ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 6 ገጽ 10-11
  • ናብ ኒው ዚላንድ እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ኒው ዚላንድ እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2017
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 6 ገጽ 10-11
ሚልፎርድ ሳውንድ፡ ኒው ዚላንድ

ሚልፎርድ ሳውንድ

ሃገራትን ህዝብታትን | ኒው ዚላንድ

ናብ ኒው ዚላንድ እተገብረ ምብጻሕ

ኒው ዚላንድ ኣብ ካርታ ዓለም

ዓሌታት ማኦሪ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ብውቅያኖስ ተጓዒዞም ኣብ ኒው ዚላንድ ዝሰፈሩ፡ ቅድሚ 800 ዓመት ኣቢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብኡ ድማ ምስቲ ኣብ ፖሊነዥያ ሓዲጎምዎ ዝመጹ ትሮፒካዊ ደሴታት ፈጺሙ ዘይመሳሰል ቅርጸ መሬት ረኸቡ። እታ ዝረኸብዋ ሓዳስ መሬት፡ ኣኽራንን ኣኻውሕ በረድን ዝበዝሓ፡ ውዑይ ዓይኒ ማይን ውርጭን ድማ ዚርከባ እያ ነይራ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዘመን ከኣ፡ ካልኦት ሰፈርቲ መጹ፣ ንሳቶም ግና ካብ ርሑቕ ቦታ፡ ማለት ካብ ኤውሮጳ ዝመጹ እዮም ነይሮም። ሎሚ መብዛሕትኦም ተቐማጦ ኒው ዚላንድ፡ ንባህሊ እንግሊዛውያንን ተቐማጦ ፖሊነዥያን ተቐቢሎም እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። ካብ ነበርቲ ኒው ዚላንድ ዳርጋ 90 ሚእታዊት፡ ኣብ ከተማ እዮም ዚነብሩ። ከተማ ወሊንተን፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ዅለን ርእሲ ኸተማታት፡ ናብ ደቡባዊ ጫፍ ዝቐረበት ከተማ እያ።.

ኣብ ሰሜናዊት ደሴት ኒው ዚላንድ ዚርከብ ፍሉሕ ራህያ ጭቃ

ኣብ ሰሜናዊት ደሴት ዚርከብ ፍሉሕ ራህያ ጭቃ

ኒው ዚላንድ ካብ ሃገራት ዓለም ተገሊላ እትርከብ ሃገር እኳ እንተ ዀነት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዜደንቕ ጽባቐ ዘለዎ ቦታታት ዝሓቘፈት ብምዃና፡ ኣብ ዓመት ክሳዕ ሰለስተ ሚልዮን ዚዀኑ በጻሕቲ ዓዲ ትስሕብ እያ።

ብሩራዊ ዝሕብሩ ኦም ክንሻር

እቲ ብሩራዊ ዝሕብሩ ኦም ክንሻር፡ ቍመቱ ልዕሊ 10 ሜተር ኪበጽሕ ይኽእል

ታካሀ እትብሃል ዘይትነፍር ዑፍ

ክሳዕ 1948 እታ ታካሀ እትብሃል ዘይትነፍር ዑፍ፡ ከም ዝጸነተት ጌርካ ይእመን ነይሩ

ኒው ዚላንድ በይኖም ብዝዓይነቶም እንስሳ ዘገዳም እተዓደለት ሃገር እያ፣ ኣብታ ሃገር ከኣ ካብ ኣብ ካልእ ብዝያዳ በብዓይነቱ ዘርኢ እተን ዘይነፍራ ኣዕዋፍ ኣለዋ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኽሳዕ 100 ዓመት ኪነብር ዚኽእል ቱዋታራ ዚብሃል ንጠበቕ ዚመስል ለማሚ፡ ኣብ ኒው ዚላንድ እዩ ዚርከብ። ገለ ኻብቶም ኣብታ ሃገር ጥራይ ዚርከቡ መጥበውቲ እንስሳታት ድማ፡ ገሊአን ዘርኢ መንካዕ፡ ከም ዓሳ ኣንበሪን ኣቡ ሰላማን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ኣብ ባሕሪ ዚነብሩ ዘርኢ መጥበውቲ ኺጥቀሱ ይከኣሉ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኒው ዚላንድ ንጥፈታቶም ካብ ዚጅምሩ ዳርጋ 120 ዓመት ገይሮም ኣለዉ። እንተ ወሓደ ብ19 ቛንቋ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህሩ እዮም፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ፖሊነዥያ ዚዝረብ ቋንቋ ራሮቶንጋኛን ሳሞዋኛን ቶንጋንን ኒዩወኛን የጠቓልል።

ዓሌት ማኦሪ ይስዕስዑ

ዓሌት ማኦሪ ባህላዊ ኽዳን ተኸዲኖም ኪስዕስዑ ኸለዉ

ትፈልጥዶ፧

እቲ ኒው ዚላንድ ዚብል ስም፡ ካብቲ ኣብ ነዘርላንድስ ዚርከብ ዚላንድ ዚብሃል ዞባ እዩ ተወሲዱ። እቲ ኦቴሮኣ ዚብል ናይ ማኦሪ ስም፡ “ምድሪ ነዊሕ ጻዕዳ ደበና” ማለት እዩ።

መብዛሕትኦም ተቐማጦ ኒው ዚላንድ እንግሊዝኛ ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሕጂ ግና ማኦሪ ዚብሃል ቋንቋ ደቀባት ከም ብሓድሽ ይትንስእ ኣሎ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ተኣታትዩ ኣሎ። እቲ ወግዓዊ ወብ ሳይት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ jw.org እውን ብቛንቋ ማኦሪ ይርከብ እዩ።

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ 4.7 ሚልዮን

  • ርእሲ ኸተማ፦ ወሊንተን

  • መሬት፦ ኣብታ ሰሜናዊት ደሴት ብዙሕ እሳተ ጐመራን ሙቐትን ኣሎ። ኣብታ ደቡባዊት ደሴት ድማ ብኣሽሓት ዚቝጸር ኣኻውሕ በረድ ኣሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ