ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
    • መጽናዕቲ 4

      ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ

      እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

      ከተንብብ ወይ ክትዛረብ ከለኻ ቓላትካን ሓሳባትካን ከይዀላለፍካ ኣውስኣዮ። ሰጋእ ከይበለ ዚዛረብ ሰብ: ኣብ መንጎ እተቘራረጸ ሓሳባት ኣየቕርብን: ወይ ጐተት እናበለ ኣይዛረብን: ቃላት ንምውሳእ ይኹን ወይ ሓሳባት ንምምንጫው ኣይትዓናቐፍን።

      ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

      ሓደ ተዛራባይ ሰጋእ እናበለ ዚዛረብ እንተ ደኣ ዀይኑ: ሰማዕቲ ኣተሓሳስባኦም ኪገይሽ ይኽእል እዩ፣ ግጉይ መልእኽቲውን ኬመሓላልፍ ይኽእል እዩ። እቲ ዚዛረቦ ኸኣ ዜእምን ኣይከውንን።

      ዓው ኢልካ ኸተንብብ ከለኻ ኣብ ገሊኡ ቓላት ወታእታእዶ ትብል ኢኻ፧ ወይ ከኣ መብዛሕትኡ እዋን: መደረ ንምሃብ ኣብ ቅድሚ ሰማዕቲ ምስ ወጻእካ: ቅኑዕ ቃላት ንምርካብ ትሽገርዶ ኢኻ፧ ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑ: ሰጋእ ከይበልካ ኣብ ምዝራብ ጸገም ኣሎካ ማለት እዩ። ሰጋእ ከይበለ ዚዛረብ ሰብ: ኬንብብ ከሎ ይኹን ኪዛረብ ከሎ: ቃላቱን ሓሳባቱን ከይተዓናቐፈ ብቐሊሉ እዩ ዜውስኦ። እዚ ኺበሃል ከሎ ግን ብዘይምቍራጽ: ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበለ እዩ ዚዛረብ ወይ ከይሓሰበ እዩ ዚዛረብ ማለት ኣይኰነን። ኣዘራርባኡ ባህ ዜብልን ጥዑምን እዩ። ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ፍሉይ ኣተኵሮ ተገይሩሉ ኣሎ።

      ሰጋእ ከይበልካ ንምዝራብ ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል እተፈላለየ ረቛሒታት ኣሎ። ካብዚ ቐጺሉ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት ፍሉይ ቈላሕታ ኽትገብረሉ ዜድልየካ ነጥቢ ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧ (1) ንኻልኦት ከተንብበሎም ከለኻ: ዘይትፈልጦ ቓላት ምስ ዚህሉ ሰጋእ መጋእ ከም እትብል ኪገብረካ ይኽእል እዩ። (2) ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተዕርፍ እንተ ደኣ ዄንካ: እተቘራረጸ ሓሳባት እዩ ዚኸውን። (3) ዘይምድላው እውን ነዚ ጸገም እዚ ኺፈጥር ይኽእል እዩ። (4) ነቲ እተቕርቦ ሓሳባት ኪርዳእ ብዚኽእል ኣገባብ እንተ ዘይወዲብካዮ: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሰጋእ ከይበልካ ንኸይትዛረብ ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (5) ውሱን ቃላት ጥራይ ትፈልጥ እንተ ደኣ ዄንካ: ቅኑዕ ቃላት ንምርካብ ሰጋእ መጋእ ክትብል ትኽእል ኢኻ። (6) ብዙሕ ቃላት ተጕልሕ እንተ ደኣ ዄንካ: ዘረባኻ ኺበታተኽ ይኽእል እዩ።። (7) ሕጊ ሰዋስው ዘይምፍላጥ እውን ነዚ ጸገም እዚ ኼስዕብ ይኽእል።

      ሰጋእ እናበልካ ትዛረብ እንተ ደኣ ዄንካ: ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰማዕቲ ቓል ብቓሉ ገዲፎምኻ እኳ እንተ ዘይከዱ: ሓሳባቶም ግን ኪገይሽ ይኽእል እዩ። ሳዕቤኑ ኸኣ ካብቲ እተዛረብካዮ መብዛሕትኡ ኸይተሰምዐ ኺተርፍ እዩ።

      በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ እቲ ብምልከትን ሰጋእ ከይበልካን ንምዝራብ እትገብሮ ጻዕሪ ንሰማዕቲ ዚዕብልል ወይ እውን ከም ዚሽቝረሩ ዚገብሮም ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ። ሰባት ብምኽንያት ባህላዊ ፍልልይ ንኣዘራርባኻ: ሜላ ወይ ቅንዕና ዘይብሉ ገይሮም ዚርእይዎ እንተ ደኣ ዀይኖም: ዕላማኻ ኣይክትወቅዕን ኢኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ: ምኩር ተዛራባይ እኳ እንተ ነበረ: ናብ ገዛእ ርእሱ ዘየድሊ ኣቓልቦ ምእንቲ ኸይስሕብ ንሰብ ቈረንቶስ “ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን” እዩ ቐሪብዎም።—1 ቈረ. 2:3

      ኪውገድ ዘለዎ ኣመላት። ብዙሓት ሰባት “አ. . .አ. . .” ኢልካ ናይ ምዝራብ ኣመላት ኣለዎም። ገሊኦም ከኣ ኣብ መንጎ ዘረባኦም ዓሰርተ ሳዕ “ማለት” ይብሉ። ምናልባት ንስኻውን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመላት ከም ዘሎካ ዘየስተብሃልካ እንተ ደኣ ዄንካ: ሓደ ሰብ ክትዛረብ ከለኻ ሰሚዑ ነዚ ኣመላት እዚ ኸተውስእ ከለኻ ደድሕሬኻ ኸም ዚደግሞ ብምግባር ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ኽትግረም ኢኻ።

      ገሊኣቶም ድማ እናንበቡ ወይ እናተዛረቡ ኸለዉ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ጀሚሮም ከይወድኡ ንድሕሪት ብምምላስ እንደገና ኸም ብሓድሽ ይጅምሩ: ወይ ከኣ ንገሊኡ ሓሳባት ይደግምዎ።

      ገሊኦም ከኣ ብመጠኑ ቕልጥፍ ኢሎም ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ: ሓደ ሓሳባት ይጅምሩ እሞ ኣብ መንጎ ኣቋሪጾም ናብ ካልእ ሓሳባት ይኸዱ። እቲ ቓላት ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ዚውሕዝ እኳ እንተ ዀነ: ብሃንደበት ሓሳባት ምቕያር ሰጋእ ከይበልካ ኣብ ምዝራብ ከም ጕድለት እዩ ዚቝጸር።

      ከመይ ጌርካ ኸም እተመሓይሽ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቕኑዕ ቃል ንምርካብ ህርድግ ትብል እንተ ደኣ ዄንካ: ቃላትካ ንኸተሰስን ብዙሕ ክትጽዕር ኣሎካ። ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ! ወይ ካልእ ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ: ነቲ ዘይትፈልጦ ቓላት ኣመልክተሉ። ድሕሪኡ ኣብ መዝገበ-ቓላት ርኣዮ: ኣናብባኡን ትርጕሙን ኣጽንዓዮ: ንገለ ኻብዚ ቓላት እዚ ድማ ኣብ መዓልታዊ ዘረባኻ ተጠቐመሉ። መዝገበ-ቓላት እንተ ዘይብልካ ግን ንቛንቋኻ ጽቡቕ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ኪሕግዘካ ሕተት።

      ኣዘውቲርካ ዓው ኢልካ ናይ ምንባብ ልማድ ምግባር እውን ንኸተመሓይሽ ኪሕግዘካ እዩ። ነቲ ዜሸግረካ ቓላት ኣስተብህለሉ እሞ ደጋጊምካ ዓው ኢልካ ኣንብቦ።

      ሰጋእ ከይበልካ ንምንባብ: ኣብ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ዘሎ ቓላት ብኸመይ ከም ዚጥርነፍ ምፍላጥ የድሊ። እቲ ጸሓፊ ዝገለጾ ሓሳባት ኪመሓላለፍ እንተ ደኣ ተደልዩ: ቃላት ጠርኒፍካ ኺንበብ ኣለዎ። ነቲ ተጠርኒፉ ኺንበብ ዘለዎ ቓላት ኣስተብህለሉ። ምልክት ምግባር እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ዕላማኻ ቓላት ቅኑዕ ጌርካ ንምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ሓሳባት ኣነጺርካ ንምምሕልላፍ እውን እዩ። ንሓደ ምሉእ ሓሳባት ምስ መርመርካዮ: በብሓደ ኸምኡ እናገበርካ ንብምሉኡ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኣጽንዓዮ። እቲ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ኣብ ኣእምሮኻ ሓዞ። ድሕርዚ ዓው ኢልካ ብምንባብ ተለማመድ። ከይተዓንቀፍካን ኣብ ዘይግቡእ ቦታታት ከየዕረፍካን ምንባብ ክሳዕ እትኽእል ነቲ ሕጡብ ጽሑፍ ደጋጊምካ ኣንብቦ። ድሕሪኡ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕጡብ ጽሑፋት ሕለፍ።

      ቀጺልካ ፍጥነትካ ወስኽ። ኣብ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ዘሎ ቓላት ብኸመይ ከም ዚጥርነፍ እንተ ደኣ ተረዲኡካ: ብሓንሳእ ካብ ሓደ ቓል ንላዕሊ ኽትርኢ: ስዒቡ ዚመጽእ ቃል እንታይ ምዃኑ እውን ክትግምት ክትክእል ኢኻ። እዚ ንባብካ ጽቡቕ ንኪኸውን ኣበርክቶ ዚገብር እዩ።

      ካልእ ጠቓሚ መለማመዲ ኪኸውን ዚኽእል ከኣ ኣቐዲምካ ኸይተዳለኻ ኣዘውቲርካ ዚግበር ናይ ንባብ ልምምድ እዩ። ንኣብነት: ዕለት ጥቕስን ሓሳባቱን ኣቐዲምካ ኸይተዳለኻ ዓው ኢልካ ኣንብብ። ነዚ ኣዘውቲርካ ግበሮ። ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ቓል ጥራይ እትርኢ: ምሉእ ሓሳባት ዜመሓላልፍ ቃላት ብጕጅለ ንምርኣይ ተለማመድ።

      ምስ ሰብ ክትዘራረብ ከለኻ ሰጋእ ከይበልካ ንኽትዛረብ: ቅድሚ ምዝራብካ ኽትሓስብ የድልየካ። ነዚ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈትካ ልምዲ ግበሮ። እንታይ ሓሳባት ከተመሓላልፍ ከም ዝደለኻን በየናይ መስርዕ ከም እትገልጾን ኣቐዲምካ ወስን እሞ ድሕሪኡ ኽትዛረብ ጀምር። ኣይትተሃወኽ። ሓደ ሓሳብ ኣብ መንጎ ኸይኰለፍካ ወይ ኣርእስቲ ኸይቀየርካ: ጥርኑፍ ሓሳባት ንምሃብ ጽዓር። ሓጺርን ቅልል ዝበለን ምሉእ ሓሳባት ምዝውታር ጠቓሚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ።

      እንታይ ክንብል ከም እንደሊ ብልክዕ ንፈልጥ እንተ ደኣ ዄንና: ቃላት ባዕሉ እዩ ዚመጽእ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ: ነቲ እትጥቀመሉ ቓላት ምምራጽ ኣድላዪ ኣይኰነን። ኣብ ልምምድካ እቲ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ ንጹር ምዃኑ ምስ ኣረጋገጽካ: ድሕሪኡ እናተዛረብካ ብዛዕባ እቲ ቓላት ክትሓስብ ዝሓሸ እዩ። ከምዚ እንተ ደኣ ጌርካ: ንኣእምሮኻ ድማ ኣብቲ እትብሎ ቓላት ዘይኰነስ ኣብቲ ሓሳባት ከም ዜተኵር እንተ ደኣ ጌርካዮ: እቲ ቓላት ባዕሉ ኺወጽእ እዩ: ሓሳባትካ እውን ከምቲ ዝደለኻዮ ጌርካ ኽትገልጾ ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ሓሳባት ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ቓላት ክትሓስብ እንተ ደኣ ጀሚርካ ግን: ኣብ ዘረባኻ ሰጋእ መጋእ ክትብል ኢኻ። ብዙሕ ልምምድ እንተ ደኣ ጌርካ: ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ ክትክእል ኢኻ። ዘረባኻን ንባብካን ውጽኢታዊ ንኪኸውን እዚ ባህርይ እዚ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።

      ሙሴ ብየሆዋ ተወኪሉ ኣብ ክንዲ ህዝቢ እስራኤል ኰይኑ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ግብጺ ኪቐርብ ምስ ተመደበ: ብቑዕ ከም ዘይኰነ ዀይኑ ተሰምዖ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰጋእ ከይበለ ኺዛረብ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ምናልባት እውን ወታእታእ ከም ዚብል ዚገብሮ ናይ ምዝራብ ጸገም ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 4:10፣ 6:12) ሙሴ ብዙሕ ምኽንያት እኳ እንተ ኣቕረበ: እቲ ዘቕረቦ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ከም ኣፈኛ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግሎ የሆዋ ንኣሮን ለኣኸሉ: ይኹን እምበር: ኣሮን ንሙሴ ንኺዛረብ እውን ሓጊዝዎ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ሙሴ ንውልቀ-ሰባትን ንሒደት ጕጅለን ጥራይ ዘይኰነስ ንምሉእ ህዝቢ እውን ብተደጋጋምን ብውጽኢታዊ መገድን ተዛሪቡ እዩ። (ዘዳ. 1:1-3፣ 5:1፣ 29:2፣ 31:1, 2, 30፣ 33:1) ንስኻውን ኣብ የሆዋ ብምውካል ሰጋእ ከይበልካ ንምዝራብ ብዝከኣለካ መጠን እንተ ደኣ ጽዒርካ: ዘረባኻ ንኽብሪ የሆዋ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

      ወታእታእ ምባል ከተመሓይሸሉ እትኽእል መገዲ

      ወታእታእ እናበልካ ኸም እትዛረብ ዚገብር ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ንገሊኦም ዝሓገዞም ዓይነት ሕክምና ንኻልኦት ኣይዓየሎምን ይኸውን። ይኹን እምበር: ብምምሕያሽ ዚርከብ ሓጐስ ንምስትምቓር: ከይተሓለልካ ምፍታን የድሊ።

      ኣብ ጉባኤ መልሲ ምሃብ የፍርሃካ ድዩ፧ የሆዋ ንኺሕግዘካ ጸሊ። (ፊል. 4:6, 7) ንየሆዋ ኣብ ምኽባርን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝን ኣተኵር። እቲ ጸገም ሽዑ ንሽዑ ኼልግሰልካ ኣይትጸበ: የግዳስ ከመይ ጌርካ ኸተመሓይሾ ኸም እትኽእል ኣስተብህል። በረኸት የሆዋን ካብ ኣሕዋትካ ምትብባዕን ምስ ረኸብካ: ዝያዳ ኽትገብር ክትደሊ ኢኻ።

      ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ ሰባት ኴንካ ናይ ምዝራብ ክእለት ንኸተማዕብል ኣጋጣሚ ዚኸፍት እዩ። ኣብ ቅድሚ ዜተባብዑኻን ክትዕወት ዚደልዩኻን ሒደት ሰባት ጽቡቕ ክትዛረብ ምኽኣልካ ኺድንጽወካ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እውን ንኽትዛረብ ምትእምማን ኬሕድረልካ ይኽእል እዩ።

      መደረ ኽትህብ እንተ ደኣ ዄንካ: ኣጸቢቕካ ተዳሎ። በቲ ትምህርቲ ተመሰጥ። ክትዛረብ ከለኻ ግቡእ ስምዒት ኣንጸባርቕ። እናተዛረብካ ኸለኻ ወታእታእ ክትብል እንተ ደኣ ጀሚርካ: ብእተኻእለካ መጠን ድምጽኻን ዘረባኻን ኣህድኣዮ። ጭዋዳታት ምንጋጋኻ ፍትሕ ከም ዚብል ግበር። ሕጽር ሕጽር ዝበለ ምሉእ ሓሳባት ተጠቐም። ከም እኒ “አ . . . አ . . .” ዝኣመሰለ ኣመላት ነክዮ።

      ገለ ኻብቶም ወታእታእ ኢልካ ናይ ምዝራብ ጸገም ዜመሓይሹ ዘለዉ ሰባት: ነቲ ጸገማት ዝፈጥረሎም ቃላት ገዲፎም ኣብ ክንዳኡ ተመሳሳሊ ትርጕም ዘለዎ ቓላት ይጥቀሙ። ገሊኦም ከኣ እቲ ኼድምጽዎ ዜጸግሞም ቃላት ኣየናይ ምዃኑ ፈሊጦም ብተደጋጋሚ ብምልምማድ ኬመሓይሹ ኽኢሎም እዮም።

      ምስ ሰብ ክትዛረብ ከለኻ ወታእታእ ክትብል እንተ ደኣ ጀሚርካ: ንምርድዳእ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ንግዜኡ ነቲ እትዛረቦ ዘለኻ ሰብ ኪዛረብ ከተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ: ሓሳባትካ ኣብ ወረቐት ጽሓፎ: ወይ ከኣ ነቲ ሰብ ገለ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሓሳባት ኣርእዮ።

      ብኸመይ ከም እትመልኮ

      • መጽሔታትን መጻሕፍትን ከተንብብ ከለኻ: ንሓደስቲ ቓላት ምልክት ግበረሉ: ትርጕሙ ርኸቦ: ተጠቐመሉ ድማ።

      • መዓልቲ መዓልቲ እንተ ወሓደ ኻብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ዓሰርተ ደቒቕ ዓው ኢልካ ኣንብብ።

      • ነቲ ብንባብ ዚቐርብ ክፍሊ ኣጸቢቕካ ተዳለወሉ። ነቲ ተጠርኒፉ ኺንበብ ዘለዎ ቓላት ኣስተብህለሉ። እቲ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ኣብ ኣእምሮኻ ሓዞ።

      • ኣብ መዓልታዊ ዘረባኻ: ኣቐዲምካ ምሕሳብን ኣብ መንጎ ኸይኰለፍካ ምሉእ ሓሳባት ምሃብን ተለማመድ።

      መላመዲ:- ነቲ ኣብ መሳፍንቲ 7:1-25 ዘሎ ሕጡብ ጽሑፋት በብሓደ እናመርመርካ ተጠንቂቕካ ኣንብቦ። እንታይ ይብል ከም ዘሎ ተረድኣዮ። ዘይትፈልጦ ቓላት ኣብ መዝገበ-ቓላት ርኣዮ: ወይ ከኣ ንቛንቋኻ ጽቡቕ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ሕተት። ንዅሉ ተጸውዖ ስማት ዓው ኢልካ ኣንብቦ። ድሕሪኡ ነቲ ሕጡብ ጽሑፍ ዓው ኢልካ ተጠንቂቕካ ኣንብቦ። ንሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ጽቡቕ ጌርካ ኸም ዘንበብካዮ እንተ ደኣ ተሰሚዑካ: ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕለፍ: ከምኡ እናበልካ ኸኣ ቀጽል። ኣብ መወዳእታ ንምልእቲ እታ ምዕራፍ ኣንብባ። ቍሩብ ፍጥነት ውስኽ ኣቢልካ ኸኣ ከም ብሓድሽ ኣንብባ። ኣብቲ ዜድሊ ቦታታት ዝያዳ ፍጥነት ብምውሳኽ ድማ ሳልሳይ ሳዕ ኣንብባ: ኣብ መንጎ ወታእታእ ክሳዕ እትብል ግን ኣይትፍጠን።

  • ብግቡእ እናዕረፍካ ምዝራብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
    • መጽናዕቲ 5

      ብግቡእ እናዕረፍካ ምዝራብ

      እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

      መደረ ኽትህብ ከለኻ ኣብ ግቡእ ቦታ ኣዕርፍ። ሓድሓደ ግዜ ንሕጽር ዝበለ ህሞት ጥራይ ከተዕርፍ ትኽእል ኢኻ: ወይ እውን ድምጽኻ ንግዜኡ ኸም ዚንኪ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ዕረፍቲ ግቡእ ዚበሃል ንሓደ ጠቓሚ ዕላማ ዚወቅዕ እንተ ደኣ ዀይኑ እዩ።

      ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

      መደረ ብቐሊሉ ዚርዳእ ምእንቲ ኪኸውን ግቡእ ኣጠቓቕማ ዕረፍቲ ኣድላዪ ረቛሒ እዩ። ዕረፍቲ ኣድላዪ ነጥብታት ከም ዚጐልሕ እውን ኪገብር ይኽእል እዩ።

      ኣብ ዘረባ: ግቡእ ዕረፍቲ ምግባር ኣድላዪ እዩ። እዚ ኸኣ መደረ ኽትህብ ከለኻ ይኹን ወይ ምስ ሓደ ሰብ ክትዛረብ ከለኻ ዚውዕል እዩ። ዕረፍቲ እንተ ደኣ ዘይተገይሩ: ዘረባኻ ንሓሳባትካ ብንጹር ኣብ ክንዲ ዜመሓላልፍ ትርጕም ዘይብሉ እዩ ዚኸውን። ብግቡእ እናዕረፍካ ምዝራብ ንዘረባኻ የነጽሮ እዩ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ምእንቲ ኺሓድግ እውን ኪጠቅም ይኽእል እዩ።

      መዓስ ከተዕርፍ ከም ዘሎካ ኸመይ ጌርካ ትፈልጥ፧ ንውሓቱኸ ኽንደይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧

      ኣብ ስርዓተ ነጥቢ ዚግበር ዕረፍቲ። ስርዓተ ነጥቢ ኣብ ጽሑፍ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣለዎ። ሓደ ምሉእ ሓሳባት ወይ ሓደ ሕቶ ኸም ዘብቅዐ ኼመልክት ይኽእል። ኣብ ገለ ገለ ቛንቋታት ከኣ እተጠቕሰ ሓሳባት ንምፍላይ የገልግል። ገሊኡ ስርዓተ ነጥቢ: ሓደ ኽፋል ናይ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ምስቲ ኻልእ ክፋላቱ ዘለዎ ርክብ ንምምልካት የገልግል። ሓደ ሰብ ንበይኑ ኼንብብ ከሎ: ነቲ ስርዓተ ነጥብታት ኪርእዮ ይኽእል እዩ። ንኻልኦት ዓው ኢሉ ኼንብብ ከሎ ግን: ንዅሉ ኣብቲ ጽሑፍ ዚርከብ ስርዓተ ነጥቢ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ብድምጹ ኼመሓላልፎ ኣለዎ። (ተወሳኺ መግለጺ ንምርካብ: ኣብታ “ቅኑዕ ንባብ” እትብል መጽናዕቲ 1 ርአ።) ስርዓተ ነጥቢ ኽትረክብ ከለኻ ምስ ዘይተዕርፍ: ሰማዕትኻ ነቲ እተንብቦ ዘለኻ ንምርዳኡ ኼጸግሞም ወይ ከኣ ግጉይ ትርጕም ኬመሓላልፈሎም ይኽእል እዩ።

      ካብ ስርዓተ ነጥቢ ብተወሳኺ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ዘሎ መልእኽቲ ዚግለጸሉ መገዲ እውን ኣበይ ከተዕርፍ ከም ዘሎካ ዚውስን እዩ። ሓደ ውሩይ ሙዚቀኛ “ኣነ ነቲ ኖታ ኻብ ካልኦት ወቓዕቲ ፒያኖ ብዚበልጽ መገዲ ኣይወቓዕክዎን። ምስጢር እዚ ኽእለት እዚ ግን ኣብ መንጎ እቲ ኖታ ኣብ ዚግበር ዕረፍቲ እዩ ዘሎ” በለ። ኣብ ዘረባ እውን ከምኡ እዩ። ግቡእ ዕረፍቲ ምግባር ነቲ ጽቡቕ ጌርካ እተዳለኻሉ መደረ: መቐረትን ትርጕምን እዩ ዚውስኸሉ።

      ንህዝቢ ኸተንብብ ከለኻ: ኣብቲ እተንብቦ ጽሑፍ ምልክት ምግባር ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ኣብቲ ሓጺር ዕረፍቲ ኽትገብረሉ ወይ ህድእ ክትብለሉ ዘሎካ ቦታታት ንእሽቶ ትኹል ሕንጻጽ ግበረሉ። ኣብቲ ንውሕ ዝበለ ዕረፍቲ ዜድልዮ ቦታታት ከኣ ክልተ እተቐራረበ ትኹል ሕንጻጽ ተጠቐም። ገሊኡ ቓላት ኣሸጋሪ ዀይኑ እንተ ደኣ ረኺብካዮ እሞ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘየድሊ ቦታታት ተዕርፍ እንተ ደኣ ዄንካ: ንዅሉ እቲ ኣብቲ ዜሸግር ሓረጋት ዘሎ ቓላት ብርሳስ ጌርካ ጥመሮ። ሽዑ ነቲ ሓረግ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ብሓንሳእ ኣንብቦ። ብዙሓት ተመክሮ ዘለዎም ተዛረብቲ ኸምኡ እዮም ዚገብሩ።

      ኣብቲ ልሙድ መዓልታዊ ዘረባኻ መዓስ ወይ ክሳዕ ክንደይ ከተዕርፍ ከም ዘሎካ ብዙሕ ኣይትሽገርን ኢኻ: ምኽንያቱ ነቲ ኸተመሓላልፎ እትደልዮ ሓሳባት ትፈልጦ ኢኻ። ይኹን እምበር: ከተዕርፈሉ ዘሎካ ሓሳባት ኣብ ግምት ከየእተኻ ድሕሪ እተወሰነ ቓላት ናይ ምዕራፍ ኣመል እንተ ደኣ ኣልዩካ: ዘረባኻ ሓይሊ ኣይህልዎን: ንጹር ከኣ ኣይከውንን። ኣብታ “ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ” እትብል መጽናዕቲ 4 ንምምሕያሽ ዚሕግዝ ርእይቶታት ቀሪቡ ኣሎ።

      ሓሳባት ንምቕያር ዚግበር ዕረፍቲ። ካብ ሓደ ቐንዲ ነጥቢ ናብ ካልእ ነጥቢ ኽትሰግር ከለኻ ዕረፍቲ ምግባር: ሰማዕትኻ ነቲ ለውጢ ኺሓስቡሉ: ኪዳለዉሉ: ኪፈልጥዎ: ነቲ ቐጺሉ ዚቐርበሎም ሓሳብ ከኣ ኣነጺሮም ንኺርድእዎ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም። ልክዕ ከምቲ ኻብ ሓደ ዅርናዕ ናብ ካልእ ኵርናዕ ክትጥወ ኸለኻ ቐስ ክትብል ዜድልየካ: ካብ ሓደ ሓሳብ ናብ ካልእ ሓሳብ ክትሰግር ከለኻ እውን ከተዕርፍ ኬድልየካ እዩ።

      ገለ ተዛረብቲ ኸየዕረፉ ኻብ ሓደ ሓሳብ ናብ ካልእ ሓሳብ ዚሰግሩሉ ምኽንያት: ብዙሕ ነጥብታት ኪሽፍኑ ስለ ዚደልዩ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ነቲ መዓልታዊ ኣዘራርባኦም እዮም ዜንጸባርቕዎ። ምናልባት ኵሎም ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ሰባት ኪዛረቡ ኸለዉ ኣየዕርፉን ይዀኑ። እዚ ግን ንኣመሃህራ ውጽኢታዊ ኣይገብሮን እዩ። ኪስማዕ ወይ ኪዝከር ዘለዎ ነጥቢ ኸተመሓላልፍ እንተ ደኣ ደሊኻ: እቲ ሓሳብ ብንጹር ምእንቲ ኺጐልሕ እኹል ግዜ ውሰድ። ኣብ መደረ: ሓሳባት ብንጹር ንምምሕልላፍ ዕረፍቲ ኸም ዜድሊ ተገንዘብ።

      ካብ ኣስተዋጽኦ መደረ ኽትህብ እንተ ደኣ ዄንካ: ንመደረኻ ኣብ መንጎ ቐንዲ ነጥብታት ከተዕርፍ ከም እትኽእል ጌርካ ወድቦ። ብንባብ ዚቐርብ መደረ ኽትህብ እንተ ደኣ ዄንካ: ካብ ሓደ ቐንዲ ነጥቢ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ዚቕየረሉ ቦታታት ምልክት ግበረሉ።

      ሓሳባት ንምቕያር ኢልካ ዚግበር ዕረፍቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ ኣብ ስርዓተ ነጥቢ ዚግበር ዕረፍቲ ንውሕ ዝበለ እኳ እንተ ዀነ: ነቲ መደረ ኸም ዚጕተት ክሳዕ ዚገብሮ ግን ኪነውሕ የብሉን። ኣዝዩ ነዊሕ እንተ ደኣ ዀይኑ: ከም ዘይተዳለኻ እሞ እንታይ ኢልካ ኸም እትዛረብ ትሓስብ ከም ዘለኻ እዩ ዜምስል።

      ንምጕላሕ ዚግበር ዕረፍቲ። ንምጕላሕ ኢልካ ዚግበር ዕረፍቲ መብዛሕትኡ እዋን መሳጢ እዩ። እዚ ማለት ድማ ንሓደ ምሉእ ሓሳባት ወይ ሕቶ ኣትርር ኣቢልካ ቐቅድሚ ምዝራብካ ወይ ደድሕሪ ምዝራብካ ዚግበር ማለት እዩ። እዚ ዓይነት ዕረፍቲ እዚ ሰማዕትኻ ነቲ እተዛረብካዮ ንኺሓስቡሉ ወይ ከኣ ነቲ ቐጺልካ እትብሎ ንኺሰምዑ ህንጥዮት የሕድረሎም። እዚ ኽልተ ኣጠቓቕማ ዕረፍቲ እዚ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን። ነየናይ እንተ ተጠቐምካ ግቡእ ምዃኑ ባዕልኻ ወስን። ይኹን እምበር: ንምጕላሕ ዚግበር ዕረፍቲ: ኣብቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓሳባት ጥራይ ኪውሰን ከም ዘለዎ ኣይትረስዕ። እንተ ዘይኰነ ግን እቲ ነጥቢ ኸይጐልሐ ኺተርፍ እዩ።

      የሱስ ኣብቲ ኣብ ናዝሬት ዝነበረ ቤት ጸሎት ኰይኑ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓው ኢሉ ኼንብብ ከሎ: ንዕረፍቲ ጽቡቕ ገይሩ ተጠቒሙሉ እዩ። መጀመርታ ብዛዕባ እቲ እተመዘዘሉ ዕዮ ኻብ መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ኣንበበ። ይኹን እምበር: ትርጕሙ ቕድሚ ምግላጹ: ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ: ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ሽዑ: ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ትኵር ኢሎም ናብኡ እናጠመቱ ኸለዉ: “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ” በሎም።—ሉቃ. 4:16-21

      ኵነታት ኬገድድ ከሎ ዚግበር ዕረፍቲ። ሓድሓደ ግዜ ዚዀልፍ ነገራት ኬጋጥመካ ኸሎ ኣብ ዘረባኻ ኸተዕርፍ ትግደድ ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎት ምስ ብዓል ቤት እናተዘራረብካ ኸለኻ: ብብርቱዕ ድምጺ ማካይን ምስ ዚሓልፋ ወይ ቈልዓ ምስ ዚውጭጭ ንግዜኡ ዘረባኻ ኸተቋርጽ ትግደድ ኢኻ። ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ዚካየደሉ ቦታ እቲ ረብሻ ኽሳዕ ክንድቲ ኸቢድ ምስ ዘይከውን: ምናልባት ድምጽኻ ብምውሳኽ ጥራይ ክትቅጽል ትኽእል ትኸውን። እንተዀነ ግን: እቲ ረብሻ ዓው ኢሉ ንንውሕ ዝበለ ግዜ እንተ ደኣ ቐጺሉ: ከተዕርፍ ኣሎካ። ዘረባኻ እንተ ደኣ ቐጺልካ: እቶም ሰማዕቲ ኣይኪሰምዑኻን እዮም። ስለዚ: ሰማዕትኻ ኻብቲ ኽትነግሮም ዝደለኻ ጽቡቕ ነገራት ምሉእ ጥቕሚ ምእንቲ ኺረኽቡ: ንዕረፍቲ ብዚግባእ ተጠቐመሉ።

      መልሲ ንምጽባይ ዚግበር ዕረፍቲ። እቲ እተቕርቦ መደረ ሰማዕቲ ዚሳተፉሉ እኳ እንተ ዘይኰነ ሰማዓትኻ ብቓሎም ዘይኰነስ ብኣእምሮኦም ምላሽ ንኺህቡ ኽትጽበዮም ኣድላዪ እዩ። ንሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ዚገብሮም ሕቶታት ኣቕሪብካ ኸተብቅዕ እኹል ዕረፍት እንተ ደኣ ዘይጌርካ: እቲ ሕቶታት ነቲ ዚድለ ዕላማ ኣይኪወቅዕን እዩ።

      ኣብ መድረኽ ኴንካ ኽትዛረብ ከለኻ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት ሰባት ክትምስክረሎም ከለኻ እውን ከይተረፈ ኸተዕርፍ ከም ዜድልየካ ፍሉጥ እዩ። ገሊኦም ሰባት ኪዛረቡ ኸለዉ ፈጺሞም ዜዕርፉ ኣይመስሉን እዮም። ከምዚ ዓይነት ጸገም እንተ ደኣ ኣልዩካ: ነዚ ባህርይ ዘረባ እዚ ንምምዕባል ልባዊ ጻዕሪ ግበር። ሽዑ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ይኹን ኣብ ኣገልግሎትካ እትረኽቦ ውጽኢት ኪመሓየሽ እዩ። ስለዚ እምበኣር: እናዕረፍካ ምዝራብ ኣብ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ዘሎ መልእኽቲ ንምምሕልላፍን ንምጕላሕን ኣቓልቦ ሰማዕትኻ ንምስሓብን ነቒሖም ንኺከታተሉኻን ዚጠቅም እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን።

      መዓልታዊ ዝርርብ ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ንዚግበር ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ይሓቍፍ። ካልኦት ኪዛረቡ ኸለዉ ጽን ኢልካ ብምስማዕ ንዘረባኦም ከም እተገደስካሉ ተርኢ እንተ ደኣ ዄንካ: ንሳቶም እውን ክትዛረብ ከለኻ ጽን ኢሎም ንኺሰምዑኻ ኺድረኹ እዮም። እዚ ኸኣ ክትዛረብ ከለኻ ነዊሕ ዕረፍቲ ብምግባር ሓሳባቶም ንኺገልጹ ዕድል ምሃብ ይሓትት።

      ኣብ ኣገልግሎት: ምስክርነትና ብምይይጥ እንተ ደኣ ኣቕሪብናዮ: መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢታዊ እዩ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰላም ምስ በሉ: ነቲ ዚዘራረቡሉ ርእሰ ነገር ኣፋሊጦም ሕቶ ምሕታት ኣድማዒ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ዕረፍቲ ብምግባር ነቲ ሰብ ምላሽ ንኺህብ ኣጋጣሚ ይኸፍትሉ: ሓሳቡ ምስ ገለጸ ኸኣ የመስግንዎ። ኪመያየጡ ኸለዉ ሓሳቡ ንኺገልጽ ብዙሕ ሳዕ ኣጋጣሚ ይኸፍትሉ። እቲ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዚመያየጥሉ ዘለዉ ነጥቢ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለዎ እንተ ደኣ ፈሊጦም: ብዝበለጸ ኺሕግዝዎ ኸም ዚኽእሉ ይግንዘቡ እዮም።—ምሳ. 20:5

      ንዚቐርበሉ ሕቶታት ኣወንታዊ ምላሽ ዚህብ ኵሉ ሰብ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። እዚ ግን ንየሱስ ኣብ መንጎ ዘረባኡ ብምዕራፍ ንጸላእቱ እውን ከይተረፈ ሓሳባቶም ንኺገልጹ ዕድል ካብ ምሃብ ኣይዓገቶን። (ማር. 3:1-5) ነቲ እንዛረቦ ዘሎና ሰብ ንኺዛረብ ዕድል ምሃቡ ንኺሓስብ እዩ ዜተባብዖ: ምናልባት እውን ናይ ልቡ ይገልጽ ይኸውን። ሓደ ኻብቲ ዕላማ ኣገልግሎትና: ንሰባት ነቲ ውሳነ ኺገብሩሉ ዘለዎም ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ኣገዳሲ ጕዳያት ብምጥቃስ: ልባዊ ምላሽ ኪህቡ ምልዕዓል እዩ።—እብ. 4:12

      ኣብ ኣገልግሎትና ግቡእ ዕረፍቲ ምግባር ሓደ ኽእለት እዩ። ንዕረፍቲ ብግቡእ እንተ ደኣ ተጠቒምናሉ: ሓሳባት ብንጹር ኪመሓላለፍ እዩ: ንሓዋሩ ድማ ኪዝከር እዩ።

      ብኸመይ ከም እትገብሮ

      • ዓው ኢልካ ኸተንብብ ከለኻ ንስርዓተ ነጥቢ ኣቕልበሉ።

      • ንብቑዓት ተዛረብቲ ተጠንቂቕካ ስምዓዮም: መዓስ ከም ዜዕርፉን ንኽንደይ ዚኣክል ንውሓት ከም ዜዕርፉን ድማ ተዓዘብ።

      • ሰማዕትኻ ብሓቂ ኺዝክርዎ እትደልዮም ነገር ምስ ተዛረብካ: እቲ ነጥቢ ኣብ ኣእምሮኦም ምእንቲ ኺሰርጽ ኣዕርፍ።

      • ክትዘራረብ ከለኻ ነቲ ሰብ ሓሳባቱ ኺገልጽ ሕተቶ: ምላሽ ኪህብ ከሎ ኸኣ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ክሳዕ ዚውድእ ተጸበዮ ደኣ እምበር ኣይትዅለፎ።

      መላመዲ:- ማርቆስ 9:1-13 ዓው ኢልካ ኣንብብ፣ እተፈላለየ ስርዓተ ነጥቢ ኽትረክብ ከለኻ ግቡእ ዕረፍቲ ግበር። ነቲ ንባብ ኣይትጕተቶ። ምስ ተለማመድካ: ሓደ ሰብ ኪሰምዓካ እሞ ንዕረፍቲ ዚምልከት ከኣ ርእይቶኡ ኺህበካ ተወከሶ።

  • ቀንዲ ቓላትን ሓረጋትን ብግቡእ ምጕላሕ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
    • መጽናዕቲ 6

      ቀንዲ ቓላትን ሓረጋትን ብግቡእ ምጕላሕ

      እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

      ሰማዕትኻ ነቲ እትገልጾ ዘለኻ ሓሳባት ብቐሊሉ ምእንቲ ኺርድእዎ ቓላትን ሓረጋትን ኣጕልሕ።

      ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

      ሓደ ተዛራባይ ቃላትን ሓረጋትን ብግቡእ ምስ ዜጕልሕ: ኣቓልቦ ሰማዕቱ ኺስሕብን ኬእምኖምን ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎ ኺድርኾምን ይኽእል እዩ።

      ዓው ኢልካ ኽትዛረብ ወይ ከተንብብ ከለኻ: ቃላት ብትኽክል ምውሳእ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ቐንዲ ቓላትን ሓሳባት ዝሓቘፈ መግለጺታትን ንጹር መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ብዚኽእል መገዲ ኸተጕልሖ የድሊ።

      ቃላትን ሓረጋትን ብግቡእ ምጕላሕ ኪበሃል ከሎ: ንሒደት ወይ ንብዝሕ ዝበለ ቓላት ካብ ምጕላሕ ንላዕሊ የጠቓልል። እቲ ግቡእ ቃላት ኪጐልሕ ኣለዎ። ኪጐልሕ ዘይብሉ ቓላት እንተ ደኣ ኣጕሊሕካ: ሰማዕትኻ እንታይ ትብል ከም ዘለኻ ብንጹር ስለ ዘይርድኦም: ሓሳባቶም ኪገይሽ ይኽእል እዩ። እቲ ትምህርቲ ጠቓሚ እኳ እንተ ዀነ: ቃላትን ሓረጋትን ብግቡእ እንተ ደኣ ዘይጐሊሑ ግን ንሰማዕትኻ ኸምቲ ዚድለ ገይሩ ድራኸ ኣይኬሕድረሎምን እዩ።

      መብዛሕትኡ ግዜ ብሓባር ዚዝውተር: እተፈላለየ ናይ ምጕላሕ መገድታት ኣሎ። እዚ ድማ ዓው ብምባል: ስምዒት ብምውሳኽ: ህድእ ኢልካ ብምዝራብ: ቅድሚ ወይ ድሕሪ ሓደ ሓሳብ (ወይ ኣብ ክልቲኡ) ብምዕራፍ: ከምኡውን ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ናይ ገጽ መግለጺታትን ብምግባር እዩ። ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት ቃና ድምጽኻ ብምትሓት ወይ ብምውሳኽ ኪጐልሕ ይኽእል እዩ። እቲ ግቡእ ዓይነት ምጕላሕ ኣየናይ ምዃኑ ንምውሳን ነቲ እተቕርቦ ትምህርትን ነቲ ዅነታትን ኣብ ግምት ኣእትዎ።

      እንታይ ከተጕልሕ ከም ዘሎካ ንምውሳን ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ። (1) ኣብ ዝዀነ ይኹን ምሉእ ሓሳባት: እቲ ኺጐልሕ ዘለዎ ቓላት በቲ ምሉእ ሓሳባት ጥራይ ዘይኰነስ ብትሕዝቶ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት እዩ ዚውሰን። (2) ሓደ ቐንዲ ነጥቢ ይኹን ንመረዳእታ እተቕርቦ ነጥቢ ኸተፋልጥ ክትጅምር ከለኻ: ኰታስ ሓሳባት ክትቅይር ከለኻ ንምሕባር እውን ቃላት ወይ ሓረጋት ከተጕልሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ካብ መረዳእታ ተበጊስካ ኽትድምድም ከለኻ እውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። (3) ሓደ ተዛራባይ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዘለዎ ስምዒት ንምሕባር ቃላትን ሓረጋትን ኬጕልሕ ይኽእል እዩ። (4) ናይ ሓደ መደረ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ንምሕባር እውን ቃላትን ሓረጋትን ከተጕልሕ ትኽእል ኢኻ።

      ሓደ ተዛራባይ ወይ ሓደ ንህዝቢ ዜንብብ ሰብ በዚ መገድታት እዚ ገይሩ ቓላትን ሓረጋትን ምእንቲ ኼጕልሕ: ነቲ ጽሑፍ ብንጹር ኪርድኦ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሰማዕቱ ንኼረድኦም እውን ኪብህግ ኣለዎ። ነህምያ 8:8 ብዛዕባ እቲ ብግዜ እዝራ እተዋህበ መምርሒ: “ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ኣንበቡሎም: እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማ: ገለጹሎም” ትብል። እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ንቓል ኣምላኽ ዘንበቡን ዝገለጹን ሰባት: ሰማዕቶም ነቲ እተነበሎም ትርጕሙ ኺርድእዎን ኪዝክርዎን ኣብ ግብሪ ድማ ኬውዕልዎን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚቦም ነይሮም እዮም።

      ጸገም ኪፈጥር ዚኽእል እንታይ እዩ፧ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብቲ ልሙድ መዓልታዊ ዘረባኦም: እንታይ ይብሉ ኸም ዘለዉ ኼነጽርዎ ይኽእሉ እዮም። ካልእ ሰብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ኬንብቡ ኸለዉ ግን ነየናይ ቃላት ኬጕልሕዎ ኸም ዘለዎም ምውሳኑ ኼጸግሞም ይኽእል እዩ። መፍትሒኡ ነቲ ጽሑፍ ኣነጺርካ ምርዳእ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ጽሑፍ ተጠንቂቕካ ምጽናዕ ይሓትት። ስለዚ እምበኣር: ኣብ ጉባኤ ሓደ ጽሑፍ ከተንብብ እንተ ደኣ ተመዚዝካ: ተጊህካ ኽትዳለወሉ ይግባእ።

      ገሊኦም ሰባት: ቃላትን ሓረጋትን ብግቡእ ኣብ ክንዲ ዜጕልሑ: ትርጕም ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ሓሓሊፎም ገለ ገለ ቓላት ጥራይ እዮም ዜጕልሑ። ገሊኣቶም ከኣ መስተዋድዳትን መስተጻምራትን ካብ መጠን ንላዕሊ የጕልሑ። እቲ ምጕላሕ: ሓሳባት ንምንጻር ዘይሕግዝ እንተ ደኣ ዀይኑ: ንሰማዕቲ ሓሳባቶም ከም ዚስረቕ እዩ ዚገብሮም።

      ገሊኦም ተዛረብቲ: ቃላትን ሓረጋትን ኬጕልሑ ኸለዉ እምብዛ ዓው ስለ ዚብሉ: ሰማዕቶም ዚግንሑ ዘለዉ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ፍረ ኣየምጽእን እዩ። ሓደ ተዛረባይ ኬጐልሕ ከሎ ብባህርያዊ መገዲ እንተ ደኣ ዘየጕሊሕዎ: ንሰማዕቱ ዚወራዘየሎም ዘሎ ኺመስል ይኽእል እዩ። ንሰማዕትኻ ብፍቕሪ ኽትቀርቦም: እቲ ትብሎ ዘለኻ ድማ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተን ርትዓውን ምዃኑ ንኺግንዘቡ ኽትሕግዞምሲ ኣየ ኽንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!

      ከመይ ጌርካ ኸም እተመሓይሽ። ቃላትን ሓረጋትን ናይ ምጕላሕ ጸገም ዘለዎ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ጸገሙ ኣይርድኦን እዩ። ካልእ ሰብ ኪሕብሮ የድልዮ። በዚ መዳይ እዚ ምምሕያሽ ዜድልየካ እንተ ደኣ ዀይኑ: እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኺሕግዘካ እዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ንፉዕ ተዛራባይ እውን ከይተሰከፍካ ምኽሪ ሕተት። ከተንብብ ከለኻን ክትዛረብ ከለኻን ተጠንቂቑ ኺሰምዓካ እሞ ኸተመሓይሸሉ ዜድልየካ ነጥብታት ኪሕብረካ ተወከሶ።

      እቲ ምኽሪ ዚህብ ሓው: ከም መበገሲ ኻብ ግምቢ ዘብዐኛ ሓንቲ ዓንቀጽ መሪጽካ ኽትለማመድ ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። እተወሰነ ምሉእ ሓሳባት ትርጕሙ ብቐሊሉ ዚርዳእ ምእንቲ ኪኸውን: ነየናይ ቃላትን ሓረጋትን ከተጕልሕ ከም ዘሎካ ንምውሳን ነቲ ምሉእ ሓሳባት እቲ ተንቲንካ ኸተጽንዖ ኺነግረካ እዩ። ነቲ ብሰያፍ እተጻሕፈ ገለ ገለ ቓላት ከተተኵረሉ እውን ኬዘኻኽረካ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ዘሎ ቓላት ተጠርኒፉ ትርጕም ከም ዚህብ ኣይትረስዕ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ፍሉይ ቃል ዘይኰነስ እኩብ ቃላት እዩ ኺጐልሕ ዘለዎ።

      እንታይ ከም እተጕልሕ ንኽትፈልጥ ዚሕግዘካ ኻልኣይ ነጥቢ ኸኣ: እቲ ምኽሪ ዚህበካ ሓው ኣብ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ትሕዝቶ እንታይ ምዃኑ ንኽትፈልጥ ኪመኽረካ ይኽእል እዩ። እቲ ሕጡብ ጽሑፍ እንታይ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ፧ ነቲ ኣብ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ከተጕልሖ ዘሎካ ቓላት ወይ ሓረጋትከ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧ ኣርእስቲ እቲ ጽሑፍን ነቲ ልዕሊ እቲ እተቕርቦ ጽሑፍ ዘሎ ብድሙቕ እተጻሕፈ ንኡስ ኣርእስትን ርኣዮ። እዚኸ ነቲ እተጕልሖ ሓሳብ ንኽትመርጽ ብኸመይ እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧ ንዅሉ እዚ ነጥብታት እዚ ኽትሓስበሉ ኣሎካ። እንተዀነ ግን: እተጕልሖ ቓላት ኣመና ኸይበዝሕ ክትጥንቀቕ ኣሎካ።

      እቲ ምኽሪ ዚህበካ ሓው: እተዋጽአ ጽሑፍ ሒዝካ መደረ ኽትህብ ከለኻ ይኹን ከተንብብ ከለኻ: ነቲ ንሓደ ነጥቢ ዚወሃቦ መብርሂ ኣብ ግምት ብምእታው ቃላትን ሓረጋትን ከተጕልሕ ኬተባብዓካ ይኽእል እዩ። ንሓደ ነጥቢ ዚወሃቦ መረዳእታ እተብቅዓሉ ወይ ከኣ ካብ ሓደ ኣገዳሲ ሓሳብ ናብ ካልእ ሓሳብ እትሰጋገረሉ ቦታ ኸተቕልበሉ ኼድልየካ እዩ። መደረ ኸተቕርብ ከለኻ ነዚ ነጥብታት እዚ ንጹር እንተ ደኣ ጌርካዮ: ሰማዕትኻ ብቐሊሉ ኺርድኦም እዩ። እዚ ኸኣ ከም እኒ ቕድም ቀዳድም: ቀጺሉ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ስለዚ: ከምኡውን በዚ ምኽንያት እዚ ዝኣመሰሉ ቓላት ብምዝውታር ኪግበር ይከኣል።

      እቲ ምኽሪ ዚህበካ ሓው: ናብቲ ፍሉይ ስምዒት ከተንጸባርቐሉ ዜድልየካ ሓሳባት ከም እተተኵር እውን ኪገብረካ ይኽእል እዩ። እዚ ንምግባር ከኣ ከም እኒ ኣዝዩ: ምሉእ ብምሉእ: ከቶ: ዘይሕሰብ እዩ: ኣገዳሲ: ከምኡውን ወትሩ ዝኣመሰሉ ቓላት ከተጕልሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ሰማዕትኻ ብዛዕባ እቲ እትዛረቦ ዘለኻ ነገራት ኣብ ዜሕድርዎ ስምዒት ጽልዋ ኺገብረሎም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብታ “ምዉቕን ስምዒት ዜንጸባርቕን ኣዘራርባ” እትብል መጽናዕቲ 11 ኪቐርብ እዩ።

      ቃላትን ሓረጋትን ናይ ምጕላሕ ክእለትካ ንምምሕያሽ: ነቲ ሰማዕትኻ ኺዝክርዎ እትደልዮም ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ኣነጺርካ ንኽትፈልጦ እውን ምትብባዕ ኪወሃበካ እዩ። ነዚ ዚምልከት ኣብታ ንህዝቢ ኸተንብብ ከለኻ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ እትገልጽ “ቀንዲ ሓሳባት ምጕላሕ” እትብል መጽናዕቲ 7: ከምኡውን ኣብታ ኽትዛረብ ከለኻ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ እትገልጽ “ቀንዲ ነጥብታት ምጕላሕ” እትብል መጽናዕቲ 37 ተወሳኺ መብርሂ ኺወሃብ እዩ።

      ኣብ ኣገልግሎት ከተመሓይሽ ትደሊ እንተ ደኣ ዄንካ: ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርካ ኸም እተንብብ ኣቕልብ። ወትሩ ንርእስኻ ‘ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ስለምንታይ እየ ዘንብባ ዘለኹ፧’ ኢልካ ተወከስ። ሓደ መምህር: ንቓላት ብግቡእ ምዝራቡን ነታ ጥቕሲ ስምዒት ብዘለዎ መገዲ ምንባቡን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ንዚሓተተካ ሕቶ ኽትምልስ ከለኻ: ወይ ከኣ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ኽትምህር ከለኻ: ነቲ ምይይጥኩም ዚድግፍ ኣብታ ጥቕሲ ዘሎ ቓላት ከተጐልሖ ኣሎካ። እንተ ዘይኰነ ግን እቲ እተንብበሉ ዘለኻ ሰብ ነቲ ነጥቢ ኺስሕቶ ይኽእል እዩ።

      ሓደ ተመክሮ ዘይብሉ ተዛራባይ ቃላትን ሓረጋትን ኬጕልሕ ከሎ ኣጸቢቑ ኺጸቕጠሉ ይኽእል እዩ። ሳዕቤኑ ድማ ምስቲ ሓደ ሙዚቃ ዚመሃር ተልመዴን ዚወቕዖ ኖታ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ብዙሕ ምስ ተለማመደ ግን እቲ እተፈላለየ “ኖታ” ክፍሊ እቲ ንምስማዑ ባህ ዜብል “ሙዚቃ” ይኸውን።

      መጀመርታ ነቲ መሰረታዊ ነገራት እንተ ደኣ ተማሂርካዮ: ደሓር እቶም ተመክሮ ዘለዎም ተዛረብቲ ንዜቕርብዎ መደረ ብምዕዛብ ክትጥቀም ኢኻ። ነዊሕ ከይጸናሕካ ድማ ብእተፈላለየ መጠን ዚግበር ምጕላሕ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዚህብ ከተስተብህል ኢኻ። ነቲ እትዛረቦ ዘለኻ ትርጕሙ ንምንጻር ኢልካ ብእተፈላለየ ኣገባባት ምጕላሕ እንታይ ግደ ኸም ዘለዎ እውን ክትግንዘብ ኢኻ። ቃላትን ሓረጋትን ብግቡእ ምስ እተጕልሕ ንባብካን ዘረባኻን ዝያዳ ውጽኢታዊ ይኸውን።

      ቃላትን ሓረጋትን ብግቡእ ምጕላሕ ክፍሊ ንኸተቕርብ ጥራይ ኢልካ ኪኸውን የብሉን። ዘረባኻ ውጽኢታዊ ምእንቲ ኪኸውን: ነዚ ባህርይ ዘረባ እዚ ኽሳዕ እትመልኮን: ንሰማዕትኻ ድማ ባህርያዊ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ክሳዕ እትገብር ዕየየሉ።

      ብኸመይ ከም እተማዕብሎ

      • ኣብ ውሽጢ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ዘሎ ቐንዲ ቓላት መምዮ። ነዚ ድማ በቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ግበሮ።

      • (1) ሓሳባት ኪቕየር ከሎ: ከምኡውን (2) ብዛዕባ እቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ነጥቢ ዘሎካ ስምዒት ንምሕባር ከተጕልሕ ጽዓር።

      • ጥቕሲ ኸተንብብ ከለኻ: ምስቲ ዝጠቐስካሉ ሓሳብ ዚተሓሓዝ ደጋፊ ቓላት ናይ ምጕላሕ ልምዲ ይሃሉኻ።

      መላመዲ:- (1) ኣብ ኣገልግሎት ብተደጋጋሚ እትጥቀመሉ ኽልተ ጥቕስታት ምረጽ። በተን ጥቕስታት ጌርካ እንታይ መርትዖ ኸተቕርብ ከም እትደሊ ወስን። ድሕሪኡ ነቲ መርትዖ እቲ ዚድግፍ ኣብተን ጥቕስታት ዚርከብ ቃላት እናጕላሕካ ዓው ኢልካ ኣንብቦ። (2) እብራውያን 1:1-14 ኣጽንዓያ። ነቲ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ዘሎ መረዳእታ ንምንጻር: እተን “ነብያት” (ቍ. 1): “ወዱ” (ቍ. 2): ከምኡውን “መላእኽቲ” (ቍ. 4, 5) ዚብላ ቓላት ኪጐልሓ ዘለወን ስለምንታይ እየን፧ ነቲ ቐሪቡ ዘሎ መረዳእታ እናኣተኰርካሉ: ቃላትን ሓረጋትን ብምጕላሕ ነታ ምዕራፍ ብምልእታ ኣንብባ።

  • ቀንዲ ሓሳባት ምጕላሕ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
    • መጽናዕቲ 7

      ቀንዲ ሓሳባት ምጕላሕ

      እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

      ዓው ኢልካ ኸተንብብ ከለኻ: ንዝዀነ ይኹን ምሉእ ሓሳባት ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኣብቲ ዚንበብ ዘሎ ጽሑፍ ዚርከብ ቀንዲ ሓሳባት ብፍላይ ኣጕልሕ።

      ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

      ቀንዲ ሓሳባት እንተ ኣጕሊሕካ: መልእኽትኻ ንምዝካሩ ዝቐለለ ይኸውን።

      ንፉዕ ኣንባቢ ነቲ ዜንብቦ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት: ወይ ሕጡብ ጽሑፍ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብኡ ንላዕሊ እዩ ኣብ ግምት ዜእቱ። ኬንብብ ከሎ: ነቲ ኣብ ብምሉኡ እቲ ጽሑፍ ዘሎ ቐንዲ ሓሳባት እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ዚሕዝ። እዚ ኸኣ ነቲ ዜጕልሓሉ መገዲ ይጸልዎ።

      እዚ መስርሕ እዚ እንተ ዘይተሳዒቡ: ኣብቲ መደረ ዚጐልሕ ነጥብታት ኣይኪህሉን እዩ። ዋላ ሓንቲ ነገር ፍልይ ኢሉ ኣይንጽርን እዩ። እቲ ትምህርቲ ምስ ተዛዘመ: ትዝ ዚብለካ ጐሊሑ ዝወጸ ነጥቢ ኣይህሉን።

      ቀንዲ ሓሳባት ንምጕላሕ ግቡእ ቈላሕታ እንተ ተገይሩሉ: ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብቦ ጸብጻብ ብዝያዳ ህያው ኣብ ምግባር ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምጕላሕ: ነቲ ኣብ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚግበር ንባብ ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዎ ይገብር። ብፍላይ ኣብ ከም ዓበይቲ ኣኼባታት ዚግበር ብንባብ ዚቐርብ መደረ ድማ ኣገዳስነት ኣለዎ።

      ብኸመይ ከም እትገብሮ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ትምደብ ትኸውን። እንታይ ኢኻ ኸተጕልሕ ዘሎካ፧ እቲ እተንብቦ ሓሳባት ዜተኵረሉ ቐንዲ ነጥቢ ወይ ኣገዳሲ ፍጻመ እንተ ኣልዩ: እዚ ኺጐልሕ ይግባእ።

      እቲ እተንብቦ ዘለኻ ግጥሚ ይኹን ካልእ ዝርዝር ንባብ: ምስላ ይኹን ታሪኽ: ብዚግባእ እንተ ኣንቢብካዮ እዮም ሰማዕትኻ ዚጥቀሙ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ነዚ ንምግባር ነቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኰነ ንሰማዕትኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ።

      ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ኻብ ጽሑፋትና ኸተንብብ እንተ ዄንካ: ከተጐልሖ ዘሎካ ቐንዲ ሓሳባት እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዚርከብ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕቶታት ከም ቀንዲ ሓሳባት ጌርካ ርኣዮ። ነቲ ምስቲ ብድሙቕ ፊደላት እተጻሕፈ ንኡስ ኣርእስቲ እተተሓሓዘ ሓሳባት እውን ኣጕልሓዮ።

      ኣብ ጉባኤ እተቕርቦ መደረ: ብንባብ መልክዕ ከተቕርቦ ጽቡቕ ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ግን ኣብ ኵሉ ዓበይቲ ኣኼባታት ሕደ ሓሳባት ምእንቲ ኪቐርብ ተባሂሉ ብንባብ ዚቐርብ መደረ ይወሃብ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደረ ነቲ ቐንዲ ሓሳባት ንምጕላሕ: እቲ ተዛራባይ ነቲ ጽሑፍ ተጠንቂቑ ኺምርምሮ ኣለዎ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት እንታይ እዩ፧ ነዚ ኺፈልጦ ኪኽእል ኣለዎ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት: ኣገዳሲ ዀይኑ ዚስምዖ ሓሳባት ጥራይ ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ጽሑፍ እተመስረተሉ ኣገዳሲ ሓሳባት እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ብንባብ ዚቐርብ መደረ: ንሓደ ዛንታ ወይ መረዳእታ ኸም መእተዊ ዀይኑ ዚቐርብ ሓጺርን ንጹርን ቀንዲ ሓሳባት ኣሎ። ብዙሕ ሳዕ: ሓደ ዚድግፍ መርትዖ ድሕሪ ምቕራቡ ሓያል መልእኽቲ ዘለዎ ሓሳባት ይወሃብ እዩ። እቲ ተዛራባይ ነዚ ቐንዲ ነጥብታት እዚ ምስ ኣለለየ: ኣብቲ ጽሑፍ ምልክት ኪገብረሉ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ሒደት ቀንዲ ነጥብታት እዩ ዚህሉ: ምናልባት እውን ካብ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዚበዝሕ ኣይከውንን እዩ። ድሕሪኡ: እቶም ሰማዕቲ ነዚ ብቐሊሉ ኼለልይዎ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ ንባብ ኪለማመድ ኣለዎ። እዚ ኣብቲ መደረ ጐሊሑ ዚወጽእ ነጥብታት እዩ። እቲ ጽሑፍ ብግቡእ እናጐልሐ እንተ ቐሪቡ: እቲ ቐንዲ ሓሳባት መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ እዩ ዚዝከር። ዕላማ እቲ ተዛራባይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን ኣለዎ።

      ሓደ ተዛራባይ: እቶም ሰማዕቲ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ከም ዜለልይዎ ገይሩ ኼጕልሓሉ ዚኽእለሉ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ገለ ኻብዚ ብውዕዉዕ መገዲ ምቕራብ: ፍጥነት ምቅይያር: ስምዒቱ ብዕምቈት ምግላጽ: ወይ ግቡእ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምጥቃም ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።

      ኪዝከር ዚግባእ ነጥብታት

      • ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ንምልላይ ነቲ ጽሑፍ ተንትኖ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ምልክት ግበረሉ።

      • ዓው ኢልካ ኸተንብብ ከለኻ: ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ፈሊኻ ንምንጻር: ከከም ኣድላይነቱ ብውዕዉዕ መገዲ: ፍጥነትካ ብምንካይ: ወይ ኣብኡ ዘሎ ስምዒት ብዕምቈት ብምግላጽ ኣቕርብ።

      መላመዲ:- ካብቲ ንመጽናዕቲ እተመደበ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ ዓንቀጽ ሓሙሽተ ሕጡብ ጽሑፍ ምረጽ። ነቲ ሕቶታቱ ዚኸውን መልስታት ኣስምረሉ። ሰማዕቲ ነቲ መልስታት ብቐሊሉ ኸም ዜለልይዎ ጌርካ ነቲ ሓሙሽተ ሕጡብ ጽሑፍ ዓው ኢልካ ኣንብቦ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ