ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/10 ገጽ 18-23
  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ዕግበትን ሓጐስን ዓሚቝ ስምዒታት
  • የሆዋ ከም ዝሓሊ ዘረጋግጽ መርትዖ
  • “ናብ የሆዋ ኣጸቢቕካ ንኽትቀርብ ዝሕግዘካ ዝበለጸ መገዲ”
  • ልብኻ ዝያዳ ንምግባር ሃረር ይብል ድዩ፧
  • ኵላትና ናይ ፓይነር መንፈስ ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና
  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ዕዮ ፈላምነት ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብ የደልድሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ናይ ፓይነር ኣገልግሎት—ንዓኻ ዝምልከት ድዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ፈላሚ እንታይ እዩ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/10 ገጽ 18-23

ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት

“በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን። ”​—⁠ምሳሌ 10:⁠22

1, 2. (ሀ) ሓደ ፓይነር ብዛዕባ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዎ ስምዒት ብኸመይ ኢዩ ዝገለጸ፧ (ለ) ፓይነራት ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ዝርከብ ሓጐስ ዝያዳ መሊኦም ከስተማቕርሉ ኣብ ዝኽእልሉ ኵነታት ዝርከቡ ስለምንታይ ኢዮም፧

ሓደ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ልዕሊ 32 ዓመታት ዝገበረ ፓይነር ካብ ካናዳ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ጽንዓት እትገብረሉ ዝነበርካ ሰብ ንጡፍ ናይ የሆዋ ወዳሲ ኰይኑ ከገልግል ካብ ምርኣይ ዝዓቢ ሓጐስሲ ክህሉዶ ይኽእል፧ ሰባት ንየሆዋ ከሐጕስዎ ኢሎም ኣነባብራኦም ንኽልውጡ ድራኸ ኣብ ምሕዳር ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ክትርኢ ባህ ዘብልን እምነትካ ዘደልድልን ኢዩ።” ብዛዕባ ናይ ፓይነር ኣገልግሎቱ ኸኣ ከምዚ በለ:- “ካብዚ ዝበልጽ ካልእ ዝዕየ ዕዮ ኣሎ ኢለ ክግምት ኣይክእልን ኢየ። እወ: ከምዚ ዝዓይነቱ ሓጐስ ከምጽእ ዝኽእል ዕዮ ኣሎ ኢለ ክግምት ፈጺመ ኣይክእልን ኢየ።”

2 ንሓደ ሰብ ናብ መገዲ ህይወት ክትመርሖ ኣብ ምሕጋዝ ክትካፈል ከሎኻ ዓቢ ሓጐስ ከም ዘሎስ ትሰማምዓሉዶ ኢኻ፧ ልክዕ ኢዩ: ነዚ ሓጐስ እዚ ዘስተማቕርዎ ዘለዉ ፓይነራት ጥራይ ኣይኰኑን። ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ እቲ ካብ ‘ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’ ዝብል ትእዛዝ ይምልከቶም ኢዩ: ከምኡ ክገብሩ ድማ ይጽዕሩ ኢዮም። (ማቴዎስ 28:19) ይኹን እምበር: ፓይነራት ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ብዙሕ ሰዓታት ከሕልፉ ስለ ዝኽእሉ: ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ዝርከብ ሓጐስ ዝያዳ መሊኦም ከስተማቕርሉ ኣብ ዝኽእልሉ ኵነታት ኢዮም ዝርከቡ። ግናኸ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ካልእ ዓስቢ እውን ኣለዎ። ምስ ፓይነራት ተዘራረብ እሞ: ዕዮ ፓይነር ነቲ ‘ዘሀብትም በረኸት እግዚኣብሄር’ ከም እትረክብ ዝገብር ዘደንቕ መገዲ ምዃኑ ክነግሩኻ ኢዮም።​—ምሳሌ 10:22

3. ንየሆዋ ምግልጋል ክንቅጽል ከሎና ንመንፈስና ከለዓዕሎ ዝኽእልንኽትበርህ ኢለ ኢየ መንፈስ ወሲኸሉ እንታይ ኢዩ፧

3 ኣብዚ ቐረባ ግዜ: ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝነብሩ ፓይነራት ካብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝረኸብዎ በረኸታት ክገልጹ ተሓተቲም ነበሩ። ነቲ ዝበልዎ እስከ ንርኣዮ። ይኹን እምበር ብምኽንያት ጥዕና ምስኣን: እርጋን ወይ ከኣ ካልእ ኵነታት ኣገልግሎትካ ውሱን እንተድኣ ዀይኑ ተስፋ ኣይትቝረጽ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር በታ ዘላትካ ዓቕሚ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ምዃኑ ኣይትረስዕ። ገና ግን ገሊኣቶም ፓይነራት ዝህብዎ ሓሳባት ምስማዕ ነዚ ዓስቢ ዘለዎ ንጥፈት እዚ ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ንኽትስዕቦ ተገዳስነትካ ከዕብየልካ ይኽእል ኢዩ።

ናይ ዕግበትን ሓጐስን ዓሚቝ ስምዒታት

4, 5. (ሀ) ነቲ ብስራት ንኻልኦት ምክፋል ኣዝዩ ዓስቢ ዘለዎ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ፓይነራት ኣብቲ ኣገልግሎት ምሉእ ግዜ ብዛዕባ ምዕያይ ከመይ ኢዩ ዝስምዖም፧

4 የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ:”]” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እወ: ብዘይ ስስዐ ምሃብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓስቢ ኣለዎ። (ምሳሌ 11:25) ብፍላይ እዚ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ከነካፍሎ ከሎና ሓቂ ኢዩ። ብሓቂ: ንሓደ ሰብ ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ንኸጥሪ ካብ ምሕጋዙ ዝበልጽ እንታይ ዓቢ ህያብ ኢና እሞ ክንህቦ እንኽእል፧​—⁠ዮሃንስ 17:3

5 እቶም ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ግዜ ዝዓዩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ዝረኸብዎ ሓጐስን ዓሚቝ ናይ ዕግበት ስምዒትን ሓሳባት ምሃቦም ኣየገርምን ኢዩ። ሓደ 64 ዝዕድሚኡ ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ፓይነር “ነቲ ሓቂ ንኻልኦት ብምክፋል ዝርከብ ዕግበት ካልእ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ከምጽኣለይ ከም ዘይክእል እፈልጥ ኢየ” በለ። ሓንቲ ኣብ ዛየር እትነብር መበለት ድማ: ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክበሃል ከሎ ንዓኣ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ክትገልጽ ከላ “ፍቑር ሰብኣየይ ብሞት ምስ ተፈለየኒ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ናይ ሓቂ መጸናንዒ ኢዩ ኰይኑኒ። ንኻልኦት ክሕግዝ ናብ ኣገልግሎት ብዝኸድኩ መጠን: ብዛዕባ እቲ ዘሕዝን ሞት ዝስምዓኒ ስምዒት ይንኪ። እምነተይ ኣብ ተስፋታት የሆዋ ኢየ ዘንብር: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ እቶም ጽንዓት ዝገብረሎም ሰባት ኣብ ናብርኦም ለውጢ ንኽገብሩ ከመይ ገይረ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ኢየ ዝሓስብ። ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ጥዑም ድቃስ እድቅስ: ልበይ ድማ ብሓጐስ ኢዩ ዝመልእ” ትብል።

6. ገሊኦም ፓይነራት ከመይ ዝበለ ፍሉይ ሓጐስ ኢዮም ዘስተማቐሩ፧

6 ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ ገለ ኣሕዋት ነተን ጸኒሐን ናብ ወረዳታት ዝዓበያ ጉባኤታት እናመስረትካ: ነቲ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ኴንካ ብምግልጋል ዝርከብ ፍሉይ ሓጐስ ኣስተማቒሮም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ኣባሺሪ: ሆካይዶ (ኣብ ሰሜን ጃፓን እትርከብ ደሴት) ን33 ዓመታት ዝኣክል ፓይነር ኰይና ከተገልግል ዝጸንሐት ሓብቲ ኣላ። ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ እተኻፈለቶ: ንምልእቲ ሆካይዶ ዘጠቓልል ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ 70 ተኣከብቲ ጥራይ ነበሩ። ሕጂኸ፧ ኣብታ ደሴት እቲኣ ብጠቕላላ ልዕሊ 12, 000 ኣስፋሕቲ ዝርከብወን 12 ወረዳታት ኣለዋ። ምስቶም ኣብታ ደሴት እቲኣ ዘለዉ ጭፍራ ኣወጅቲ መንግስቲ ዝዀኑ ብጾታ ኣብ ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ክትካፈል ከላ ልባ ክሳዕ ክንደይ ብሓጐስ ከም ዝጅርብብ እሞ ገምቶ!

7, 8. መብዛሕትኦም ንነዊሕ ግዜ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢዮም ዝረኸቡ፧

7 ካልኦት ንነዊሕ ግዜ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ ድማ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮኦም ክጥመቑ ድሕሪኡ ድማ ንዝዓበየ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ክመጣጠሩ ኸለዉ ናይ ምርኣይ ሓጐስ ኣስተማቒሮም ኢዮም። ሓንቲ ኣብ ጃፓን ካብ 1957 ጀሚራ ኣብ እተፈላለየ ትሽዓተ ቦታታት ፓይነር ኰይና ዘገልገለት ሓብቲ ንሓንቲ ኣብ ባንክ እትሰርሕ ጐርዞ መጽሔት ንቕሑ! ከም ዝዓደለታ ትዝክር። ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ወርሒ እታ ጐርዞ ተጠምቀት። ጸኒሓ ተመርዓወት እሞ ንሳን ሰብኣያን ፍሉያት ፓይነራት ኰኑ። እታ ፓይነር ሓብቲ ኣብቲ ንሳልሳይ ግዜ እተመደበትሉ ቦታ: ጉባኤኣ በቲ ሓድሽ ናይታ ጉባኤ እቲኣ ናይ ወረዳ ተዓዛብን በታ ቅድም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሪታ ዝነበረት ሰበይቱን ምስ ተበጽሐት ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ እተሰምዓ!

8 እቶም ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዕዮ ዝሓዙ ሰባት ከምቲ ሓደ ወዲ 22 ዝዀነ ፓይነር ዝገለጾ ከም ሓደ “ክዕቀብ ዘለዎ ብዋጋ ዘይሽነን መሰል” ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ!

የሆዋ ከም ዝሓሊ ዘረጋግጽ መርትዖ

9. የሆዋ ከም ዓቢ ወሃቢ መጠን ንኣገልገልቱ እንታይ ኢዩ ዝማባጽዓሎም፧ እዚኸ ንዓና እንታይ ማለት ኢዩ፧

9 እቲ ዓቢ ወሃቢ ዝዀነ የሆዋ ንኣገልግልቱ ብመንፈስን ብስጋን ከናብሮም ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። እቲ ጥንታዊ ንጉስ ዳዊት “ንእሽቶ ነበርኩ: አሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” ክብል ክኢሉ ኢዩ። (መዝሙር 37:25) ልክዕ ኢዩ: እዚ መለኮታዊ ዋሕስ እዚ: ካብቲ ንስድራቤትና ብስጋዊ መገዲ ኽንቅርበሎም ዘሎና ግዴታ ናጻ ኣይገብረናን ኢዩ: ነቲ ናይ ክርስትያናት ኣሕዋትና ልግሲ ንኽንብለጸሉ እውን ናጽነት ኣይህበናን ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:⁠11, 12፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8) እንተዀነ ግን: ንየሆዋ ዝያዳ መሊእና ምእንቲ ኸነገልግሎ ኣብ ናብራና ብፍታው መስዋእትታት ምስ እንገብር: ፈጺሙ ኣይጥንጥነናን ኢዩ።​—ማቴዎስ 6:​33

10, 11. ብዙሓት ፓይነራት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘድሊ ንምቕራብ ዘለዎ ክእለት ካብ ተመክሮ ዝፈልጥዎ እንታይ ኢዩ፧

10 ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ፓይነራት: የሆዋ ነቶም ገዛእ ርእሶም ኣብተን ሓለይቲ ኣእዳዉ ዘንብሩ ሰባት ዘድልዮም ከም ዝቕርበሎም ብተመክሮ ይፈልጥዎ ኢዮም። ኵነታት ናይቶም ናብታ ሰበኽቲ መንግስቲ ዝያዳ ዝድለየላ ንእሽቶ ኸተማ ዝገዓዙ ሰብኣይን ሰበይትን ፓይነራት ርአ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ዓለማዊ ስራሕ ስለ እተሳእነ: ዘዋህለልዎ ገንዘብ ወድኡ። ጸኒሖም ከኣ 81 ዶላር ናይ ማኪና መድሕን ክኸፍሉ ዝሕብር ወረቐት ተቐበሉ። እቲ ሓው “ክንከፍለሉ እንኽእል መገዲ ኣይነበረናን: ኣብታ ምሸት እቲኣ ካብ ልቢ ጸለና” ብምባል ይገልጽ። ንጽብሒቱ ግን: ካብ ሓንቲ ንርእሳ ናይ ገንዘብ ጸገም ዝነበራ ስድራቤት ሓንቲ ካርድ ተቐበሉ። እታ ካርድ: እቶም ስድራቤት ቅድሚ ሕጂ ዝኸፈልዎ ቀረጽ ዝያዳ ብምንባሩ ገንዘብ ከም እተመልሰሎም እሞ ካብ እተጸበይዎ ንላዕሊ ስለ ዝዀነ ንገለ ካብኡ ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን ፓይነራት ከካፍልዎም ከም ዝደለዩ ትገልጽ። ብሰታሪት ገይሮም ናይ 81 ዶላር ቸክ ሰደዱሎም! እቲ ፓይነር ሓው “ነታ መዓልቲ እቲኣ ፈጺመ ኣይርስዓን ኢየ። ብሓጐስ ተፈንጫሕኩ! ናይዞም ስድራቤት እዚኦም ልግሲ ኣጸቢቕና ኢና እነማስወሉ” በለ። የሆዋ እውን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕያውነት የማስወሉ ኢዩ። ኣብነት ናይቲ ኣብ ኣገልግልቱ ክንጸባረቕ ኢሉ ምትብባዕ ዝህበሉ ለጋስ መንፈስ ኢዩ።​—ምሳሌ 19:17፣ እብራውያን 13:16

11 ብዙሓት ፓይነራት ተመሳሳሊ ተመክሮ ከዘንትዉ ይኽእሉ ኢዮም። ሕተቶም እሞ ፈጺሞም ‘ዕሽሽ ከም ዘይተባህሉ’ ክነግሩኻ ኢዮም። ሓደ ወዲ 72 ዓመት ፓይነር: ናብቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፎ ልዕሊ 55 ዝኸውን ዓመታት ምልስ ኢሉ ብምጥማት “የሆዋ ፈጺሙ ኣይደርበየንን” በለ።​—⁠እብራውያን 13:⁠5, 6

“ናብ የሆዋ ኣጸቢቕካ ንኽትቀርብ ዝሕግዘካ ዝበለጸ መገዲ”

12. ብስራት ናይ ምእዋጅ ዕዮ ፍሉይ መሰል ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 የሆዋ ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቱ ክንእውጅ ምሕታቱ ንባዕሉ መሰል ኢዩ። ዘይፍጹማት ሰባት እኳ እንተ ዀንና ኣብዚ ህይወት ዘድሕን ንጥፈት ከም ‘መተዓይይቱ’ ኢዩ ዝቘጽረና። (1 ቈረንቶስ 3:9፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:​16) ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከሎና: ናይ እከይ መወዳእታ ክህሉ ምዃኑ ክንእውጅ ከሎና: ነቲ በጅነት ብምድላው ዘርኣዮ ዘደንቕ ፍቕሩ ንሰባት ክንገልጸሎም ከሎና ነቲ ህያው ቃሉ ገንጺልና ነቲ ክቡር ትሕዝትኡ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ክንምህሮም ከሎና: ናብቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣጸቢቕና ከም እንቐርብ ፍሉጥ ኢዩ።​—መዝሙር 145:11፣ ዮሃንስ 3:​16፣ እብራውያን 4:​12

13. ገሊኣቶም እቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ዝትንክፎ ምዃኑ ክገልጹ ከለዉ እንታይ ኢዮም ዝብሉ፧

13 ፓይነራት ብዛዕባ የሆዋ ክማሃሩን ክምህሩን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዙሕ ግዜ ከሕልፉ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ዝትንክፎ ብምዃኑ ከመይ ይስምዖም፧ ሓደ ፓይነር ኰይኑ ካብ ዘገልግል ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝገበረ ኣብ ፈረንሳ ዝነብር ሽማግለ “ናብ የሆዋ ኣዚኻ ንኽትቀርብ ዝሕግዘካ ዝበለጸ መገዲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ኢዩ” ብምባል ይምልስ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት 18 ዓመታት ዘሕለፈ ካልእ ፓይነር ድማ ከምዚ ይብል:- “ናይ ፓይነር ኣገልግሎት መዓልቲ-መዓልቲ ምስ ፈጣሪና ዝያዳ ርክብ ከም እንሃንጽ ብምግባር: ‘የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ክንጥዕምን ክንርእን’ ዘኽእለና ኢዩ።” (መዝሙር 34:8 NW ) ሓንቲ ፓይነር ኰይና ካብ እተገልግል 30 ዓመታት ዝገበረት ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ሓብቲውን ከምኡ ኢዩ ዝስምዓ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ኣብ ኣገልግሎቱ መምርሒ ክረክብ ኢለ ኣብ መንፈስ የሆዋ ምውካል ናብኡ ዝያዳ ከም ዝቐርብ ገይሩኒ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት መንፈስ የሆዋ ኣብቲ ግቡእ ግዜ ናብ ፍልይቲ ቤት ከም ዝመርሓኒ ብሓቂ ይስምዓኒ ኢዩ።”​—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 16:​6 -​10 ኣረኣእዮ።

14. ፓይነራት ንኻልኦት ንምምሃር መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን መዓልቲ-መዓልቲ ብምዝውታሮም ብኸመይ ኢዮም ዝጥቀሙ፧

14 ብዙሓት ፓይነራት ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ንኻልኦት ንምግላጽን ንምምሃርን: መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን መዓልቲ⁠-​መዓልቲ ምጥቃም ብፍልጠት ቃል ኣምላኽ ንኽዓብዩ ሓጋዚ ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። ሓደ ፓይነር ኰይኑ ካብ ዘገልግል 31 ዓመት ዝገበረ 85 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣብ ስጳኛ ዝነብር ሓው “ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዓሚቝ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ: እወ ንብዙሓት ሰባት ንየሆዋን ዕላማታቱን ክፈልጡ ንምሕጋዝ ዝጥቀመሉ ዘሎኹ ፍልጠት ከጥሪ ሓጊዙኒ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። ሓንቲ ፓይነር ኰይና ካብ እተገልግል 23 ዓመት ዝገበረት ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ሓብቲ “ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንመንፈሳዊ መግቢ ዓሚቝ ሸውሃት ንኸዕቢ ሓጊዙኒ ኢዩ” በለት። ‘ብዛዕባ እታ ኣባኻ ዘላ ተስፋ ምኽንያታ’ ንኻልኦት ምግላጽ: ነቲ ክቡር ገይርካ ዝሓዝካዮ እምነት ዘሎካ ምርዳእ እውን ከደልድለልካ ይኽእል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:​15) ሓደ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብር ፓይነር “ሓሳባተይ ንኻልኦት ስለ ዝገልጽ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት እምነተይ የዕብየለይ ኢዩ” በለ።

15. ብዙሓት ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንኽኣትዉን ብእኡ ክቕጽሉን እንታይ ንምግባር ኢዮም ፍቓደኛታት ኰይኖም ዝርከቡ ዘለዉ: ስለምንታይከ፧

15 እዞም ፓይነራት እዚኣቶም ካብ የሆዋ ኣምላኽ ማእለያ ዘይብሉ በረኸታት ዘምጽኣሎም ዓይነት ኣገልግሎት ምምራጾም ከም ዝኣምንሉ ንጹር ኢዩ። ብዙሓት ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክኣትዉን ብእኡ ኽቕጽሉን ኣብ ናብርኦም ምትዕርራይ ክገብሩ: ዓለማዊ ሞያን ስጋዊ ሃብትን እውን ከይተረፈ ክስውኡ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዘገርም ኣይኰኑን!​—ምሳሌ 28:20

ልብኻ ዝያዳ ንምግባር ሃረር ይብል ድዩ፧

16, 17. (ሀ) ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ምስ ኵነታተይ ይሰማማዕ ደዀን ይኸውን ኢልካ ትሓትት እንተድኣ ኣሊኻ: እንታይ ክትገብር ኢኻ እትኽእል፧ (ለ) ገሊኣቶም ፓይነራት ክዀኑ ምስ ዘይክእሉ ከመይ ኢዩ ዝስምዖም፧

16 ብዛዕባ እቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዘምጽኦ በረኸታት ፓይነራት እንታይ ከም ዝበሉ ድሕሪ ምምርማርካ: ምናልባት ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ምስ ኵነታተይ ይሰማማዕ ደዀን ይኸውን ኢልካ ትሓስብ ትህሉ ኢኻ። እዚ ስምዒት እዚ እንተድኣ ኣልዩካ እምበአር: ንሓደ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዕዉት ዝዀነ ፓይነር ዘየተዘራርቦ፧ ንሓደ ካብቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት: ማለት ንሓደ ኵነታት ጥዕናኻ: ዓቕምኻ: ከምኡውን ናይ ስድራቤት ሓላፍነትካ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ሽማግለ: ከተዘራርቦ እውን ሓጋዚ ኰይኑ ትረኽቦ ትኸውን። (ምሳሌ 15:22) እቲ ኣብ ክዉንነት እተመርኰሰ ናይ ካልኦት ሓሳባት ፓይነር ኴንካ ንምግልጋል ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ተጠንቂቕካ ንኸተመዛዝን ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። (ምስ ሉቃስ 14:28 ኣረኣእዮ።) ፓይነር ክትከውን እንተድኣ ኽኢልካ ብሓቂ ዓቢ በረኸት ክትረከብ ኢኻ።​—⁠ሚልክያስ 3:​10

17 ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ንምዕያይ ሃረር ዝብሉ እኳ እንተዀኑ ፓይነር ንምዃን ግን ኵነታቶም ዘየፍቅደሎም ብዙሓት እሙናት ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ንኣብነት ሓንቲ ንኣርባዕተ ደቃ በይና ከተዕቢ እትቃለስ ዘላ ክርስትያን ሓብቲ ዘለዋ ስምዒታት ርአ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ቅድም ፓይነር ኢየ ነይረ: ሕጂ ግን ብምኽንያት ኵነታተይ ከምቲ ናይ ቅድም ዝገብሮ ዝነበርኩ ናብ ግራት ኣገልግሎት ክወጽእ ዘይምኽኣለይ የጕህየኒ ኢዩ።” እዛ ሓብቲ እዚኣ ንደቃ ኣጸቢቓ ኢያ እተፍቅሮም: ክትኣልዮም ከኣ ትደሊ ኢያ። ምስናይዚ ድማ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ዝያዳ ክትገብር ሃረር ትብል። “ኣገልግሎት እፈቱ ኢየ” ብምባል ትገልጽ። እቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ንየሆዋ ‘ብምሉእ ልቦም’ ንምግልጋል ድሌት ንኸሕድሩ ዝድርኾም ካልኦት ውፉያት ኣገልገልቲ እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ገሊጾም ኢዮም።​—መዝሙር 86:12

18. (ሀ) የሆዋ ካባና እንታይ ኢዩ ዝጽበ፧ (ለ) ኵነታት ነቲ ክንገብሮ እንኽእል ምስ ዝድርቶ ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧

18 የሆዋ ካባና ዝጽበዮ ነገር ብምሉእ ነፍስኻ ዝግበር ኣግልግሎት ምዃኑ ዘክር። እዚ መጠኑ ክንደይ ምዃኑ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይኖም ምእንቲ ኸገልግሉ ኵነታቶም ከተዓራርዩ ክኢሎም ኢዮም። ብዙሓት ካልኦት ከኣ እንተ ጸጸኒሖም እንተ ብቐጻሊ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋል ኣብቲ ኣገልግሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 60 ሰዓታት የሕልፉ ኣለዉ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ህዝቢ የሆዋ ኣብቲ ናይ ስብከትን ምምሃርን ዕዮ ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ኰይኖም ምሉእ ነፍሶም ይውፍዩ ኣለዉ። ስለዚ እምበኣር ጥዕና ብምስኣን: ዕድመ ብምድፋእ: ብናይ ስድራቤት ሓላፍነት: ወይ ብኻልእ ኵነታት ዓቕምኻ ብሓቂ ውሱን እንተድኣ ዀይኑ: ተስፋ ኣይትቝረጽ። ዝከኣለካ ክሳዕ ዝሃብካ: ልክዕ ከምቲ ናይቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ሰባት ክቡር ዝዀነ: ኣገልግሎትካ እውን ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ኢዩ!

ኵላትና ናይ ፓይነር መንፈስ ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና

19. ናይ ፓይነር መንፈስ ክበሃል ከሎ እንታይ ኢዩ፧

19 ፓይነር ኴንካ ከተገልግል ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀንካ: ናይ ፓይነር መንፈስ ግን ከተንጸባርቕ ትኽእል ኢኻ። ናይ ፓይነር መንፈስ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ናይ ሓምለ 1988 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኣብቲ ንምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ንምግባርን እተዋህበ ትእዛዝ ኣወንታዊ ኣመላኻኽታ ምህላው: ንሰባት ፍቕርን ተገዳስነትን ንምርኣይ ምሉእ ብምሉእ እተወፈኻ ምዃን: ርእስኻ እትስውእ ምዃን: ንጐይታ ጠቢቕካ ብምስዓብ ሓጐስ ምርካብ: ከምኡውን ብስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ ብመንፈሳዊ ነገራት ምሕጓስ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ።” ከመይ ገይርካ ኢኻ ናይ ፓይነር መንፈስ ከተንጸባርቕ እትኽእል፧

20. ወለዲ ናይ ፓይነር መንፈስ ከንጸባርቑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

20 ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለዉኻ ወላዲ እንተድኣ ዄንካ: ናይ ፓይነራት ዕዮ ክሕዙ ብምሉእ ልብኻ ክትምሕጸኖም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ኣወንታዊ ኣመላኻኽታ ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ናብርኦም እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገር ገይሮም ክርእይዎ ድራኸ ከሕድረሎም ይኽእል ኢዩ። ደቅኻ ካብ ኣብነት ናይቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓጐስ ዝረኸቡ ሰባት ምእንቲ ኽጥቀሙ ንፓይነራትን ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ናብ ቤትካ ክትዕድም ትኽእል ኢኻ። (ምስ እብራውያን 13:7 ኣረኣእዮ።) ኣብተን ብሃይማኖት እተኸፋፈላ ኣባይቲ እውን ከይተረፈ: ኣመንቲ ወለዲ ደቆም ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ ህይወቶም ከም ሸቶ ገይሮም ምእንቲ ኽሕዝዎ ብቓልን ብኣብነትን ክምህርዎም ይኽእሉ ኢዮም።​—2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:​15

21. (ሀ) ኵላትና ንዅሎም እቶም ፓይነራት ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ብኸመይ ኢና ክንድግፎም እንኽእል፧ (ለ) ሽማግለታት ንፓይነራት ንምትብባዕ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝኽእሉ፧

21 ኣብታ ጉባኤ ንዅሎም እቶም ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ዝኸኣሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምሉእ ልቢ ደገፍና ክንህቦም ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ምስ ሓደ ፓይነር ብፍላይ እኳ እቲ ፓይነር በይኑ ኰይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ግዜያት ሓቢርካዮ ከተገልግል ፍሉይ ጻዕሪ ክትገብር ምኸኣልካዶ፧ ከምኡ እንተድኣ ገይርካ ‘ንሓድሕድኩም ክትጸናንዑ’ ከም እትኽእሉ ፍሉጥ ኢዩ። (ሮሜ 1:​11, 12) ሽማግለ እንተድኣ ዄንካ ድማ: ነቶም ፓይነራት ንምትብባዕ ዝያዳ ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣካል ሽማግለታት ኣብ ኣኼብኡ: ነቲ ንፓይነራት ዘድልዮም ነገራት ብቐጻሊ ክሓስበሉ ኣለዎ። ሓደ ፓይነር ተስፋ ምስ ዝቘርጽ ወይ ከኣ ገለ ጸገማት ምስ ዘጋጥሞ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ከቋርጽ ንምምካሩ ኣይትተሃወኹ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ናይ ፓይነር ዕዮ: እቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዝያዳ ኣኽቢሩ ዝሕዞ ክቡር መሰል ምዃኑ ኣይትረስዑ። እቲ ዘድሊ ሒደት ምትብባዕ ከምኡውን ገለ ተግባራዊ ምኽሪ ወይ ደገፍ ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ ስጳኛ ዝርከብ ናይ ማሕበር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ሽማግለታት ንናይ ፓይነር ኣገልግሎት ምስ ዘተባብዑ: ንፓይነራት ከኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስ ዝድግፍዎም: ስርዓታውያን ኰይኖም ድማ ምስ ዝጓስይዎም: ፓይነራት ብዙሕ ሓጐስ ይረኽቡ: ጠቐምቲ ምዃኖም ይስምዖም: ከምኡውን ዕንቅፋታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም ክቕጽሉ ድልየት የሕድሩ።”

22. ኣብዚ ጽንኩር እዋን ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ: እንታይ ንምግባር ኢና ቈራጽነት ክንወስድ ዘሎና፧

22 ኣብቲ ጽንኩር ዝዀነ እዋን ሰብኣዊ ታሪኽ ኢና እንነብር ዘሎና። የሆዋ ክንፍጽሞ ዘሎና ህይወት ዘድሕን ዕዮ ሂቡና ኢዩ። (ሮሜ 10:13, 14) ኣብዚ ዕዮ እዚ ከም ፓይነራት ኴንና ምሉእ ግዜ ክንዓዪ ንኽኣል ኣይንኽኣል ብዘየገድስ: ናይ ፓይነር መንፈስ ነርኢ። ናይ ህጹጽነት ኣረኣእያን ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ይሃልወና። ንየሆዋ ነቲ ዝሓተና ክንህቦ: እወ ናይ ምሉእ ነፍስና ኣገልግሎት ከነቕርበሉ ቈራጽነት ንግበር። ከምኡውን እቲ ክንህቦ እንኽእል ንህብ እንተድኣ ዄንና: እንተ ምስቲ ናይታ መበለት ለብጦን ወይ ምስቲ ናይ ማርያም ክቡር ዝዋግኡ ዘይቲ ይመሳሰል ብዘየገድስ ኣገልግሎትና ብምሉእ ነፍሲ ዝግበር ኣገልግሎት ኢዩ: የሆዋ ኸኣ ነቲ ብምሉእ ነፍስና እንገብሮ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮ!

ትዝክሮዶ፧

◻ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ናይ ዕግበትን ሓጐስን ስምዒታት ዘምጽኣልና ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ብዙሓት ፓይነራት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ንምሕላይ ዘለዎ ክእለት ካብ ተመክሮ ዝፈልጥዎ እንታይ ኢዩ፧

◻ ፓይነራት ኣገልግሎቶም ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ብኸመይ ከም ዝትንክፎ ኢዩ ዝስምዖም፧

◻ ናይ ፓይነር መንፈስ ምንጽብራቕ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ፓይነራት ደቀ መዛሙርቲ ካብ ምግባር ዓቢ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ደቅኻ ምስቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣወጅቲ መንግስቲ ምሕዝነት ምስ ዝገብሩ ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ንፓይነራት ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ከተባብዕዎም ይኽእሉ ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ