ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g25 ቍ. 1 ገጽ 12-13
  • ለጋስ ኩን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ለጋስ ኩን
  • ንቕሑ!—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ለጋሳት ሕጉሳት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ብዛዕባ ልግስን ልዙብነትን የሆዋ ዘሎካ ግንዛበ ኣስፍሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ምስ ካልኦት ብሰላም ክትነብር ዚሕግዘካ መምርሒ
    ንቕሑ!—2021
  • ካብ ምሃብ ዚርከብ ጥቕሚ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2025
g25 ቍ. 1 ገጽ 12-13
ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ወጻኢ ገዛኦም ኣብ መናብር ኮፍ ኢሎም፡ እታ ዘላቶም ምስ ጋሻ ተማቒሎም ይበልዑ።

ንናህሪ ዋጋታት ብኸመይ ንጾሮ፧

ለጋስ ኩን

ምስ ናህሪ ዋጋታት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ለጋስ ክትከውን ዘይትኽእል ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ብልግሲ ምሃብ፡ ንቝጠባዊ ጸገማትካ ኽትጾሮ ይሕግዘካ እዩ። ብሓንሳእ ቈጣብን ለጋስን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ዋላ እውን ብንኣሽቱ ነገራት ዚግበር ልግሲ፡ ሓጐስ ኬምጽኣልና፡ ንርእስና ዘሎና ኣኽብሮት እውን ክብ ኬብሎ ይኽእል እዩ። ልግሲ ንኣካላውን ንኣእምሮኣውን ጥዕናና ጽቡቕ ምዃኑ መጽናዕትታት ይሕብር እዩ። ንኣብነት፡ ጭንቀትን ውጥረትን ጸቕጢ ደምን ቃንዛን ስቓይን ኪንኪ ይኽእል እዩ። ንድቃስና እውን ኬመሓይሾ ይኽእል እዩ።

“ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።

ገንዘብ ወይ ካልእ ነገራት ንልግስ እንተ ዄንና፡ ንዓና ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን ንምቕባሉ ኣይከብደናን እዩ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብር ሃዋርድ፡ “ኣነን ሰበይተይን ንሰባት እንልግሰሉን እንሕግዘሉን መገድታት ስለ እነናዲ፡ ንሕና እውን ብተራና ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን፡ እምብዛ ጾር ከም ዝዀንና ዀይኑ ኣይስምዓናን እዩ” ይብል። ልክዕ እዩ፡ ብሓቂ ለጋሳት ዝዀኑ ሰባት፡ ውሬታ ኺምለሰሎም ኢሎም ኣይኰኑን ዚልግሱ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ እዋን ሽግሮም ዚሕግዝዎም ናይ ሓቂ ፈተውቲ የጥርዩ እዮም።

“ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም።”—ሉቃስ 6:38።

ክትገብሮ እትኽእል

ዘላትካ ኣማቕል። ብዙሕ እኳ እንተ ዘይብልካ፡ እታ ዘላትካ ኸተማቕል ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ካብ ድራር ዕለትካ ኸተካፍል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኡጋንዳ ዚነብሩ ዱንካንን ስድራ ቤቱን ድኻታት እኳ እንተ ዀኑ፡ ለጋሳት እዮም። ዱንካን፡ “ሰንበት ሰንበት፡ ኣነን ሰበይተይን ንሰብ ናብ ቤትና ዓዲምና ዘላትና ነቕርበሎም ኢና። ምስ ሰብ ግዜ ምሕላፍ የሐጕሰና እዩ” ይብል።

እንተዀነ ግና፡ ለጋስ ክትከውን ከለኻ፡ ሚዛንካ ኽትሕሉ ኣሎካ። ንስድራ ቤትካ ዘየድሊ ጸገማት ክትፈጥረሎም የብልካን።—እዮብ 17:5።

ነዚ ፈትኖ፦ ንሓደ ሰብ ዓዲምካ ቕልል ዝበለ እኽለ ማይ ኣቕርበሉ። ዘይትጥቀመሉ ነገር እንተ ኣልዩካ፡ ኪጥቀሙሉ ንዚኽእሉ ፈተውትኻ ወይ ጐረባብትኻ ስለምንታይ ዘይትህቦም፧


ብኻልእ መገድታት ሃብ። ገለ ኻብቲ ብሉጽ ህያባት፡ ገንዘብ ኣይነውጽኣሉን ኢና። ንኣብነት፡ ንሰብ ዚጠቅም ነገር ብምግባር፡ ግዜናን ቈላሕታናን ክንህብ ንኽእል ኢና። ጥዑም ቃላት እኳ ውህበት ኪኸውን ይኽእል እዩ! ስለዚ፡ ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም እተኽብሮም ወይ ከም እትፈትዎም ንገሮም።

ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ቤት ዚዕየ ነገራት ብምዕያይ፡ ኪጽገን ዜድሊ ብምጽጋን፡ ወይ ብምልእኣኽ፡ ንሰባት ሓግዝ። ንፈታዊኻ ዘሎካ ልባዊ ስምዒት ብካርድ ወይ ብተክስት ግለጸሉ፣ ዋላ እውን ብዛዕባኡ ትሓስብ ከም ዘለኻ ጥራይ ክትሕብሮ ትኽእል ኢኻ።

ለጋስ ንምዃን መገድታት ከተናዲ ኸለኻ፡ ብዙሕ ዓስቢ ኢኻ እትረክብ።

“ሰናይ ምግባርን ዘሎኩም ምምቓልን ኣይትረስዑ።”—እብራውያን 13:16።

ሰብኣይን ሰበይትን ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ፡ ዝረገፈ ኣቝጽልቲ ብምእካብ ይሕግዝዋ። ንሳ ድማ ውዑይ ዚስተ ነገር ተምጽኣሎም።
ትረይ።

“ኣፓርታማና ንእሽቶ እኳ እንተ ዀነት፡ ንፈተውትና ምግቢ ምስራሕን ብሓባር ምብላዕን ንፈቱ ኢና። ንፈተውትና ምሕጋዝ ብሓቂ የሐጕሰና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ገንዘብ ክንህቦም ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ግዜና ኢና እንህቦም። ካብ ምቕባል፡ ምሃብ ከም ዜሐጕስ፡ ደጋጊምና ብተመክሮ ርኢናዮ ኢና።”—ትረይ፡ እስራኤል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ