ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ድያ እትኸውን ዘላ ወይስ ኣይፋልን፧
    ንቕሑ!—2017 | ቍ. 6
    • ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት

      ገበር | ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ድያ እትኸውን ዘላ፧

      ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ድያ እትኸውን ዘላ ወይስ ኣይፋልን፧

      ዓመተ 2017 ማሕበረሰብ ስነ ፍልጠት ብዝሃብዎ ዜሕዝን መግለጺ እያ ጀሚራ። ኣብ ጥሪ፡ ገለ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ዓለምና ናብቲ ኣመና ዝኸፍአ ዕንወት ገጻ ኣዝያ ኸም ዝቐረበት ገለጹ። ዓለምና ናብቲ ኣብ መላእ ምድሪ ዜጋጥም መዓት ኣዝያ ኸም ዝቐረበት ብምሳልያዊ መገዲ ንምግላጽ ከኣ፡ ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት እትብሃል ተጠቕሙ፣ ነታ ኣብቲ ሰዓት እትርከብ ናይ ደቒቕ መሐበሪት ድማ፡ ብ30 ኻልኢት ኣቐደምዋ። ስለዚ፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት፡ ክልተ ደቂቕን ፈረቓን ጐደል ንፍርቂ ለይቲ እያ እተመልክት ዘላ፣ ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ካብቲ ልዕሊ 60 ዓመት ዝነበረ ብዝያዳ ናብ ዓለምለኻዊ ዕንወት ቀሪብና ኣለና ማለት እዩ።

      ብ2018 እውን እንተ ዀነ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ክሳዕ ክንደይ ናብ መወዳእታ ዓለም ቀሪብና ኸም ዘለና ንምፍላጥ፡ እንደገና ምርምር ኪገብሩ እዮም። ሽዑኸ እታ ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ መዓት ኣንጸላልዩ ኸም ዘሎ ኽትሕብረና ድያ፧ እንታይ ይመስለካ፧ ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ድያ እትኸውን ዘላ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ኣብዚ ዛዕባ እዚ፡ እቶም ምሁራት ዚብሃሉ እውን እንተ ዀኑ፡ እተፈላለየ ርእይቶ እዩ ዘለዎም። ብዘይካዚ፡ ኣብ መዓልቲ ጥፍኣት ዚኣምን፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን።

      ብኣንጻሩ ድማ፡ መጻኢና ብሩህ ከም ዝዀነ ዚኣምኑ ሚልዮናት ሰባት ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ደቂ ሰብን እዛ ምድርናን ካብ ጥፍኣት ብምድሓን ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ፡ ህይወትና ድማ ከም ዚመሓየሽ ዜርኢ መርትዖ ኸም ዘለዎም እዮም ዚገልጹ። እሞኸ እዚ መርትዖ እዚ ዜተኣማምን ድዩ፧ ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ድያ እትኸውን ዘላ ወይስ ኣይፋልን፧

      “ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ኣብ መላእ ዓለም ተቐባልነት ዘለዋ ምሳልያዊ ሰዓት ኰይና፡ ብሰንኪ እቲ ባዕልና ዝሰራሕናዮ ሓደገኛ ተክኖሎጂ፡ ነዚ ዘሎናዮ ስልጣነ ናብ እነጥፍኣሉ እዋን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝቐረብና እያ እትሕብር። ካብቲ ሓደገኛ ተክኖሎጂ ድማ ብቐዳምነት ዚጥቀስ፡ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እዩ፣ ብዘይካዚ ድማ፡ ኣብ ኵነታት ኣየር ለውጢ ዜምጽእ ተክኖሎጂ፡ እናማዕበለ ዚመጽእ ዘሎ ተክኖሎጂ ስነ ህይወትን ተክኖሎጂ ኮምፕዩተርን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ህይወትናን ኣብ ልዕሊ እዛ ፕላነትናን ብፍላጥ፡ ብጌጋ፡ ወይ ብኣጋጣሚ ንምቕያሩ ዘይከኣል ጕድኣት ኬውርድ ይኽእል እዩ።”—ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ።

  • መልሲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
    ንቕሑ!—2017 | ቍ. 6
    • ገበር | ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ድያ እትኸውን ዘላ፧

      መልሲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

      በዚ ኣብዚ ግዜና ዚስማዕ ማእለያ ዘይብሉ ሕማቕ ዜና ትጭነቕ ወይ ትፈርህ እንተ ዄንካ፡ ካልኦት እውን ከማኻ ይጭነቑ እዮም። ብ2014 እቲ ሽዑ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ ባራክ ኦባማ ኸም ዝገለጾ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚቐርብ ሕማቕ ነገራት፡ ብዙሓት ሰባት፡ ‘ዓለምና ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ትኸውን ስለ ዘላ፡ ኪቈጻጸራ ዚኽእል ዋላ ሓደ የሎን’ ኢሎም ከም ዚድምድሙ ገይርዎም እዩ።

      ፕረዚደንት ነበር ኦባማ ነዚ ሓሳብ እዚ ደድሕሪ ምዝራቡ፡ ንብዙሕ ጸገማት ዓለም ብዛዕባ ዚፈትሕ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ስትራተጂ ብውዕዉዕ ስምዒት ገሊጹ እዩ። ነቲ ገሊአን መንግስትታት ብተበግሶአን ዚወስዳኦ ስጕምትታት፡ “ብስራት” ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዑ፡ “ትስፉው” ከም ዝዀነን “ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ” ኸም ዘለዎን ድማ ሓቢሩ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ሰባት ዚገብርዎ ጻዕርታት፡ ነዛ ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኸይትኸውን ዚሕግዝን ካብ ዓለምለኻዊ ዕንወት ዚሰትርን ከም ዝዀነ እዩ ዚሕብር ነይሩ።

      ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ብስነ ፍልጠት እዮም ዚኣምኑ፣ ተክኖሎጂ ቕልጡፍ ዕቤት ብምግባር ንጸገማት ዓለም ከም ዚፈትሖ ድማ ይገልጹ። ሓደ ናይ ዲጂታዊ ተክኖሎጅን ምህዞን ምሁር፡ ኣብ ዓመተ 2030፡ ‘ተክኖሎጂና ብሓደ ሽሕ ዕጽፊ ኺምዕብል፡ ብ2045 ድማ ብሓደ ሚልዮን ዕጽፊ ኪምዕብል’ ምዃኑ ኣፉ መሊኡ ተነብዩ ኣሎ። ወሲኹ እውን፡ “ጽቡቕ ኢና እንኸይድ ዘለና። እቲ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት ኣመና ዓብዪ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ብድሆታት ንምስጋር ዘሎና ዓቕሚ ግና ልዕሊ እቲ ጸገማት እዩ” ኢሉ ኣሎ።

      ኵነታት ዓለም ክሳዕ ክንደይ እዩ ኸፊኡ ዘሎ፧ ኣብ ድርኵዂት ዓብዪ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ዲና ዘለና፧ ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ፖለቲከኛታትን፡ ተስፋ ዝሓዘለ መልእኽቲ ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዙሓት ሰባት ግና ብዛዕባ መጻኢና ርግጸኛታት ኣይኰኑን። ስለምንታይ፧

      ኑክልየሳዊ ንትጓ

      ኣጽዋር ጃምላዊ ህልቂት። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ውድባትን ዝጸዓራ እኳ እንተ ጸዓራ፡ ኣብ ምንካይ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ግና ኣይተዓወታን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቓጻት መራሕቲ ነቲ ንኣጽዋር ንምቍጽጻር ዚወጽእ ሕግታት የባጭዉሉ እዮም። ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝነበረን ሃገራት፡ ነቲ ናይ ቀደም ኣጽዋረን ንምምሕያሽን ዝኸፍአ ንምምሃዝን ይጓየያ እየን ዘለዋ። እተን ኣጽዋር ጃምላዊ ህልቂት ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ዘይነበረን ሃገራት ከኣ፡ ሕጂ ንኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኬጥፍእ ዚኽእል ኣጽዋር ኣለወን።

      እዚ ኑክልየሳዊ ውግእ ኪውልዕ ዚኽእል ነገር፡ ነዛ ዓለምና “ሰላማዊ” ኣብ ዚብሃል እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ኣመና ሓደገኛ እዩ ዚገብራ። ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ ብዛዕባ እዚ ኼጠንቅቕ ከሎ፡ “ንኣብነት፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከይኣዘዞ ወይ ከይተቘጻጸሮ ባዕሉ ናይ ‘ምቕታል’ ውሳነ ዚገብር ሓደገኛ ኣጽዋር፡ ኣዝዩ ዜተሓሳስብ እዩ” ይብል።

      ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሰ ሰብኣይ

      ኣብ ጥዕናና ዘንጸላለወ ሓደጋ። ስነ ፍልጠት ምስ ጽቡቕ ጥዕና ብዚተሓሓዝ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ጥራይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል። ከም ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ክራሸ፡ ብከላ ኣየር፡ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መድሃኒት ዝኣመሰለ ንሕማም ዜቃልዕ ረቛሒታት፡ ኣዝዩ እዩ ዚውስኽ ዘሎ። ሓያሎ ሰባት በቲ ተላባዒ ዘይኰነ ኸም መንሽሮን ሕማም ልብን ሽኮርያን ዝኣመሰለ ሕማም ይሞቱ ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብኸም ሕማም ኣእምሮ ዝኣመሰለ ካልእ ሕማማት ጥዕና ይስእኑ ኣለዉ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ከኣ፡ ብቫይረስ ኢቦላን ብቫይረስ ዚካን ዝመጸ ሓደገኛ ለብዒ ኣጋጢሙ እዩ። እቲ ቐንዲ ነጥቢ፦ ሰባት ንሕማም ኪቈጻጸርዎ ኣይከኣሉን፣ እዚ መዓስ ከም ዜብቅዕ ድማ ኣይፍለጥን እዩ።

      እተበከለ ኣየርን ማይን

      ሰባት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዜውርድዎ መጥቃዕቲ። ፋብሪካታት ንኣየርና ይብክላኦ ኣለዋ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ድማ እተበከለ ኣየር ስለ ዜስተንፍሱ፡ በብዓመቱ ይሞቱ ኣለዉ።

      ውልቀ ሰባትን ማሕበረሰባትን ትካላት መንግስትን ናብ ውቅያኖሳት ረሳሕ ፈሳስን ሕክምናውን ሕርሻውን ጐሓፍን ፕላስቲክን ካልእ በካሊ ነገራትን ይጕሕፉ ኣለዉ። ኢንሳይክሎፐድያ ኦቭ ማሪን ሳይንስ ከም ዝሓበሮ፡ “እዚ መርዛም ጐሓፍ እዚ፡ ንእንስሳታትን ኣትክልትን ባሕሪ ይብክል፡ ነቶም ካብቲ ባሕሪ ንዚርከብ እተበከለ ምግቢ ዚበልዑ ሰባት ድማ ይምርዝ እዩ።”

      ብዘይካዚ፡ ጽሩይ ማይ ምርካብ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ብሪጣንያዊ ጸሓፊ ስነ ፍልጠታዊ ጽሑፋት ሮቢን ማኪ ብዛዕባ እዚ ኼጠንቅቕ ከሎ፡ “ዓለምና ንዅሉ ሸነኽ ምድርና ኺጸሉ ዚኽእል ምስ ማይ ዚተሓሓዝ ቅልውላው እዩ ኣጋጢምዋ ዘሎ” በለ። ፖለቲከኛታት እውን እንተ ዀኑ፡ ሕጽረት ማይ ብሰንኪ ሰባት ዝመጸ ጸገም ምዃኑን ከቢድ ሓደጋ ኼስዕብ ከም ዚኽእልን ይኣምኑሉ እዮም።

      ሓያል ዘራጊቶ

      ተፈጥሮ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዜውርዶ መጥቃዕቲ። ህቦብላን ሓያል ዘራጊቶን ምንቅጥቃጥ ምድርን፡ ከም ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይን መደራጋሕን ዝኣመሰለ ጕድኣት የስዕብ እዩ። ብዙሓት ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ በቲ ናይ ተፈጥሮ ሓይልታት ይሞቱ ወይ እውን ኣመና ይጕድኡ ኣለዉ። ሃገራዊ ስነ በረራን ምምሕዳር ጠፈርን ሕ.መ.ኣ. ዘውጸኦ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ‘ሓያል ህቦብላን ብርቱዕ ሙቐትን ምዕልቕላቕ ማይን ደርቅን’ ኬጋጥም ዘለዎ ተኽእሎ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እሞኸ ተፈጥሮ ንደቂ ሰብ ኬቃብጾም ድዩ፧

      ብዘይካ እዚ እተዘርዘረ፡ ንህልውናና ዜስግእ ካልእ ከቢድ ሓደጋታት እውን ትፈልጥ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሎሚ ዘጋጥም ዘሎ ሕማቕ ነገራት ብምምርማር ዜዕግብ መልሲ ኣይትረክብን ኢኻ። ገሊኦም ሰባት ካብ ፖለቲከኛታትን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን እውን ፋይዳ ዘለዎ መልሲ ኸም ዘይርከብ እዩ ዚስምዖም። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ኵነታት ዓለምን መጻኢ እዋንን ተተሓሒዙ ንዚልዓል ሕቶታት ዚኸውን ዜእምን መልሲ ረኺቦም ኣለዉ። እቲ መልሲ ግና ኣበይ እዩ ዚርከብ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ንቕሑ!—2017 | ቍ. 6
    • ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ዝኣተወ ሰብኣይ

      ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ሰብን ምድርን ብሩህ መጻኢ ስለ ዘተስፈወ፡ እቲ ምስ ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ዚተሓሓዝ ትንቢት ኣይኪፍጸምን እዩ

      ገበር | ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ድያ እትኸውን ዘላ፧

      መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

      ነዊሕ ዘመናት ይገብር፡ እቲ ዓለምና ሎሚ ዘላቶ ዅነታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተገሊጹ ነይሩ እዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ብዛዕባ ብሩህ መጻኢ ደቂ ሰብ ይንበ እዩ። መብዛሕትኡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ብዜደንቕ መገዲ ብዝርዝር ስለ እተፈጸመ፡ ነቲ ንሱ ዚብሎ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይግባእን።

      ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ፦

      • “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:7።

      • “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ጠላማት፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ [ኪዀኑ እዮም]።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-4።

      እዚ ትንቢታት እዚ፡ ነታ ብኣዘራርባ ገሊኦም ሰባት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እትኸውን ዘላ ዓለም ዚገልጽ እዩ። ብገሊኡ ሸነኽ ድማ፡ ዓለምና ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዀይና ኣላ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ ማለት፡ ካብ ቍጽጽር ደቂ ሰብ ወጻኢ ትኸውን ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ደቂ ሰብ ነባሪ ፍታሕ ናይ ምምጻእ ጥበብ ኰነ ዓቕሚ የብሎምን። እዚ ድማ ኣብዚ ዚቕጽል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ጐሊሑ ኣሎ፦

      • “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ሞት ትመርሕ።”—ምሳሌ 14:12።

      • ‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ይገዝኦ።’—መክብብ 8:9።

      • “ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።”—ኤርምያስ 10:23።

      እዛ ዓለምና ብናታ ብልሓት ክትቅጽል እንተ ተፈቒዱላ፡ ዓለምለኻዊ መዓት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ኣይኬጋጥምን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦

      • ኣምላኽ “ንምድሪ ኣብ መሰረታታ ሰረታ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ካብ ቦታኣ ኣይትነቓነቕን እያ።”—መዝሙር 104:5።

      • “ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትነብር።”—መክብብ 1:4።

      • “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29።

      • “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።”—መዝሙር 72:16።

      እዚ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ንጹር መልሲ እዩ ዚህብ። ደቂ ሰብ ብሰንኪ ብከላ፡ ስእነት ምግቢ፡ ሕጽረት ማይ፡ ወይ ብሰንኪ ዓለምለኻዊ ለብዒ ኣይኪሞቱን እዮም። እዛ ዓለም እዚኣ ድማ፡ ብሰሪ ኑክልየሳዊ ህልቂት ኣይክትጠፍእን እያ። ስለምንታይ፧ መጻኢ ፕላነትና ኣብ ኢድ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ሓልዩሎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ሳዕቤን ውሳነታቶም ይዓጽዱ እዮም። (ገላትያ 6:7) እዛ ዓለም እዚኣ፡ ልክዕ ከም ሓንቲ ናብ ጥፍኣት እተምርሕ ዘላ ዚቈጻጸራ ዘይብላ ባቡር ኣይኰነትን። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሶም ኬውርድዎ ዚኽእሉ ጕድኣት ደረት ገይሩሉ እዩ።—መዝሙር 83:18፣ እብራውያን 4:13።

      ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ካብኡ ንላዕሊ እውን ኪገብር እዩ። ‘ብዙሕ ሰላም’ ኬስፍን እዩ። (መዝሙር 37:11) እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ኣወንታዊ ኣረኣእያ፡ ካብቲ ሚልዮናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ብዛዕባ ብሩህ መጻኢ ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራይ እዩ።

      ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመን ኣብ ኵሉ ዓሌትን ዚርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ የሆዋ ዝስሙ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ እዮም ዜምልኹ። ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ኸኣ ኣይፈርሁን እዮም፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ እዩ ዚብል፦ “እቲ ፈጣር ሰማያት፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እቲ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ እቲ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ ዘይፈጠራ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።’”—ኢሳይያስ 45:18።

      እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ ምድርን ደቂ ሰብን ብዚምልከት ዚምህሮ ትምህርቲ ብእተወሰነ ጥራይ እያ መርሚራ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብስራት ኣምላኽ! ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ብሮሹር፡ ኣብ ትምህርቲ 5 ርአ። ኣብ www.pr2711.com/ti ድማ ትርከብ

      ነታ ኣብ www.pr2711.com/ti እትርከብ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ እውን ክትርእያ ትኽእል ኢኻ። (ኣብ ትሕቲ ሕታማት > ቪድዮታት ርአ)

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ