መዝሙር 9
ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
1. ወድሱ! እወ ንየሆዋ!
ብዛዕባ ስሙ ንገሩ!
ኣውጁ! ነታ መዓልቱ፡
መልእኽቱ ንዅሉ ሓብሩ።
ኣምላኽ ኣዊጁ፡ በጺሑ ኢሉ
እቲ ወዱ ዚነግሰሉ፣
ተስፋ መጻኢ፡ ብስራት ሓቂ፡
ብልክዕ ይብጻሕ ንዅሉ!
(ኣዝማች)
ወድሱ! እወ ንየሆዋ!
ንዅላ ምድሪ ሓብርዋ!
2. ወድሱ! በሉ ዘምሩ!
ስሙ ኣውጁ፡ መስክሩ!
ካብ ልቢ፡ ካብ ሕጉስ ልቢ፡
ብትብዓት ኣውጁ ንኽብሩ።
ዓብዪ ተ’ዀነ ጐይታ ኣምላኽና፡
ዝለበሰ’ዩ ትሕትና፣
ሳህልን ምሕረትን ፍቕርን የርኢ፡
ይሰምዕ ንምህለላና።
(ኣዝማች)
ወድሱ! እወ ንየሆዋ!
ንዅላ ምድሪ ሓብርዋ!
(መዝ. 89:27፣ 105:1፣ ኤር. 33:11 እውን ርአ።)