ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jr ምዕ. 15 ገጽ 182-192
  • “ትም ኣይብልን”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ትም ኣይብልን”
  • ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይተገዳስነት እኳ እንተሎ፡ ዕዮኻ ቐጽል
  • ተጻረርቲ ነባሪ ጕድኣት ኬውርዱ ኣይክእሉን እዮም
  • “ኣይትፍራህ”
  • ንዓኻ እተጻሕፋ ቓላት
  • “እዚ ቓል እዚ ንገሮም”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • እንታይ ዓይነት ፈተውቲ ኢኻ እትመርጽ፧
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • ‘ንዝጸምኤት ነፍሲ ኸርውያ እየ’
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
ዝያዳ ርአ
ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
jr ምዕ. 15 ገጽ 182-192

ምዕራፍ ዓሰርተው ሓሙሽተ

“ትም ኣይብልን”

1. ኤርምያስን ካልኦት ነብያት የሆዋን ትም ዘይበሉ ስለምንታይ እዮም፧

“ቃል የሆዋ ስምዑ።” እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ብ647 ቅ.ክ. ኣብ ጐደናታትን ኣደባባያትን የሩሳሌም ይቃልሓ ነበራ። እቲ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዚዛረብ ዝነበረ ነብዪ ኣምላኽ ከኣ ኣይተሓለለን። እታ ኸተማ ድሕሪ 40 ዓመት ምስ ጠፍአት እውን፡ ነቲ ምሕጽንታ እቲ ደጊምዎ እዩ። (ኤር. 2:4፣ 42:15 NW) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንነብያቱ ዝለኣኸሉ ዕላማ፡ ኣይሁድ ምኽሩ ሰሚዖም ንኺንስሑ ኢሉ እዩ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ኤርምያስ ኣብቶም ኣምላኽ ዝለኣኾም ኣፈኛታት፡ ጕሉሕ ቦታ ነይርዎ እዩ። ኣምላኽ ንኤርምያስ መዝነት ኪህቦ ኸሎ፡ “ተንስእ እሞ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ዅሉ ንገሮም። . . . ኣይትፍራህ” በሎ። (ኤር. 1:17) እቲ ዕዮ ቐሊል ኣይነበረን። ኤርምያስ ኣካላውን ስምዒታውን ስቓይ ኣሕሊፉ እዩ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ኣሕሊፉ ኽነሱ ግን፡ ዕዮኡ ብእተማልአ መገዲ ንኺፍጽም ተደሪኹ እዩ። ስምዒቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ልበይ ኣብ ውሽጠይ ትርግርግ ይብል አሎ። . . . ትም ኣይብልን” በለ።—ኤር. 4:19።

2, 3. (ሀ) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብነት ኤርምያስ ዝሰዓቡ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብነት ኤርምያስ ክትስዕብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

2 እቲ ኤርምያስ ትንቢታዊ ዕዮኡ ዝፈጸመሉ መገዲ፡ ንኣገልገልቲ የሆዋ ኣብነት ይዀኖም እዩ። (ያእ. 5:10) ደድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ ሰበ-ስልጣን ኣይሁድ ንሃዋርያ ጴጥሮስን ንሃዋርያ ዮሃንስን ሓዝዎም፡ ከይሰብኩ ድማ ኣዘዝዎም። እንታይ ኢሎም ከም ዝመለሱ፡ ትፈልጦ ኢኻ። “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ” ኢሎም እዮም መሊሶም። (ግብ. 4:19, 20) እቶም ሰበ-ስልጣን ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ድሕሪ ደጊም ከይሰብኩ ኣፈራሪሆም ፈትሕዎም። ድሕርዚ እንታይ ከም ዝዀነ እውን ኣይትስሕቶን ኢኻ። እቶም እሙናት ሰባት ስብከቶም ኬቋርጹ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

3 እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 4:20 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት ጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ኣብቲ ንኤርምያስ ዝነበሮ ውዕዉዕ ስምዒት እውን ብኸመይ ከም እተንጸባረቐስ ከተስተውዕሎዶ ትኽእል፧ ኣብዘን ወሰንቲ ዳሕሮት መዓልትታት እትነብር ኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ ከም ምዃንካ መጠን፡ እተን፡ “ትም ኣይብልን” ዚብላ ቓላት ንውሳነኻ ዚገልጻዶ ኣይኰናን፧ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዅነታት እናገደደ ኪኸይድ ከሎ፡ ከም ኤርምያስ፡ ጸኒዕና ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንቅጽል ዚሕግዘና ብርታዐ ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

ዘይተገዳስነት እኳ እንተሎ፡ ዕዮኻ ቐጽል

4. ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም እንታይ ኣረኣእያ እዩ ልሙድ ዝነበረ፧

4 እቲ ኣምላኽ ብግዝኣት ወዱ ኣቢሉ ብዛዕባ ዜምጽኦ ዜደንቕ መጻኢ እተመባጽዖ መብጽዓ፡ ብሉጽ ብስራት ምዃኑስ ርግጸኛ ደይኰንካን፧ ኰይኑ ግን፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዚህብዎ ምላሽ፡ ምስቲ ገሊኦም ኣይሁድ ንኤርምያስ፡ “እቲ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዓካን ኢና” ኢሎም ዝሃብዎ ምላሽ ዚመሳሰል እዩ። (ኤር. 29:19፣ 44:16) ኤርምያስ ብተደጋጋሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምላሽ ይሰምዕ ነበረ። ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ንሰባት ኪበጽሕዎም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ብዙሓት ሰባት፡ “ኣይደልን እየ” ኢሎም ይምልሱሎም እዮም። ዘይተገዳስነት ኣስፋሕፊሑ ምህላዉ፡ ነቲ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ቅንኣት ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ኣብ ክልኻ፡ ኣብ ጉባኤኻ፡ ወይ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሽግር እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

5. (ሀ) ኤርምያስ፡ ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት ምስ ኣጓነፍዎ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ለ) እቶም ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

5 መብዛሕትኦም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ህዝቢ ይሁዳ ተገዳስነት ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር፡ ሽዑ ኤርምያስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ እሞ ንርአ። ኤርምያስ ዕዮኡ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ መለኮታዊ ፍርዲ ኣርእይዎ ነይሩ እዩ። (ኤርምያስ 4:23-26 ኣንብብ።) ስለዚ ድማ፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት፡ ነቲ ንሱ ዚዛረቦ ቓል ሰሚዖም ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ እተመርኰሰ ምዃኑ ኺግንዘብ ክኢሉ እዩ። ሎሚ፡ ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት እዮም ዘለዉ፣ ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት እውን ካብዚ እተፈልዩ ኣይኰኑን። የሱስ ብዛዕባ እታ ኣብ ልዕሊ እዛ እክይቲ ዓለም እትመጽእ “መዓልቲ” ፍርዲ ኣምላኽ፡ “ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ . . . ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ” በለ። (ሉቃ. 21:34-36) ካብዚ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ እቶም ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅበሉ ሰባት ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ከም ዘለዉ ኽትድምድም ትኽእል ኢኻ።

ዘይተገዳስነት ናብ ተገዳስነት ተቐየረ

ኣብ ኒው ዚላንድ እትነብር ሓንቲ ብዓልቲ ቤት፡ ኣቐዲማ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዓቶም ከም ዘይትፈልጥ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ግን ተገዳስነታ ኸም እተለዓዓለ ገለጸት። ኣብታ ሰሙን እቲኣ፡ ናብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ከይዳ ነይራ፣ ከምኡ ዝገበረት ከኣ፡ ሰብኣያ ምስ ሰብኣይ እታ መዋቲት ሓብቲ ስለ ዚሰርሕ እዩ። ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ነቲ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሰብኣይ በብውልቂ የጸናንዕዎ ምንባሮም ኣስተውዓለት። እቲ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ዝቐረበ ንጹር መጽሓፍ ቅዱሳዊ መግለጺ ኸም እተዋሕጠላ እውን ገለጸት።

እታ ሰበይቲ፡ ነቶም ናብ ኣጋ ሞቶም ዝቐረቡ ሰባት ዚከናኸኑ ኣለይቲ ሕሙማት ከም ዘሰልጠነት ሓበረት። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝረኣየቶ ስለ ዝመሰጣ፡ ንተመሃሮኣ ናብ ቀብሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪኸዱ ኣተባብዓቶም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ዅነታት ምዉታት ከም ዚገልጹን ንመጻኢ ጽቡቕ ተስፋ ኸም ዜቕርቡን እያ ንተመሃሮኣ ሓቢራቶም። እቶም ኣለይቲ ሕሙማት ንሕሙማቶም ንምትብባዕ ክልቲኡ ነጥብታት ኪጥቀሙሉ ኸም ዚኽእሉ ዀይኑ ተሰምዓ።

ሰባት ንነዊሕ እዋን ተገዳስነት ዘይብሎም ኰይኖም ምጽናሖም፡ የሆዋ ንዕኡ ‘ንኺፈልጥዎ፡ ልቢ ኺህቦም’ ኣይክእልን ማለት ኣይኰነን። (ኤር. 24:7) እቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት፡ ምናልባት ብሕጂ ይሰምዑኻ ይዀኑ።

Picture on page 184

6. ነቶም ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት እውን እንተ ዀነ ምስባኽ ክትቅጽል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

6 እንተዀነ ግን፡ እቶም ኣረኣእያኦም ቀይሮም ነቲ እነብጽሓሎም ቃል የሆዋ ሰሚዖም ዚቕበልዎ ሰባት፡ ብዋጋ ዘይሽነን ጥቕሚ ኺረኽቡ እዮም። ካብ ጥፍኣት ኣምሊጥና ናብ ሓዳስ ዓለም ምእንቲ ኽንኣቱ፡ ኣምላኽ መገዲ ይኸፍተልና ኣሎ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ኣገልግሎትና ምስ ናይ ኤርምያስ ዚመሳሰል እዩ። ተቐማጦ ይሁዳ ኻብ ጥፍኣት ኬምልጡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (ኤርምያስ 26:2, 3 ኣንብብ።) ኤርምያስ ንዓታቶም ንኺሕግዞም ኢሉ፡ ንሓያሎ ዓመታት፡ ቃል ናይ ሓቂ ኣምላኽ ‘ኪሰምዑን ኪምለሱን’ ተማሕጺንዎም እዩ። ሳላ እቲ ምስክርነቱ፡ ክንደይ ዚኣኽሉ ተነሲሖም ህይወቶም ከም ዝቐየሩ ኣይንፈልጥን ኢና። ገሊኦም ግን ከምኡ ገይሮም እዮም፣ ኣብዚ ግዜና እውን ብዙሓት ሰሚዖምና እዮም። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ከለና፡ ኣብ ሓደ እዋን ዘይሰምዑ ዝነበሩ ሰባት ልቦም ከም ዝለስለሰ ዚገልጽ ተመክሮታት ንሰምዕ ኢና። (ኣብ ገጽ 184 እትርከብ “ዘይተገዳስነት ናብ ተገዳስነት ተቐየረ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እዝስ ኣብቲ ህይወት ዜድሕን ኣገልግሎት እቲ ብስራት ብንጥፈት ንኽንቅጽል ዚሕግዝ ተወሳኺ ምኽንያት ደይኰነን፧

ዘይተገዳስነት እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰብኽ ዝቘረጽካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ተጻረርቲ ነባሪ ጕድኣት ኬውርዱ ኣይክእሉን እዮም

7. ጸላእቲ ንትንቢታዊ ዕዮ ኤርምያስ ኪዓናቕፉ ዝፈተኑ ብኸመይ እዮም፧

7 ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣገልግሎት ኤርምያስ ጐሊሑ ዚርአ ነገር፡ ተጻረርቱ ንዕኡን ንዕዮኡን ኬጥፍኡ ህርድግ ዚብሉ ምንባሮም እዩ። ናይ ሓሶት ነብያት ብግህዶ ይቃወምዎ ነበሩ። (ኤር. 14:13-16) ኤርምያስ ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ኪመላለስ ከሎ፡ ሰባት ይጸርፍዎን የባጭዉሉን ነበሩ። (ኤር. 15:10) ገሊኦም ጸላእቱ ንኼዋርድዎ፡ ተወሳኺ ውዲት ኣሊሞምሉ ነበሩ። (ኤር. 18:18) ገሊኦም ከኣ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ካብቲ ንሱ ዚሰብኮ መለኮታዊ ሓቂ ምእንቲ ኺመልስዎም ኢሎም፡ እከይ ይመኽሩሉ ነበሩ። (ድጕ. 3:61, 62) እሞኸ ኤርምያስ ተሓሊሉዶ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ስብከቱ ቐጸለ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኺገብር ክኢሉ፧

8. ተጻረርቲ ዚገብርዎ ጻዕርታት እናሓየለ ምስ ከደ፡ ኤርምያስ እንታይ እዩ ገይሩ፧

8 ኤርምያስ ንዅሉ እቲ ምጽራር ዚቃለሰሉ ቐንዲ ኣጽዋሩ፡ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትውክልቲ እዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎት ኤርምያስ፡ ኣምላኽ ከም ዚከናኸኖን ከም ዜዕቍቦን ነጊርዎ ነይሩ እዩ። (ኤርምያስ 1:18, 19 ኣንብብ።) ኤርምያስ ኣብቲ መብጽዓ እቲ እምነት ገበረ፡ የሆዋ እውን ኣየሕፈሮን። ተጻረርቲ ጸቕጢ ኺገብሩን ዝኸፍአ ስጕምቲ ኺወስዱን ምስ ጀመሩ፡ እናተብዐን እናጸንዐን ከደ። እዚ ባህርያት እዚ ብኸመይ ከም ዝጠቐሞ እስከ ንርአ።

9, 10. ኣብ ህይወት ኤርምያስ ዘጋጠመ እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ንኽትተብዕ ዚሕግዘካ፧

9 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ዓለወኛታት ካህናትን ነብያትን ንኤርምያስ ምእንቲ ኬቕትልዎ ኢሎም፡ ኣብ ቅድሚ መሳፍንቲ ይሁዳ ኣቕረብዎ። እቲ ምፍርራሆም ንኤርምያስ ንጥፈታቱ ኸም ዜቋርጽ ገይርዎዶ፧ ኣይፋልን። ሽዑ ዝሃቦም ምላሽ፡ ነቲ እቶም ከሓድቲ ዘቕረብዎ ኽስታት ሓሶት ምዃኑ ብዚግባእ ስለ ዘረጋገጸ፡ ህይወቱ ተናሕፈት።—ኤርምያስ 26:11-16 ኣንብብ፣ ሉቃ. 21:12-15።

10 ኣብ ቤተ መቕደስ ሕልቅነት እተሸመ ጳሽሑር፡ ነቲ ኤርምያስ እተዛረቦ ሓያል መልእኽቲ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ጕንዲ ኸም ዝኣሰሮ ትዝክሮ ኢኻ። ጳሽሑር በዚ ኸምዚ ንኤርምያስ ኬፍግዶን ትም ኬብሎን ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ፡ ንጽብሒቱ ፈትሖ። ኤርምያስ ግን፡ ነቲ ማእሰርቱ ዘስዓበሉ ቓንዛ ጸይሩ፡ ንጳሽሑር ብቐጥታ ተዛረቦ፡ ነቲ የሆዋ ዜውርደሉ ፍርዲ ድማ ነገሮ። እወ፡ ስቓይ እውን እንተ ዀነ፡ ንኤርምያስ ትም ኣየበሎን! (ኤር. 20:1-6) ስለምንታይ፧ ኤርምያስ ባዕሉ፡ “እግዚኣብሄር ከም ሓያል ጅግና ምሳይ እዩ። ስለዚ እቶም ሰጐጕተይ ተዐንቂፎም ይወድቁ፡ ዚከአሎምውን የልቦን” ኢሉ ይነግረና። (ኤር. 20:11) ሕሱማት ተጻረርቲ ኼጋጥምዎ ኸለዉ እውን፡ ኣይተዳህለን። ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትውክልቲ ድልዱል መሰረት ነበሮ፣ ንስኻ እውን ከምኡ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

11, 12. (ሀ) ሃናንያ ንኤርምያስ ምስ ተጻረሮ፡ ኤርምያስ ብኸመይ እዩ ኸም ዜመዛዝን ዘርኣየ፧ (ለ) ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት “ዕጉስ” ምስ እትኸውን፡ እንታይ ጥቕሚ ኺህልዎ ይኽእል፧

11 ኤርምያስ ጥሩፍ ከም ዘይነበረ ኽንርስዕ የብልናን። ምስ ተጻረርቱ ኣብ ዚፋጠጠሉ እዋን፡ ብምምዝዛን ምላሽ ይህቦም ነበረ። መዓስ ካባታቶም ከም ዚርሕቕ ይፈልጥ ነበረ። ንኣብነት፡ ካብ ሃናንያ ዝመጾ ተቓውሞ እስከ ንውሰድ። እቲ ናይ ሓሶት ነብዪ ነቲ ትንቢታዊ ቓል የሆዋ ብግህዶ ምስ ተቓወሞ፡ ኤርምያስ ኪእርሞ ፈተነ፡ ናይ ሓቂ ነብዪ ብኸመይ ከም ዚልለ እውን ገለጸ። ኤርምያስ ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባቢሎን ምእታው ዜመልክት ኣርዑት ዕንጨይቲ ጸይሩ ነበረ፣ ሃናንያ ድማ ተቘጢዑ ነቲ ኣርዑት ሰባበሮ። ሃናንያ ድሕሪኡ እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል መን ይፈልጥ፧ እሞኸ ኤርምያስ እንታይ ገበረ፧ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝገበሮ ነገር፡ “ነብዪ ኤርምያስ ከኣ መገዱ ኸደ” ዚብል ነንብብ። እወ፡ ካብቲ ቦታ ረሓቐ። ጸኒሑ ግን፡ የሆዋ መምርሒ ምስ ሃቦ፡ ናብ ሃናንያ ተመሊሱ፡ ነቲ ኣምላኽ ዜምጽኦ ነገር ነገሮ፣ ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ባርነት ንጉስ ባቢሎን ከም ዚኣትዉ ገለጸ፡ ንሃናንያ እውን ኪመውት ምዃኑ ነገሮ።—ኤር. 28:1-17።

12 እዚ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ክንሰብኽ ከለና፡ ተባዓት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መመዛዘንቲ እውን ክንከውን ኣሎና። ኣብ ሓንቲ ቤት፡ ሓደ ሰብ ነቲ ዘቕረብናሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ መረዳእታ እንተ ዘይተቐቢልዎን እንተ ተቘጢዑናን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሓይሊ ኺጥቀም እንተ ደልዩ፡ ብትሕትና ሓዲግናዮ ናብ ካልእ ቤት ክንከይድ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ዋላ ሓደ ሰብ ክንከራኸር ኣየድልየናን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ‘ዕጉሳት’ ምስ እንኸውን፡ እቲ ብዓል ቤት ኣብ ዚጥዕሞ ግዜ ንኺሕገዝ መገዲ ንኸፍተሉ ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 2:23-25 ኣንብብ፣ ምሳ. 17:14።

Picture on page 187

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እንሰብከሉ እዋን፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ተባዓት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መመዛዘንቲ እውን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

“ኣይትፍራህ”

13. የሆዋ ንኤርምያስ፡ “ኣይትፍራህ” ዝበሎ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ ኽንሓስበሉ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

13 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ በቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ቅድሚ ምጥፋኣ ዝነበረ ዜስካሕክሕ ኵነታት ተጸልዮም ነይሮም እዮም። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንኤርምያስ፡ “ኣይትፍራህ” ዝበለሉ ምኽንያት ኪርድኣካ ይኽእል እዩ። (ኤር. 1:8፣ ድጕ. 3:57) ንህዝቡ እውን ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ በዛ ቓል እዚኣ ገይሩ ኣተባቢዕዎም እዩ። (ኤርምያስ 46:27 ኣንብብ።) ካብዚ እንታይ ከነስተውዕል ንኽእል፧ ኣብዚ ሓደገኛ ግዜ መወዳእታ፡ ሓሓሊፉ ፍርሂ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ እዋን፡ ነቲ፡ “ኣይትፍራህ” ዚብለና የሆዋ ኽንሰምዖ ዲና፧ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቐዲምና፡ ኣምላኽ ኣብ ዜፍርህ እዋን ንኤርምያስ ብኸመይ ከም እተኸናኸኖ ርኢና ኢና። ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም ዝዀነ ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ።

14, 15. (ሀ) ኤርምያስ ኣብ ከመይ ዝበለ ሓደገኛ ዅነታት እዩ ኣትዩ ነይሩ፧ (ለ) የሆዋ ንኤርምያስ ንኼዕቍቦ ዝኣተወሉ መብጽዓ ዝሓለወ ብኸመይ እዩ፧

14 ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ምስ ከበብዋ፡ ኣብታ ኸተማ ጥሜት ኰነ። ብዙሓት ሰባት ዚብላዕ ሰኣኑ። (ኤር. 37:21) ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር ዝነበረ እዋን፡ መሳፍንቲ ይሁዳ ነቲ ጃጃዊ ዝነበረ ንጉስ ጼድቅያስ፡ ዝደለይዎ ኺገብረሎም ጸቕጢ ገበሩሉ። በዚ ኸምዚ፡ ንኤርምያስ ናብ ሓንቲ ዔላ ደርበይዎ። ኣብታ ዔላ ጭቃ እምበር፡ ማይ ኣይነበረን። ኤርምያስ በቲ ጭቃ ኺወሓጥ ምስ ጀመረ፡ ዚወጽእ ኰይኑ ኣይተሰምዖን ነይሩ። ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ትኣቱ፡ እተወሰነ ፍርሂ ኣይምተሰምዓካንዶ፧—ኤር. 38:4-6።

15 ኤርምያስ ከማና ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብቲ የሆዋ ኸም ዘይሓድጎ ዝኣተወሉ መብጽዓ ግን ምትእምማን ነበሮ። (ኤርምያስ 15:20, 21 ኣንብብ።) እሞኸ የሆዋ ኣሕፊርዎ ድዩ፧ ከም ዘየሕፈሮ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ኣምላኽ ንዔቤድ-ሜሌክ፡ ነቶም መሳፍንቲ ኸይፈርሀ ንኤርምያስ ኬድሕኖ ኣለዓዓሎ። ዔቤድ-ሜሌክ ካብ ንጉስ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቡ፡ ንነብዪ ኤርምያስ ካብታ ዔላ ኣውጸኦ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብ ሞት ኣድሓኖ።—ኤር. 38:7-13።

16. የሆዋ ንእሙናቱ ኻብ ምንታይ ሓደጋታት እዩ ዘናገፎም፧

16 ኤርምያስ ካብታ ዔላ ምስ ወጸ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት እዩ ነይሩ። ዔቤድ-ሜሌክ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቀሪቡ ንኤርምያስ ኪልምነሉ ኸሎ፡ “ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጌራ የልቦን እሞ፡ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ኪመውት እዩ” በለ። (ኤር. 38:9) ኣብ የሩሳሌም ዚብላዕ ስለ ዘይነበረ፡ ገሊኦም ተቐማጦ እታ ኸተማ ስጋ ሰብ ኪበልዑ ጀሚሮም ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን፡ የሆዋ ኢዱ ብምእታው ንነብዪኡ ኣድሓኖ። ኤርምያስ ከኣ ንዔቤድ-ሜሌክ፡ የሆዋ ኼዕቍቦ ምዃኑ ነገሮ። (ኤር. 39:16-18) ኤርምያስ ነቲ ኣምላኽ፡ “ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ” ኢሉ እተዛረቦ መተባብዒ ኣይረስዖን። (ኤር. 1:8) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ነዞም ክልተ እሙናት ሰባት ስለ ዝሓለዎም፡ ብኢድ ጸላእቶም ኰነ ብጥሜት ኣይሞቱን። እታ ኸተማ ኽትጠፍእ ከላ፡ ንሳቶም ግን ካብ ሞት ኣምለጡ። ካብዚ እንታይ ነጥቢ እዩ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ፧ የሆዋ ንኼዕቍቦም መብጽዓ ኣትዩሎም ነይሩ፡ መብጽዓኡ እውን ሓልዩ እዩ።—ኤር. 40:1-4።

17. ኣብቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ንምድሓን ዝኣተዎ መብጽዓ እምነት ክትገብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

17 የሱስ ብዛዕባ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ እተነበዮ ትንቢት፡ ናብቲ ዘይተርፍ ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ገጹ ይግስግስ ኣሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ “ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ . . . ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። . . . ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ።” (ሉቃ. 21:25, 26) እዚ ትእምርትታት ብኸመይ ከም ዚኸውንን ብዙሓት ሰባት ብኸመይ ከም ዚርዕዱን፡ ሽዑ እንርእዮ ነገር እዩ። ዝመጸ ይምጻእ ግን፡ በቲ የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ዘለዎ ኽእለትን ድሌትን ኣይትጠራጠር። ይኹን እምበር፡ እቶም ሞገሱ ዘይብሎም፡ ካብቲ ጥፍኣት ኣይኪድሕኑን እዮም። (ኤርምያስ 8:20፣ 14:9 ኣንብብ።) ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ምስ ታኼላ ዝመልኦ ዔላ ዚመሳሰል ተስፋ ዘይብሉ ዚመስል ኵነታት እኳ እንተ ኣተዉ፡ የሆዋ ግን ኬድሕኖም ይኽእል እዩ። እቲ የሆዋ ንዔቤድ-ሜሌክ፡ “ኣባይ ስለ እተወከልካ፡ ኣነ ብርግጽ ከድሕነካ እየ እሞ፡ ነፍስኻ ዘመተ ኽትኰነልካ እያ እምበር፡ ብሰይፊ ኣይክትወድቕን ኢኻ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት፡ ኣብ ህዝቡ ኺውዕል እዩ።—ኤር. 39:18።

Picture on page 190

ንዓኻ እተጻሕፋ ቓላት

18. (ሀ) እንታይ ዚብላ ቓላት እየን ንህይወት ኤርምያስ ዝቐየራ፧ (ለ) እቲ ኣብ ኤርምያስ 1:7 ዚርከብ ትእዛዝ ኣምላኽ፡ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

18 “ናብ ዝልእከካ ዅሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዅሉ ድማ ተዛረብ።” (ኤር. 1:7) ኤርምያስ ነዚ ኣምላኽ ዝሃቦ ትእዛዝ ምስ ሰምዐ፡ ህይወቱ ንሓዋሩ ተቐዪሩ እዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ ልዕሊ ዅሉ ዜተሓሳስቦ ነገር፡ “ቃል የሆዋ” ምንጋር እዩ ነይሩ። እዛ ሓረግ እዚኣ፡ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋ እተዳለወ ትንቢት ኤርምያስ ብተደጋጋሚ እያ እትርከብ። ኣብታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ፡ ኤርምያስ፡ የሩሳሌም ከም እተታሕዘትን እቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ዝዀነ ጼድቅያስ ከም እተማረኸን ኣዘንትዩ ኣሎ። እወ፡ ዕዮኡ ኸም እተዛዘመ ንጹር ክሳዕ ዚዀነሉ፡ ንህዝቢ ይሁዳ፡ ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ኻብ ምምሃርን ካብ ምምሕጻንን ኣየቋረጸን።

19, 20. (ሀ) ኣገልግሎት ኤርምያስ ኣብነት ዚዀነካ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ዕዮ ስብከትን ኣብ መንጎ ሓጐስን ዕግበትን እንታይ ምትሕሓዝ ኣሎ፧ (ሐ) ንትንቢት ኤርምያስን ንድጕዓ ኤርምያስን ምምርማርካ፡ ብኸመይ ጸልዩካ፧

19 ኣብ መንጎ እቲ ንኤርምያስ እተዋህቦ ዕዮን ኣብ መንጎ እቲ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚፍጽምዎ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ብዙሕ ምምስሳል ኣሎ። ከም ኤርምያስ፡ ኣብ እዋን ፍርዲ፡ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ተገልግሎ ኣለኻ። ካልእ ሓላፍነታት ግዜኻን ጕልበትካን ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ግን ኣብዚ ስርዓት እዚ ኽትዓዮ እትኽእል ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እዩ። ብእኡ ኣቢልካ፡ ነቲ ዓብዪ ስም ኣምላኽ ልዕል ተብል፡ ነቲ ኸም ልዑላዊ ጐይታ መጠን ዘለዎ ምሉእ መሰልን ስልጣንን ከም እትቕበሎ ድማ ተርኢ። (ድጕዓ ኤርምያስ 5:19 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ንሰባት፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፈልጡን ህይወት ንምርካብ ዜድልዮም ብቕዓታት ኬማልኡን ብምሕጋዝ፡ ንዓታቶም ዘላትካ ፍልይ ዝበለት ፍቕሪ ተርኢ።—ኤር. 25:3-6።

20 ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ፡ “ዎ [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽ ሰራዊት፡ ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ” ኢሉ እዩ። (ኤር. 15:16) ኵሎም እቶም ሎሚ ምእንቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪዛረቡ ልቦም ዚድርኾም ሰባት እውን፡ ተመሳሳሊ ሓጐስን ዕግበትን እዩ ዚስምዖም። ስለዚ እምበኣር፡ ንስኻ እውን ከም ኤርምያስ፡ ወትሩ መልእኽቲ የሆዋ ንኽትእውጅ ዚድርኽ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎካ።

ኤርምያስን ዔቤድ-ሜሌክን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ተባዕ ንኽትከውን ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ክትሰብኽ ከለኻ፡ እንታይ ንኤርምያስ ዝነበሮ ባህርይ ኢኻ ኽትቀድሕ እትደሊ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ