ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g24 ቍ. 1 ገጽ 7-9
  • ኣኽብሮት ንህይወት ኣበይ ጠፊኡ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣኽብሮት ንህይወት ኣበይ ጠፊኡ፧
  • ንቕሑ!—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣኽብሮት ንህይወት፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ንሕና እንገብሮ ዘለና
  • ንርእስኻ ኻብ ሕማም ተኸላኸለላ
    ንቕሑ!—2016
  • ኣብ እዋን ኮቪድ 19 መአከቢ ኣዳራሻት ብንጽህና ንምሓዝ እተገብረ ምድላዋት
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ሽጋራን ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራን ብዛዕባ ምትካኽ ክፈልጦ ዘሎኒ እንታይ እዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ኣብዛ ስግኣት ዝመልኣ ዓለም ድሕንነት ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2024
g24 ቍ. 1 ገጽ 7-9
ሓደ መንእሰይ ማኪና እናዘወረ ኸሎ፡ ንሱን መሓዙቱን ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ።

ኣኽብሮት ንህይወት ኣበይ ጠፊኡ፧

ኣኽብሮት ንህይወት፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንህይወት ዘየኽብር ልምድታትን ተግባራትን፡ ኣብ ጥዕናን ኣብ ድሕንነትን ማሕበረ ሰብ ኣሉታዊ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ።

  • ሽጋራ ጠንቂ መንሽሮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ሰብነትና ምስ መንሽሮ ንምቅላስ ዘለዎ ዓቕሚ እውን የዳኽሞ እዩ። ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብቶም ብመንሽሮ ሳንቡእ ዚሞቱ ሰባት፡ ሽጋራ ስለ ዜትክኹ ወይ ንትኪ ሽጋራ ስለ ዚቃልዑ እዮም በዚ ሕማም እዚ ዚጥቅዑ።

  • ኣብ ዓዓመት፡ ብኣልማማ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ንብዙሓት ስምዒታዊ በሰላ ይሓድገሎም ኣሎ። ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “እቶም ብዘይ ኣካላዊ ጕድኣት ዜምልጡ [ግዳያት መጥቃዕቲ ቤት ትምህርቲ] እኳ፡ ንሓያሎ ዓመታት ዕንቅፋት ኪዀኖም ዚኽእል በሰላ ጾይሮም እዮም ዚነብሩ።”

  • ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም ወይ ሓሽሽ ወሲዶም ዚዝውሩ መራሕቲ ማካይን፡ ንጽርግያታት ኰነ ንመገዲ ኣጋር ዘይውሑስ ከም ዚኸውን እዮም ዚገብርዎ። ሰባት ንህይወት ኣኽብሮት ዘይብሎም ምስ ዚዀኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣባላት እቲ ማሕበረ ሰብ እዮም ግዳያት ዚዀኑ።

ክትገብሮ እትኽእል

ጥዕናኻ ሓሉ። ካብ ከም ምትካኽ ሽጋራ፡ ምብዛሕ መስተ፡ ወይ ምውሳድ ሓሽሽ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ወልፍታት ርሓቕ። ከምዚ ዝበለ ጐዳኢ ወልፍታት ንህይወትካ ይጐድእ እዩ፣ ንህይወት እቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ስድራ ቤትካን ካልኦትን ኣኽብሮት ከም ዘይብልካ እውን የርኢ እዩ።

“ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።”—2 ቈረንቶስ 7:1።

ንድሕንነት ተጠንቀቕ። ሓደጋታት ምእንቲ ኸይፍጠር፡ ንቤትካ በብግዜኡ ጸግኖ። ድሕንነት እናሓሎኻ ማኪና ዘውር፡ ንማኪናኻ እውን ግቡእ ክንክን ግበረላ። ካልኦት ብዚገብሩልካ ጸቕጢ ተደፋፊእካ፡ ከቢድ ሓደጋ ወይ ሞት ኬስዕብ ኣብ ዚኽእል ንጥፈታት ኣይትሳተፍ።

“ሓድሽ ቤት እንተ ሃኒጽካ፡ ሰብ ካብኣ ኸይጸድፍ እሞ፡ ንቤትካ ዕዳ ደም ከየምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ።”—ዘዳግም 22:8።a

ለዋህ ኩን። ንህይወት ኣኽብሮት ምስ ዚህልወና፡ ካብ ኵሉ ዓሌትን ዜግነትን ማሕበራዊ ድሕረ ባይታን ንዝመጹ ሰባት ንልውሃሎም ኢና። ስለምንታይሲ፡ ኣቐዲምካ ፍርዲ ዀነ ጽልኢ፡ ቀንዲ ጠንቂ እዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ዓመጻን ውግእን እዩ።

“ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ይርሓቕ። . . . ንሓድሕድኩም ለዋሃት . . . ኩኑ።”—ኤፌሶን 4:31, 32።

ንሕና እንገብሮ ዘለና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጥዕና ዚሰማማዕ ሚዛናዊ ናብራ ነተባብዕ ኢና። ንሕና ዘዳሎናዮ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሓት ሰባት፡ ወልፍታቶምን ጐዳኢ ልማዳቶምን ኬሰንፉ ሓጊዝዎም እዩ።

ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸት ንድሕንነትና ንጥንቀቕ ኢና። ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮ ዜገልግል መአከቢታትናን ካልእ ህንጻታትናን ዚሃንጹ ወለንተኛታት ካብ ጕድኣት ብኸመይ ከም ዚስተሩ ይስልጥኑ እዮም። ህንጻታትና ምስቲ ናይቲ ዓዲ ሕግታት ድሕንነት ዚሰማማዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ብስሩዕ ምርመራ ይግበረሉ እዩ።

ሰብኣዊ ረድኤት ንህብ ኢና። ኣብዚ ቐረባ ግዜያት፡ ኣብ ውሽጢ 12 ወርሒ ጥራይ ኣብ ብዘላ ዓለም ብሰንኪ ዘጋጠመ ንህይወት ዜስግእ 200 ሓደጋታት ሓገዝ ንምሃብ ተንቀሳቒስና ኢና፣ ንግዳያት ዘበሉ ረድኤት ንምሃብ ድማ ብወፈያ ኻብ እተኣከበ ገንዘብ 12 ሚልዮን ዶላር ኣውጺእና ኢና።

ለበዳ ኢቦላ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃን (2014) ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን (2018) ምስ ኣጋጠመ፡ እቲ ቐታሊ ሕማም ምእንቲ ኸይላባዕ፡ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚከላኸልዎ ምሂርናዮም ኢና። “ተኣዛዝነት ህይወት የድሕን” ብዚብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ዜቕርቡ ተወከልቲ እውን ልኢኽና ኢና። ኣብ መእተዊ ቦታታት ኣምልኾና፡ መሕጸቢ ኢድ ኣዳሊና፡ ምሕጻብ ኣእዳውን ካልእ ግብራዊ ጥንቃቐታትን ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ኣጕሊሕና ኢና።

ኣብ ሰራ ልዮን ብረድዮ ኣብ እተነግረ ምልክታ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደቂ ሃይማኖቶምን ንኻልኦትን ብኸመይ ንቫይረስ ኢቦላ ኸም ዚከላኸልዎ ስለ ዝሓገዝዎም፡ ተናኢዶም እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምእታዎም፡ ኣእዳዎም ምእንቲ ኺሕጸቡ ተሰሪዖም ብትዕግስቲ ይጽበዩ።

ኣብቲ ብ2014 ኣብ ላይበርያ ለበዳ ኢቦላ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተዳለወ መሕጸቢ ኢድ

a እዚ ኣብ ናይ ጥንቲ ማእከላይ ምብራቕ ንዚነብሩ እተዋህበ ጥበብ ዝሓዘለ መምርሒ፡ ንድሕንነት ኣባላት ስድራ ቤትን ካልኦትን ዚሕሉ እዩ ነይሩ።

ኦስካር ሰርፓስ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ኦስካር ሰርፓስ ኣባል ጕጅለ ዓዋሉ ስለ ዝነበረ፡ ንህይወቱ ዀነ ንህይወት ካልኦት ኣኽብሮት ኣይነበሮን። ለውጢ ንምግባር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎ ርአ። ኣብ jw.org፡ “መቓብረይ እየ ዝዅዕት ነይረ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ድለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ