ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 9/15 ገጽ 12-13
  • ናብ ኒከራግዋ እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ኒከራግዋ እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2015
ንቕሑ!—2015
g 9/15 ገጽ 12-13
ካብ ቀላይ ኒከራግዋ ብዝነቶገ ኽልተ እሳተ ጎመራ ዝቘመት ደሴት ኦማቴፔ

ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ትርኢት ቀላይ ኒከራግዋ ደሴት ኦማቴፔ እያ፣ ኣብታ ደሴት ልሙዕ ዝዀነ፡ ብኽሳድ መሬት ድማ እተራኸበ ኽልተ ዓበይቲ እሳተ ጎመራዊ ጎቦታት ይርከብ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኒከራግዋ እተገብረ ምብጻሕ

ካርታ ኒከራግዋ

ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኒከራግዋ ‘ምድረ ቐላያትን እሳተ ጎመራን’ ኢሎም እዮም ዚጽውዕዋ። እቲ ኣብዛ ሃገር ዚርከብ ቀላይ ኒከራግዋ፡ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ቐላይ እዩ። እቶም ደቀባት ዝዀኑ ዓሌታት ድማ ኮቺቦልካ ኢሎም ይጽውዕዋ፣ ትርጉሙ ኸኣ “ምቍር ባሕሪ” እዩ። ቀላይ ኒከራግዋ ብኣማእታት ዚቝጸር ደሴታት ዚርከቦ ዀይኑ፡ ንኸም ከልቢ ዓሳን ስዎርድፊሽን ታርፖንን ዝኣመሰሉ ኣብ ውቅያኖስ ዚነብሩ ዓይነት ዓሳ ዝሓዘ ጨዋም ዘይኰነ እንኮ ቐላይ እዩ።

ሃገራዊ ዕምባባ ኒከራግዋ ዝዀነት ሳኵዋንጆቸ

ሳኵዋንጆቸ (ፍራንጂፓኒ) ሃገራዊ ዕምባባ ኒከራግዋ እዩ

ኣብ ኒከራግዋ፡ ገማግም ሞስኪቶ ተባሂሉ ዚፍለጥ ሓደ ኻብቲ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ግሉል ዝዀነ ቦታታት እውን ይርከብ እዩ። እዚ ገማግም እዚ፡ 65 ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዘለዎ ዀይኑ፡ ንመብዛሕትኡ ኽፋል ምብራቓዊ ገማግም እታ ሃገር ዚሽፍንን ክሳብ ጐረቤት ሃገር ሆንዱራስ ዚዝርጋሕን እዩ። ሚስኪቶ (ወይ ሞስኪቶ) ሓደ ኻብቶም ብርክት ዝበሉ ጕጅለ ደቀባት ኒከራግዋ ዀይኖም፡ ኤውሮጳውያን ኣብ መበል 16 ዘመን ናብቲ ኸባቢ ቕድሚ ምምጻኦም ኣትሒዙ ዝጸንሐ ታሪኽ ዘለዎም እዩ።

ሚስኪቶ ድልዱል ማሕበራዊ ርክባትን ፍሉይ ልምድታትን ኣለዎም። ንኣብነት፡ ቋንቋ ሚስኪቶ ኸም “ኣቶ” ወይ “ወይዘሮ” ዝኣመሰለ ወግዓዊ መጸውዒ ዝዀነ ቓላት የብሉን። ኣብ ገጠር ዚቕመጡ ማሕበረ ሰብ፡ እቶም ንኣሽቱ ንዓበይቲ ሰባት፡ ኣዝማዶም ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ “ሓወቦይ” ወይ “ኣሞይ” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎም። ደቂ ኣንስትዮ ሚስኪቶ ምስ ናይ ቀረባ ፈተውተንን ኣዝማደንን ሰላምታ ኺለዋወጣ ኸለዋ ምዕጕርቲ ንምዕጕርቲ እየን ዚሰዓዓማ፣ እዚ ድማ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዝጸንሐ ባህሊ እዩ። ድሕሪዚ፡ እታ ሰላምታ ዘበገሰት ሰበይቲ ገና ኣብ ምዕጕርቲ እናሰዓመት ከላ ብኣፍንጫኣ ኣየር ትስሕብ።

ደቀባት ኒከራግዋ

ደቀባት

ብቛንቋ ማያንጋን ሚስኪቶን እተዳለወ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ

ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብቛንቋ ማያንጋን ሚስኪቶን

ሓጺር ሓበሬታ

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ 6,176,000

  • ወግዓዊ ቛንቋ፦ ስጳንኛ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ርእሰ ምምሕዳራዊ ዞባታት፡ ሚስኪቶ፡ ማያንጋ፡ ራማ፡ ከምኡ እውን ክሪዮል እንግሊዝኛ ብማዕረ እዩ ዚዝረበሉ

  • መንግስቲ፦ ሪፓብሊክ

  • ርእሰ ኸተማ፦ መናጓ

  • ኵነታት ኣየር፦ መብዛሕትኡ እዋን ትሮፒካዊ ዀይኑ ኣብ ከበሳታት ግና ቘራሪ እዩ

  • መሬት፦ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጐላጕል፡ ኣብ ማእከል ድማ ጎቦታት ይርከቦ

ፍልጠትካ ገምግም

ነዚ ብዛዕባ ኒከራግዋ ዚገልጽ ሓሳብ ‘ቅኑዕ’ ወይ ‘ጌጋ’ ኢልካ መልስ፦

  1. ሀ. ስም እዛ ሃገር ካብቲ ቕድሚ ዘመናት ዚነብር ዝነበረ ኒከራው ዚብሃል መራሒ ሓደ ዓሌት ደቀባት ዝመጸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  2. ለ. ኒከራግዋ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኻብ ዚርከባ ሃገራት፡ እታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ስጳኛን ብሪጣንያን ዝነበረት እንኮ ሃገር እያ።

  3. ሐ. ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ እተን ኣብ ገማግም ቀላይ ኒከራግዋ ዚርከባ ኸተማታት ካብ ካሪብያን ብዝመጹ ሸፋቱ ባሕሪ ተዘሚተን እየን።

  4. መ. ኒከራግዋ እታ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝወሓደ ተቐማጦ ዘለዉዋ ሃገር እያ።

መልሲ፦ ኵሉ ቕኑዕ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ