ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 15/9 ገጽ 29-31
  • እቲ ትሑት ዮስያስ ስምረት የሆዋ ነበሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ትሑት ዮስያስ ስምረት የሆዋ ነበሮ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዮስያስ ሓያል ስጕምቲ ወሰደ!
  • ብዋጋ ዘይሽነን ርኽበት!
  • ቃል የሆዋ መጸ
  • ሓቀኛ ኣምልኾ ኣስፋሕፍሐ
  • ዓቢ በዓል ፋስጋ ተገብረ
  • ምስ ሞተ ብርቱዕ መልቀስ ተገብረሉ
  • ዮስያስ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ነበርዎ
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • ዮስያስ ሕጊ ኣምላኽ ይፈቱ ነበረ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ዮስያስ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብር መረጸ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ቅኑዕ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ንጉስ እስራኤል
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 15/9 ገጽ 29-31

እቲ ትሑት ዮስያስ ስምረት የሆዋ ነበሮ

እቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት መስፍን ይሁዳ ዝዀነ ዮስያስ ፍርሂ ሓዞ። ኣባሓጎ ዮስያስ: ንጉስ ምናሴ: ስለ ዝሞተ ኣዲኡ የዲዳ ትበኪ ነበረት።​—⁠2 ነገስት 21:⁠18

ቀጺሉ ኣሞን ኣቦ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኰነ። (2 ዜና መዋእል 33:⁠20) ድሕሪ ክልተ ዓመት (659 ቅ.ኣ.ዘ.) ኣሞን ብገላዉኡ ተቐትለ። እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ግን ነቶም እተመሓሓሉሉ ቀተልዎም እሞ ንዮስያስ ኣንገስዎ። (2 ነገስት 21:⁠24፣ 2 ዜና መዋእል 33:⁠25) ኣሞን ነጊስሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ዮስያስ ነቲ ንየሩሳሌም መሊእዋ ዝነበረ ሽታ ዕጣን ለሚድዎ ነበረ: እዚ ድማ ካብቲ እቲ ህዝቢ ንሓሶት ኣማልኽቲ ንምስጋድ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣብ ፈቐዶ ናሕሲ ዝርከብ መሰውኢታት ዝሃግግ ዝነበረ ኢዩ። ኣረማውያን ካህናት ሸናዕ እናበሉ ክዛወሩ ይርኣዩ: እቶም ኣመንቲ ኸኣ​—⁠ገሊኣቶም ኣምለኽቲ የሆዋ ኢና ዝብሉ እውን ከይተረፉ​—⁠ብማልካም ዝበሃል ናይ ሓሶት ኣምላኽ ይምሕሉ ነበሩ።​—⁠ጸፎንያስ 1:⁠1, 5

ኣሞን ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብምምላኽ ክፉእ ነገር ከም ዝገበረ ዮስያስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እዚ መንእሰይ ንጉስ ይሁዳ ነቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝነበረ ጸፎንያስ ዝእውጆ መልእኽቲ ይርድኦ ነበረ። ዮስያስ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ (652 ቅ.ኣ.ዘ.) ማለት ኣብ ሻምናይ ዓመት ግዝኣቱ ንቓላት ጸፎንያስ ክስዕብ ቈረጸ። ዮስያስ ገና ቘልዓ ኸሎ ንየሆዋ ክደልዮ ጀመረ።​—⁠2 ዜና መዋእል 33:⁠21, 22፣ 34:⁠3

ዮስያስ ሓያል ስጕምቲ ወሰደ!

ኣርባዕተ ዓመታት ምስ ሓለፈ: ዮስያስ ንይሁዳን የሩሳሌምን ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከጽርየን ጀመረ (648 ቅ.ኣ.ዘ.)። ነቲ ንኣምልኾ በዓል ዘገልግል ዝነበረ ጣኦታትን ኣስታርቴታትን መሰውኢ ዕጣንን ሰባበሮ። ንጽሩብ ምስልታት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣድኪሙ ደበቝቦቛ ገበሮ እሞ ኣብ መቓብር እቶም ዝስውኡሎም ነስነሶ። ንዘይንጹህ ኣምልኾ ዘገልግል ዝነበረ መሰውኢታት ኣርከሰን ኣፍረሰን።​—⁠2 ነገስት 23:⁠8-14

እቲ ወዲ ሓደ ሌዋዊ ካህን ዝዀነ ኤርምያስ ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ: ዮስያስ ዝገበሮ ምንጻህ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ነበረ (647 ቅ.ኣ.ዘ.)። የሆዋ ኣምላኽ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ኤርምያስ ነብዪ ንኽኸውን ሸሞ: እቲ ኣንጻር ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝኣወጆ መልእኽቲ የሆዋ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ሓያል ዝነበረ! ዮስያስ መሰታ ኤርምያስ ነበረ። ዮስያስ ብትብዓት ነታ ሃገር እኳ እንተ ኣንጸሃ ኤርምያስ እውን ብድፍረት ይእውጅ እንተ ነበረ: እቲ ህዝቢ ግን ቀልጢፉ ናብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ተመልሰ።​—⁠ኤርምያስ 1:⁠1-10

ብዋጋ ዘይሽነን ርኽበት!

ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ዝኸውን ሓለፈ። ዮስያስ ወዲ 25 ዓመት ክኸውን ከሎ ን18 ዓመታት ዝኸውን ገዚኡ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንማዓስያ ሹም እታ ኸተማን ንዮኣሕ እቲ ጸሓፊ ዛንታን ጸውዖም። እቲ ንጉስ ንሻፋን ከምዚ ዝስዕብ በሎ:- ‘ንሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት ነቲ እቶም ሓለውቲ ደገ ቤት መቕደስ ካብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ ገንዘብ ወሲዱ ነቶም ንቤት እግዚኣብሄር ዝጽግኑ ዓየይቲ ክህቦም ንገሮ።’​—⁠2 ነገስት 22:⁠3-6፣ 2 ዜና መዋእል 34:⁠8

እቶም ጸገንቲ ካብ ንግሆ ኣትሒዞም ኣበርቲዖም ዓየዩ። ዮስያስ: እቶም ዓየይቲ ነቲ እቶም እኩያት ኣቦታቱ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘውረድዎ ዕንወት ይጽግኑ ምህላዎም ምስ ፈለጠ ንየሆዋ ከም ዘመስገነ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ዕዮ እናቐጸለ ኸሎ: ሻፋን ጸብጻብ ክህብ መጸ። እንታይ ኢዩ ግን ሒዙ ዝነበረ፧ ሓደ ጥቕላል ኢዩ ሒዙ ነይሩ! እቲ ሊቀ ኻህናት ሒልቅያ “ነቲ ብኢድ ሙሴ እተዋህበ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር” ከም ዝረኸቦ ነገሮ። (2 ዜና መዋእል 34:⁠12-18) እዚ ብዘይ​ጥርጥር ቀዳማይ ቅዳሕ ናይቲ ሕጊ ስለ ዝነበረ: ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ ርኽበት ኰን ኢዩ!

ዮስያስ ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ መጽሓፍ እትርከብ ቃል ንምስማዕ ተሃንጥዩ ነበረ። ሻፋን ከንብበሉ ከሎ: እቲ ንጉስ ነፍሲ ወከፍ ትእዛዝ ብኸመይ ኣብኡን ኣብቲ ህዝብን ከም ዝውዕል ከገናዝብ ይጽዕር ነበረ። ብፍላይ ድማ እቲ መጽሓፍ ንሓቀኛ ኣምልኾ ብኸመይ ከም ዘጕልሕ ከምኡውን እቶም ህዝቢ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እንተ​ድኣ ተጸሚዶም መዓት ከም ዝወርዶምን ተማሪኾም ከም ዝኸዱን ዝገልጽ ቃላት ተንኪፍዎ ኢዩ። ዮስያስ ኵሉ እቲ ትእዛዛት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ከም ዘይወዓለ ምስ ፈለጠ: ክዳኑ ቀደደ እሞ ንሒልቅያን ሻፋንን ካልኦት ሰባትን ጸዊዑ ‘ኣቦታትና ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ስለ ዘይሰምዕዎ: እቲ ኣባና ተቓጺሉ ዘሎ ዅራ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኢዩ እሞ: ኪዱ ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ’ ኢሉ ኣዘዞም።​—⁠2 ነገስት 22:⁠11-13፣ 2 ዜና መዋእል 34:⁠19-21

ቃል የሆዋ መጸ

ልኡኻት ዮስያስ ናብታ ኣብ የሩሳሌም እትቕመጥ ዝነበረት ነብዪት ሑልዳ ከዱ እሞ ዝነገረቶም ሒዞም ተመልሱ። ሑልዳ ኣብታ እተረኽበት መጽሓፍ ተገሊጹ ንዘሎ መርገም ኣብታ ከሓዲት ይሁዳ ከም ዝወርድ ብምሕባር ቃል የሆዋ ነገረቶም። ዮስያስ ግን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ርእሱ ስለ ዘትሓተ ነዚ መርገም እዚ ኣይክርእዮን ኢዩ። ምስ ኣቦታቱ ክእከብን ናብ መቓብሩ ብሰላም ክወርድን ኢዩ።​—⁠2 ነገስት 22:⁠14-20፣ 2 ዜና መዋእል 34:⁠22-28

ዮስያስ ኣብ ውግእ ስለ ዝሞተ እቲ ሑልዳ እተነበየቶ ትንቢት ብትኽክል ተፈጺሙ ክበሃል ይኽእልዶ፧ (2 ነገስት 23:⁠28-30) እወ: እቲ “ብሰላም” ናብ መቓብሩ ከም ዝእከብ ዝገልጽ ሓሳብ ምስቲ ኣብ ይሁዳ ዝመጽእ “ኽፉእ” ነገር ብምንጽጻር ኢዩ ተዘሪቡ። (2 ነገስት 22:⁠20፣ 2 ዜና መዋእል 34:⁠28) ባቢሎናውያን ብ609-607 ቅ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ቅድሚ ምኽባቦምን ምጥፍኦምን ኢዩ ዮስያስ ዝሞተ። ‘ምስ ኣቦታት ምእካብ’ ክበሃል ከሎ ኸኣ ብድንገት ንዝሞተ ሰብ ዘየጠቓልል ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብድንገት ንዝሞተን ኣሪጉ ንዝሞተን ሰብ ተመሳሳሊ መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ።​—⁠ዘዳግም 31:⁠16፣ 1 ነገስት 2:⁠10፣ 22:⁠34, 40

ሓቀኛ ኣምልኾ ኣስፋሕፍሐ

ዮስያስ ንተቐማጦ የሩሳሌም ኣብቲ ቤት መቕደስ ኣከቦም እሞ “ንዅሉ ቓላት” እቲ ኣብ ቤት የሆዋ እተረኽበ “መጽሓፍ ኪዳን” ኣንበበሎም። ድሕርዚ ‘ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ክኸይድን ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ክሕሉን: ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጻሒፉ ዘሎ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ’ ክፍጽሞ ኸኣ ኪዳን ኣተወ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ እውን ኣብቲ ኺዳን ኣተወ።​—⁠2 ነገስት 23:⁠1-3

ቀጺሉ ንጉስ ዮስያስ ኣንጻር ኣምልኾ ጣኦት ካልኣይን ዝሓየለን ወፈራ ገበረ። ኣብ ይሁዳ ንዝነበሩ ኻህናት ጓኖት ኣማልኽቲ ሰዓሮም። እቶም ኣብ ዘይንጹህ ኣምልኾ ዝካፈሉ ዝነበሩ ሌዋውያን ካህናት ኣብ መሰውኢ የሆዋ ናይ ምግልጋል መሰል ኣጥፍኡ: ነቲ ብግዜ ግዝኣት ሰሎሞን እተሰርሐ በረኽቲ ኸኣ ንኣምልኾ ከም ዘይበቅዕ ገበሮ። እቲ ናይ ምንጻህ ዕዮ ኣብ ግዝኣት ናይታ ኣቐድም ኣቢላ ብኣሶራውያን እተሳዕረት (740 ቅ.ኣ.ዘ.) መንግስቲ ናይቶም ዓሰርተ ነገድ እስራኤል ቀጸለ።

ዮስያስ ንኣዕጽምቲ ናይ በዓል ካህናት ኣብቲ ንጉስ የሮብዓም ቀዳማይ ኣብ ቤትኤል ዘቘሞ መሰውኢ ምስ ኣንደዶ: እቲ ቅድሚ 300 ዓመት ብሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ “ናይ ኣምላኽ ሰብ” እተነግረ ትንቢት ተፈጸመ። ነቲ ኣብቲ ቦታ እትን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ዝነበረ በረኽቲ ኣፍረሰ: ነቶም ምስ ኣምልኾ ጣኦት ምትሕሓዝ ዝነበሮም ካህናት ድማ ኣብቲ ዝስውኡሉ ዝነበሩ መሰውኢታት ሓረዶም።​—⁠1 ነገስት 13:⁠1-4፣ 2 ነገስት 23:⁠4-20

ዓቢ በዓል ፋስጋ ተገብረ

እቲ ዮስያስ ንጹህ ኣምልኾ ንምስፍሕፋሕ ዝገብሮ ዝነበረ ተግባራት መለኮታዊ ድጋፍ ነበሮ። ብዅሉ ዘመን ህይወቱ እቶም ህዝቢ “ካብ ምስዓብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየግለሱን:” ስለዚ እቲ ንጉስ ንኣምላኽ ከመስግን ነበሮ። (2 ዜና መዋእል 34:⁠33) ዮስያስ ነቲ ኣብ መበል 18 ዓመት ግዝኣቱ ዝዀነ ዘደንቕ ፍጻመ ከመይ ገይሩ ክርስዖ ይኽእል፧

እቲ ንጉስ ነቶም ህዝቢ “ከምቲ ኣብዚ [ቐረባ ግዜ ኣብ እተረኽበ] መጽሓፍ ኪዳን እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ” ኢሉ ኣዘዞም። (2 ነገስት 23:⁠21) ዮስያስ ጽቡቕ ምላሽ ብምርካቡ ተሓጒሱ ኢዩ። ነዚ በዓል እዚ ካብ መጓሰኡ 30,000 እንስሳታትን 3,000 ከብትን ወፈየ። ኣየ ከመይ ዝበለ በዓል ፋስጋ ኰን ኢዩ! በቲ ዝቐረበ መስዋእትታት: በቲ ዝነበረ ስርዓት: ከምኡውን ብብዝሒ ኣምለኽቲ ክርአ ኸሎ ካብቲ ካብ ግዜ ነብዪ ሳሙኤል ኣትሒዙ እተገብረ ዝዀነ ይኹን በዓል ፋስጋ ሓለፍ ዝበለ ኢዩ ነይሩ።​—⁠2 ነገስት 23:⁠22, 23፣ 2 ዜና መዋእል 35:⁠1-19

ምስ ሞተ ብርቱዕ መልቀስ ተገብረሉ

ዮስያስ ኣብተን ዝነገሰለን 31 ዓመታት (659-629 ቅ.ኣ.ዘ.) ንፉዕ ንጉስ ነበረ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ንግስናኡ: ፈርኦን ኔኮ ንሰራዊት ባቢሎን ብምዕጋት ንንጉስ ኣሶር ኣብ ኬርከሚሽ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ንኽሕግዝ ኢሉ ብይሁዳ ክሓልፍ ከም ዝመደበ ፈለጠ። ብዘይ​ተፈልጠ ምኽንያት: ዮስያስ ምስ ግብጻውያን ክዋጋእ ወጸ። ኔኮ ልኡኻት ሰዲዱ “ንሱ ኸየጥፍኣካስ: ምስቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ምቅዋምካ ግደፎ” በሎ። ዮስያስ ግን ክዳውንቱ ለዊጡ ናብ ውግእ ኣተወ: ነቶም ግብጻውያን ድማ ካብ መጊዶ ክመልሶም ፈተነ።​—⁠2 ዜና መዋእል 35:⁠20-22

ንጉስ ይሁዳ ጽቡቕ ኣየጋጠሞን! ናይ ጸላኢ ወርወርቲ ወግእዎ: ንገላዉኡ ድማ “ብርቱዕ ተወጊኤ እየ እሞ: ካብዚ ኣውጽኡኒ” በሎም። ንዮስያስ ካብ ናይ ውግእ ሰረገላኡ ኣውሪዶም ናብ ካልእ ሰረገላ ኣሕለፍዎ እሞ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ። ኣብኡ ወይ ናብታ ኸተማ ክኸይድ ከሎ: ዮስያስ ንመወዳእታ ግዜ ኣስተንፈሰ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ “ሞተ ድማ: ኣብ መቓብር ኣቦታቱውን ተቐብረ። ብዘለዉ ይሁዳን የሩሳሌምን ከኣ ንዮስያስ ሐዘኑሉ” ይብለና። ኤርምያስ ኣልቀሰሉ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝግበር መልቀስ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ምጥቃስ ተለምደ።​—⁠2 ዜና መዋእል 35:⁠23-25

እወ: ንጉስ ዮስያስ ምስ ግብጻውያን ብምውግኡ ዓቢ ጌጋ ኢዩ ገይሩ። (መዝሙር 130:⁠3) ትሕትናኡን ንንጹህ ኣምልኾ ዘለዎ ጽኑዕ ኣቕዋምን ግን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስምረት ከም ዝረክብ ገይርዎ ኢዩ። የሆዋ ነቶም ትሑት ልቢ ዘለዎም ውፉያት ኣገልገልቱ ስምረቱ ከም ዝህቦም: ካብ ናይ ዮስያስ ህይወት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ብንጹር ኰን ኢዩ ዝረኣየና!​—⁠ምሳሌ 3:⁠34፣ ያእቆብ 4:⁠6

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

መንእሰይ ንጉስ ዮስያስ ብምሉእ ልቡ ንየሆዋ ደለዮ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ዮስያስ ነቲ በረኽቲ ኣፍረሶ: ሓቀኛ ኣምልኾ ድማ ኣስፋሕፍሐ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ