ንናህሪ ዋጋታት ብኸመይ ንጾሮ፧
ትስፉው ኩን
ኣብ ሃገርካ፡ መነባብሮ ኣመና ይኸብር ብምህላዉ፡ ምስ ኣታዊኻ ዘይመጣጠንዶ ይኸውን ኣሎ፧ ንርእስኻን ንስድራ ቤትካን ዜድሊ ብዛዕባ ምምላእ የተሓሳስበካዶ ኣሎ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ መጻኢኻ ትጭነቕ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ፡ ተስፋ ብዙሕ ክትጠቕመካ ትኽእል እያ።
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ትስፉዋት ሰባት ሰናይ ንምርካብ ጥራይ ኣይኰኑን ዚምነዩ። የግዳስ፡ ተስፋኦም ሓይሊ ስለ ዚህቦም ንተግባር ይንቀሳቐሱ፡ ኵነታቶም ንምምሕያሽ እውን ይጽዕሩ እዮም። ንኣብነት፡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ትስፉዋት ሰባት . . .
ብዝያዳ ሓቦኛታት እዮም
ብዝያዳ ይተዓጻጸፉ እዮም
ዝሓሸ ውሳነታት ይገብሩ እዮም፣ በዚ ኸምዚ እውን፡ ጥዕናኦም ይመሓየሽ
ክትገብሮ እትኽእል
ቀዳማይ፡ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ሕሰብ። ንናህሪ ዋጋታት ክትጾሮ ዚሕግዝ ግብራዊ ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ። እዚ ሓሳባት እዚ ኸኣ፡ ሕጂ ብህይወትካ ሸቐልቀል ከይትብል፡ ብዛዕባ መጻኢ እውን ብዝያዳ ድሉው ክትከውን ይሕግዘካ እዩ።
ካልኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ከም ዚብል ሕሰብ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ጥበብ እንታይ ዋጋ ኸም ዘለዋ ምስ ተገንዘብካ፡ ነቲ ኣብኡ ብዛዕባ መጻኢ እተባህለ ነገራት ብደቂቕ ክትምርምሮ ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ “ብሩህ መጻእን ተስፋን” ኪህልወካ ይደሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ዚኸውን ድልዱል መሰረት ከም ዘንበረ እውን ክትርኢ ኢኻ። (ኤርምያስ 29:11) እታ መሰረት እቲኣ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እያ።
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ እንታይከ እያ ኽትገብር፧
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ንብዘላ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ እትቈጻጸራ መንግስቲ እያ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10) እዛ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ መንግስቲ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢሩ ዘሎ፡ ንመከራን ንድኽነትን ብሰላምን ብራህዋን ክትትክኦ እያ።
ኣምላኽ “ኪሕሱ ዘይክእል” ስለ ዝዀነ፡ ሚልዮናት ሰባት ነዚ ተስፋታት እዚ ይኣምንዎ እዮም። (ቲቶስ 1:2) እሞ ደኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ባዕልኻ ዘይትምርምሮ፧ እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ተስፋ፡ ቍጠባዊ ጸገማት ንምጻር ዜኽእል ውሽጣዊ ብርታዐ ኺህበካ፡ ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚህሉ እውን ምትእምማን ኬሕድረልካ እዩ።