ምዕራፍ 34
ስለምንታይ እየ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክነብር ዘሎኒ፧
እቲ ሓድሽ ወዲ ኺመጽእ ከሎ፡ ኣብ ቤት ትምህርትኹም ኣብ ዚርከብ ካፈተርያ ምስ ክልተ ኣዋልድ ምሳሕኪ ትበልዒ ኔርኪ።
እታ ቐዳመይቲ ጓል፡ “ዳንኤል እኮ ይፈትወኪ እዩ። ካብ ኣጠማምታኡ እዩ ዚፍለጥ። ኣዒንቱ ኻባኺ ኺፈሊ ኣይከኣለን!” ትብለኪ።
እታ ኻልአይቲ ናባኺ እናቐረበት፡ “ዓርኪ ድማ ኣይሓዘን!” ትብለኪ።
እዚ ዅሉ ኸም ዚመጽእ ትጥርጥሪ ኔርኪ። ብኣምሆ እኳ ዳንኤል ናብቲ ኣብ ገዛኡ ዚግበር ፓርቲ ዓዲሙኪ ነይሩ። ብውሽጥኺ እቲ ፓርቲ ኸመይ ከም ዚመስል ክትፈልጢ እኳ እንተ ደለኺ፡ ነቲ ዕድመ ግን ኣይተቐበልክዮን።
እታ ቐዳመይቲ ጓል ካብቲ ትሓስብዮ ዝነበርኪ ትዀልፈኪ።
“ኣነኳ ትሕዝቲ እየ። እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ምስ ዳንኤል ንምውጻእ ዓይነይ ኣይምሓሰኹን” ትብል።
ድሕሪኡ ብምግራም ትጥምተኪ። እንታይ ከም እትብል ፈሊጥክዮ ኣለኺ።
“ንስኺ ግን ስለምንታይ ኢኺ ዓርኪ ዘይብልኪ፧” ኢላ ትሓትተኪ።
እዛ ሕቶ እዚኣ ኣመና እያ እተፍርሃኪ! ከም ሓቂ ዓርኪ ኽትሕዚ ኣይምጸላክን። ንመርዓ ድልውቲ ኽሳዕ እትዀኒ ግን ምስ ኣንጻር ጾታ ኸይትተዓራረኺ ተነጊሩኪ። ዓሕ፡ እንተ ዘይትኽልከሊ ኔርኪ . . .
እታ ኻልአይቲ ጓል፡ “ሃይማኖትኪ ድዩ፧” ትብለኪ።
‘ኣእምሮይ ድያ ኸተንብቦ ጸኒሓ፧’ ኢልኪ ትሓስቢ።
“ኵሉ ሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ በልኪ ኢኺ” ኢላ ተባጭወልኪ። “ስለምንታይ ኢኺ ቝሩብ ዘይትሕጐሲ፧” ኢላ ትሓትተኪ።
ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትነብር ብምድላይካ ኣደዳ ላግጺ ዄንካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ምናልባት ኣጋጣሚታት የምልጠካ እንተ ኣልዩ ሓሲብካ ትኸውን ኢኻ። ዴቦራ ዝስማ መንእሰይ ከምኡ እዩ ተሰሚዕዋ። “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ቀያዲ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። እቲ መማህርተይ ዝነበሮም ቀይዲ ዘይብሉ ኣነባብራ ይማርኸኒ ነይሩ” በለት።
መለበሚ
ተመክሮ ዅሉ ሳዕ ብሉጽ መምህር እዩ ማለት ኣይኰነን። ከምቲ ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ፡ ካብ ጌጋታት ካልኦት ትምህርቲ ምውሳድ፡ ጥበባውን ቅዱስ ጽሑፋውን እዩ። ኣሳፍ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ኣመና ቐያዲ ኸም ዝዀነ እተሰምዖ እዋን ነይሩ። ነቶም መገድታት ኣምላኽ ዝሓደጉ ሰባት ዘጋጠሞም ነገር ምምርማሩ ግን መለበሚ ዀይንዎ እዩ። ጸኒሑ ኣብ “መንደልሃጺ ስፍራ” ኸም ዘለዉ ተረድአ።—መዝሙር 73:18
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንእተወሰነ እዋን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓደጉን ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸሙን መንእሰያት ዝሃብዎ ሓሳባት እሞ ርአ።
● ንኣተሓሳስባኹምን ንተግባራትኩምን ዝጸለዎ እንታይ ረቛሒታት እዩ፧
ዴቦራ፦ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ዅሎም ዓርኪ ኪሕዙ እርኢ ነይረ፡ ሕጉሳት ከኣ እዮም ዚመስሉ። ምሳታቶም ግዜ ኸሕልፍ ከለኹ፡ ኪሰዓዓሙን ኪተሓቛቘፉን እርእዮም፡ በዚ ኸኣ እቐንእን ጽምዋ ይስምዓንን ነበረ። ብዛዕባ ሓደ ዝፈተኽዎ ወዲ ንነዊሕ ሰዓታት ክሓልም ጀመርኩ። እዚ ኸኣ ምስኡ ክኸውን ንዝነበረኒ ባህጊ ኣሐየሎ።”
ማይክ፦ “ንጾታዊ ርክብ ኣጸባቢቑ ዜቕርብ ጽሑፋት አንብብን መደባት እርእን ነይረ። ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምስ ኣዕሩኸይ ምዝርራበይ ሃንቀውታ ኣሕደረለይ። ድሕሪኡ፡ ምስ ሓንቲ ጓል በይነይ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ከይገበርኩ ኽንተናኸፍ ከም እንኽእል ክሓስብ ጀመርኩ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኸቋርጾ ዝኽእል ይመስለኒ ነይሩ።”
ኣንድሪው፦ “ኣብ ኢንተርነት ስእለ-ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ልማድ ነይሩኒ። ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ኽሰቲ ጀመርኩ። ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ምስ ዘይብሎም መንእሰያት ከኣ ናብ ፓርትታት ክኸይድ ጀመርኩ።”
ትሬሲ፦ “ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ጌጋ ምዃኑ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ነቲ ተግባር ግን ኣይጸላእክዎን። ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ክገብር ሓሳብ ኣይነበረንን፡ ስምዒታተይ ግን ንኣተሓሳስባይ ዓብሊልዎ። ንእተወሰነ ግዜ፡ ሕልናይ ደንዚዙ ብምንባሩ፡ ከም ዝበደልኩ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን።”
● ኣነባብራኹም ሓጐስ ኣምጺኡልኩምዶ፧
ዴቦራ፦ “ኣብ መጀመርታ፡ ናጽነት ተሰሚዑኒ ነይሩ፡ ምስ መዛኖይ ብምምስሳለይ ከኣ ተሓጒሰ ነይረ። እዚ ስምዒታት እዚ ግን ኣይቀጸለን። ዝረሳሕኩን ንጽህናይ እተበላሸወን ባዶ ዝዀንኩን ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ድንግልናይ ብኸንቱ ብምጥፋአይ ኣመና እዩ ኣጣዒሱኒ።”
ኣንድሪው፦ “ግጉይ ትምኒታተይ ምፍጻም እናቐለለኒ ኸይዱ። ማዕረ ማዕሪኡ ግን፡ ብበደለይ ጓህን ሓዘንን ይስምዓኒ ነበረ።”
ትሬሲ፦ “ርኽሰት ንንእስነተይ ኣበላሽይዎ እዩ። ኣነን ዓርከይን እንሕጐስ ይመስለኒ ነይሩ። ከም ሓቂ ግን ኣይተሓጐስናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ንሓድሕድና ስቓይን መከራን ጓሂ ልብን ኢና ኣምጺእና። ብመገዲ የሆዋ እንተ ዝኸይድ እናተመነኹ፡ ኣብ ዓራተይ ኰይነ ምሸት ምሸት እበኪ ነበርኩ።”
ማይክ፦ “ገለ ኽፋለይ ከም ዝሞተ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ተግባረይ ኣብ ካልኦት ዘሕደሮ ጽልዋ ኽርስዖ እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ኣይከኣልኩን። ኣነ ምእንቲ ኽሕጐስ ኢለ ንኻልኦት እጐድእ ምንባረይ፡ ኣሳቕዩኒ እዩ።”
● ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣመና ቐያዲ እንተ ዀይኑ ንዚሓቱ መንእሰያት እንታይ ምኽሪ ትህብዎም፧
ትሬሲ፦ “ብስርዓታት የሆዋ ንበሩ፡ ከምኡ ምስ ዚገብሩ ሰባት ከኣ ውዓሉ። በዚ ኸምዚ ዝያዳ ሓጐስ ክትረኽቡ ኢኹም።”
ዴቦራ፦ “ተግባራትኩም ንዓኻትኩምን ንድሌትኩምን ጥራይ ኣይኰነን ዚጸሉ። ንኻልኦት እውን ይጸሉ እዩ። ንምኽሪ ኣምላኽ ዕሽሽ እንተ ኢልኩም ከኣ፡ ንርእስኹም ክትጐድኡ ኢኹም።”
ኣንድሪው፦ “ተመክሮ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ኣነባብራ መዛኑኻ ዜሐጕስ እዩ ዚመስለካ። ኣረኣእያኦም ይጸልወካ እዩ። ስለዚ፡ ኣዕሩኽኩም ተጠንቂቕኩም ምረጹ። ንየሆዋ እመንዎ፡ ካብ ብዙሕ ጣዕሳ ድማ ከተምልጡ ኢኹም።”
ማይክ፦ “ገለ ኻብቲ የሆዋ ዚህበኩም ኣዝዩ ኽቡር ጥሪትኩም፡ ክብረትኩምን ንጽህናኹምን እዩ። ንርእስኹም ብዘይምቍጽጻርኩም ነዚ ውህበታት እዚ እንተ ደርቢኹምዎ፡ ንርእስኹም ኢኹም እተሕስሩ። ንወለድኹምን ንኻልኦት ብሱላት ሰባትን ብዛዕባ ጸገማትኩም ኣዘራርብዎም። ጌጋ እንተ ጌርኩም፡ ብዛዕባኡ ንምዝርራብን ነቲ ዅነታት ንምእራምን ኣይትደንጕዩ። ተግባራትኩም ብመገዲ የሆዋ እንተ ጌርኩም፡ ናይ ሓቂ ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም።”
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ቀይዲ ድዩ ወይስ ከም መቐነት መንበር፧
የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ፡ ንዓኻ እውን ክትሕጐስ እዩ ዚደልየካ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW፣ መክብብ 11:9) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ስርዓታት ንጥቕምኻ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ከምቲ ንናጽነትካ ዚድርት ቀይዲ ጌርካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ከም ሓቂ ግን፡ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ኻብ ጕድኣት ዜዕቍበካ መቐነት መንበር እዩ።
ንመጽሓፍ ቅዱስ ብርግጽ ክትኣምኖ ትኽእል ኢኻ። ብስርዓታቱ ኽትመላለስ እንተ ወሲንካ፡ ንየሆዋ ኣብ ርእሲ ምሕጓስካ፡ ንርእስኻ እውን ክትጠቅም ኢኻ።—ኢሳይያስ 48:17
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ክትከውን ከም እትኽእል ፍለጥ።
ቀንዲ ጥቕሲ
“ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካ . . . ኣነ [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 48:17
ምኽሪ
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ፡ ንምንኣስካ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ብኸመይ ከም እተረድእ ሕሰብ። ብዛዕባ እምነትካ ምዝራብ፡ ኣብ ልብኻ ሱር ንኺሰድድ ዚሕግዝ ሓያል መገዲ እዩ።
ትፈልጥዶ፧
ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ንምብልሻው ሓጺር ህሞት እዩ ዚወስደልካ፡ ንምጽጋኑ ግን ዓመታት ኪወስደልካ ይኽእል እዩ።
መደባተይ
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ ንኽርድኦ ምእንቲ ኺሕግዘኒ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
በቶም ብስርዓታት ዓለም ዚመላለሱ ክቐንእ እንተ ጀሚረ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● ሕግታት ኣምላኽ ኣፍሪስካ ሳዕቤኑ ብምዕጻድ እትረኽቦ ተመክሮ ብሉጽ መምህር ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
● ካብቲ ዴቦራን ማይክን ኣንድሪውን ትሬሲን ዝሃብዎ ሓሳባት እንታይ ተማሂርካ፧
● ገሊኦም ሰባት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ቀይዲ ዚርእይዎ ስለምንታይ እዮም፧ እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣርሒቕካ ዘይምርኣይ ዝዀነ ግን ስለምንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 285 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ብኣበሳኻ ምስ ተገሰጽካ ዚስምዓካ ሕማቕ ስምዒት፡ ካብቲ ንኽትሓብኦ ብምፍታንካ ዚስምዓካ ስቓይ ኣይከፍእን እዩ።’’—ዶና
[ኣብ ገጽ 288 ዘሎ ስእሊ]
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓጐስካ ኣይኰነን ዚቕይድ፡ ኣብ ክንዳኡስ ዕቝባ እዩ ዚዀነካ