ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንግንቦት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999 | ግንቦት
    • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንግንቦት

      3 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

      መዝሙር 7

      13 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

      17 ደቒቕ:- “ካልኦት ንኽጥቀሙ ምሃሮም።” ሓደ ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ መእተዊ ሓሳብ ሃብ: ካብኡ ብሕቶን መልስን ተመያየጠሉ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ምዕራፍ 13 ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ: ሰባት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ብምጽናዖም: ብምርድኦም: ከምኡውን ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም እንታይ ረብሓታት ከም ዝረኽቡ ግለጽ።

      15 ደቒቕ:- “ኣቐዲምካ መድብ!” ንዅሉ እቲ ኣብ ዝቕጽል ገለ ኣዋርሕ ኣብታ ጉባኤ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ዝገልጽ ዝርርብ። ነዚ መደባት እዚ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሖም ምልክት ክገብሩሉን ካልእ ነገራት ክሓናዅሎ ከይፈቕድሉን ንዅሎም ኣተባብዓዮም።

      መዝሙር 11ን መዕጸዊ ጸሎትን

      10 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

      መዝሙር 15

      8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

      25 ደቒቕ:- “ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት።” ክልተ ሽማግለታት ነቲ ብኣስፋሕቲ ዝለዓል ሕቶታት መሰረት ብምግባር ይመያየጥሉ። ሓደ ኰተቴ ኣስፋሒ: ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን: ከምኡውን ሓደ ኣብ ናይ ጥሮታ ዕድመ ዘሎ ሓው ኣገልግሎቶም ዘስፍሑሉ መገድታት ይሓቱ። ካብታ ዓንቀጽ ከምኡውን ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ምዕራፍ 9 ኣብቲ ካብ ገጽ 116-18 ዘሎ “መጻኢ መንፈሳዊ ሸቶታትካ እንታይ ኢዩ፧” ዝብል ኣርእስቲ ተግባራዊ ሓሳባት ይዋሃቦም። እቶም ኣስፋሕቲ ነቲ ማሕበር ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብኸመይ ኣገልግሎትካ ከተስፍሕ ከም እትኽእል ዝሃበቶ ሓጋዚ ሓበሬታ ሞሳኦም ይገልጹ።

      12 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

      መዝሙር 19ን መዕጸዊ ጸሎትን

      17 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

      መዝሙር 27

      7 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

      18 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ሓደ ሽማግለ ብዝርርብ የቕርቦ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ገለ ሕቶታት ብምሕታት ይደግሞ።

      20 ደቒቕ:- ኣብቲ ናይ ምፍልላይ ዕዮ ንካፈልዶ ኣሎና፧ እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-1 ተሞርኲሱ ዘቕርቦ ዘተባብዕ ዝርርብ።

      መዝሙር 29ን መዕጸዊ ጸሎትን

      24 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

      መዝሙር 41

      12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ናይ ፍሉይ ዞባ ወፍሪ እተዓመ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ: ንተገደስቲ ሰባት ክከታተልዎም ከም ዘለዎም ድማ ኣጕልሕ። ሰንበት ወይ ኣብ መጀመርታ ናይ እትቕጽል ሰሙን ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ነታ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ክንዕድላ እንጅምር መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን እትበሃል መጽሓፍ ብትግሃት ክዕድሉ ኣተባብዓዮም።

      18 ደቒቕ:- ኣካላዊ ጽሬት ንየሆዋ የኽብሮ። ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 131-132 ብሕቶን መልስን ዝቐርብ። ውሉዳት እውን ከይተረፉ ኣብ ኣኼባታት ጽሩይ: ክብሪ ዝህብ: ከምኡውን እዱብ ክዳን ገይሮም ክመጹ እምበር ጅንስ ወይ ካልእ ኣብ ግዜ ጸወታ ዝግበር ክዳን ክኽደኑ ከም ዘይብሎም በጃኻ ኣብርሃሎም። ኵሎም እቶም ቤትኤል ክበጽሑ ዝኸዱ ሰባት እውን ልክዕ ከምቲ ንኣኼባታት ዝኽደንዎ ገይሮም ክለብሱ ከም ዘለዎም ኣዘኻኽሮም። ካብ ናይ 22 መስከረም 1988 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 8-11 ዘሎ ዝሰማማዕ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ገዛና ካብቲ ኣብ ከባቢና ልሙድ ገይርካ ዝርአ ርስሓት ዝጸረየ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣጕልሕ። ኣብ መናድቕን መዓጹን ዘሎ ርስሓት ምጽራይ: ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣቝሑ ገዛ: ኣብ ኵርናዓት: ኣብ ልዕሊ መሳዅቲ: ኣብ መኽፈትን ከባቢኡን: ኣብ መወልዒ መብራህቲ: ወ.ዘ.ተ. ዝርከብ ደሮና ምንጋፍ ኣድላዪ ምዃኑ ጥቐስ።

      15 ደቒቕ:- ሃይማኖተይ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧ ኣብ መንጎ ክልተ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዝግበር ምይይጥ። ንሓቂ ዝድግፉን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝንእዱን ብዙሓት ሰባት የጋጥሙና ኢዮም። እቲ ምስ ቤተ-ክርስትያኖም ዘለዎም ምትእስሳር ግን ይዓናቕፎም ኢዩ። ንሕና እንኮ ሓቀኛ ሃይማኖት ከም ዘሎናን ኣምልኾኦም ናይ ሓሶት ምዃኑን ምእማን ይኸብዶም ኢዩ። እዚ ኸኣ ንመንፈሳዊ ዕቤቶም ዓቢ ዕንቅፋት ይዀኖ። እቶም ኣሕዋት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 204 ተጠቒሱ ዘሎ ካልኦት ሃይማኖታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይስዕባኦ ብንጹር ዘርኢ ሽዱሽተ ረቛሒታት ይገልጹ። እቶም ሰማዕቲ በዚ ነጥብታት እዚ ገይሮም ቅኑዓት ሰባት ሃይማኖታዊ እምነታቶም ንኽምርምሩ ብሜላ ክሕግዝዎም ኣተባብዕ።

      መዝሙር 32ን መዕጸዊ ጸሎትን

  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999 | ግንቦት
    • ሕቶ ሳጹን

      ◼ ኣስፋሕቲ ወይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩ ሰባት ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ እንተድኣ ደልዮም ክሓስብሉ ዘለዎም ነገራት እንታይ ኢዩ፧

      ናብ ካልእ ቦታ: ከተማ: ወይ ሃገር ምግዓዝ ተወሳኺ ስራሕ ዘስዕብ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብእተወሰነ ደረጃ ትርበሽ ኢኻ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ቲኦክራሲያዊ መደባት ካብ ምክትታል ብቐሊሉ ከተቋርጽ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ነቶም ኣብቲ እትኸዶ ከባቢ ዝርከቡ ኣሕዋት ከይደንጐኻ ክትረኽቦም ግቡእ ምድላዋት ክትገብር ፍሉይ ቈላሕታ ዘድልዮ ነገር ኢዩ።

      ሓደ ኣስፋሒ ወይ ጽንዓት ዝገብር ሰብ ካብቲ ዝነብረሉ ቦታ ቅድሚ ምግዓዙ ነቲ ጸሓፊ ናይታ ጉባኤኡ እንተ ኣማኸረ ጽቡቕ ኢዩ። ኣድራሻ ናይታ ኣብቲ እትኸደሉ ቦታ ዘላ ጉባኤ ይፍለጥ ድዩ፧ ዝፍለጥ እንተድኣ ዀይኑ እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ: ንናይታ ሓንቲ ጉባኤ ጸሓፊ ደብዳበ እንተ ሰደደሉ ዝቐለለን ዝሓሸን ኢዩ። እቲ ዝግዕዝ ኣስፋሒ እንተድኣ ዀይኑ ምስቲ ደብዳበ ብሓባር ገይርካ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ መዝገብ ካርድ ክለኣኽ ኣለዎ። እተን ክልተ ቅዳሓት ናይ ዝርርብ ምኽሪ መውሃቢ ቅርጻ ምስቲ ኣስፋሒ እንተ ዘየለዋ: ምስታ ደብዳበ ብሓባር ክለኣኻ ይኽእላ ኢየን። ኣድራሻ ናይታ እቲ ኣስፋሒ ዝኸዳ ዘሎ ሓዳስ ጉባኤ ዘይፍለጥ ምስ ዝኸውንከ፧ እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ስምን ሓድሽ ኣድራሻን ናይቲ ዝግዕዝ ዘሎ ሰብ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እንተድኣ ኣማሓላሊፍዎ: ነቲ ዝግዕዝ ዘሎ ኣስፋሒ ካብ ኰለል የድሕኖ። ኣብቲ እትኸዱሉ ከባቢ ኣኼባታት ዝግበረሉ ቦታን ግዜን ክንሕብረኩም ሕጕሳት ኢና። ነታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤ ኸኣ ኣድራሻ ናይ ዝዀነ ይኹን ናብቲ ከባቢ ዝኸደ ተገዳሲ ሰብ ክንሕብራ ንኽእል ኢና። እቲ ዝግዕዝ ዘሎ ኣስፋሒ ምስ ዝኸውን: ነቲ ጸሓፊ ናይታ ዝኸዳ ዘሎ ጉባኤ ኣድራሻ ክንህቦ ንኽእል ኢና።

      ኣብቲ ዝኸዶ ከባቢ ጉባኤ ምስ ዘይህሉ ኸኣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ነቲ ኣስፋሒ ወይ ጽንዓት ዝገብር ሰብ ከም ዝበጽሖ ንምግባር ክንጽዕር ኢና። ንኣስፋሕትን ንስርዓታውያን ተኣከብትን ዝኸውን ከም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝኣመሰለ ዘድሊ ነገራት እውን ክንሰደሎም ንኽእል ኢና። እቲ ሰብ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ዝነብር እንተድኣ ዀይኑ: ቀልጢፉ ናይ መጽሔት ኵንትራት ክኣቱ ኣለዎ። ኣስፋሕቲ ኸኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝዕድልዎ ገለ መጽሔታት ክስደደሎም ክሓቱ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ሰብ ኣብቲ ዝኸዶ ሓድሽ ቦታ ምስ በጽሐ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ‘ብርሃኑ ከብርህ’ እንተ ጀሚሩ መሰልን ዕቝባን ኢዩ ዝዀኖ። (ማቴ. 5:⁠16) እቶም ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ዝርከቡ እሞ ከምዚ ዝገበሩ ኣሕዋት ብዙሕ ዘሐጕስ ተመክሮታት ረኺቦም ኢዮም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ሓደስቲ

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ