ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 1 ገጽ 12-13
  • ናብ ሊክተንሽታይን እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ሊክተንሽታይን እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2016
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 1 ገጽ 12-13
ኣብ ሊክተንሽታይን ዘሎ እተሸፈነ ድልድል

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ሊክተንሽታይን እተገብረ ምብጻሕ

ነታ ምስ ስዊዘርላንድን ኦስትርያን እትዳወብ ሊክተንሽታይን ዜርኢ ካርታ

ኣብ ዓለም ሓንቲ ኻብተን ዝነኣሳ ሃገራት እያ። እዛ ኣብ ኣኽራን ኣልፕ እትርከብ ሃገር፡ ምስ ስዊዘርላንድን ኦስትርያን እያ እትዳወብ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ሰልታውያንን ሪሽያውያንን ሮማውያንን ኣለማናውያንን ኣብዚ ኸባቢ ይነብሩ ነይሮም እዮም። ሎሚ ድማ፡ ዳርጋ ኽልተ ሲሶ ዚኸውን ህዝቢ ሊክተንሽታይን፡ ዘርኢ እቶም ቅድሚ ኣስታት 1,500 ዓመት ኣብቲ ኸባቢ ዝሰፈሩ ኣለማናውያን እዮም።

ወግዓዊ ቛንቋ ሊክተንሽታይን ጀርመንኛ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ እተፈላለየ ኣቝሻት እተፈላለየ ላህጃታት ይዝረብ እዩ። ኣብታ ሃገር ባህላዊ ዝዀነ ምግቢ፡ ቱዊርካ ረበል ዚብሃል ካብ ዕፉን ዚስራሕ ምግብን ካስክኖፐፈል ዚብሃል ጅብና (ፎርማጆ) ዝበዝሖ ፓስታን እዩ።

ክልተ ባህላዊ ምግብታት ሊክተንሽታይን

ካስክኖፐፈል

ሕብራዊ ዝዀነ ባህላዊ ኽዳን ሊክተንሽታይን እተኸድና ሰበይትን ጓልን

ሕብራዊ ዝዀነ ባህላዊ ኽዳን

ናብታ ዓዲ ምብጻሕ ዚገብሩ በጻሕቲ፡ ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራንን ሓምላይ ሽንጥሮታትን ስፍራታት ኣታኽልቲ ወይንን እተፈላለየ ዓይነት ኣትክልትን ኪርእዩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብዛ ኣብ ኣልፕ እትርከብ ኣዝያ ንእሽቶ ሃገር ዳርጋ 50 ዓይነት ተኽሊ ኦርኪድ ኪርከብ ይከኣል እዩ። ሊክተንሽታይን ኣብያተ መዘክራትን ኣዳራሻት ትያትራትን ወይኒ ዚዳለወሉ ቦታታትን እውን ኣለዋ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ሓጋይ ኰነ ኣብ ክረምቲ በጻሕቲ ይመጹ እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1920ታት ኣትሒዞም፡ ኣብ ሊክተንሽታይን ዕዮ ስብከቶም የካይዱ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ፡ ንደቂ ዓድን ንበጻሕትን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሩ ኣስታት 90 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብታ ሃገር ኣለዉ።

እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት መጽሓፍ፡ በቲ ወግዓዊ ቛንቋ ሊክተንሽታይን ዝዀነ ጀርመንኛ እውን ተሓቲማ እያ። ኣብ ኢንተርነት ኣብ www.pr2711.com እውን ትርከብ እያ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ 37,000

  • ርእሰ ኸተማ፦ ቫዱትስ

  • ወግዓዊ ቛንቋ፦ ጀርመንኛ

  • ሃይማኖት፦ ብቐዳምነት ሮማዊት ካቶሊክ

ፍልጠትካ ገምግም

ካብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ብዛዕባ ሊክተንሽታይን ዚገልጽ ኣየናይ እዩ፧

  1. ሀ. ካብተን ወሰን ባሕሪ ብዘይብለን ሃገራት እተኸብባ ኽልተ ሃገራት ዓለም እታ ሓንቲ እያ።

  2. ለ. ልዕሊ 50 ዓይነት መጥበውቲ እንስሳታት ዚነብሩላ እያ።

  3. ሐ. ኣስታት 1,600 ጅር ኣትክልቲ ዚርከበላ እያ።

  4. መ. ሰራዊት ዘይብላ ሃገር እያ።

መልሲ፦ ኣርባዕቲኡ ምሉእ ሓሳብ ቅኑዕ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ