-
የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ክዝክረካ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2000 | 1 ለካቲት
-
-
የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ክዝክረካ፧
“ዎኣምላኸይ: ዘክረኒ።” ነህምያ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ብተደጋጋሚ ንኣምላኽ ለሚንዎ ኢዩ። (ነህምያ 5:19፣ 13:14, 31) ሰባት ከቢድ ጸገማት ከጓንፎም ከሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ገይሮም ንኣምላኽ ምልማን እተለምደ ኢዩ።
ሰባት ኣምላኽ ንኽዝክሮም ክሓትዎ ከለዉ ግን እንታይ ማለቶም ኢዮም፧ ኣምላኽ ኣስማቶም ካብ ምዝካር ንላዕሊ ክገብረሎም ብተስፋ ይጽበዩ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ምስ የሱስ እተሰቕለ ዓማጺ: ተስፋ ከም ዝገብሩ እተረጋገጸ ኢዩ። እዚ ዓማጺ እዚ ከምቲ ብጻዩ ዘይኰነስ ንየሱስ “ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” ኢሉ ለመኖ። እዚ ሰብ እዚ የሱስ እንታይነቱ ክዝክሮ ጥራይ ዘይኰነስ ገለ ነገር ክገብረሉ—ከተንስኦ—ኢዩ ደልዩ።—ሉቃስ 23:42
ምስዚ ብዝሰማማዕ መገዲ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ምዝካር” ማለት ኣወንታዊ ስጕምቲ ምውሳድ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። ንኣብነት: ምድሪ ብማይ ኣይሂ ን150 መዓልትታት ምስ ኣጥለቕለቐት ‘ኣምላኽ ንኖህ ዘከሮ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ: እቲ ማይ ከኣ ጐደለ።’ (ዘፍጥረት 8:1) ድሕሪ ገለ ክፍለ-ዘበናት ሳምሶን ብፍልስጥኤማውያን ዓይኑ ምስ ዓወረን ብሰንሰለት ምስ ተኣስረን “እግዚኣብሄር . . . በጃኻ ዘክረኒ። . . . በጃኻ ነዛ ግዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሃበኒ” ኢሉ ጸለየ። የሆዋ: ሳምሶን ንጸላእቲ ኣምላኽ ሕነ ምእንቲ ክፈዲ ካብ ናይ ሰብ ንላዕሊ ዝዀነ ሓይሊ ብምሃብ ዘከሮ። (መሳፍንቲ 16:28-30) ንነህምያ እውን የሆዋ ጻዕሩ ባሪኹሉ ኢዩ: ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓቀኛ ኣምልኾ እንደገና ተመስረተ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:4) ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝገበርዎ ፍቓዱ ንኽንገብር ብምጽዓር ንየሆዋ እንተድኣ ዘኪርናዮ: ኣብ መዓልታዊ ናብራና ዘድልየና ነገራት ንኽንረክብ ብምሕጋዝ: ኣብ ዘጋጥመና ፈተናታት ብምድጋፍ: ከምኡውን ኣብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ፍርዲ ከምጽእ ከሎ ንዓና ብምድሓን ከም ዝዝክረና ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 6:33፣ 2 ጴጥሮስ 2:9
-
-
ክትብጻሕ ምደለኻዶ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2000 | 1 ለካቲት
-
-
ክትብጻሕ ምደለኻዶ፧
ኣብዛ እተሸገረት ዓለምውን ከይተረፈ: ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን እቲ ንወድሰብ ዘለዎ ዘገርም ዕላማን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ብምሓዝ: ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ ሓበሬታ ክትቅበል ወይ ሓደ ሰብ ምሳኻ ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ እንተድኣ ደሊኻ: በጃኻ ካብቲ ኣብ ገጽ 30 ተዘርዚሩ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ጽሓፍ።
-