መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ንእትብሃል መጽሓፍ ኪቕበሉ ድሉዋት ንዘይኰኑ ሰባት ዚኸውን ሓገዝ
1. እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ፈለማ ንዅሉ ሰብ ድያ እትስሕቦ፧ ግለጽ።
1 ሓደ ሰብ፡ ኣገልጋሊ የሆዋ ምእንቲ ኪኸውን፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርትታት ናይ ግድን ኪመሃሮ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀነ ሃይማኖት እዩ ዘለዎም፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። ካልኦት ድማ ፈጺሞም ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምኑን፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣኽብሮት የብሎምን። ኣብ ፈለማ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ንምቕባል ድራኸ ኸም ዘይብሎም ንዘርኣዩ ሰባት፡ ኣየናይ ጽሑፋት እዩ ኺሕግዞም ዚኽእል፧ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ርእይቶታት፡ ኣብ 20 እተፈላለያ ሃገራት ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳባት እተመስረት እዩ።
2. ሓደ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይኣምን እንተ ደኣ ነጊሩና፡ እንታይ ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
2 ኣብ ኣምላኽ ንዘይኣምኑ ሰባት፦ ሓደ ሰብ “ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምንን እየ” እንተ ደኣ ኢሉ፡ ነቲ ኸምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ፍልቀት ስለ ዚኣምን ድዩ፧ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም ዚርአ ዘይፍትሓዊ ነገራት ወይ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃይማኖት ዘሎ ግብዝና ድዩ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ኣጥፊኡ፧ ኣብ ኣምላኽ ንኸይትኣምን ጸቕጢ ኣብ ዚግበረላ ሃገር ድዩ ዓብዩ፧ ምናልባት፡ ንህልውና ኣምላኽ ኣትሪሩ እኳ እንተ ዘይነጸጎ፡ ኣብ ኣምላኽ ኪኣምን ከም ዘለዎ ዀይኑ ኣይስምዖን ይኸውን። ሓያሎ ኣስፋሕቲ ነቲ ሰብ፡ “ካብ ቀደም ኣትሒዙ ድዩ ኸምኡ ዚስምዓካ፧” ኢልካ ምሕታቱ፡ ርእይቶኡ ንኺገልጽ ከም ዜተባብዖ ይገልጹ። ጽን ኢልካ ስምዓዮ፡ ኣይተቋርጾ ድማ። እቲ ሰብ ስለምንታይ ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይኣምን ምስ ተረዳእና፡ ብኸመይ ከም እንምልሰሉን ኣየነይቲ ጽሕፍቲ ኸነበርክተሉ ኸም ዘሎናን ንፈልጥ።—ምሳ. 18:13።
3. ነቲ እነዘራርቦ ሰብን ንእምነቱን ከም እነኽብር ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 መልሲ ኣብ እትህበሉ እዋን፡ እቲ ሰብ ንርእይቶኡ እትቃወም ከም ዘለኻ ዀይኑ ኸም ዘይስምዖ ግበር። እዚ ዚስዕብ ርእይቶ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እዩ ተላኢኹ፦ “ሰባት ንዚኣምንዎ ነገር ናይ ምውሳን ብሕታዊ ናጽነት ኣለዎም። ነዚ ኸተኽብረሎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብመጐተ ኽትረትዖም ኣብ ክንዲ ምጽዓር፡ ከም ዚሓስቡን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም መደምደምታ ኸም ዚበጽሑን ዚገብር ሕቶታት ምሕታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።” ሓደ ሓላው ወረዳ፡ ንርእይቶ እቲ ብዓል ቤት ድሕሪ ምስማዕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መእተዊኡ፡ “ብዛዕባ እዚኸ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧” ብምባል ይሓትት።
4. ንቡድሃውያን ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
4 ብዛዕባ ኣምላኽ ዚውሃብ ትምህርቲ ንሓያሎ ቡድሃውያን ኣይርድኦምን እዩ። ኣብ ብሪጣንያ ዚርከቡ ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ነቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኪምስክሩሎም ከለዉ፡ ነታ ላስቲንግ ፒስ ኤንድ ሃፒነስ—ሃው ቱ ፋይንድ ዘም (ነባሪ ሰላምን ሓጐስን ብኸመይ ከም ዚርከብ) ዘርእስታ ብሮሹር ኪጥቀሙላ ይደልዩ እዮም። ነቲ ኣብ መእተዊ ዘሎ ሓሳባት ድሕሪ ምግላጽ፡ ነታ “ኢዝ ዘር ሪሊ ኤ ሞስት ሃይ ክሪኤተር” እትብል ክፋል፡ ቀጺሎም ድማ፡ ነታ “ኤ ጋይድ ቡክ ፎር ዘ ብለሲንግ ኦቭ ማን ካይንድ” እትብል ክፋል ይመያየጡላ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ብዓል ቤት ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ የላልይዎ እሞ፡ “ዋላ እኳ ኣብ ኣምላኽ ዘይትኣምን እንተ ዀንካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ጠቓሚ እዩ፣ ከመይሲ፡ ብዙሕ ግብራዊ መምርሒ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ” ይብልዎ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ቻይንኛ ኣብ ዚዝረበሉ ኽሊ ዜገልግል ፈላሚ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ክልና ዚርከቡ መብዛሕትኦም ሰባት ምንባብ ይፈትዉ እዮም። ስለዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኽንምለሶም ከለና፡ ነታ ዘበርከትናሎም ጽሕፍቲ ኻብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ኣንቢቦምዋ እዮም ዚጸንሑና። ይኹን እምበር፡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብል ሓሳብ ዳርጋ ኣይርድእዎን እዮም። ስለዚ፡ ኣብቲ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፡ ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር እየ ኸበርክተሎም ዝደሊ፣ ከመይሲ፡ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ንምይይጥ ብዚዕድም ኣገባብ እያ ተጻሒፋ።” ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቻይንኛ ኣብ ዚዝረበሉ ወረዳ ዜገልግል ሓላው ወረዳ ከም ዝበሎ ኸኣ፡ ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ከተላልዮም ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽናዕቲ ኸተጀምር ከለኻ፡ ካብታ ብዛዕባ ኣምላኽ እትገልጽ ምዕራፍ 1 ኣብ ክንዲ እትጅምር፡ ካብታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ እትህብ ምዕራፍ 2 ምጅማር ዝበለጸ እዩ።
5. ትዕግስቲ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
5 ሓደ ሰብ ኣብ ኣምላኽ እምነት ንኼሕድር ግዜ ስለ ዚወስደሉ፡ ትዕግስቲ ኣገዳሲት እያ። እቲ ናይ ፈለማ ምይይጥና ንሓደ ሰብ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንኺኣምን ኣየለዓዕሎን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ምናልባት ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ፈጣሪ ኺህሉ ኸም ዚኽእል ኪቕበሎ፡ ወይ ድማ ነቲ ሓደ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ከም ዚኣምን ዚገብሮ ምኽንያት ከም እተረድኦ ኪገልጽ ይኽእል እዩ።
6. ገሊኦም ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘይብሎም ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
6 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ንዘይብሎም ወይ ከኣ ብእኡ ንዘይተኣማመኑ ሰባት፦ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ ንህላወ ኣምላኽ ዚቕበሎ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ስለ ዘይኣምን፡ ብትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይግደስን እዩ። ምናልባት ካብ ክርስትና ወጻኢ ኣብ ዝዀነት ሃገር ስለ ዚነብር ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ህዝበ ክርስትያን የተሓሕዞ ይኸውን። ወይ ድማ ኣብ ዓለማዊ ጕዳያት እተተኵር ሃይማኖታት ክርስትና ኣብ ዘስፋሕፋሓላ ሃገር ስለ ዚነብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኣይሓስብን ይኸውን። ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ንኼሕድሩን ኣብ መወዳእታ ድማ፡ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓሎምን ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
7. መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ንኼሕድሩ ኺድርኾም ዚኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧
7 ኣብ ግሪኽ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ጸሓፈ፦ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ንዘይብሎም ሰባት ንምሕጋዝ እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ፡ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኸም ዘሎ ምርኣዮም እዩ። ሓያሎ ኣስፋሕቲ፡ ጽልዋ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልቢ ሓደ ሰብ፡ ካብቲ ብብሕቶም ኪዛረብዎ ዚኽእሉ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ዝበለጸ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣስተውዒሎም እዮም። (እብ. 4:12) ብዙሓት ሰባት፡ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምርኣዮም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርምሩ ባህጊ ኣሕዲሩሎም እዩ።” ኣብ ህንዲ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ “እቲ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ዚገልጽ ሓቂ ንብዙሓት ሂንዱ ይስሕቦም እዩ። እቲ ማሕበራዊ ምፍልላይ ብዛዕባ ዘይብላ ዓለም ዚገልጽ መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ባህ እዩ ዚብሎም” ኢሉ ጸሓፈ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣስፋሕቲ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ንዘለዉ ሰባት ዜተሓሳስቦም ጸገማት ዚጠቕሱ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተዐርዮ ነገራት፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ናይ ምግላጽ ኣጋጣሚ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
8. ነቶም ብሰንኪ ህዝበ ክርስትያን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሉታዊ ርእይቶ ዘማዕበሉ ሰባት እንታይ ክንብሎም ንኽእል፧
8 ሓደ ሰብ ብሰንኪ ህዝበ ክርስትያን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሉታዊ ርእይቶ እንተ ኣማዕቢሉ፡ ህዝበ ክርስትያን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ትምህርትታቱን ግጉይ መልእኽቲ ኸም እተመሓላልፍ ንገሮ። ኣብ ህንዲ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር “ሓድሓደ ግዜ፡ ንሰባት፡ ኣብያተ ክርስትያናት ዓቀብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኰኑ ንኺፈልጡ ኽንሕግዞም ኣድላዪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዒቡ እውን፡ እታ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ክፍሊ 4፡ ኣብያተ ክርስትያናት ንቓል ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘበላሸዋኦን ከም ዜጥፍኣኦን ስለ እትገልጽ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሂንዱ በዚ ይሰሓቡ እዮም። ኣብ ብራዚል ዚርከብ ሓደ ፈላሚ ንሰባት ከዘራርቦም ከሎ፡ “ብዛዕባ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ዘይትፈልጥ፧ ሓያሎ ሰባት፡ ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ከይኰኑ፡ ነዚ ብኽፉት ኣእምሮ ይገብርዎ ኣለዉ። ንስኻ እውን ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ዘይተጸበኻዮ ፍልጠት ክትቀስም ትኽእል ኢኻ” ይብሎም።
9. ሓደ ሰብ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፡ ኣብ ፈለማ ተገዳስነት እንተ ደኣ ዘየርእዩ፡ ተስፋ ክንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
9 የሆዋ፡ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይርኢ እዩ። (1 ሳሙ. 16:7፣ ምሳ. 21:2) ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ድማ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይስሕቦም ኣሎ። (ዮሃ. 6:44) ብዙሓት ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ፈጺሞም ኣይተማህሩን ወይ ድማ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሌላ የብሎምን። ኣገልግሎትና፡ ሰባት ‘ኪድሕኑን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽኡን’ ኣጋጣሚ ይህቦም እዩ። (1 ጢሞ. 2:4) ስለዚ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኣብ ፈለማ ተገዳስነት እንተ ደኣ ዘየርእዮም፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ! ተገዳስነቶም ንምልዕዓል ካልእ ጽሑፋት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ምይይጥ ናብታ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንጥቀመላ ቐንዲ ንዋት ዝዀነት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተሰጋግሮ ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]
እቲ ብዓል ቤት፡ ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይኣምን እንተ ተዛሪቡ፡ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦
• ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚስምዖ ንምፍላጥ “ካብ ቀደም ኣትሒዙ ድዩ ኸምኡ ዚስምዓካ፧” ኢልካ ሕተቶ።
• ቡድሃዊ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብታ ላስቲንግ ፒስ ኤንድ ሃፒነስ—ሃው ቱ ፋይንድ ዘም (ነባሪ ሰላምን ሓጐስን ብኸመይ ከም ዚርከብ) ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 9-12 ንዘሎ ሓሳብ ተጠቐም።
• ኣብ ፍልቀት ዚኣምን እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ዚስዕብ መወከሲታት ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ፦
እታ “ተነዲፉ ድዩ፧” እትብል ኣብ ንቕሑ! እትወጽእ ዓምዲ
እታ ዘ ዎንደርስ ኦቭ ክርኤሽን ረቪልስ ጎድስ ግሎሪ (ድንቂ ፍጥረታት፡ ክብሪ ኣምላኽ ይገልጽ) ዘርእስታ ቪድዮ
እዘን ዚስዕባ ብሮሹራት፦ ኤ ሳቲስፋይን ላይፍ—ሃው ቱ ኣተይን ኢት (ዜዕግብ ህይወት ብኸመይ ከም ዚርከብ)፡ ክፍሊ 4፣ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ (ህይወት ተፈጢሩ ድዩ፧)፣ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት)
• ብምኽንያት ግፍዕን መከራን ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ኣጥፊኡ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ዚስዕብ መወከሲታት ሓጋዚ እዩ፦
ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ (ብዛዕባኻ ዚሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ምዕራፍ 10
ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ ክፍሊ 6፣ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ ክፍሊ 6
• እቲ ብዓል ቤት ንህልውና ኣምላኽ ምስ ተቐበሎ፡ ናብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ከተስግሮ ትኽእል ኢኻ። ካብ ምዕራፍ 2 ምጅማር ወይ ድማ ነቲ ብዓል ቤት ዚሰማማዕ ካልእ ርእሰ ነገር ምምራጽ ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]
እቲ ብዓል ቤት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣምነሉ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦
• ነታ ላይፍ—ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧ (ህይወት ብኸመይ መጺኡ፧ ብፍልቀትዶ ብፍጥረት፧) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ምዕራፍ 17ን 18ን ተመያየጡላ።
• ንሂንዱ፡ ዋይ ሹድ ዊ ዎርሺፕ ጎድ ኢን ላቭ ኤንድ ትሩዝ፧ (ንኣምላኽ ብፍቕርን ብሓቅን ከነምልኾ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧) ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቐም።
• ንኣይሁድ፡ ዊል ዘር ኤቨር ቢ ኤ ዎርልድ ዊዝ ኣውት ዎር፧ (ውግእ ዘይብላ ዓለም ትህሉዶ ትኸውን፧) ኣብ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 3-11 ንዘሎ ሓሳብ ተጠቐም።
• ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል እንታይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ተመያየጠሉ። ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ግብራዊ ጥቕሚ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገልጸሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል ሕታማት እንሆ፦
እታ “ንስድራ ቤት” እትብል ኣብ ንቕሑ! እትወጽእ ዓምዲ
እታ ዘ ባይብል—ኢትስ ፓወር ኢን ዮር ላይፍ (መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ሓይሊ) ዘርእስታ ቪድዮ
እዘን ዚስዕባ ብሮሹራት፦ ብስራት ኣምላኽ፡ ትምህርቲ 9ን 11ን፣ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፡ ገጽ 22-26፣ ኤ ሳቲስፋይን ላይፍ—ሃው ቱ ኣተይን ኢት (ዜዕግብ ህይወት ብኸመይ ከም ዚርከብ)፡ ክፍሊ 2
ንቡድሃዊ፡ ዘ ፓዝ ቱ ፒስ ኤንድ ሃፒነስ (መገዲ ሰላምን ሓጐስን) ኣብ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 3-7 ንዘሎ ሓሳብ ተጠቐም።
ንኣስላም፡ ሪል ፈይዝ—ዮር ኪ ቱ ኤ ሃፒ ላይፍ (ናይ ሓቂ እምነት—ናብ ዜሐጕስ ህይወት እትመርሓካ መፍትሕ) ኣብ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ክፍሊ 3 ንዘሎ ሓሳብ ተጠቐም።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚጽልኣሉ ኸባቢ ትሰብኽ እንተ ደኣ ኣሊኻ፡ እተወሰነ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክሳዕ እትገብር፡ ምንጪ እቲ እተካፍሎም ዘሎኻ ጥበባዊ ምኽሪ እንተ ዘይጠቐስካ ዝሓሸ እዩ።
• ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎ ግለጽ። ክትጥቀመሉ እትኽእል ሕታማት እንሆ፦
ዘ ባይብል—ኣኲሬት ሂስትሪ፡ ሪላያብል ፕሮፌሲ (መጽሓፍ ቅዱስ—ቅኑዕ ታሪኽ፡ ዜተኣማምን ትንቢት) ዘርእስታ ቪድዮ
ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ገጽ 27-29
• እቲ ብዓል ቤት ኣብ እተፈላለየ ኣርእስትታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር እንተ ሓቲቱ፡ ናብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ዘርእስታ መጽሓፍ ኣስግሮ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
እቲ ብዓል ቤት፡ “ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምንን እየ” እንተ ደኣ ኢሉ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
• “ኣብ ፈጣሪ ኸም ዝኣምን ዝገበረኒ ነገር እንታይ ምዃኑ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ኽገልጸልካዶ፧” ድሕሪኡ፡ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒንግ፡ ካብ ገጽ 84-86 ዘሎ ሓሳብ ኣካፍሎ፡ ወይ ድማ ነቲ ብዓል ቤት ንዓኻ ዘሐጐሰትካ ጽሕፍቲ ንኸተምጽኣሉ ምድላዋት ግበር።
• “ኣምላኽ እንተ ዚህሉ፡ ክትቀርቦ ምደለኻዶ፧” መብዛሕትኦም ሰብ ቤት፡ ንሓደ ፈቃርን ፍትሓውን መሓርን ዘየዳሉን ኣምላኽ ኪቐርብዎ ኸም ዚደልዩ ይገልጹ እዮም። ነቲ ብዓል ቤት፡ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ከም ዘለዎ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእዮ። (ካብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 1፡ ካብ ሕጡብ ጽሑፍ 6 ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።)
እቲ ብዓል ቤት “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኣምንን እየ፡” እንተ ደኣ ኢሉካ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ፦
• “ከምዚ ዓይነት ርእይቶ ዘለዎም ሓያሎ ሰባት ኣለዉ። ገሊኦም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ስነ ፍልጠት ከም ዚጋጮ፡ ወይ ድማ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ከም ዘይኰነ ይገልጹ። ቅድሚ ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ገጽ 3 ዚርከብ መእተዊ እታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብሮሹር ኣርእዮ፡ ካብኡ ነታ ብሮሹር ኣበርክተሉ።] ሃይማኖታት ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ግጉይ መልእኽቲ ስለ ዜመሓላልፋ፡ ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ኣይርእይዎን እዮም። ኣብ ዚመጽእ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገጽ 4ን 5ን ዘሎ ኣብነት ክንመያየጥ ምደለኹ።”
• “ከምዚ ናትካ ኣረኣእያ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝሰሓበኒ ነገር ከርእየካዶ፧ [ነተን መጽሓፍ ቅዱስ ብስነ ፍልጠታዊ መገዲ እውን ልክዕ ከም ዝዀነ ዚሕብራ እዮብ 26:7 ወይ ኢሳይያስ 40:22 ኣንብብ።] ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንስድራ ቤታት ኪሕግዝ ዚኽእል ጥበባዊ ምኽሪ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ዚመጽእ፡ ነዚ ብዚምልከት ሓደ ኣብነት ከርእየካ ምደለኹ።”
• “ሓሳባትካ ስለ ዝነገርካኒ አመስግነካ። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ መጽሓፍ እንተ ዚጽሕፍ፡ እንታይ ኪጽሕፍ ምተጸበኻ፧” ድሕሪኡ፡ ምስ ሓሳባት እቲ ብዓል ቤት ዚሰማማዕ ሓሳብ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእዮ።