ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 45 ገጽ 240-ገጽ 243 ሕ.ጽ. 1
  • ዚምህር ምሳሌታት/ኣብነታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዚምህር ምሳሌታት/ኣብነታት
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • “ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ነቲ ዓብዪ መምህር ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ብዓሚቝ ምስትውዓልን ናይ ምርዳእ ክእለትን ምሃር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 45 ገጽ 240-ገጽ 243 ሕ.ጽ. 1

መጽናዕቲ 45

ዚምህር ምሳሌታት/ኣብነታት

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ነቲ ኸም መምህር መጠን ዘሎካ ዕላማ ኣበርክቶ ዚገብር ስእላዊ ዘረባ: ዛንታታት: ወይ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ተጠቐም።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ነዚ ንምምሃር ዚሕግዝ ሜላታት ብዚግባእ ምጥቃም: ንመደረኻ የሀብትሞ: ህይወት ሰባት ይትንክፍ: ከምኡውን ነቲ ትምህርቲ ዘይርሳዕ ይገብሮ። ብዘይግቡእ እንተ ተጠቒምካሉ ግን: ኣቓልቦኦም ካብቲ ኣገዳሲ ትምህርቲ ናብ ካልእ ከም ዜስግል ኪገብሮ ይኽእል እዩ።

ምሳሌታትን ኣብነታትን ንምምሃር ዚሕግዝ ሓያል ናውቲ እዩ። ብዜደንቕ መገዲ ኣቓልቦ ሰባት ይስሕብን ይሕዝን። ሰባት ንኺሓስቡ የነቓቕሕ። ስምዒታት ስለ ዜለዓዕል ከኣ: ሕልናን ልብን ኪትንክፍ ይኽእል። ሓድሓደ ግዜ: ምሳሌታት ነቶም ከይፈለጡ ጽልኢ ዜሕድሩ ሰባት: ንምርዳኦም ኪጠቀም ይኽእል እዩ። ንዝኽረት ዚሕግዝ ውጽኢታዊ ሜላ እውን እዩ። እሞኸ ኣብ ትምህርትኻ ትጥቀመሉ ዲኻ፧

ስእላዊ ዘረባ ኺበሃል ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ሒደት ቃላት ጥራይ ዜድልዮ ምሳሌታት ማለት እዩ፣ ኰይኑ ግን: ኣብ ኣእምሮና ንጹር ስእሊ ኪቐርጸልና ይኽእል እዩ። እዚ ብጥንቃቐ እንተ ተመሪጹ: መብዛሕትኡ ትርጕሙ ርዱእ እዩ ዚኸውን። እንተዀነ ግን: ሓደ መምህር ሓጺር ተወሳኺ መግለጺ ብምሃብ ኣገዳስነቱ ኼጕልሖ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃረሉ እትኽእል ብዙሕ ኣብነታት ዝሓዘ እዩ።

ብመነጻጸርን ተምሳልን ጀምር። መነጻጸሪ እቲ ዝቐለለ ዓይነት ስእላዊ ዘረባ እዩ። ምሳሌታት ምጥቃም ትጅምር እንተ ኣሊኻ: በዚ ምጅማር ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ “ኸም” ብእትብል ቃል ተሰንዩ ዚቐርብ እዩ። ክልተ እተፈላለዩ ነገራት ዜነጻጽር ኰይኑ: ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓባራዊ ነገራት የጕልሕ። መጽሓፍ ቅዱስ ንፍጥረታት—ማለት ንኣትክልቲ: ንእንስሳታት: ንሰማያውያን ኣካላት—ከምኡውን ነቲ ሰባት ዜሕልፍዎ ተመክሮታት ኣብ ስእላዊ ዘረባ ይጥቀመሉ እዩ። ኣብ መዝሙር 1:3: ኣዘውቲሩ ቓል ኣምላኽ ዜንብብ ሰብ: “ከምታ . . . ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም:” ማለት ከምታ ፍርያምን ዘይትሓርርን ኦም ከም ዚኸውን ተነጊሩና ኣሎ። እኩይ ሰብ “ከም ኣንበሳ” ኸም ዚጸናቶ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 10:9) የሆዋ ንኣብርሃም: ዘርኡ “ኸም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን” ከም ዚኸውን ተመባጽዓሉ። (ዘፍ. 22:17) የሆዋ ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤልን ዘሎ ጥብቂ ርክብ ኣመልኪቱ: “ከምቲ ቕናት ሰብኣይ ቀጥ ኢሉ ኣብ ሕቝኡ ዚጠብቕ:” ከምኡ ኸኣ ንእስራኤልን ይሁዳን ኣብኡ ኸም ዘጥበቖም ገለጸ።—ኤር. 13:11

ተምሳል ተባሂሉ ዘሎ እውን ኣብ መንጎ ኽልተ ኣመና እተፈላለየ ነገራት ዘሎ ምምስሳል እዩ ዜጕልሕ። ኰይኑ ግን: ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎ። እቲ ሓደ ነገር ነቲ ኻልእ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚዛረብ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብቲ ሓደ ናብቲ ኻልእ ገለ ባህርያት የስርጽ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” በሎም። (ማቴ. 5:14) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ቍጽጽር ዘይትገብረሉ ዘረባ ዜምጽኦ ጕድኣት ኪገልጽ ከሎ: “ልሳንውን ሓዊ እያ” በለ። (ያእ. 3:6) ዳዊት ንየሆዋ “እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ” ኢሉ ዘመረሉ። (መዝ. 31:3) ብዚግባእ እተመርጸ ተምሳል: ሒደት መግለጺ እዩ ዜድልዮ: ወይ ከኣ ፈጺሙ ኣየድልዮን ይኸውን። ሓጺር ምዃኑ ሓይሊ ይውስኸሉ እዩ። ተምሳል ካብ ሓደ ተራ ቐሊል ምሉእ ሓሳብ ንላዕሊ ብሰማዕቲ ኺዝከር ይከኣል እዩ።

እተጋነነ መግለጺ ኽንጥቀም ከለና: ጥንቃቐ ኽንገብር ኣሎና: እንተ ዘይኰይኑ ሰባት ብጌጋ ኺርድእዎ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ነዚ ስእላዊ ዘረባ እዚ ዘይርሳዕ ኣእምሮኣዊ ስእሊ ንምሕዳግ ተጠቒሙሉ እዩ። “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ: ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ: ዘሎ በሰር እትርኢ፧” በለ። (ማቴ. 7:3) ነዚ ወይ ካልእ ስእላዊ ዘረባ ቕድሚ ምጥቃምካ: መነጻጸሪ ወይ ተምሳል ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም ተምሃር።

ኣብነታት ተጠቐም። ስእላዊ ዘረባ ኣብ ክንዲ እትጥቀም: ልቢ ወለዳዊ ዛንታታት ወይ ናይ ሓቂ ተመክሮታት: ንምምሃር ከም ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ ኽትጥቀም ትመርጽ ትኸውን። እዚ ብቐሊሉ ኻብ መስመር ኪወጽእ ስለ ዚኽእል: ብጥንቃቐ ኺተሓዝ ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነጥብታት ንምድጋፍ ጥራይ ኬገልግል ኣለዎ: ነቲ ዛንታ ዘይኰነስ ነቲ ነጥቢ ኸም ዚዝክርዎ ብዚገብር ኣገባብ ከኣ ኪቐርብ ኣለዎ።

ኵሉ ኣብነታት ናይ ግድን ብሓቂ ዘጋጠመ ኪኸውን እኳ እንተ ዘይብሉ: ናይ ሓቂ ኣረኣእያታት ወይ ኵነታት ግን ዜንጸባርቕ ኪኸውን ይግባእ። የሱስ ዚንስሑ ሓጥኣን ብኸመይ ኪረኣዩ ኸም ዘለዎም ኪምህር ከሎ: ብዛዕባ ሓደ ዝጠፍኣቶ በጊዕ ምስ ረኸባ ዚሕጐስ ሰብኣይ ምሳሌ ነገረ። (ሉቃ. 15:1-7) ንሓደ እቲ ንብጻይካ ብዛዕባ ምፍቃር እተዋህበ ሕጊ ሒዝዎ ዘሎ ምሉእ ትርጕም ዘይተረድኦ ሰብኣይ ኪምልሰሉ ኸሎ ኸኣ: ሓደ ኻህንን ሓደ ሌዋውን ንሓደ ዝቘሰለ ሰብኣይ ዋላ ሓንቲ ኸይገበሩሉ ምስ ሓለፉ: ሓደ ሳምራዊ ኸም ዝሓገዞ ዛንታ ነገሮ። (ሉቃ. 10:30-37) ኣረኣእያታትን ተግባራትን ሰባት ብትዅረት ትዕዘብ እንተ ዄንካ: ነዚ መምሃሪ ሜላ እዚ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ነብዪ ናታን ንንጉስ ዳዊት ምእንቲ ኺገንሖ ኢሉ: ብሓሳቡ ዝፈጠሮ ዅነታት ኣዘንተወሉ። እቲ ዛንታ ንዳዊት ከም ዜመኻኒ ኺገብሮ ዚኽእል ዝነበረ ዅነታት ስለ ዘወገደሉ: ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። እቲ ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ብዙሕ ኣባጊዕ ዝነበራኦ ሃብታም ሰብኣይን ብዛዕባ ሓደ ሓንቲ ንእሽቶ ሽበን ዝነበረቶ እሞ ብኽንክን ዘዕበያ ድኻ ሰብኣይን ነበረ። ዳዊት ንባዕሉ ጓሳ ስለ ዝነበረ: ንስምዒታት ዋና እታ ሽበን በጊዕ ኪርድኦ ይኽእል ነበረ። ስለዚ: ኣብቲ ንሽበን እቲ ድኻ ሰብኣይ ዝወሰደ ሃብታም ሰብኣይ ጽድቃዊ ቝጥዓኡ ነደደ። ድሕሪኡ ናታን ንዳዊት ብቐጥታ “እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ” በሎ። ልቢ ዳዊት ተተንከፈ: ካብ ልቡ ኸኣ ተነስሐ። (2 ሳሙ. 12:1-14) ተመክሮ እናደለብካ ምስ ከድካ: ንስምዒታዊ ጕዳያት ብዚስሕብ መገዲ ምፍታሑ ኽትመሃር ትኽእል ኢኻ።

ንትምህርቲ ጠቓሚ ዝዀነ ሓያሎ ኣብነታት: ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመታት ኪውሰድ ይከኣል እዩ። የሱስ ብሒደት ቃላት “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ኪብል ከሎ: ከምኡ እዩ ገይሩ። (ሉቃ. 17:32) ነቲ ብሓይሊ መንግስቱ ዚህልወሉ እዋን ኪዝርዝር ከሎ ኸኣ: “ዘመን ኖህ” ጠቐሰ። (ማቴ. 24:37-39) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ኣብነታት እምነት ዚዀኑና 16 ሰብኡትን ኣንስትን ብስሞም ጠቐሶም። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕካ እናፈለጥካዮ ብዝኸድካ መጠን: ካብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚጠቕሶም ፍጻመታትን ሰባትን ሓያል ኣብነታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 15:4፣ 1 ቈረ. 10:11

ሓድሓደ ግዜ: ሓደ ነጥቢ ብናይ ሓቂ ዘመናዊ ተመክሮ ምድጋፉ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል። ከምዚ ኽትገብር ከለኻ ግን: ሓቅነቱ እተመስከረ ተመክሮታት ጥራይ ተጠቐም: ንዝዀነ ይኹን ካብቶም ሰማዕትኻ ዜሕፍር ወይ ናብ ካልእ ኣከራኻሪ ጕዳይ ከም እተስግል ዚገብር ተመክሮታት ኣይትጠቐም። ተመክሮ ብዕላማ ኺንገር ከም ዘለዎ እውን ኣይትረስዕ። ካብቲ ዕላማ መደረኻ ናብ ካልእ ከም ዚትኰር ዚገብር ዘየድሊ ዝርዝር ነገራት ኣይተዘንቱ።

ርዱእ ኪኸውን ድዩ፧ እንጥቀሞ ምሳሌ ወይ ኣብነት ብዘየገድስ: ሓደ ንጹር ዕላማ ኺወቅዕ ኣለዎ። ምስቲ እተቕርቦ ርእሰ ነገር ብምትሕሓዝ ኣወዓዕላኡ እንተ ዘይገሊጽካ: ባዕሎም ኪርድእዎ ይኽእሉ ድዮም፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ብርሃን ዓለም” ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃሱ: መብራህቲ ብኸመይ ከም ዜገልግልን እዚ ንዓታቶም እንታይ ሓላፍነት ከም ዜሰክሞምን ሒደት ርእይቶ ሃቦም። (ማቴ. 5:15, 16) ደድሕሪ እቲ ብዛዕባ እታ ዝጠፍአት በጊዕ ዝመሰሎ ምሳሌ: ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ከም ዚኸውን ሓሳብ ሃበ። (ሉቃ. 15:7) ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዛንታ ድሕሪ ምዝንታዉ ኸኣ: ንሰማዒኡ ንጽርቲ ሕቶ ሓተቶ: ኣስዒቡ ብቐጥታ ምኽሪ ሃቦ። (ሉቃ. 10:36, 37) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ግን: የሱስ ነቲ ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድን ብዛዕባ ኣብ ግራት እተዘርአ ኽርዳድን ዚገልጽ ምሳሌ ምስ መሰለ: ንዅሎም እቶም ህዝቢ ዘይኰነስ: ነቶም ብትሕትና ዝሓተትዎ እዩ ገሊጹሎም። (ማቴ. 13:1-30, 36-43) ካብታ ዝሞተላ ሰለስተ መዓልቲ ኣቐዲሙ: ብዛዕባ ንሰብ ዚቐትሉ ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ምሳሌ መሰለ። እቲ ምሳሌ ኣብ መን ከም ዚውዕል ኣይገለጸን፣ ምግላጹ ኣድላዪ ኣይነበረን። “ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን . . . ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዐሉ።” (ማቴ. 21:33-45) ስለዚ: ኣወዓዕላ ምሳሌ ኽትገልጽ ከም ዜድሊ ወይ ከም ዘየድሊ ንምውሳን: ዜድሊ እንተ ዀይኑ ኸኣ ክንደይ ዚኣክል ከም እትገልጽ ንምፍላጥ: ባህርይ እቲ ምሳሌን ኣረኣእያ እቶም ሰማዕትን ዕላማኻን ግደ ኣለዎ።

ምሳሌታትን ኣብነታትን ብውጽኢታዊ መገዲ ናይ ምጥቃም ክእለትና ምምዕባል: ግዜ ዚወስድ እኳ እንተ ዀነ: ጻዕሪ ኽንገብረሉ ግን ዚግባእ እዩ። ብዚግባእ እተመርጸ ምሳሌታት ንኣእምሮን ንልብን ሰባት ይትንክፍ እዩ። ስለዚ ድማ እቲ መልእኽቲ ብተራ ምሉእ ሓሳባት ዘይመሓላለፍ ሓይሊ ይህልዎ።

ግቡእ ምሳሌታትን ኣብነታትን ብኸመይ ከም እትረክብ

  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ኣንብብ፣ ነቲ ምሳሌታት ኣስተብህለሉ፣ ንኣገዳስነት እቲ ኣብነታት ኣስተንትነሉ።

  • ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ኽትዕዘብ ከለኻ: ንኣረኣእያታትን ተግባራትን ሰባት ምስቲ እተቕርቦ ርእሰ ነገር ኣዛምዶ።

  • ውጽኢታዊ ምሳሌታትን ኣብነታትን እተቐምጠሉ ፋይል ሓዝ። እቲ ኣብኡ እተቐምጦ ኻብ ዘንበብካዮ ጽሑፍ: ዝሰማዕካዮ መደረ: ወይ እተዓዘብካዮ ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንመጻኢ ኣዋህልሎ።

መላመዲ:- ነቲ ኣብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ዘሎ ምሳሌታት መርምሮ:- ኢሳይያስ 44:9-20፣ ማቴዎስ 13:44፣ ማቴዎስ 18:21-35። ነፍሲ ወከፉ እንታይ ይምህር፧ ውጽኢታዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ክምህር ከለኹ ኽጥቀመሉ ዝደሊ ስእላዊ ዘረባ

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

ክዝክሮን ክጥቀመሉን ዝደሊ ብሓቂ ዘጋጠመ ኣብነታት

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ