ንናህሪ ዋጋታት ብኸመይ ንጾሮ፧
ዕጉብ ኩን
ዕጉባት ሰባት ይኣኽለኒ ይብሉ እዮም። ኵነታቶም ምስ ተቐየረ ኸኣ፡ ብዓቕሞም እዮም ዚነብሩ።
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ስነ ኣእምሮኛ ጀሲካ ኮለር፡ ዕጉባት ሰባት ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኸም ዘለዎም ሓቢራ ኣላ። ብሰብ ብዙሕ ከም ዘይቀንኡ እውን ተዓዚባ እያ። ስለዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕጉባት ሰባት ዝያዳ ሓጐስ ኣለዎም፡ ብዙሕ ውጥረት እውን የብሎምን። ከም ሓቂ፡ ገለ ኻብቶም ብዙሕ ሓጐስ ዘለዎም ሰባት፡ ብዙሕ ጥሪት የብሎምን። ምናዳ እቶም ገንዘብ ኪዕድጎ ንዘይክእል ነገራት ክብ ኣቢሎም ዚርእዩ ሰባት፡ ንኣብነት እቶም ምስ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ንዜሕልፍዎ ግዜ ኣኽቢሮም ዚርእዩ ሰባት፡ ኣዝዮም ሕጉሳት እዮም።
ክትገብሮ እትኽእል
ኣይተወዳድር። ንትሑት መነባብሮኻ ምስ መነባብሮ እቶም ዝጠዓሞም ዚመስሉ ሰባት እንተ ኣወዳዲርካዮ፡ ዕግበት ክትስእን፡ ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን ብኣታቶም ክትቀንእ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድድር፡ ንህሉው ኵነታት ብልክዕ ዘየንጸባርቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ብዙሕ ንብረት ዘለዎም ሰባት፡ ብዕዳ እተዋሕጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሰነጋል እትነብር ኒኮል፡ “ሕጕስቲ ንምዃን፡ ብዙሕ ኣየድልየንን እዩ። ዕግብቲ እንተ ዀይነ፡ ካልኦት ካባይ ንላዕሊ እኳ እንተ ሃለዎም፡ ሕጕስቲ ክኸውን እኽእል እየ” ትብል።
ነዚ ፈትኖ፦ ሃብቲ ወይ ሸንዳሕዳሕ ካብ ዜጕልሕ መዋዓውዒታት ወይ ማሕበራዊ መራኸቢ ርሓቕ።
ኣመስጋኒ ኹን። ኣመስገንቲ ሰባት ብዘለዎም ይዓግቡ እዮም፣ ተወሳኺ ነገር ከም ዜድልዮም ወይ ከም ዚግብኦም ኰይኑ እውን ኣይስምዖምን እዩ። ኣብ ሀይቲ ዚነብር ሮበርቶን ከምዚ ይብል፦ “ነቲ ሰባት ንዓይን ንስድራ ቤተይን ዝገበሩለይ ሰናይ ነገራት አስተንትነሉ እየ። ድሕሪኡ፡ ነቶም ሰባት እቲኦም፡ ስለቲ ዝገበሩለይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘማስዎም እነግሮም እየ። ነቲ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ወደይ ከኣ፡ ስለቲ ዚውሃቦ ዘበለ ዅሉ ኼመስግን እምህሮ እየ።”
ነዚ ፈትኖ፦ ምስጋናኻ እትምዝግበሉ መዝገብ ይሃሉኻ። መዓልቲ መዓልቲ፡ እተመስግነሉ ነገራት ጽሓፍ። ከም ጽቡቕ ጥዕና፡ ናይ ስድራ ቤት ፍቕሪ፡ ናይ ሓቂ ዕርክነት፡ ወይ ውቁብ ዕራርቦ ጸሓይ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ሓድሓደ ግዜ፡ በቲ ዘሎና ምዕጋብ ይኸብደና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዕጉባት ንምዃን፡ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ዕጉባት እንተ ዄንና፡ ሕጉሳት ኢና እንኸውን፣ እዚ ድማ ብገንዘብ ኪዕደግ ዚከኣል ኣይኰነን።