ምዕራፍ 10
የሱስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘለዎ ስልጣን
ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ስለምንታይ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዝዀነስ ትዝክሮዶ፧— ካብ ኣምላኽ ዘርሓቖ እቲ ንኺምለኽ ዘሕደሮ ናይ ስስዐ ባህጉ እዩ። ካልኦት መላእኽቲኸ ንሰይጣን ስዒቦምዎ ድዮም፧— እወ: ስዒቦምዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ‘መላእኽቲ ሰይጣን’ ወይ ኣጋንንቲ ኢሉ እዩ ዚጽውዖም።—ራእይ 12:9
እዞም ክፉኣት መላእኽቲ ወይ ኣጋንንቲ ብኣምላኽ ይኣምኑ ድዮም፧— መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኣጋንንቲ: ኣምላኽ ከም ዘሎ ይኣምኑ እዮም’ ይብለና። (ያእቆብ 2:19) ሕጂ ግን ብፍርሃት እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። ምኽንያቱ ድማ ኣምላኽ ስለ እቲ ዝገበርዎ ሕማቕ ነገራት ከም ዚቐጽዖም ስለ ዚፈልጡ እዮም። እንታይ ሕማቕ ነገራት እዮም ገይሮም፧—
መጽሓፍ ቅዱስ: እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኦም ገዲፎም ከም ሰባት ኰይኖም ንኺነብሩ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጹ ይነግረና። እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ድማ ምስተን ኣብ ምድሪ ዚነብራ ምልኩዓት ኣንስቲ ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ስለ ዝደለዩ እዮም። (ዘፍጥረት 6:1, 2፣ ይሁዳ 6) ጾታዊ ርክብ ኪበሃል ከሎ እንታይ እዩ ዚርድኣካ፧—
ጾታዊ ርክብ ዚበሃል ሰብኣይን ሰበይትን ፍልይ ብዝበለ መገዲ ኺቀራረቡ ኸለዉ ዚፍጸም እዩ። ብድሕርዚ: ኣብ ውሽጢ እታ ኣደ: ሕጻን ይዓቢ። መላእኽቲ ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ግን ጌጋ እዩ። ኣምላኽ ንእተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ እዩ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ ዚደልዮም። በዚ መገዲ እዚ ሕጻን እንተደኣ ተወሊዱ: እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ኪከናኸንዎ ይኽእሉ።
እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም እንታይ ሕማቕ ነገር እዮም ገይሮም፧
መላእኽቲ: ስጋ ሰብ ለቢሶም ምስተን ኣብ ምድሪ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ምስ ገበሩ: እቶም ዝወለድዎም ሕጻናት ንጉዓት ወይ ገዘፍቲ ዀኑ። ኣዝዮም ጨካናት ስለ ዝነበሩ ንሰባት ይጐድኡ ነበሩ። ስለዚ: ኣምላኽ ነቶም ንጉዓትን ንዅሎም እኩያት ሰባትን ንኼጥፍእ ማይ ኣይሂ ወይ ብርቱዕ ዝናብ ኣውረደ። ነቶም ሒደት ዝነበሩ ቕኑዓት ሰባት ንምድሓን ኢሉ ግን ብኖህ ገይሩ መርከብ ኣዳልዩ ነበረ። እቲ ዓብዪ መምህር ነቲ ኣብ ማይ ኣይሂ እተፈጸመ ነገራት ክንዝክሮ ኸም ዘሎና ነጊሩ እዩ።—ዘፍጥረት 6:3, 4, 13, 14፣ ሉቃስ 17:26, 27
ማይ ኣይሂ ምስ መጸ ነቶም ክፉኣት መላእኽቲ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ትፈልጥዶ፧— ነቲ ዝለበስዎ ስጋ ሰብ ገዲፎም ናብ ሰማይ ተመልሱ። ካብ ሽዑ ንደሓር ግን መላእኽቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ስለ ዘይከኣሉ: መላእኽቲ ሰይጣን ወይ ኣጋንንቲ ዀኑ። እቶም ንጉዓት ዝነበሩ ደቆምከ እንታይ ኰኑ፧— በቲ ማይ ኣይሂ ጠፍኡ። ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝዎ ሰባት እውን ምስኦም ጠፍኡ።
ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብ ምድሪ ሽግር በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
ኣምላኽ: ካብ ማይ ኣይሂ ንነጀው: ነቶም ኣጋንንቲ ኸም ሰባት ኪዀኑ ኣይፈቐደሎምን። እንተዀነ ግን: ነጋንንቲ ኽንርእዮም ዘይንኽእል እኳ እንተዀንና: ሕጂ እውን እንተዀነ ንሰባት ሕማቕ ነገራት ንኺገብሩ ይፍትንዎም እዮም ዘለዉ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሽግር የምጽኡ ኣለዉ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ስለ እተደርበዩ እዩ።
ነጋንንቲ ስለምንታይ ክንርእዮም ከም ዘይንኽእልሲ ትፈልጥዶ፧— መንፈሳውያን ፍጥረታት ስለ ዝዀኑ እዮም። ብህይወት ከም ዘለዉ ግን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ: ሰይጣን ‘ንምልእቲ ዓለም የስሕታ’ ኸም ዘሎ ይነግረና እዩ: ኣጋንንቲ እውን ይሕግዝዎ እዮም ዘለዉ።—ራእይ 12:9, 12
ንዓናኸ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ኬስሕቱና ወይ ኬታልሉና ይኽእሉ ድዮም፧— እወ: እንተ ዘይተጠንቂቕና ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር: ክንፈርህ የብልናን። እቲ ዓብዪ መምህር ‘ድያብሎስ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን’ በለ። ንኣምላኽ እንተደኣ ቐሪብናዮ: ካብ ድያብሎስን ካብ ኣጋንንቱን ኬዕቝበና እዩ።—ዮሃንስ 14:30
ኣጋንንቲ እንታይ ሕማቕ ነገራት ክንገብር ከም ዚደልዩና ኽንፈልጥ ኣሎና። ሕስብ እሞ ኣብሎ። ኣጋንንቲ ኣብ ምድሪ ምስ መጹ እንታይ ሕማቕ ነገራት እዮም ገይሮም፧— ቅድሚ ማይ ኣይሂ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም: መላእኽቲ ኺገብርዎ ዘይግባእ እዮም ገይሮም። ሎሚ እውን ሰባት ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘውጸኦ ሕግታት ምስ ዘይእዘዙ: ኣጋንንቲ ባህ እዩ ዚብሎም። እስከ ኽሓተካ: ጾታዊ ርክብ ኪገብር ዘለዎ መን ጥራይ እዩ፧— ልክዕ ኣለኻ: እተመርዓዉ ሰባት ጥራይ እዮም።
ሎሚ ገሊኦም ንኣሽቱ ኣወዳትን ኣዋልድን ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ እዮም: እንተዀነ ግን ጌጋ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ‘ብልዕቲ’ ወይ መትሎ ወዲ ተባዕታይ ይጠቅስ እዩ። (ዘዳግም 23:1) ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ርሕሚ ይበሃል። የሆዋ ነዚ ኽፍሊ ኣካላት እዚ: ምርዑዋት ሰባት ጥራይ ኪጥቀምሉ ኢሉ ንሓደ ፍሉይ ዕላማ እዩ ፈጢርዎ። ሰባት ነቲ ብየሆዋ እተኸልከለ ነገራት ኪገብሩ ኸለዉ ኣጋንንቲ ይሕጐሱ እዮም። ንኣብነት: ወድን ጓልን ብብልዕቲ ሓድሕዶም ምስ ዚጻወቱ ኣጋንንቲ ደስ እዩ ዚብሎም። ነጋንንቲ ኸነሐጕሶም ንደሊ ዲና፧—
ኣጋንንቲ ዚፈትውዎ: የሆዋ ግን ዚጸልኦ ኻልእ ነገር እውን ኣሎ። ነዚኸ ትፈልጦዶ፧— ግፍዒ ወይ ዓመጻ እዩ። (መዝሙር 11:5) ሰባት ብጭከና ንኻልኦት ምስ ዚጐድኡ ዓመጻ ይበሃል። እቶም ንጉዓት ዝነበሩ ደቂ እቶም ኣጋንንቲ ኸምዚ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ኣይትረስዕ።
ኣጋንንቲ ንሰባት ኬፍርሁ እውን ደስ እዩ ዚብሎም። ሓድሓደ ግዜ ነቶም ዚሞቱ ሰባት መሲሎም ይመጹ እዮም። ድምጺ እቶም ዝሞቱ ሰባት እውን ከይተረፈ ይቐድሑ እዮም። በዚ መገዲ እዚ ኣጋንንቲ ንብዙሓት ሰባት ብምትላል: ምዉታት ብህይወት ከም ዘለዉ እሞ ምስ ህያዋን ኪዘራረቡ ኸም ዚኽእሉ ኣእሚኖምዎም እዮም። እወ: ኣጋንንቲ ንሓያሎ ሰባት ብመናፍስቲ ምዉታት ከም ዚኣምኑ ገይሮምዎም እዮም።
ስለዚ እምበኣር ብሰይጣንን ኣጋንንቱን ከይንታለል ክንጥንቀቕ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ሰይጣን ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ: ኣገልገልቱውን ከምኡ እዮም ዚገብሩ’ ብምባል የጠንቅቐና። (2 ቈረንቶስ 11:14, 15) ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ግን ኣጋንንቲ ኽፉኣት እዮም። ከመይ ገይሮም ከማታቶም ኪገብሩና ኸም ዚፍትኑ እስከ ንርአ።
ሰባት ብዛዕባ ዓመጻ: ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ: መንፈሳውያን ፍጥረታት: ከምኡውን ብዛዕባ መናፍስቲ ምዉታት ኣበይ እዮም ዚመሃርዎ፧— ኣብ ተለቪዥንን ፊልምታትን ዚቐርብ ገሊኡ ምርኢታት ብምርኣይ: ናይ ኮምፕዩተርን ቪድዮታትን ጸወታታት ብምጽዋት: ኢንተርነት ብምኽፋት: ከምኡውን ናይ ጽውጽዋይ መጻሕፍቲ ብምንባብዶ ኸይኰነ፧ እዚ ነገራት እዚ ምስ እንገብር ናብ ኣምላኽ ድዩ ዜቕርበና ወይስ ናብ ድያብሎስን ኣጋንንቱን፧ እንታይ ምበልካ፧—
ዓመጻ ንርኢ እንተደኣ ዄንና: እንታይ ኢና ኽንከውን እንኽእል፧
ሕማቕ ነገራት ክንሰምዕን ክንርእን ዚደልየና መን እዩ ምበልካ፧— እወ: ሰይጣንን ኣጋንንቱን እዮም። ስለዚ እምበኣር: ኣነን ንስኻን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧— ንዓና ዚጠቕመናን ንየሆዋ ንኸነገልግሎ ኸኣ ዚሕግዘናን ነገራት ኢና ኸነንብብን ክንሰምዕን ክንርእን ዘሎና። ገለ ኻብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ነገራት ክትጠቅስ ምኸኣልካዶ፧—
እንታይ እንተ ገበርና ኢና እንጥቀም፧
ጽቡቕ ጥራይ ንገብር እንተደኣ ዄንና: ነጋንንቲ እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን። የሱስ ካባታቶም ስለ ዚሕይል: ይፈርህዎ እዮም። ሓደ መዓልቲ ኣጋንንቲ ንየሱስ “ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧” ኢሎም ጨዲሮምሉ እዮም። (ማርቆስ 1:24) የሱስ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ዜጥፍኣሉ ግዜ ምስ መጸስ ኣይንሕጐስንዶ ኢና፧— ክሳዕ ሽዑ ግን ንየሱስን ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡን እንተደኣ ቐሪብናዮም: የሱስ ካብ ኣጋንንቲ ኸም ዜዕቝበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:8, 9 ከምኡውን ያእቆብ 4:7, 8 ነንብብ።