ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sjj መዝሙር 139
  • ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ
  • ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዑ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘምሩ!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
sjj መዝሙር 139

መዝሙር 139

ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

(ራእይ 21:1-5)

  1. 1. ስኣሎ’ሞ በእምሮኻ፡

    ሓዳስ ዓለም ብኣካል ኣቲኻ፣

    ብናጽነት ኣስተርሒኻ፡

    ጃርጃር ኪብል ዋሕዚ ሰላምካ።

    ኪጠፍእ’ዩ ዅሉ ኽፍኣት፣

    ኪሰፍን’ዩ ናይ ኣምላኽ ግዝኣት።

    ክትጽብቕ እያ፡ ክትሕደስ ምድርና፣

    ንሕና’ውን ክንዝምር ውዳሰ ምስጋና፦

    (ኣዝማች)

    “የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣየ ተግባርካ!

    ብወድኻ ንዅሉ ሓዲስካ።

    ንድንቂ ግብርኻ ቓላት ስኢንናሉ፣

    ናትካ’ዩ ግርማን ውዳሰን ክብርን ኵሉ።”

  2. 2. ስኣሎ’ሞ በእምሮኻ፡

    ሓዳስ ዓለም ርኣያ ’ማዕዲኻ፣

    ኣይኪህሉን ዜፍርሃና፡

    ዜስግኣና፡ ዜሸቝርረና።

    ኪፍጸም’ዩ ኸምቲ ቓሉ፣

    ኬእትወና ትሕቲ ጽላሉ።

    ምዉታት ኬተንስእ እዩ ኣምላኽና፣

    ንሳቶም’ውን ኪዝምሩ’ዮም ምሳና፦

    (ኣዝማች)

    “የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣየ ተግባርካ!

    ብወድኻ ንዅሉ ሓዲስካ።

    ንድንቂ ግብርኻ ቓላት ስኢንናሉ፣

    ናትካ’ዩ ግርማን ውዳሰን ክብርን ኵሉ።”

(መዝ. 37:10, 11፣ ኢሳ. 65:17፣ ዮሃ. 5:28፣ 2 ጴጥ. 3:13 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ