ንናህሪ ዋጋታት ብኸመይ ንጾሮ፧
ለጋስ ኩን
ምስ ናህሪ ዋጋታት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ለጋስ ክትከውን ዘይትኽእል ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ብልግሲ ምሃብ፡ ንቝጠባዊ ጸገማትካ ኽትጾሮ ይሕግዘካ እዩ። ብሓንሳእ ቈጣብን ለጋስን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ዋላ እውን ብንኣሽቱ ነገራት ዚግበር ልግሲ፡ ሓጐስ ኬምጽኣልና፡ ንርእስና ዘሎና ኣኽብሮት እውን ክብ ኬብሎ ይኽእል እዩ። ልግሲ ንኣካላውን ንኣእምሮኣውን ጥዕናና ጽቡቕ ምዃኑ መጽናዕትታት ይሕብር እዩ። ንኣብነት፡ ጭንቀትን ውጥረትን ጸቕጢ ደምን ቃንዛን ስቓይን ኪንኪ ይኽእል እዩ። ንድቃስና እውን ኬመሓይሾ ይኽእል እዩ።
ገንዘብ ወይ ካልእ ነገራት ንልግስ እንተ ዄንና፡ ንዓና ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን ንምቕባሉ ኣይከብደናን እዩ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብር ሃዋርድ፡ “ኣነን ሰበይተይን ንሰባት እንልግሰሉን እንሕግዘሉን መገድታት ስለ እነናዲ፡ ንሕና እውን ብተራና ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን፡ እምብዛ ጾር ከም ዝዀንና ዀይኑ ኣይስምዓናን እዩ” ይብል። ልክዕ እዩ፡ ብሓቂ ለጋሳት ዝዀኑ ሰባት፡ ውሬታ ኺምለሰሎም ኢሎም ኣይኰኑን ዚልግሱ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ እዋን ሽግሮም ዚሕግዝዎም ናይ ሓቂ ፈተውቲ የጥርዩ እዮም።
ክትገብሮ እትኽእል
ዘላትካ ኣማቕል። ብዙሕ እኳ እንተ ዘይብልካ፡ እታ ዘላትካ ኸተማቕል ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ካብ ድራር ዕለትካ ኸተካፍል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኡጋንዳ ዚነብሩ ዱንካንን ስድራ ቤቱን ድኻታት እኳ እንተ ዀኑ፡ ለጋሳት እዮም። ዱንካን፡ “ሰንበት ሰንበት፡ ኣነን ሰበይተይን ንሰብ ናብ ቤትና ዓዲምና ዘላትና ነቕርበሎም ኢና። ምስ ሰብ ግዜ ምሕላፍ የሐጕሰና እዩ” ይብል።
እንተዀነ ግና፡ ለጋስ ክትከውን ከለኻ፡ ሚዛንካ ኽትሕሉ ኣሎካ። ንስድራ ቤትካ ዘየድሊ ጸገማት ክትፈጥረሎም የብልካን።—እዮብ 17:5።
ነዚ ፈትኖ፦ ንሓደ ሰብ ዓዲምካ ቕልል ዝበለ እኽለ ማይ ኣቕርበሉ። ዘይትጥቀመሉ ነገር እንተ ኣልዩካ፡ ኪጥቀሙሉ ንዚኽእሉ ፈተውትኻ ወይ ጐረባብትኻ ስለምንታይ ዘይትህቦም፧
ብኻልእ መገድታት ሃብ። ገለ ኻብቲ ብሉጽ ህያባት፡ ገንዘብ ኣይነውጽኣሉን ኢና። ንኣብነት፡ ንሰብ ዚጠቅም ነገር ብምግባር፡ ግዜናን ቈላሕታናን ክንህብ ንኽእል ኢና። ጥዑም ቃላት እኳ ውህበት ኪኸውን ይኽእል እዩ! ስለዚ፡ ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም እተኽብሮም ወይ ከም እትፈትዎም ንገሮም።
ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ቤት ዚዕየ ነገራት ብምዕያይ፡ ኪጽገን ዜድሊ ብምጽጋን፡ ወይ ብምልእኣኽ፡ ንሰባት ሓግዝ። ንፈታዊኻ ዘሎካ ልባዊ ስምዒት ብካርድ ወይ ብተክስት ግለጸሉ፣ ዋላ እውን ብዛዕባኡ ትሓስብ ከም ዘለኻ ጥራይ ክትሕብሮ ትኽእል ኢኻ።
ለጋስ ንምዃን መገድታት ከተናዲ ኸለኻ፡ ብዙሕ ዓስቢ ኢኻ እትረክብ።