ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 48 ገጽ 120-ገጽ 121 ሕ.ጽ. 8
  • ተኣምራት እኳ እንተ ገበረ፡ ሰብ ናዝሬት ኣይተቐበልዎን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተኣምራት እኳ እንተ ገበረ፡ ሰብ ናዝሬት ኣይተቐበልዎን
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ቤት ያኢሮስ ወጺኡ እንደገና ናብ ናዝሬት ከደ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ብናይ መን ሓይሊ እዩ ተኣምራት ዝገበረ፧
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ኣብታ ኣብ ናዝሬት እትርከብ ምኵራብ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 48 ገጽ 120-ገጽ 121 ሕ.ጽ. 8
ካብ እንዳ ያኢሮስ ምስ ወጸ፡ ብዙሓት ሰባት ይስዕብዎ

ምዕራፍ 48

ተኣምራት እኳ እንተ ገበረ፡ ሰብ ናዝሬት ኣይተቐበልዎን

ማቴዎስ 9:27-34፣ 13:54-58 ማርቆስ 6:1-6

  • የሱስ ንኽልተ ዕዉራትን ንሓደ ዓባስን ኣሕወየ

  • ሰብ ናዝሬት ኣይተቐበልዎን

የሱስ ኪዓዪ እዩ ውዒሉ። ካብ ዞባ ደካጶሊስ ብባሕሪ ተጓዒዙ ምስ መጸ፡ ነታ ደም ዚፈስሳ ዝነበረ ሰበይቲ ኣሕውዩን ንጓል ያኢሮስ ኣተንሲኡን ነይሩ እዩ። እታ መዓልቲ ግና ኣይተወድአትን ነይራ። የሱስ ካብ ቤት ያኢሮስ ኪወጽእ ከሎ፡ ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም፡ “ኦ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና” እናበሉ ሰዓብዎ።—ማቴዎስ 9:27።

ንየሱስ “ወዲ ዳዊት” ኢሎም ብምጽዋዕ፡ የሱስ ወራሲ ዝፋን ዳዊት፡ ማለት መሲሕ ከም ዝዀነ ዘለዎም እምነት እዮም ዚገልጹ ነይሮም። የሱስ ግና ምናልባት ዘይምሕላሎም ኪርኢ ደልዩ እዩ ዚኸውን፡ ነቲ ሓገዝ ንምርካብ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ሸለል ዝበሎ መሰለ፣ ንሳቶም እውን ኣይተሓለሉን። የሱስ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ክልተ ሰባት ስዒቦምዎ ኣተዉ። ንሱ ኸኣ፡ “እዚ ኽገብር ከም ዝኽእልዶ ትኣምኑ ኢኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “እወ ጐይታይ” ኢሎም ብምትእምማን መለሱሉ። ሽዑ፡ የሱስ፡ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” እናበለ ኣዒንቶም ተንከዮም።—ማቴዎስ 9:28, 29።

ብሃንደበት ከኣ ኪርእዩ ኸኣሉ! ድሕርዚ፡ የሱስ ከምቲ ኣቐዲሙ ንኻልኦት ከየውርዩ ዝነገሮም፡ ነዚኣቶም እውን ከምኡ ኢሉ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ስለ እተሓጐሱ፡ ጸኒሖም ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ኣውረዩ።

ንሳቶም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ጋኔን ዝሓደሮ ዓባስ ኣምጽኡሉ። የሱስ ነቲ ጋኔን ምስ ኣውጽኦ፡ እቲ ሰብ ብኡብኡ ኺዛረብ ጀመረ። እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን” ኢሎም ተገረሙ። ኣብኡ ፈሪሳውያን እውን ነበሩ። ነቲ ተኣምራት ኪኽሕድዎ ስለ ዘይከኣሉ ድማ፡ “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም” ብምባል ብዛዕባ እቲ የሱስ ተኣምራት ዚገብረሉ ሓይሊ ዘለዎም ክሲ ደገምዎ።—ማቴዎስ 9:33, 34።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሱስ ናብ ዓዱ ናብ ናዝሬት ተመልሰ፣ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ምስኡ ነበሩ። ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይገብር፡ ኣብኡ ኣብ ዚርከብ ምኵራብ ምሂሩ ነበረ። እቶም ሰባት መጀመርታ በቲ ዝበሎ ተገሪሞም እኳ እንተ ነበሩ፡ ጸኒሖም ግና በቲ ትምህርቱ ሓሪቖም ኪቐትልዎ ፈቲኖም ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ነቶም ናይ ቀደም ጐረባብቱ ኸም ብሓድሽ ኪሕግዞም ፈተነ።

ብሰንበት ኪምህሮም ኢሉ ናብ ምኵራብ ከደ። ብዙሓት ድማ ተገሪሞም፡ “እዚ ሰብ እዚ፡ ነዚ ጥበብን ነዚ ግብርታት ሓይልን ካበይ ረኺብዎ፧” ኢሎም ሓተቱ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፡ “እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትብሃል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱኸ ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ደይኰኑን፧ ኣሓቱስ ኵላተን ምሳናዶ የለዋን፧ ንሱ ደኣ ነዚ ዅሉ ኻበይ ረኺብዎ፧” በሉ።—ማቴዎስ 13:54-56።

እቶም ሰባት፡ የሱስ ከማታቶም ተራ ሰብ እዩ መሲልዎም ነይሩ። ‘ኪዓቢ ኸሎ ርኢናዮ ኢና። ከመይ ኢሉ መሲሕ ኪኸውን ይኽእል፧’ ኢሎም ድማ ሓሰቡ። ስለዚ፡ ንዅሉ እቲ ዓብዪ ጥበብን ግብርታት ሓይልን ዜጠቓልል መርትዖ ርእዮም ክነሶም፡ ኣይተቐበልዎን። ቤተ ሰቡ እኳ ኸይተረፉ ኣጸቢቖም ስለ ዚፈልጥዎ፡ ብእኡ ተዓንቀፉ፣ ስለዚ ኸኣ ንሱ፡ “ነብዪ ብዘይካ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዓቕን እዩ” በሎም።—ማቴዎስ 13:57።

እወ፡ የሱስ ብዘይምእማኖም ተገረመ። ስለዚ፡ “ብዘይካ ንሒደት ሕሙማት ኣእዳዉ ኣንቢሩ ዘሕወዮም” እምበር፡ ኣብኡ ተኣምራት ኣይገበረን።—ማርቆስ 6:5, 6።

  • እቶም ዕዉራት ንየሱስ፡ “ወዲ ዳዊት” ኢሎም ብምጽዋዕ፡ እንታይ ከም ዚኣምኑ እዮም ዘርኣዩ፧

  • እቶም ፈሪሳውያን ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ እዮም ዝበሉ፧

  • የሱስ ኣብ ናዝሬት ከመይ ዝበለ ኣቀባብላ ተገብረሉ፧ ስለምንታይከ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ