰንና።

እቲ ውሳነና ሕርቃን ኣለዓዓለ። ብቘርበት ካብ እተሰርሐ ሓለንጊ ድሕሪ ምግራፍና ናብቲ ናይ መረሸኒ ስፍራ ተወሰድና። ነቲ ጕዳይ ተጠንቂቕና ክንሓስበሉ ሓንቲ ደቒቕ ተዋሃበትና: ሓሳብና እንተድኣ ዘይቀይርና ድማ ከም እንርሸን ተነጊሩና ነበረ። ብኣእምሮና ሓንሳእ ወሲንና ስለ ዝነበርና ነቲ ጕዳይ ክንሓስበሉ ዝዀነ ይኹን ግዜ ከም ዘየድልየና ተዛረብና። ይኹን እምበር: ናይ ምርሻን ትእዛዝ ክህብ ስልጣን ዝነበሮ እቲ ኣዛዚ ደምበ ጥራይ ስለ ዝነበረ: እሞ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ስለ ዘይነበረ እቲ እንርሸነሉ እዋን ክናዋሕ ነበሮ።

ክሳዕ ሽዑ ግን ኣብ ቀጽሪ እቲ ደምበ ምሉእ መዓልቲ ጠጠው ንኽንብል ተገደድና። ኣብ ከክልተ ሰዓት ዝቕየሩ ዝነበሩ ክልተ ዕጡቓት ወተሃደራት ይሕልዉና ነበሩ። ዝዀነ ይኹን መግቢ ኣይወሃበናን ነበረ: ወርሒ ለካቲት ስለ ዝነበረ ድማ ብቝሪ ኣዚና ተሳቐና። ከምዚ ኣተሓሕዛ እናገበሩልና ሓደ ሰሙን ሓለፈ: እቲ ናይቲ ደምበ ኣዛዚ ግን ኣይመጸን። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ብድሕሪት ተጸዓንና: ካብቲ ዝገረመና ነገር ድማ ናብ በርጋን⁠-​በልዛን ከም እተመለስና ፈለጥና።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣነን ኦልጋን ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ነበርና። ዝበዝሐ ጸጕሪ ርእሰይ ተመሊጡ ነበረ: ብርቱዕ ረስኒ ድማ ነበረኒ። ሒደት ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል ዝነበርኩ ብሓይሊ ኢዩ ነይሩ። እቲ መዓልቲ⁠-​መዓልቲ ዝወሃበና ዝነበረ ካብ ካውሎ እተሰርሐ ቀጢን መረቕን ንእሽቶ ሕብስትን እኹል ኣይነበረን። ይኹን እምበር እቶም ክሰርሑ ዘይክእሉ ይርሸኑ ስለዝነበሩ ክንሰርሕ ምኽኣልና ጥራይ ዓቢ ነገር ኢዩ ነይሩ። እተን ምሳይ ኣብ ክሽነ ዝሰርሓ ዝነበራ ጀርመናውያን ኣሓት ሒደት ዕረፍቲ ንኽረክብ ሓገዛኒ። እቶም ተቖጻጸርቲ ይመጹ ከም ዘለዉ ምስ ዝፈልጣ: ኣብ ስራሕ ትግህቲ ከም ዝዀንኩ መሲለ ኣብቲ ናይ መስርሒ ጣውላ ደው ምእንቲ ክብል እተን ኣሓት ይሕብራኒ ነበራ።

ሓደ መዓልቲ ኦልጋ ናብ ቦታ ስርሓ ክትከይድ ዘኽእላ ሓይሊ ኣይነበራን: ካብኡ ንደሓር ድማ ኣይረኣናያን። ኣብ እዋን እተን ኣብቲ ደምበታት ዝነበርናለን ኣጸገምቲ ኣዋርሕ ዓቢ ሓገዝ ኰይናትኒ ዝነበረት: ተባዕ መሓዛን ብጸይትን ኢየ ስኢነ። ከም ቅብእቲ ሰዓቢት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ መጠን: ብኡንብኡ ሰማያዊ ዓስባ ተቐቢላ ክትከውን ኣለዋ።​—⁠ራእይ 14:⁠13

ናጻ ምውጻእን ብድሕሪኡ ዝነበረ ህይወትን

እቲ ውግእ ኣብ ግንቦት 1945 ምስ ተወድአን ሓርነት ምስ ተረኽበን: እቲ ኣርዑት ናይቶም ጨቈንቲ ኣብ መወዳእታ ክሕምሸሽ ከሎ ኣዝየ ደኺመ ስለ ዝነበርኩ ሓጐሰይ ክገልጽ ኣይከኣልኩን፣ ናብተን ነቶም ሓራ ዝወጹ ሰባት ክቕበላኦም ፍቓደኛታት ዝዀና ሃገራት ዝወስዳ ዝነበራ ቃፍላይ ክበጽሕውን ኣይከኣልኩን። ሓይሊ ምእንቲ ክረክብ ንሰለስተ ወርሒ ዝኸውን ኣብ ሆስፒታል ጸናሕኩ። ድሕርዚ ናብታ ሓዳስ መንበሪተይ ዝዀነት ሽወደን ተወሰድኩ። ብኡንብኡ: ምስ ክርስትያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ተራኸብኩ: ቀልጢፈ ድማ ኣብቲ ክቡር ጥሪት ዝዀነ ግራት ኣገልግሎት ክካፈል ጀመርኩ።

ብ1949 ነቲ ከም ገያሺ ተዓዛቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ንዓመታት ዝኣክል ዘገልገለ ሌናርት ዩሴፍሶን ተመርዓኹ። ንሱውን እምነቱ ብምሕላዉ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ተኣሲሩ ነበረ። ካብ 1 መስከረም 1949 ኣትሒዝና ፓይነራት ብምዃን ህይወትና ብሓባር ጀመርና: ኣብ ከተማ ቦራስ ከነገልግል ከኣ ተመዲብና ነበርና። ኣብተን ኣብኡ ዝነበርናለን ቀዳሞት ዓመታት: ምስቶም ተገዳስነት ዘርእዩ ሰባት ብምዃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዓሰርተ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታውያን ኴንና ንመርሕ ነበርና። እታ ኣብ ቦራስ ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ዓመታት ናብ ሰለስተ ጉባኤ ክትበጽሕ ብምርኣይና ሓጐስ ረኺብና ኢና: ሕጂ ድማ ኣብኡ ሓሙሽተ ጉባኤታት ኣለዋ።

ብ1950 ሓንቲ ጓል ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ሓደ ወዲ ብምውላድና ወለዲ ክንከውን ስለ ዝኸኣልና ፓይነር ኰይነ ነዊሕ ክቕጽል ኣይከኣልኩን። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ሃንጋሪ ዝነበረ ፍቱው ሓው: ጓል 16 ዓመት ከሎኹ “ሓደ ሰብ ካብቲ ክህልዎ ዝኽእል ዝዓበየ ኽብሪ ንየሆዋ ምግልጋል ኢዩ” ብምባል ዝመሃረኒ ክቡር ሓቂ ንደቅና ናይ ምምሃር ዘሐጕስ መሰል ረኺበ ነበርኩ።

ነቲ ዘሕለፍክዎ ህይወት ምልስ ኢለ ክሓስቦ ከሎኹ: ነቲ ሃዋርያ ያእቆብ ብዛዕባ ምጽማም እዮብ ከዘኻኽረና ከሎ ‘እግዚኣብሄር ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ’ ብምባል ዝጸሓፎ ሓቂ ከም ዘስተማቐርክዎ እግንዘብ ኢየ። (ያእቆብ 5:⁠11) ኣነውን ዘስካሕክሕ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፍኩ: ኵሎም ኣምለኽቲ የሆዋ ዝዀኑ​—⁠ክልተ ውሉዳትን ናይ መርዓ ብጾቶምን ሽዱሽተ ደቂ ደቀይን ብምርኣየይ ብዙሕ በረኸት ረኺበ ኢየ። ልዕሊ እዚ ድማ: ገለ ካብኣቶም ከም ፓይነራትን ሚስዮናውያንን ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት መንፈሳውያን ደቅን ደቂ ደቅን ኣለዉኒ። ሕጂ እቲ ዝዓበየ ተስፋይ ነቶም ብሞት ደቂሶም ዘለዉ ፍቑራት ንምርካብን ካብቲ ናይ መዘከርታ መቓብሮም ክትንስኡ ኸለዉ ክቕበሎምን ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 5:⁠28, 29

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ኣብ ቅዐ ኣብ ሽወደን ኣብ ኣገልግሎት ከሎና

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ምስ በዓል ቤተይ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ