መዝሙር 13
ክርስቶስ ኣርኣያና
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. የሆዋ ብፍቕሩ፡
ዓብዪ ግብሪ ገይሩ፣
ንዅሎም ሰባት ሂብዎም’ዩ በዅሩ።
ሰብ ኰይኑ ክርስቶስ፡
ተወሊዱ የሱስ፣
ብኣብነቱ ኣምላኽ ኪምጐስ።
2. ቃል ኣምላኽ ንዕኡ
ኸም እንጌራ ነይሩ፣
ሳላዚ ድማ ልቦና ኣሕዲሩ።
ንልቢ የሆዋ
ኼሐጕስ ጽዒሩ፣
ኰይኑ ኣርኣያ ብቓል ብግብሩ።
3. ከም የሱስ ተጊህና፡
ንወድስ ኣምላኽና፣
ኣሰሩ ንስዓብ ኣብ ኵሉ ጐደና።
በርኣያ ክርስቶስ፡
ወትሩ ንመላለስ፣
ሽዑ ንረክብ ካብ ኣምላኽ ሞገስ።