ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ንህዝቢ ዚኸውን መደረታት ምድላው
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
    • ንህዝቢ ዚኸውን መደረታት ምድላው

      ኣብ ሰሰሙን መብዛሕትአን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዛዕባ ሓደ ቕዱስ ጽሑፋዊ ርእሰ ነገር ዚምልከት ህዝባዊ መደረ የዳልዋ እየን። ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ እንተ ዄንካ: ንፉዕ ተዛራባይ ወይ መምህር ምዃንካ ተርኢ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ: ህዝባዊ መደረ ኽትህብ ክትዕደም ኢኻ። ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ኣሕዋት ነዚ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰል እዚ ንኺበቕዑ ሓጊዝዎም እዩ። ህዝባዊ መደረ ኽትህብ ምስ ተመደብካ: ካበይ ኢኻ ኽትጅምር ዚግባእ፧

      ነቲ ኣስተዋጽኦ ኣጽንዓዮ

      ዝዀነ ይኹን ምርምር ቅድሚ ምግባርካ: ነቲ ኣስተዋጽኦ ኣንብቦ: ቀንዲ መልእኽቱ ኽሳዕ ዚርድኣካ ድማ ኣስተንትነሉ። ነቲ ፍረ ነገሩ: ማለት ነቲ ኣርእስቱ: ኣብ ኣእምሮኻ ሓዞ። ንሰማዕትኻ እንታይ ኢኻ ኽትምህሮም፧ እንታይ እዩ ዕላማኻ፧

      ነቲ ቐንዲ ኣርእስትታት ኣጽንዓዮ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ተንትኖ። ነፍሲ ወከፉ ምስቲ ፍረ ነገር ብኸመይ ይተኣሳሰር፧ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ: እተፈላለየ ንኡሳን ነጥብታት ተዘርዚሩ ይርከብ እዩ። ነቲ ንኡሳን ነጥብታት ዚድግፍ ሓሳባት ከኣ ኣብ ትሕቲኡ ተዘርዚሩ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ክፋል እቲ ኣስተዋጽኦ ምስቲ ቕድሚኡን ድሕሪኡን ዘሎ ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰርን ዕላማ እቲ መደረ ንምውቃዕ ብኸመይ ከም ዚሕግዝን ሕሰብ። እቲ ፍረ ነገር: ዕላማ እቲ መደረ: ከምኡውን እቲ ቐንዲ ነጥብታት ነቲ ዕላማ እቲ ብኸመይ ከም ዚወቅዕ ሓንሳእ ምስ ተረድኣካ: ነቲ መደረ ኸተዳሉ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ።

      ፈለማ ነቲ መደረኻ ኣብ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ቐንዲ ነጥብታት እተኸፋፈለ ሓጸርቲ መደረታት ጌርካ እንተ ረኣኻዮ ሓጋዚ እዩ። ነዚ ኸኣ በብተራ ተዳለወሉ።

      እቲ ኣስተዋጽኦ ንኽትዳሎ ዚሕግዝ ንዋት እዩ። መደረ ንኽትህበሉ ተባሂሉ እተዳለወ መዘኻኸሪ ኣይኰነን። ከም ኣስከሬን እዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ስጋ ኸተልብሶን ልቢ ኽትሰዅዓሉን ህያው ክትገብሮን ኣሎካ።

      ቅዱሳት ጽሑፋት ምጥቃም

      የሱስ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲሶም እዮም ዚምህሩ ነይሮም። (ሉቃ. 4:16-21፣ 24:27፣ ግብ. 17:2, 3) ንስኻውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንመደረኻ መሰረት ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ኣብቲ ኣስተዋጽኦ እተጠቕሰ ሓሳባት ብዘይ ገለ ደገፍ ኣብ ክንዲ ምብራህን ኣወዓዕላኡ ምግላጽን: እዚ ሓሳባት እዚ ብቕዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ከም እተደገፈ ኣስተውዕል: ድሕሪኡ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምሃር።

      መደረኻ ኽትዳሎ ኸለኻ: ነቲ ኣብቲ ኣስተዋጽኦ ዚርከብ ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ መርምሮ። ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ኣስተብህለሉ። ገሊኡ ጥቕስታት ሓፈሻዊ ዅነታት ጥራይ እዩ ዜብርሃልካ። መደረ ኪቐርብ ከሎ: ኪንበብን ሓሳብ ኪወሃበሉን ዘለዎ ጥቕስታት ኵሉ ኣይኰነን። ንሰማዕትኻ ዝሓሸ ዘበለ ምረጽ። ነቲ ኣብቲ ኣስተዋጽኦ ዚርከብ ጥቕስታት እንተ ኣተኲርካሉ: ተወሳኺ ጥቕስታት ክትውከስ ኣየድልየካን እዩ።

      መደረኻ ዕዉት ኪኸውን ዚኽእል: ብብዝሒ እተንብቦ ጥቕስታት ዘይኰነስ: ብኽእለት ኣመሃህራኻ እዩ። ጥቕሲ ኽትሕብሮም ከለኻ: ንምንታይ ከም እተጠቕሰ ግለጽ። ግዜ ወሲድካ ኣወዓዕላኡ ግለጸሎም። ሓንቲ ጥቕሲ ምስ ኣንበብካ: ክሳዕ እትገልጻ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣይትዕጸፎ። ሰማዕትኻውን ከምኡ ኺገብሩ ይድረኹ ይዀኑ። ተገዳስነት ሰማዕትኻ ኣለዓዒልካ ኻብ ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ኸም ዚጥቀሙ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ነህ. 8:8, 12) ከምዚ ኽትገብር እትኽእል መግለጺ: ምሳሌ: ከምኡውን ኣወዓዕላ ብምጥቃም እዩ።

      መግለጺ። ንሓንቲ ጥቕሲ ኽትገልጻ ኽትዳሎ ኸለኻ: ‘እዚኣ እንታይ ማለት እያ፧ ኣብ መደረይ ስለምንታይ እየ ዝጥቀመላ ዘለኹ፧ እቶም ሰማዕተይ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ይሓስቡ ይዀኑ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ነቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ሓሳባት: ንኣመዓባብላኡ: ነቲ እተጠቕሰትሉ ዅነታት: ንሓይሊ እቲ ቓላት: ከምኡውን ንዕላማ እቲ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፈ ጸሓፊ ተንቲንካ ኽትፈልጥ የድልየካ ይኸውን። እዚ ምርምር ይሓትት። ኣብቲ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜዳልዎ ጽሑፋት ኣኺሉ ዚተርፍ ጠቓሚ ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ። (ማቴ. 24:45-47) ብዛዕባ እታ ጥቕሲ ዚምልከት ኵሉ ነገራት ክትገልጾ ኣይትፈትን: የግዳስ ምስቲ ኣብቲ መደረ ዘሎ ነጥቢ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ሓብር።

      ምሳሌ። ዕላማ ምሳሌታት ንሰማዕትኻ ዝዓመቘ ምርዳእ ንኺህልዎም ወይ ሓደ ነጥቢ ዀነ መሰረታዊ ስርዓት ንኺዝክሩ ዚሕግዝ እዩ። ምሳሌታት ንሰባት ነቲ ዝነገርካዮም ነገር: ኣቐዲሞም ምስቲ ዚፈልጥዎ ነገር ንኼተኣሳስርዎ ይሕግዞም። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከት ከምኡ እዩ ገይሩ። ‘ኣዕዋፍ ሰማይ:’ “ዕምባባታት መሮር:” ‘ኣብ ከውሒ እተሰርሐት ቤት’: ከምኡውን ሓያሎ ነዚ ዚመስል ምሳሌታት ንትምህርቱ ሓያልን ንጹርን ዘይርሳዕን ገበሮ።—ማቴ. ምዕ. 5-7

      ኣወዓዕላ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ምግላጹን ብምሳሌ ምብራሁን ፍልጠት ይህብ: ኣወዓዕላኡ ምሕባር ግን ነቲ ፍልጠት ናብ ፍረ የብጽሖ። ልክዕ እዩ: ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዋህበ መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ናይቶም ሰማዕቲ ሓላፍነት እዩ: እንታይ ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም ንኼስተውዕሉ ግን ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ሰማዕትኻ ነቲ እትገልጾ ዘለኻ ጥቕሲ ኸም እተረድእዎን ምስቲ ነጥቢ ኸም ዘተሓሓዝዎን ምስ ተኣማመንካ: ኣብ እምነቶምን ኣካይዳኦምን እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ከም ዚግብኦ ሓብሮም። ምስቲ እተገልጸ ሓቂ ዘይሰማማዕ ግጉይ ሓሳባት ወይ ሕማቕ ኣካይዳ ምውጋድ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኣጕልሕ።

      ንጥቕስታት ብኸመይ ኣወዓዕላኡ ኸም እትገልጾ ኽትሓስብ ከለኻ: ሰማዕትኻ እተፈላለየ ኣተዓባብያን በበይኑ ዝዓይነቱ ዅነታትን ከም ዘለዎም ኣይትረስዕ። ሓደስቲ ተገደስቲ: መንእሰያት: ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት: እተፈላለየ ብሕታዊ ጸገማት ዘለዎም ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። መደረኻ ግብራውን ኣብ ክውንነት እተመስረተን ግበሮ። ንሒደት ውልቀ-ሰባት ሓሲብካ ትምዕድ ከም ዘለኻ ዜምስል ማዕዳ ኣይትሃብ።

      እቲ ተዛራባይ ዚገብሮ ውሳነታት

      ንመደረኻ ዚምልከት ገለ ውሳነታት ድሮ ተገይሩ እዩ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት ብንጹር ተሓቢሩ: ንነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ንምግላጽ ዚወስዶ ግዜ እውን ብንጹር ተገሊጹልካ ኣሎ። ዝተረፈ ውሳነታት ንስኻ ኽትገብሮ ኣሎካ። ኣብ ገሊኡ ንኡስ ነጥብታት ዝያዳ ግዜ ወሲድካ: ኣብ ካልእ ዝወሓደ ግዜ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ። ንነፍሲ ወከፍ ንኡስ ነጥቢ ብማዕረ ደረጃ ኽትሽፍኖ ኸም ዚግባእ ጌርካ ኣይትሕሰብ። እዚ ነቲ መደረኻ ብጕያ ኸም እትሽፍኖን ንሰማዕትኻ ዚጭብጥዎ ኸም ዚስእኑን ኪገብር እዩ። ነየናይ ነጥቢ ኣስፊሕካ: ነየናዩ ኸኣ ኣሕጺርካ ወይ ንእግረ-መገድኻ ኸም እትገልጾ ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧ ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ኣየናይ ነጥብታት እዩ ነቲ ሕመረት እቲ መደረ ንኸመሓላልፍ ዚሕግዘኒ፧ ንሰማዕተይ ብዝያዳ ኺጠቕሞም ዚኽእል ኣየናይ እዩ፧ ገሊኡ ጥቕስታትን ምስኡ ዚተሓሓዝ ሓሳባትን ምግዳፈይ ነቲ ተኣሳሲሩ ዚቐርብ ዘሎ መርትዖ ይበትኮ ድዩ፧’

      ግምታዊ ወይ ብሕታዊ ሓሳባት ከይተእቱ ተጠንቀቕ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ: ‘ካብ ርእሱ’ ኣይኰነን ተዛሪቡ። (ዮሃ. 14:10) ሰባት ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመጹ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግለጽ ከሎ ኺሰምዑ ምዃኑ ኣስተውዕል። ንፉዕ ተዛራባይ ገይሮም ዚርእዩኻ: መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ቃል ኣምላኽ እምበር ናብ ርእስኻ ኸም ዚትኰር ስለ ዘይትገብር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እተቕርቦ መደረታት ዚኽበር።—ፊል. 1:10, 11

      ንሓደ ኣስተዋጽኦ ናብ ሓደ ብዙሕ መግለጺ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ መደረ ድሕሪ ምቕያርካ: ንመደረኻ ኽትለማመደሉ ኣሎካ። ነዚ ዓው ኢልካ እንተ ገበርካዮ ዝሓሸ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር: ኵሉ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ብንጹር ምስፋሩ እዩ። ኣብቲ እተቕርቦ ብምሉእ ልብኻ ኽትሳተፍ: ንኣቀራርባኻ ህያው ክትገብሮ: ብዛዕባ ሓቂ ብውዕዉዕ ስምዒት ክትገልጽ ኣሎካ። መደረ ቕድሚ ምቕራብካ: ንገዛእ ርእስኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተት:- ‘እንታይ ክፍጽም እየ ዝጽዕር ዘለኹ፧ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣጕሊሐዮ ድየ፧ ብሓቂዶ ንቕዱሳት ጽሑፋት መሰረት መደረይ ገይረዮ እየ፧ ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ብባህርያዊ መገዲ ናብቲ ዚቕጽል ዚመርሕ ድዩ፧ እቲ መደረ ንየሆዋን ንምድላዋቱን ዘሎና ሞሳ ዜዕቢ ድዩ፧ እቲ መደምደምታ ምስቲ ፍረ ነገር ብቐጥታ ዚተሓሓዝን ሰማዕቲ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ዚሕብሮምን ንኺገብርዎ ዜለዓዕሎምን ድዩ፧’ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣወንታዊ መልሲ ኽትህበለን ትኽእል እንተ ዄንካ: ንጥቕሚ እታ ጉባኤን ንውዳሰ የሆዋን ዚኸውን ‘ፍልጠት ንኸተንጠብጥብ’ ተዳሊኻ ኣለኻ ማለት እዩ።—ምሳ. 15:2

  • ናይ ምምሃር ክእለትካ ኣማዕብል
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
    • ናይ ምምሃር ክእለትካ ኣማዕብል

      ከም መምህር መጠን እንታይ ሸቶ እዩ ዘሎካ፧ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እትኸውን ነዊሕ ዘይገበርካ እንተ ዄንካ: የሱስ ንሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ መዝነት ስለ ዝሃቦም: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትመርሕ ክትመሃር ከም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴ. 28:19, 20) ኣብዚ መዳይ ንጥፈት እዚ ተመክሮ እንተ ኣልዩካ: ነቶም ክትሕግዞም እትደሊ ሰባት ልቦም ብምትንካፍ ዝመጸ ብዝያዳ ውጽኢታዊ ኽትከውን ሸቶ ይህልወካ ይኸውን። ወላዲ እንተ ዄንካ: ንውሉዳትካ ርእሶም ንኣምላኽ ንኺውፍዩ እተለዓዕል መምህር ክትከውን ከም እትደሊ እተረጋገጸ እዩ። (3 ዮሃ. 4) ሽማግለ እንተ ዄንካ: ወይ ሽማግለ ኽትከውን ትመጣጠር እንተ ኣሊኻ: ሰማዕትኻ ኣብ የሆዋን መገድታቱን ዓሚቝ ሞሳ ንኼሕድሩ እትሕግዝ ተዛራባይ ክትከውን ትደሊ ትኸውን። ነዚ ሸቶታት እዚ ብኸመይ ክትበጽሖ ትኽእል፧

      ካብቲ ኽኢላ መምህር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ውሰድ። (ሉቃ. 6:40) የሱስ ኣብ ከረን ንህዝቢ ኺዛረብ ከሎ ዀነ ወይ ኣብ መገዲ እናኸደ ንሒደት ሰባት ኣብ ዜዘራርበሉ እዋን: እቲ እተዛረቦ ነገር ኰነ ኣዘራርባኡ ነባሪ ጦብላሕታ እዩ ሓዲጉ። ንኣእምሮን ኣልባብን ሰማዕቲ ኣለዓዒሉ: ኪርድኦም ዚኽእል ግብራዊ ኣወዓዕላ ድማ ገይሩ እዩ። ንስኻኸ ተመሳሳሊ ነገራት ክትፍጽም ትኽእልዶ፧

      ኣብ የሆዋ ተወከል

      የሱስ ዝነበሮ ናይ ምምሃር ክእለት በቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበሮ ጥብቂ ርክብን ብበረኸት መንፈስ ኣምላኽን እዩ ብሉጽ ኰይኑ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ ንምምራሕ የሆዋ ንኺሕግዘካ ኻብ ልቢ ትጽሊ ዲኻ፧ ወላዲ እንተ ደኣ ዄንካ: ንደቅኻ ኽትምህር ከለኻ መምርሒ ኣምላኽ ንምርካብ ኣዘውቲርካ ትጽሊ ዲኻ፧ መደረታት ክትህብ ወይ ኣኼባ ኽትመርሕ ክትዳሎ ኸለኻ: ልባዊ ጸሎት ተቕርብ ዲኻ፧ ብጸሎት ኣቢልካ ኣብ የሆዋ ምውካልካ: ብዝያዳ ውጽኢታዊ መምህር ንኽትከውን ኪሕግዘካ እዩ።

      ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርኳስ እውን: ኣብ የሆዋ ኸም እትውከል ከተርኢ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት: ንኣቦኡ ብጸሎት “ኣነ ቓልካ ሀብክዎም” በሎ። (ዮሃ. 17:14) የሱስ ብዙሕ ተመክሮ እኳ እንተ ነበሮ: ካብ ርእሱ ኣይተዛረበን። ወትሩ ነቲ ኣቦኡ ዝመሃሮ እዩ ዚዛረብ ነይሩ: በዚ ኸምዚ ድማ ክንስዕቦ ዚግባእ ኣብነት ሓደገልና። (ዮሃ. 12:49, 50) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዓቀበ ቓል ኣምላኽ: ንሰባት ኣብ ተግባራቶምን ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ናይ ምጽላው ሓይሊ ኣለዎ። (እብ. 4:12) ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት ኰነ ኣብ ኣገልግሎት እትጥቀመሉ መገዲ እናዓበየ ምስ ከደ: ንሰባት ናብ ኣምላኽ ዚስሕቦም ናይ ምምሃር ክእለት ከተማዕብል ኢኻ።—2 ጢሞ. 3:16, 17

      ንየሆዋ ኣኽብሮ

      ንክርስቶስ እትመስሎ መምህር ክትከውን ኪበሃል ከሎ: መሳጢ መደረ ምሃብ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ልክዕ እዩ: ሰባት በቲ የሱስ እተዛረቦ “ዘረባ ጸጋ” ተገሪሞም እዮም። (ሉቃ. 4:22) እንተዀነ ግን: የሱስ ጽቡቕ እተዛረበ እንታይ ዕላማ ስለ ዝነበሮ እዩ፧ ናብ ገዛእ ርእሱ ኣትኵሮ ንምስሓብ ዘይኰነስ: ንየሆዋ ንምኽባር እዩ። (ዮሃ. 7:16-18) ንሰዓብቱ እውን “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” በሎም። (ማቴ. 5:16) እዚ ምኽሪ እዚ ነቲ እንዛረበሉ መገዲ ዚጸሉ ኪኸውን ኣለዎ። ካብዚ ዕላማ እዚ ዜስግለና ዝዀነ ይኹን ነገር ከነርሕቕ ይግብኣና። ስለዚ: እንታይ ከም እንብልን ብኸመይ ከም እንብሎን ክንዳሎ ኸለና: ‘እዚ ንየሆዋ ዘለዎም ሞሳ ዜዕሙቝ ድዩ: ወይስ ናባይ ከም ዜተኵሩ እዩ ዚገብሮም፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና።

      ንኣብነት: ምሳሌታትን ናይ ሓቂ ኣብነታትን ኣብ ኣመሃህራና ብዚግባእ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ሓደ ነዊሕ ምሳሌ ምስ ዚቐርብ: ሓደ ተመክሮ እምብዛ ብዝርዝር ምስ ዚዝንቶ: ዕላማ እቲ ትምህርቲ ኺርሳዕ ይኽእል እዩ። ዜዛኒ ዛንታታት ጥራይ ምዝንታው ድማ ንዕላማ ኣገልግሎትና ዜስሕት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ: እቲ መምህር ዕላማ ቲኦክራስያዊ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዚወቅዕ: ናብ ርእሱ እዩ ኣትኵሮ ዚስሕብ ዘሎ።

      ‘ፍለ’

      ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ንኪኸውን: ነቲ እተመሃሮ ብንጹር ኪርድኦ ይግባእ። ሓቂ ኺሰምዕ: ካብ ካልእ እምነታት ከኣ ብኸመይ ከም እትፍለ ኺፈልጥ ኣለዎ። ንኽልቲኡ ሸነኽ ምንጽጻሩ: ነዚ ንኺፍጽም የኽእሎ።

      የሆዋ ብተደጋጋሚ ንህዝቡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ‘ኪፈልዩ’ ተማሕጺንዎም እዩ። (ዘሌ. 10:9-11) እቶም ኣብታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደሱ ዜገልግሉ ዘበሉ ንህዝቡ “ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ” ኪምህርዎም ምዃኖም ገሊጹ እዩ። (ህዝ. 44:23) መጽሓፍ ምሳሌ ኣብ መንጎ ጽድቅን እከይን: ኣብ መንጎ ጥበብን ዕሽነትን ዚርከብ ፍልልይ ዝመልአት እያ። ኣንጻር ዘይኰነ ነገራት እውን ኣብ መንጎኡ ፍልልይ ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መንጎ ጻድቕን ኣብ መንጎ ጽቡቕ ዚገብርን ሰብ ዘሎ ፍልልይ ኣብ ሮሜ 5:7 ገሊጹ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ከኣ: ክርስቶስ እቲ ሊቀ ኻህናት ካብ ኣሮን ከም ዚበልጽ ሓበረ። ከምቲ ኣብ መበል 17 ዘመን ዝነበረ መምህር ሆሃን ኣሞስ ኮሚንየስ ዝጸሓፎ “ምምሃር ኪበሃል ከሎ: ብሓጺሩ ነገራት ኣብ እተፈላለየ ዕላማኦምን መልክዖምን መበቈሎምን ካብ ካልእ ብኸመይ ከም ዚፍለዩ ምሕባር ማለት እዩ። . . . ስለዚ: ሓደ ጽቡቕ ገይሩ ፍልልይ ዚገልጽ: ጽቡቕ ገይሩ ይምህር ማለት እዩ” በለ።

      ንኣብነት: ንሓደ ሰብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምህሮ ኣለና ንበል። እታ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃና እንተ ዘይተረዲእዎ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኻብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰብ እያ ዘላ ዚብል ሓሳብ ብኸመይ ከም ዚፍለ ኸተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት ብኸመይ ከም እትፍለ ኽትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። ነዚ መሰረታዊ ሓቂ ንዚፈልጡ ሰባት ከኣ: ብዝያዳ ዝርዝር ነገራት ክትሕብሮም የድሊ ይኸውን። መሲሓዊት መንግስቲ ኻብቲ ኣብ መዝሙር 103:19 ተጠቒሱ ዘሎ የሆዋ ኣብ ኵሉ ፍጥረት ዘለዎ ንግስነት: ወይ ካብታ ኣብ ቈሎሴ 1:13 ተጠቒሳ ዘላ “መንግስቲ ፍቑር ወዱ”: ወይ ካብቲ ኣብ ኤፌሶን 1:10 ተገሊጹ ዘሎ ንዅሉ ነገራት ኣብ ክርስቶስ ምጥቕላል ብኸመይ ከም ዚፍለ ትገልጸሎም ትኸውን። ምንጽጻር ምግባርካ: ነዚ ኣገዳሲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሰማዕትኻ ንጹር ንኪዀነሎም ይሕግዝ።

      የሱስ ብተደጋጋሚ ነዚ ሜላ ኣመሃህራ እዚ ተጠቒሙ እዩ። ነቲ ሰባት ብሓፈሻ ብዛዕባ ሕጊ ሙሴ ዝነበሮም ምርዳእ: ምስቲ ናይ ሓቂ ዕላማ እቲ ሕጊ ኣነጻጸሮ። (ማቴ. 5:21-48) ንኣምላኽ ብሓቂ ውፉይ ምዃን ካብቲ ግብዝና ፈሪሳውያን ፈለዮ። (ማቴ. 6:1-18) ንመንፈስ እቶም ንኻልኦት ‘ዚግዝኡ:’ ምስቲ ሰዓብቱ ኺህልዎም ዘለዎ ጥቕሚ ርእሲ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣነጻጸሮ። (ማቴ. 20:25-28) ኣብ ማቴዎስ 21:28-32 ተመዝጊቡ ኣብ ዚርከብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ: ንሰማዕቱ ኣብ መንጎ ምምጽዳቕን ናይ ሓቂ ነስሓን ዘሎ ፍልልይ ኪግንዘቡ ዓደሞም። እዚ ኸኣ ናብ ካልእ ጽቡቕ ናይ ኣመሃህራ ሜላ ይመርሓና።

      ሰማዕቲ ንኺሓስቡ ኣተባብዓዮም

      ኣብ ማቴዎስ 21:28 የሱስ ነቲ ዝገበሮ ምንጽጻር “እንታይ ይመስለኩም፧” ብዚብል ሕቶ ኸም ዝጀመሮ ነንብብ። ሓደ ኽኢላ መምህር ሓቅታትን መልስታትን ይነግር ጥራይ ዘይኰነስ: ንሰማዕቱ ‘ናይ ምሕሳብ ክእለቶም’ ንኼማዕብሉ እውን የተባብዖም እዩ። (ምሳ. 3:21 NW፣ ሮሜ 12:1) እዚ ብኸፊል ሕቶታት ብምሕታት እዩ ዚግበር። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 17:25 ዚርከብ: የሱስ “ስምኦን: ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧ እንታይ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ የሱስ ዘቕረቦ ዜመራምር ሕቶታት: ንጴጥሮስ ብዛዕባ ንቤተ መቕደስ ግብሪ ምኽፋል ባዕሉ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሕ ሓገዞ። ብተመሳሳሊ: ነቲ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ሰብኣይ ኪመልሰሉ ኸሎ: ሓደ ኻህንን ሓደ ሌዋውን ዝገበርዎ ነገር: ምስቲ ሓደ ሳምራዊ ዝገበሮ ነገር ኣነጻጸሮ። ድሕሪኡ “ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ: ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ሉቃ. 10:29-36) ኣብዚውን የሱስ ነቲ ሰብኣይ ነታ ሕቶኡ ባዕሉ ንኺምልሳ ዓደሞ።—ሉቃ. 7:41-43

      ልቢ ተንክፍ

      እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚርድእዎ ሰባት: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺበሃል ከሎ እተወሰነ ሓቅታት ምዝካርን እተወሰነ መምርሒታት ምስዓብን ማለት ጥራይ ከም ዘይኰነ ይግንዘቡ እዮም። የግዳስ: ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጽቡቕ ርክብን ኣብቲ ንመገድታቱ ዘሎና ሞሳን እተሃንጸ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምልኾ ንልብና እውን ዜጠቓልል እዩ። (ዘዳ. 10:12, 13፣ ሉቃ. 10:25-27) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ “ልቢ” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ንውሽጣዊ እንታይነት ሓደ ሰብ: እንተላይ ንባህግታቱን ፍትወቱን ስምዒታቱን ድራኸታቱን እያ እተጠቓልል።

      ሰባት ደጋዊ ትርኢት ዚርእዩ እኳ እንተ ዀኑ: ኣምላኽ ግን ልቢ ኸም ዚርኢ የሱስ ይፈልጥ ነበረ። (1 ሳሙ. 16:7) ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት በቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ተደሪኽና ደኣ እምበር: ብሰባት ንኺረኣየልና ኢልና ኽንገብሮ የብልናን። (ማቴ. 6:5-8) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: ፈሪሳውያን ብደጋዊ መልክዕ ዚርአ ብዙሕ ነገራት ይገብሩ ነበሩ። ደቀቕቲ ሕግታትን ስርዓታቶምን ኪኽበር ኣጸቢቖም ይጸቕጡሉ ነበሩ። ኣብ ህይወቶም ግን ሰዓብቲ እቲ እነምልኾ ዚብልዎ ኣምላኽ ምዃኖም ዜፍልጦም ባህርያት ኣየንጸባርቑን ነበሩ። (ማቴ. 9:13፣ ሉቃ. 11:42) የሱስ ግን ነቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚሓቶ ብቕዓታት ምምላእ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ: ተኣዛዝነትና ግን በቲ ኣብ ልብና ዘሎ ነገራት ከም ዚውሰን ገለጸ። (ማቴ. 15:7-9፣ ማር. 7:20-23፣ ዮሃ. 3:36) ንየሱስ እንተ መሲልናዮ: እንምህሮ ትምህርቲ ዝበለጸ ፍረ ኺህልዎ እዩ። ንሰባት ኣምላኽ ካባታቶም እንታይ ብቕዓት ከም ዚደሊ ምምሃሮም ኣገዳሲ እዩ። እንተዀነ ግን: ኣካይዳኦም ነቲ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘለዎም ጽቡቕ ርክብ ዜንጸባርቕ ምእንቲ ኪኸውን: ንየሆዋ ብብሕቲ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ኣለዎም።

      ልክዕ እዩ: ሰባት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ኺጥቀሙ እንተ ዀይኖም: ልቦም እዮም ኬዐርዩ ዘለዎም። የሱስ ንሰባት ውሽጣዊ ድራኸኦምን ስምዒታቶምን ኪምርምሩ ኣተባብዖም። ነቲ ሰማዕቱ ዝነበሮም ግጉይ ኣረኣእያ ኼዐሪ ኸሎ: ስለምንታይ ነቲ ነገር ከም ዝሓሰብዎ: ከም እተዛረብዎ: ወይ ከም ዝገበርዎ ይሓቶም ነበረ። እንተዀነ ግን: ነቲ ነገር ኣብኡ ኸሎ ኣብ ክንዲ ምሕዳግ: ድሕሪ ሕቶኡ ብሓሳብ: ብምሳሌ: ወይ ብግብሪ ኣቢሉ ነቲ ነገር ብቕኑዕ ኣረኣእያ ንኺርእይዎ የተባብዖም። (ማር. 2:8፣ 4:40፣ 8:17፣ ሉቃ. 6:41, 46) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ንሰማዕትና ‘እዚ መገዲ እዚ ዝሰሓበኒ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ ዅነታት እዚ በዚ ኸምዚ ምላሽ ዝሃብኩሉ ስለምንታይ እየ፧’ ዚብል ሕቶታት ንርእሶም ኪሓቱ ብምትብባዕ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ ነቲ ነገር ብዓይኒ የሆዋ ንኺርእይዎ ነተባብዓዮም።

      ኣወዓዕላ ግለጽ

      ንፉዕ መምህር “ጥበብ ኣውራ ነገር” ምዃና ይፈልጥ እዩ። (ምሳ. 4:7) ጥበብ ከኣ ሽግር ንምፍታሕ: ካብ ሓደጋ ንምርሓቕ: ሸቶ ንምውቃዕ: ንኻልኦት ንምሕጋዝ ነቲ ዘሎካ ፍልጠት ብዚግባእ ምጥቃም ማለት እያ። ሓደ መምህር ንተመሃሮኡ ኸምዚ ኺገብሩ ኺምህሮም ሓላፍነት ኣለዎ: ባዕሉ ግን ውሳነታት ኪገብረሎም የብሉን። ብዛዕባ እተፈላለየ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትመያየጡ ኸለኹም: ንተመሃራይካ ኼመዛዝን ሓግዞ። ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዜጋጥም ኵነት ድሕሪ ምጥቃስ: እቲ እተጽንዕዎ ዘለኹም ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብቲ ዅነት ብኸመይ ከም ዚሕግዞ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ።—እብ. 5:14

      ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብቲ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ዘቕረቦ መደረ: ንህይወት ሰባት ዚትንክፍ ኣወዓዕላ ገሊጹ እዩ። (ግብ. 2:14-36) ካብቲ እቶም ህዝቢ ንኣምነሉ ኢና ዚብልዎ ቕዱሳት ጽሑፋት እተወስደ ሰለስተ ነጥብታት ድሕሪ ምግላጹ: ብመሰረት እቲ ብዓይኖም ዝረኣይዎ ነገር ኣወዓዕላኡ ገለጸሎም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: እቶም ህዝቢ ነቲ ዝሰምዕዎ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ተደረኹ። እትምህሮ ትምህርቲ ኣብ ሰባት ተመሳሳሊ ጽልዋ ኣለዎዶ፧ ሓቅታት ምጥቃስ ጥራይ ዘይኰነስ: ሰባት እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ንኺርድኡ ትሕግዞም ዲኻ፧ እቲ ዚመሃርዎ ትምህርቲ ንህይወቶም ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚግባእ ኪሓስቡ ተተባብዖም ዲኻ፧ ከምቶም ብጴንጠቆስጠ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ “እንታይ ንግበር፧” ኢሎም ኣይሓቱን ይዀኑ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ብዚግባእ ኣወዓዕላኡ እንተ ገሊጽካሎም ግን: ግቡእ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸም ዘለዎም ኪሓስቡ እዮም።—ግብ. 2:37

      ኣቱም ወለዲ: መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ደቅኹም ከተንብቡ ኸለኹም: ግብራዊ ኣወዓዕላ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺሓስቡሉ ንኸተሰልጥንዎም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣለኩም። (ኤፌ. 6:4) ንኣብነት: ካብቲ ንሰሙን እተመደበ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ጥቕስታት መሪጽኩም: ትርጕሙ ኽትገልጹ: ከምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት ከኣ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም:- ‘እዚ ንዓና መምርሒ ዚህበና ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ጥቕስታት እዚ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን እንታይ ይገልጸልና፧ እዚኸ ነቲ ንዕኡ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ የዕምቖ፧’ ንኣባላት ስድራቤትኩም ኣብዚ ነጥብታት እዚ ተመርኲሶም: ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ሓሳብ ኪህቡሉ ኣተባብዕዎም። እቲ ሓሳብ ዝሃቡሉ ጥቕሲ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ተዘክሮኦም እዩ ዚቕረጽ።

      ሰናይ ኣብነት ኩን

      ብእትብሎ ጥራይ ዘይኰነስ: ብእትገብሮ እውን ትምህር ኢኻ። ተግባራትካ ነቲ እትብሎ ነገራት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እተውዕሎ ዜርኢ ኣብነት እዩ። ውሉዳት በዚ ኸምዚ እዮም ዚመሃሩ። ንወለዶም ኪመስልዎም ከለዉ: ከም ወለዶም ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ እዮም ዜርእዩ። ወለዶም ዚገብርዎ ነገራት ምግባር: ከመይ ምዃኑ ኺፈልጡ ይደልዩ እዮም። ብተመሳሳሊ: እቶም እትምህሮም ሰባት: ‘ከምቲ ንስኻ ንክርስቶስ እትመስሎ ዘለኻ: ንሳቶም እውን ንዓኻ ምስ ዚመስሉ:’ ብመገድታት የሆዋ ምምልላስ ዜምጽኦ በረኸት ኣብ ህይወቶም ኪፍትንዎ ይጅምሩ። (1 ቈረ. 11:1) ኣምላኽ ምሳታቶም ዘለዎ ርክብ: ክፍሊ ብሕታዊ ተመክሮኦም ይኸውን።

      እዚ ድማ ሰናይ ኣብነት ምዃን ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ ረዚን መዘኻኸሪ እዩ። ‘ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ከመይ ዝበልና ሰባት ምዃንና:’ ነቶም እንምህሮም ሰባት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎ ህያው ኣብነት ንምዃን ዓብዪ ግደ ኣለዎ። (2 ጴጥ. 3:11) ንሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ: ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲሩ ኼንብብ እንተ ኣተባቢዕካዮ: ንስኻውን ተጊህካ ኣንብብ። ውሉዳትካ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመላለሱ እንተ ደሊኻዮም: ተግባራትካ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ምዃኑ ኣርእዮም። ንኣባላት ጉባኤኻ ኣብ ኣገልግሎት ቀናኣት ኪዀኑ እንተ ምሂርካ: ንስኻውን ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ። ነቲ እትምህሮ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕሎ: ንኻልኦት ከተለዓዕል ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 2:21-23

      እምበኣር ኣመሃህራኻ ምእንቲ ኸተመሓይሽ: ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ክምህር ከለኹ: ኣብ ኣረኣእያታት: ዘረባ: ወይ ተግባር እቶም ዚሰምዑኒ ለውጢ ኸምጽእ ብዚኽእል መገዲ ድየ ዝምህር፧ ነቲ ትምህርቲ ንጹር ምእንቲ ኽገብሮ: ነቲ ሓደ ሓሳብ ወይ ተግባር ካብ ካልእ ፈልየ እገልጽ ድየ፧ ንተመሃሮይ: ንደቀይ: ወይ ኣብ ኣኼባ ንዘለዉ ሰማዕተይ ነቲ ዝበልክዎ ንኺዝክርዎ እንታይ እየ ዝገብር፧ ንሰማዕተይ ነቲ ዚመሃርዎ ብኸመይ ከም ዚዓዩሉ ብንጹር አረድኦም ድየ፧ ኣብነት ብምዃን አርእዮም ድየ፧ ነቲ ትምህርቲ ዚህብዎ ምላሽ: ምስ የሆዋ ንዘለዎም ርክብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ተረዲኦምዎ ድዮም፧’ (ምሳ. 9:10) ናይ ምምሃር ክእለትካ ኸተመሓይሽ ክትጽዕር ከለኻ: ነዚ ወትሩ ኣተኵረሉ። “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።”—1 ጢሞ. 4:16

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ