ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/3 ገጽ 3
  • ክንድሕን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክንድሕን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዘለኣለም ምንባር ሕልሚ ኣይኰነን
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • እቲ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ኪሰዓር እዩ—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ብዛዕባ ሞት ብሰፊሑ ዝእመነሉ ነገራት ተጠንቂቕካ ኽምርመር ከሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ብዛዕባ ሞት ዘሎካ ኣረኣእያ ኸመይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/3 ገጽ 3
ጸኒሑ ዚቕምስል ዕምባባ

ገበር | የሱስ የድሕን​—ካብ ምንታይ፧

ክንድሕን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

“ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ ሓጺር ዕድመ፡ ጽጉብ ሓሳር እዩ። ከም ዕንባባ ይዕንብብ፡ ይጽምሉ ኸኣ፡ ከም ጽላሎት ይሀድም፡ ኣይነብርን ድማ።”—እዮብ 14:1, 2።

ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ምሉእ ጥዕና ዘለዎም መንእሰያት ኰይኖም ንዘለኣለም ኪነብሩ ኺምነዩ ጸኒሖም እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና መወትቲ ኢና፣ እዚ ድማ ከነምልጠሉ ዘይንኽእል ሓቂ እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቓላት እዮብ፡ ካብ ዚጸሓፍ ሰለስተ ሽሕ ዓመት እኳ እንተ ገበረ፡ ሕጂ እውን ሓቂ እዩ።

ንዘለኣለም ናይ ምንባር ድሌት ሓያልን ኣብ ኵሉ ዘሎን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልብና ኣንቢሩ፡ ንኽንነብር ሃረር ከም እንብል ገይሩ ኸም ዝፈጠረና እዩ ዚገልጽ። (መክብብ 3:11) ከምዚ ኻብ ኰነ፡ እቲ ፈቃር ኣምላኽ ነቲ ኽንረኽቦ ዘይንኽእል ነገር፡ ሃረር ከም እንብሎ ገይሩ ኺፈጥረና ርትዓዊዶ ይመስለካ፧ መልስኻ ኣይፋል እንተ ዀይኑ፡ ጽቡቕ ኣለኻ። ቃል ኣምላኽ ንሞት “ጸላኢ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ፣ እዚ ጸላኢ እዚ ኸም “ዚሰዓር” እውን ይመባጻዕ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:26።

ሞት፡ ጸላኢ ምዃኑ ዘየማትእ እዩ። ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ድማ ንሞት ኣይቅበሎን እዩ። ሓደገኛ ዅነታት ምስ እንርኢ፡ ካብኡ ንእለ፡ ንሕባእ ወይ እውን ንሃድም ኢና። እንተ ሓሚምና ኸኣ ጥዕና ኽንረኽበሉ እንኽእል መገዲ ኢና እነናዲ። ሞት ኬስዕበልና ኻብ ዚኽእል ነገራት ንኽንርሕቕ እውን ዚከኣለና ንገብር ኢና።

እዚ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝጸንሐ ጸላኢ፡ ኪሰዓር ምዃኑ ዚገልጽ ዜእምን መርትዖ ኣሎዶ፧ እሂናይ ደኣ! እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ሰባት ንሒደት ዓመታት ጥራይ ብህይወት ኪነብሩ ብድሕሪኡ ድማ ኪሞቱ ኣይኰነን ፈጢርዎም። ደቂ ሰብ ኪሞቱ፡ ክፍሊ እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን። ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ሓሊኑ፡ ንዕላማኡ ድማ ወትሩ እዩ ዚፍጽሞ።—ኢሳይያስ 55:11።

ሞት እሞ ደኣ ብኸመይ እዩ ኺስዓር፧ ኣብ መላእ ታሪኽ፡ ሰባት ንሞት ኬጥፍኡ ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ኣይተዓወቱን። ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ እቲ ጻዕሪ ይቕጽል እዩ ዘሎ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንገለ ሕማማት ዘሰነፈ እተፈላለየ ኽታበትን መድሃኒትን ምሂዞም እዮም። ነቲ ኣብ ህያዋን ፍጥረታት ዘሎ ጂናዊ ኣቃውማ እውን ኪርእይዎ ኽኢሎም እዮም። ሎሚ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዚነብሩ ሰባት፡ ካብቶም ቅድሚ ሓደ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ብገምጋም ዝነውሐ ዕድመ ኣለዎም። እንተዀነ ግና፡ ሞት ገና ኣይተሳዕረን። ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ “ዅሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ” ኣለዉ።—መክብብ 3:20።

እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጸገም ንኺፍታሕ፡ ኣብ ክእለት ደቂ ሰባት ክንምርኰስ ኣየድልየናን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ፡ ካብ ሞት ንኽንድሕን ዜኽእለና ምድላዋት ገይሩልና ኣሎ፣ ኣብዚ መሰናድዎ እዚ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ ድማ የሱስ ክርስቶስ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ