ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g25 ቍ. 1 ገጽ 1-15
  • ትስፉው ኩን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትስፉው ኩን
  • ንቕሑ!—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ እንታይከ እያ ኽትገብር፧
  • ተስፋ ኻበይ ክረክብ እኽእል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2025
g25 ቍ. 1 ገጽ 1-15
ንዙረት ዝወጹ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ናብ ውቁብ መልክዐ ምድሪ የማዕድዉ።

ንናህሪ ዋጋታት ብኸመይ ንጾሮ፧

ትስፉው ኩን

ኣብ ሃገርካ፡ መነባብሮ ኣመና ይኸብር ብምህላዉ፡ ምስ ኣታዊኻ ዘይመጣጠንዶ ይኸውን ኣሎ፧ ንርእስኻን ንስድራ ቤትካን ዜድሊ ብዛዕባ ምምላእ የተሓሳስበካዶ ኣሎ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ መጻኢኻ ትጭነቕ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ፡ ተስፋ ብዙሕ ክትጠቕመካ ትኽእል እያ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ትስፉዋት ሰባት ሰናይ ንምርካብ ጥራይ ኣይኰኑን ዚምነዩ። የግዳስ፡ ተስፋኦም ሓይሊ ስለ ዚህቦም ንተግባር ይንቀሳቐሱ፡ ኵነታቶም ንምምሕያሽ እውን ይጽዕሩ እዮም። ንኣብነት፡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ትስፉዋት ሰባት . . .

  • ብዝያዳ ሓቦኛታት እዮም

  • ብዝያዳ ይተዓጻጸፉ እዮም

  • ዝሓሸ ውሳነታት ይገብሩ እዮም፣ በዚ ኸምዚ እውን፡ ጥዕናኦም ይመሓየሽ

ክትገብሮ እትኽእል

ቀዳማይ፡ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ሕሰብ። ንናህሪ ዋጋታት ክትጾሮ ዚሕግዝ ግብራዊ ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ። እዚ ሓሳባት እዚ ኸኣ፡ ሕጂ ብህይወትካ ሸቐልቀል ከይትብል፡ ብዛዕባ መጻኢ እውን ብዝያዳ ድሉው ክትከውን ይሕግዘካ እዩ።

“ምምዝዛን ክትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።”—ምሳሌ 2:11።


ካልኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ከም ዚብል ሕሰብ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ጥበብ እንታይ ዋጋ ኸም ዘለዋ ምስ ተገንዘብካ፡ ነቲ ኣብኡ ብዛዕባ መጻኢ እተባህለ ነገራት ብደቂቕ ክትምርምሮ ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ “ብሩህ መጻእን ተስፋን” ኪህልወካ ይደሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ዚኸውን ድልዱል መሰረት ከም ዘንበረ እውን ክትርኢ ኢኻ። (ኤርምያስ 29:11) እታ መሰረት እቲኣ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እያ።

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ እንታይከ እያ ኽትገብር፧

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ንብዘላ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ እትቈጻጸራ መንግስቲ እያ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10) እዛ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ መንግስቲ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢሩ ዘሎ፡ ንመከራን ንድኽነትን ብሰላምን ብራህዋን ክትትክኦ እያ።

“ሕጉስ ክትከውን፡ ጽቡቕ እውን ኪዀነልካ እዩ።”—መዝሙር 128:2።

“[ተገዛእቲ እታ መንግስቲ] ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን. . . እዮም።”—ኢሳይያስ 65:23።

“ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን . . . እዩ።”—መዝሙር 72:16።

ኣምላኽ “ኪሕሱ ዘይክእል” ስለ ዝዀነ፡ ሚልዮናት ሰባት ነዚ ተስፋታት እዚ ይኣምንዎ እዮም። (ቲቶስ 1:2) እሞ ደኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ባዕልኻ ዘይትምርምሮ፧ እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ተስፋ፡ ቍጠባዊ ጸገማት ንምጻር ዜኽእል ውሽጣዊ ብርታዐ ኺህበካ፡ ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚህሉ እውን ምትእምማን ኬሕድረልካ እዩ።

ራማዝ።

“እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋይ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሽግራት ግዜያዊ ኸም ዝዀነ ገይረ ኽርእዮ ይሕግዘኒ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምስትንታነይ ከኣ፡ ነቲ እናኸፍአ ዚኸይድ ዘሎ ቝጠባዊ ዅነታት ንምጻር ዜኽእል ብርታዐ ይህበኒ እዩ።”—ራማዝ፡ ጆርጅያ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚብሎስ ብሓቅዶ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ዘርእስታ ቪድዮን መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮን ኣብ jw.org ርአ።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኻብ ከብሒ መጽሓፍ ቅዱስ ተውጽእ።
    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ