ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 14 ገጽ 108-115
  • “ብሓደ ወሲንና ኣለና”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ብሓደ ወሲንና ኣለና”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ቃል ነብያት እውን ምስዚ ይሰማማዕ እዩ” (ግብሪ ሃዋርያት 15:13-21)
  • “እተሓርዩ ሰብኡት፡ . . . ኪልእክዎም ወሰኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 15:22-29)
  • “በቲ መተባብዒ ተሓጐሱ” (ግብሪ ሃዋርያት 15:30-35)
  • ሎሚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ ይዓዪ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚመርሖም ዘሎ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • “ብዙሕ ፍልልይን ክትዕን ምስ ኰነ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘለዎ ግደ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 14 ገጽ 108-115

ምዕራፍ 14

“ብሓደ ወሲንና ኣለና”

እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ ከም ዝወሰነን እዚ ኣብተን ጉባኤታት ዝፈጠሮ ሓድነትን

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:13-35 እተመስረተ

1, 2. (ሀ) ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ከቢድ ሕቶታት እዩ ተላዒልዎ፧ (ለ) እቶም ኣሕዋት ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንምብጻሕ እንታይ ሓገዝ እዮም ረኺቦም፧

ሓንሳእ ጸጥታ ሰፈነ። ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ክፍሊ መሊኦምዋ ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣብ ወሳኒ ህሞት ከም ዝበጽሑ ተሰሚዕዎም ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። ጕዳይ ግዝረት ከቢድ ሕቶታት ኣበጊሱ እዩ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ድዮም፧ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድን ኣህዛብን ፍልልይ ኣሎዶ፧

2 እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ብዙሕ መርትዖታት መርሚሮም እዮም። ንትንቢታዊ ቓል ኣምላኽን ነቲ በረኸት የሆዋ ኣብቲ ዕዮ ኸም ዝነበረ ዚገልጽ ሓያል ምስክርነትን ኣብ ግምት ኣእተዉ። ኵሉ ሓሳባቶም ድማ ገለጹ። እቲ ዝቐረበሎም መርትዖ ኣሉ ዘይብሃል እዩ ነይሩ። መንፈስ የሆዋ ብንጹር እዩ ሓቢርዎም። እሞኸ እዞም ሰብኡት እዚኦም ነቲ መምርሒ ተቐቢሎምዎዶ፧

3. ካብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15 ዘሎ ጸብጻብ እንታይ ክንጥቀም ንኽእል፧

3 ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነቲ መንፈስ ዚህቦ መምርሒ ንምቕባል፡ ናይ ሓቂ እምነትን ትብዓትን የድልዮም ነበረ። እቲ ውሳነኦም፡ ነቲ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝነበሮም ጽልኢ ኼጋድዶ ይኽእል ነበረ። ካብቶም ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዝነበሩ እሞ ንህዝቢ ኣምላኽ ናብ ሕጊ ሙሴ ኺመልስዎ ቘሪጾም እተላዕሉ ሰባት እውን፡ ተቓውሞ ኼጋጥሞም ይኽእል ነበረ። እሞኸ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ እዩ ገይሩ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ዝገበርዎ ውሳነ ኽንርኢ ኸለና፡ ነቲ ሎሚ ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ኣብነት ከም ዝሓደጉሉ ኽንርኢ ኢና። ንሕና እውን ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ ህይወትና ውሳነታት ክንገብር ከለናን ብድሆታት ኬጋጥመና ኸሎን ነዚ ኣብነት እዚ ኽንስዕብ ኣሎና።

“ቃል ነብያት እውን ምስዚ ይሰማማዕ እዩ” (ግብሪ ሃዋርያት 15:13-21)

4, 5. ያእቆብ ኣብቲ ምይይጥ እንታይ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ እዩ ዝጠቐሰ፧

4 እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ ተዛረበ።a ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ እዩ ዚመስል። ብቓላቱ ኣቢሉ እውን ነቲ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝበጽሖ መደምደምታ ኣሕጽር ኣቢሉ ዝገለጸ እዩ ዚመስል። ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንፈለማ ግዜ ኸመይ ገይሩ ቘላሕታ ኸም ዝገበረሎም፡ ስምኦን ኣዘንትዩ ኣሎ። ቃል ነብያት እውን ምስዚ ይሰማማዕ እዩ” በሎም።—ግብ. 15:14, 15።

5 ያእቆብ ነቲ ስምኦን እተዛረቦ ዘረባን በርናባስን ጳውሎስን ዘቕረብዎ መርትዖን ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ጕዳይ ዜብርህ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 14:26) “ቃል ነብያት እውን ምስዚ ይሰማማዕ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ ካብ ኣሞጽ 9:11, 12 ጠቐሰ። እታ መጽሓፍ እቲኣ፡ ኣብቲ ብልምዲ “ነብያት” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እያ እትርከብ ነይራ። (ማቴ. 22:40፣ ግብ. 15:16-18) እቲ ያእቆብ ዝጠቐሶ ቓላት ምስቲ ሎሚ ኣብ ትንቢት ኣሞጽ ዚርከብ ቃላት እተወሰነ ፍልልይ ከም ዘለዎ ኣስተብሂልካ ትኸውን። ያእቆብ ካብቲ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ተባሂሉ ዚፍለጥ፡ ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እዩ ጠቒሱ ኪኸውን ዚኽእል።

6. ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ጕዳይ ዘብረሆ ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ብነብዪ ኣሞጽ ኣቢሉ፡ ነታ ናብ መሲሓዊት መንግስቲ ንዚመርሕ መስመር ንግስነት እተመልክት “ዳስ ዳዊት” ከም ዜልዕላ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 21:26, 27) እሞኸ የሆዋ ዳግም ምስቶም ብስጋ ኣይሁድ ዝዀኑ ጥራይ ብደረጃ ህዝቢ ርክቡ ዚገብረሉ ግዜ መጺኡዶ፧ ኣይፋልን። ከመይሲ፡ ኣብቲ ትንቢት፡ “ኵሎም እቶም [ብስም ኣምላኽ] ዚጽውዑ ኣህዛብ” ከም ዚእከቡ ተገሊጹ ኣሎ። ጴጥሮስ ኣቐድም ኣቢሉ፡ “[ኣምላኽ] ልቦም ደኣ እዩ ብእምነት ኣንጺሁ እምበር፡ ኣብ መንጎናን [ኣብ መንጎ ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናትን] ኣብ መንጎኦምንሲ [ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝዀኑ ኣህዛብን] ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን” ኢሉ ነይሩ። (ግብ. 15:9) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣይሁድን ኣህዛብን ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። (ሮሜ 8:17፣ ኤፌ. 2:17-19) ኣመንቲ ዝዀኑ ኣህዛብ ፈለማ ብስጋ ኺግዘሩ ወይ ጵሮሴሊታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ዚሕብር ዋላ ሓደ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢት ከኣ ኣይርከብን እዩ።

7, 8. (ሀ) ያእቆብ እንታይ እማመ እዩ ኣቕሪቡ፧ (ለ) ንቓላት ያእቆብ ብኸመይ ክንርድኦ ኣሎና፧

7 ያእቆብ በቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖን በቲ ዝሰምዖ ሓያል ምስክርነትን ተደሪኹ፡ ነዚ ዚስዕብ እማመ ኣቕረበ፦ “ስለዚ፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም እዩ ውሳነይ፣ ግናኸ፡ ብጣኦታት ካብ ዝረኸሰን ካብ ምንዝርናን ካብ ሕኑቕን ካብ ደምን ኪርሕቁ ንጽሓፈሎም። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙስ፡ ሰንበት ሰንበት ንሙሴ ኣብ ምኵራባት ዓው ኢሎም ስለ ዜንብብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ንዕኡ ዚሰብኩ ኣለዉ።”—ግብ. 15:19-21።

8 ያእቆብ “[እዚ] እዩ ውሳነይ” ኪብል ከሎ፡ ኣብቲ ምናልባት ከም ኣቦ መንበር ኰይኑ ዜገልግለሉ ዝነበረ ኣኼባ በቲ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንኻልኦት ኣሕዋት ጸቕጢ ይገብረሎምን እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ይነግሮምን ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን! እተን “እዩ ውሳነይ” ተባሂለን እተተርጐማ ናይ ግሪኽኛ ቓላት፡ “[እዚ] እዩ ርእይቶይ” ተባሂለን እውን ኪትርጐማ ይከኣላ እየን። ስለዚ፡ ያእቆብ ኣብቲ ዝቐረበ መርትዖን ኣብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዚብሎ ነገራትን ተመርኲሱ፡ ኪሓስቡሉ ዘለዎም እማመ እዩ ዜቕርበሎም ነይሩ።

9. ያእቆብ ዘቕረቦ እማመ እንታይ ጥቕምታት ነበሮ፧

9 እሞኸ እቲ ያእቆብ ዘቕረቦ እማመ ጽቡቕ ድዩ ነይሩ፧ ጸኒሖም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ነዚ ስለ ዘጽደቕዎ፡ ጽቡቕ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ እማመ እንታይ ጥቕምታት ነበሮ፧ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ንክርስትያናት ዝዀኑ ኣህዛብ ሕጊ ሙሴ ብምጽዓን ‘ዜኽብደሎም’ ኣይነበረን። (ግብ. 15:19) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ንሕልና እቶም ንሓያሎ ዓመታት “ሰንበት ሰንበት ንሙሴ ኣብ ምኵራባት ዓው ኢሎም . . . ዜንብብዎ” ዝነበሩ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ኣኽብሮት ዜርኢ እዩ ነይሩ።b (ግብ. 15:21) እቲ ዝቐረበ እማመ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድን ኣህዛብን ዝነበረ ርክብ ከም ዜደልድሎ እተረጋገጸ እዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ዜሐጕስን ነቲ ንቕድሚት ዚግስግስ ዕላማኡ ዜንጸባርቕን ነበረ። ንሓድነትን ሰላምን እታ ጉባኤ ዜስግእ ዝነበረ ጸገም፡ ብጽቡቕ መገዲ እዩ ተፈቲሑ። እዚ ድማ፡ ነዛ ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዚዀና።

ኣልበርት ሽሮደር ኣብቲ ብ1998 እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኺምድር ከሎ

10. ሎሚ ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝሓደጎ ኣብነት ዚስዕብ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ምዕራፍ ከም እተገልጸ፡ ሎሚ ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ከምቲ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንዅሉ ጕዳያት ዚምልከት መምርሒ፡ ካብቲ ልዑል ጐይታ ዝዀነ የሆዋን ካብቲ ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ኪመጾ እዩ ዚጽበ።c (1 ቈረ. 11:3) እዚ ብኸመይ እዩ ዚግበር፧ እቲ ኻብ 1974 ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ምድራዊ ህይወቱ ኣብ መጋቢት 2006 ዝወድኣሉ ግዜ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ኣልበርት ዲ. ሽሮደር፡ ከምዚ በለ፦ “ኣመሓዳሪ ኣካል ረቡዕ ረቡዕ ይእከብ፣ እቲ ኣኼባ ኺጅመር ከሎ ድማ፡ ካብ መንፈስ የሆዋ መምርሒ ንምርካብ ጸሎት ይግበር። ኵሉ ዚተሓዝ ጕዳይን ኵሉ ዚግበር ውሳነን ምስቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ንምግባር ናይ ሓቂ ጻዕሪ ይግበር እዩ።” ኣብ መጋቢት 2003 ምድራዊ ህይወቱ ዝወድአ፡ ንነዊሕ እዋን ከኣ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ሚልተን ጂ. ሄንሸል፡ ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ እቶም መበል 101 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ፡ ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ ኣቕረበ። “ኣገደስቲ ውሳነታት ቅድሚ ምግባሩ፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚውከስ ኣመሓዳሪ ኣካል ዘለዎ ኻልእ ውድብ ኣብ ምድሪ ኣሎዶ፧” ኢሉ ሓተተ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ፍሉጥ እዩ።

“እተሓርዩ ሰብኡት፡ . . . ኪልእክዎም ወሰኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 15:22-29)

11. እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝገበሮ ውሳነ ንጉባኤታት ዝሓበረን ብኸመይ እዩ፧

11 እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ብዛዕባ ጕዳይ ግዝረት ኣብ ሓደ ውሳነ በጽሐ። እቶም ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ኣሕዋት ሓድነት ኪህልዎም እንተ ዀይኑ ግና፡ እቲ ውሳነ ብኣወንታውን ብዜተባብዕን መገዲ ኺሕበሮም ነበሮ። እዚ ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ምስ ብዘላ እታ ጉባኤ ዀይኖም፡ ካብ መንጎኦም እተሓርዩ ሰብኡት፡ ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾክያ ኺልእክዎም ወሰኑ። ነቶም ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዚመርሑ ዝነበሩ በርሰባስ ዚብሃል ይሁዳን ሲላስን ከኣ ለኣኽዎም።” ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ኵለን እተን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ዚርከባ ጉባኤታት እትንበብ ደብዳበ ኣዳልዮም፡ ምስቶም ሰባት ለኣኹ።—ግብ. 15:22-26።

12, 13. (ሀ) ይሁዳን ሲላስን ተላኢኾም ብምኻዶም፡ (ለ) ኣመሓዳሪ ኣካል ደብዳበ ብምልኣኹ፡ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ፧

12 እቶም “ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዚመርሑ ዝነበሩ” ይሁዳን ሲላስን፡ ተወከልቲ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንምዃን ዜኽእል እተማልአ ብቕዓት ነበሮም። ኣርባዕተ ልኡኻት ተላኢኾም ምኻዶም፡ እቲ ሒዞምዎ ዝኸዱ መልእኽቲ ነታ ዝቐረበት ሕቶ ዚኸውን መልሲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝሃቦ መምርሒ ንምግላጽ ምዃኑ ንጹር ገይርዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቶም ‘እተሓርዩ’ ሰባት ናብተን ጉባኤታት ምኻዶም፡ ኣብ መንጎ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድን ኣብ መንጎ ኣብተን ጉባኤታት ዝነበሩ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣህዛብን ጥብቂ ርከብ ከም ዚህሉ ገበረ። እዝስ ከመይ ዝበለ ጥበባውን ፍቕራውን መሰናድዎ ዀን እዩ ነይሩ! ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሰላምን ስኒትን ከም ዘስፈነ ኣየጠራጥርን እዩ።

ሎሚ ኣመሓዳሪ ኣካል እተወደበሉ መገዲ

ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብኣመሓዳሪ ኣካል እዮም ዚምርሑ፣ እዚ ኣካል እዚ ድማ ርእሶም ብዝወፈዩን ብመንፈስ ብእተቐብኡን ሰብኡት ዝቘመ እዩ። ኣመሓዳሪ ኣካል ሰሙናዊ ኣኼባ ይገብር እዩ። ኣባላቱ ኸኣ ኣብዚ ስዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ነናቱ ሓላፍነታት ዘለዎ ሽዱሽተ ኮሚተታት ተወዲቦም ኣለዉ።

  • ኮሚተ ሕትመት፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ናይ ምሕታምን ናይ ምልኣኽን ዕዮ ይቈጻጸር። በተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙለን እተፈላለያ ትካላት ዚውነንን ዚንቀሳቐስን ኣብያተ ሕትመት ኰነ ኻልእ ንብረት፡ ህንጸት መሳለጥያታት ጨንፈር፡ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ብሓላፍነት ይከታተል። እዚ ኮሚተ እዚ ነቲ እተወፈየ ገንዘብ ኣብ መዓላ ዚውዕለሉ መገዲ ይቈጻጸር።

  • ኮሚተ ትምህርቲ ነቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ዚውሃብ ትምህርቲ ዀነ ነቲ ብኣውድዮን ብቪድዮን ዚቐርብ መደባት ብሓላፍነት ይከታተል። ንቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ንቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምትን ንኻልእ ኣብያተ ትምህርትን ዚኸውን ስርዓተ ትምህርቲ የዳሉ፣ ንወለንተኛታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ መንፈሳዊ መደባት የዳሉ።

  • ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ንሕጋዊ ጕዳያት ኰነ ነቲ ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ብዛዕባ እምነትና ኸነረድእ መራኸቢ ብዙሓን እንጥቀመሉ ኣገባብ ብሓላፍነት ይከታተል። ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵርናዕ ዓለም ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጸሉ ሓደጋታትን መስጐጕትታትን ህጹጽ ኵነታትን እውን ይከታተል።

  • ኮሚተ ኣገልግሎት ንዕዮ ስብከትን ነቲ ንሽማግለታት ጉባኤን ሓለውቲ ወረዳን ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያንን ዚትንኪ ጕዳያትን ብሓላፍነት ይመርሕ። እዚ ኮሚተ እዚ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዚሳተፉ ተምሃሮ ይጽውዕ፡ ናበይ ከም ዚኸዱ ድማ ይምድብ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድልዳልን ንምሕያልን እዩ ዚዓዪ።

  • ኮሚተ ጽሕፈት፡ ንጉባኤታትን ንህዝብን ዚኸውን መንፈሳዊ ምግቢ ንምድላው ዚግበር ዕዮ ብሓላፍነት ይከታተል። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታት ይምልስ፡ ዓለምለኻዊ ዕዮ ትርጉም ብሓላፍነት ይመርሕ፡ ከም ድራማን ኣስተዋጽኦ መደረን ዝኣመሰለ ጽሑፋት እውን የጽድቕ።

  • ኮሚተ ፐርሶነል፡ ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዜገልግሉ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ንምምላእ ዚግበር መሰናድዎ ብሓላፍነት ይከታተል። ብዘይካዚ፡ እዚ ኮሚተ እዚ ተወሰኽቲ ሓደስቲ ኣባላት ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኬገልግሉ ናይ ምጽዋዕ ዕዮ ይቈጻጸር።

ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ መሪሕነት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዚጽጋዕ። ኣባላቱ ኸኣ መራሕቲ ህዝቢ የሆዋ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ኣይሓስቡን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት፡ “ነቲ ገንሸል [ንየሱስ ክርስቶስ] ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም።”—ራእ. 14:4።

13 እታ ደብዳበ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ክርስትያናት፡ ብዛዕባ ጕዳይ ግዝረት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስምረትን በረኸትን የሆዋ ንምርካብ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም እውን ንጹር መምርሒ ሃበቶም። ቀንዲ ኽፋል እታ ደብዳበ ኸምዚ ይብል፦ “መንፈስ ቅዱስን ንሕናንሲ ብዘይካ እዚ እተገብአ ነገራት እዚ፡ ካልእ ሓለፋ ጾር ከይንውስኸልኩም ሓሲብና ኣለና፣ ንጣኦታት ካብ እተሰውአን ካብ ደምን ካብ ሕኑቕን ካብ ምንዝርናን ርሓቑ። ርእስኹም ካብዚ እንተ ሓሊኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።”—ግብ. 15:28, 29።

14. ኣብዛ ምክፍፋል ሰፊኑላ ዘሎ ዓለም፡ ህዝቢ የሆዋ ብሓድነት ኪዓይዩ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

14 ሎሚ እቶም ብድምር ልዕሊ 8,000,000 ዚኣኽሉ፡ ኣብተን ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ምድሪ ዚርከባ ልዕሊ 100,000 ጉባኤታት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓደ ዓይነት እምነትን ሓድነትን ኣለዎም። ኣብዛ ህውከትን ምክፍፋልን ሰፊኑላ ዘሎ ዓለም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድነት ኪህሉ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ብቐንዱ፡ እቲ ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ማለት ብኣመሓዳሪ ኣካል ኣቢሉ ንጹርን ወሳንን መምርሒ ስለ ዚህብ እዩ። (ማቴ. 24:45-47) ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዚህቦ መምርሒ ብፍታው ኣብ ግብሪ ስለ ዜውዕልዎ እዩ።

“በቲ መተባብዒ ተሓጐሱ” (ግብሪ ሃዋርያት 15:30-35)

15, 16. ጕዳይ ግዝረት እንታይ ውጽኢት ኣምጽአ፧ እዚ ውጽኢት እዚ ምእንቲ ኺርከብ ኣበርክቶ ዝገበረኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧

15 ቀጺሉ፡ እቶም ካብ ይሁዳ እተላእኩ ኣሕዋት ናብ ኣንጾክያ ምስ በጽሑ፡ “ንዅሎም ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ሃብዎም።” እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ነቲ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝመጾም መምርሒ ምስ ሰምዑ እንታይ ተሰምዖም፧ ነታ ደብዳበ “ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ መተባብዒ ተሓጐሱ።” (ግብ. 15:30, 31) ይሁዳን ሲላስን ከኣ፡ ነቶም ኣሕዋት “ብብዙሕ መደረታት ኣተባብዕዎምን ኣበራትዕዎምን።” ከምቲ በርናባስን ጳውሎስን ካልኦት ኣሕዋትን እውን ነብያት እተባህሉ፡ ይሁዳን ሲላስን እውን “ነብያት” ተባሂሎም ኣለዉ፣ እዚ መጸውዒ እዚ ኸኣ ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚእውጁ ወይ ዜፍልጡ ሰባት የመልክት።—ግብ. 13:1፣ 15:32፣ ዘጸ. 7:1, 2።

16 እቲ ጕዳይ ጽቡቕ ፍታሕ ብምርካቡ፡ የሆዋ ንብምልእታ እታ ጉባኤ ይባርኻ ኸም ዝነበረ ንጹር ኰነ። እዚ ኣወንታዊ ውጽኢት ምእንቲ ኺርከብ ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ተመርኲሱ ንጹርን እዋናውን መምርሒ ብምሃቡ ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ፡ እቲ ውሳነ ነተን ጉባኤታት እተሓበረሉ ፍቕራዊ መገዲ እውን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

17. ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሓለውቲ ወረዳ እንታይ ኣብነት እዩ ተሓዲጉሎም፧

17 ሎሚ ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብነት እቲ ብምስዓብ፡ ንዓለምለኻዊ ሕውነት እዋናዊ መምርሒ ይህብ እዩ። ውሳነታት ኪግበር ከሎ፡ ብንጹርን ቀጥታውን መገዲ ንጉባኤታት ይሕበረን እዩ። ሓደ ኻብቲ እዚ ዚግበረሉ መገዲ፡ ሓለውቲ ወረዳ ብዚገብርዎ ምብጻሓት ኣቢሉ እዩ። እዞም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ኣሕዋት ንጹርን ቀጥታውን ፍቕራውን መተባብዒ እናሃቡ ኻብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ይጐዓዙ እዮም። ከም ጳውሎስን በርናባስን “እናመሃሩን ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖም ቃል የሆዋ እናኣበሰሩን” ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ግዜ የሕልፉ እዮም። (ግብ. 15:35) ከም ይሁዳን ሲላስን ከኣ፡ ንኣሕዋት ‘ብብዙሕ መደረታት የበራትዕዎም እዮም።’

18. ህዝቢ ኣምላኽ ብቐጻሊ በረኸት የሆዋ ምእንቲ ኺረኽቡ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

18 ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከባ ጉባኤታት፡ ኣብዛ ምክፍፋል ዝበዝሓ ዓለም ሰላምን ስኒትን ኪህልወን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ጸኒሑ፡ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ፣ ደሓር፡ ሰላማዊት፡ ልዝብቲ፡ ሰማዕ . . . እያ። ፍረ ጽድቂ እውን ምእንቲ እቶም ሰላም ዚገብሩ ብሰላም ይዝራእ እዩ።” ኢሉ ጽሒፉ ምንባሩ ትዝክር ትኸውን። (ያእ. 3:17, 18) ያእቆብ ነዚ ኣብ ዚጽሕፈሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘጋጠመ ነገር ይዝክሮ እንተ ነይሩ ኣይንፈልጥን ኢና። ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15 ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመታት ድሕሪ ምምርማርና ግና፡ በረኸት የሆዋ ዚርከብ፡ ሓድነትን ምትሕብባርን እንተ ኣልዩ ጥራይ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

19, 20. (ሀ) ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ እትርከብ ጉባኤ ሰላምን ሓድነትን ምንባሩ ንጹር ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ድሕርዚ፡ ጳውሎስን በርናባስን እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚኽእሉ ነይሮም፧

19 እቲ ኣብ ጉባኤ ኣንጾክያ ዝነበረ ሰላምን ሓድነትን ንጹር ኰነ። እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት ምስቶም ካብ የሩሳሌም ዝኸድዎም ኣሕዋት ኣብ ክንዲ ዚበኣሱ፡ ነቲ ብይሁዳን ብሲላስን እተገብረሎም ምብጻሕ ኣኽቢሮም ረኣይዎ። ኣብቲ ጸብጻብ ስዒቡ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ይሁዳን ሲላስን “እተወሰነ እዋን ምስ ጸንሑ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም [ማለት ናብ የሩሳሌም] ተመልሱ።”d (ግብ. 15:33) እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣሕዋት እውን፡ በቲ እቶም ክልተ ኣሕዋት ብዛዕባ መገሻኦም ዝነገርዎም ነገራት ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም። ሳላ ጸጋ የሆዋ፡ ተልእኾኦም ብሓጐስ ተፈጸመ!

20 ድሕርዚ፡ እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝተረፉ ጳውሎስን በርናባስን፡ ኣብቲ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ዘለዎም መሪሕ ግደ ኸተኵሩ ይኽእሉ ነበሩ፣ መብዛሕትኦም ሎሚ ዘለዉ ሓለውቲ ወረዳ ንጉባኤታት ኪበጽሑ ኸለዉ እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩ። (ግብ. 13:2, 3) እዝስ ንህዝቢ የሆዋ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ ዜምጽኣሎም! ድሕርዚ ግና፡ የሆዋ ነቶም ክልተ ቐናኣት ወንጌላውያን ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሎም፧ እንታይ በረኸትከ ኣፍሲሱሎም፧ ነዚ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ክንርእዮ ኢና።

ኣብ ኣኼባ ዞባ ኣደን ጓላን፡ 2ይ ጥራዝ እታ “መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን” ዘርእስታ መጽሓፍ ይርእያ።

ዘመናውያን ክርስትያናት ካብቲ ብኣመሓዳሪ ኣካልን ብተወከልቱን ኣቢሉ ዚቐርብ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ይጥቀሙ

ያእቆብ—“ሓው ጐይታና”

ያእቆብ ወዲ ዮሴፍን ማርያምን፡ ካብቶም ንየሱስ ብኣደ ኣሕዋቱ ፈለማ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። (ማቴ. 13:54, 55) ስለዚ ድማ፡ ድሕሪ የሱስ እተወልደ ወዲ ማርያም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ያእቆብ ምስ የሱስ ዓብዩ፡ ንኣገልግሎቱ ተዓዚቡ፡ እንተ ወሓደ ድማ ነቲ የሱስ ዝገበሮ “ግብርታት ሓይሊ” ሰሚዑ እዩ። የሱስ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን ግና፡ ያእቆብን ኣሕዋቱን “ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ።” (ዮሃ. 7:5) ያእቆብ ሓደ ኻብቶም ንየሱስ “ተጸሊሉ” ኢሎምዎ ዝነበሩ ኣዝማዱ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማር. 3:21።

ያእቆብ ካብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ የንብብ።

እዚ ዅሉ ግና የሱስ ምስ ሞተን ምስ ተንስአን ተቐየረ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ ያእቆብ ተባሂሎም ዚጽውዑ ሰለስተ ኻልኦት እኳ ተጠቒሶም እንተ ኣለዉ፡ የሱስ ኣብቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዘሎ 40 መዓልቲ እተራእዮ ግና ነቲ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። (1 ቈረ. 15:7) እዚ ድማ ንያእቆብ፡ ብዛዕባ ናይ ሓቂ መንነት እቲ ዓብዪ ሓዉ ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሕ ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ካብቲ የሱስ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ያእቆብን ኣዲኡን ኣሕዋቱን ምስ ሃዋርያት ብሓባር ተኣኪቦም ኣብ ደርቢ ይጽልዩ ነበሩ።—ግብ. 1:13, 14።

ያእቆብ ኣኽቢርካ ዚርአ ኣባል ጉባኤ የሩሳሌም ኰይኑ እዩ፣ ኣብታ ጉባኤ ድማ ከም ሃዋርያ ወይ “እተላእከ” ጌርካ ዚርአ ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ገላ. 1:18, 19) ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብተኣምራዊ መገዲ ምስ ወጸ፡ ንደቀ መዛሙርቲ፡ “እዚ ንያእቆብን ንኣሕዋትን ንገርዎም” ምባሉ፡ ያእቆብ ምርኡይ ምንባሩ ዚሕብር እዩ። (ግብ. 12:12, 17) ጕዳይ ግዝረት ኣብ ቅድሚ “እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን” ምስ ቀረበ፡ ያእቆብ ኣብቲ ምይይጥ ኣቦ መንበር ኰይኑ ዘገልገለ እዩ ዚመስል። (ግብ. 15:6-21) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ያእቆብን ኬፋን (ጴጥሮስ) ሃዋርያ ዮሃንስን ኣብ ጉባኤ የሩሳሌም “ከም ኣዕኑድ ጌርካ ዚርኣዩ” ምንባሮም ጠቒሱ ኣሎ። (ገላ. 2:9) ጳውሎስ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ካብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ምስ ተመልሰ እውን፡ ጸብጻብ ንምሃብ ናብ ያእቆብ ከደ፡ “ኵሎም እቶም ሽማግለታት ድማ ኣብኡ ነበሩ።”—ግብ. 21:17-19።

ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መልእኽቲ ያእቆብ ተባሂላ እትጽዋዕ መልእኽቲ ዝጸሓፋ እውን፡ እቲ ብሃዋርያ ጳውሎስ “ሓው ጐይታና” ተባሂሉ እተጸውዐ ያእቆብ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። (ገላ. 1:19) ኣብታ መልእኽቲ እቲኣ፡ ያእቆብ ብዛዕባ ርእሱ፡ ሃዋርያ ወይ ሓው የሱስ ኢሉ ዘይኰነስ፡ “ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ” ኢሉ እዩ ብትሕትና ገሊጹ። (ያእ. 1:1) እታ መልእኽቲ ኸኣ፡ ያእቆብ ከም የሱስ፡ ንተፈጥሮን ንባህርያት ሰባትን ብጥንቃቐ ዚዕዘብ ምንባሩ ትሕብረና። መንፈሳዊ ሓቅታት ብምሳሌ ኼረድእ ኢሉ ድማ፡ ብንፋስ ዚናወጽ ባሕሪ፡ ብርሃናት ከዋኽብቲ፡ ብርትዕቲ ጸሓይ፡ ዚረግፍ ዕምባባታት፡ ዱር ዜንድድ ሓዊ፡ ዚግርሑ እንስሳታት ጠቒሱ ኣሎ። (ያእ. 1:6, 11, 17፣ 3:5, 7) ብመንፈስ ኣምላኽ ተሓጊዙ ብዛዕባ ኣረኣእያታትን ባህርያትን ሰባት ዓሚቝ ምርዳእ ኪህልዎ ስለ ዝኸኣለ፡ ጽቡቕ ርክብ ብዛዕባ ምዕቃብ ብሉጽ ምኽሪ ኺህብ ከኣለ።—ያእ. 1:19, 20፣ 3:2, 8-18።

እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 9:5 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ጳውሎስ፡ ያእቆብ ተመርዕዩ ምንባሩ ዚእምት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ያእቆብ ዝሞተሉ ግዜ ወይ ኵነታት ኣይሕብርን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጆሰፈስ ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ እቲ ሮማዊ ሹም ዝነበረ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ብ62 ድ.ክ. ኣቢሉ ድሕሪ ሙማቱ፡ ንዕኡ ዝተክኦ ኣልቢኑስ ድማ ስልጣኑ ቕድሚ ምቕባሉ፡ ሃና ዚብሃል ሊቀ ኻህናት “ንፈራዶ እቲ ዋዕላ ኣከቦም፡ ሓው እቲ ክርስቶስ ዚብሃል የሱስ ዝዀነ ያእቆብ ዝስሙ ሰብኣይን ካልኦትን ድማ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረቦም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ጆሰፈስ ዝበሎ፡ ሃና፡ “ነቲ ሕጊ ጥሒስኩም ኢሉ ኸሰሶም፡ ብዳርባ እምኒ ኪቕተሉ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም።”

a “ያእቆብ—‘ሓው ጐይታና’” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b ያእቆብ ንጽሑፋት ሙሴ ምጥቃሱ ጥበባዊ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣብቲ ሙሴ ዝጸሓፎ ጽሑፋት፡ እቲ ሕጊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ነቲ ሕጊ ቕድሚ ምሃቡ ዝገበሮ ነገራትን ፍቓዱ እንታይ ምንባሩን እውን ተጻሒፉ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ደምን ዝሙትን ኣምልኾ ጣኦትን ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ኣብ ዘፍጥረት ብንጹር ኪርአ ይከኣል እዩ። (ዘፍ. 9:3, 4፣ 20:2-9፣ 35:2, 4) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ነቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ፡ ማለት ንኣይሁድ ኰነ ንኣህዛብ ዚቕይድ ስርዓታት ገለጸ።

c “ሎሚ ኣመሓዳሪ ኣካል እተወደበሉ መገዲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

d ኣብ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ፍቕዲ 34፡ ሲላስ ኣብ ኣንጾክያ ኺተርፍ ከም ዝደለየ ዚሕብር ቃላት ኣሎ። እዚ ቓላት እዚ ግና፡ ጸኒሑ እተወሰኸ እዩ ዚመስል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ