ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዕለት
እዛ ዕለት እዚኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ዝሞተላ ዕለት እያ። ሞት የሱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብዙሕ ምኽንያታት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።
የሱስ ክሳዕ ሞት ዘርኣዮ ተኣማንነት፡ ሰብ ንኣምላኽ ዘለዎ ንጽህና ኺሕሉ ኸም ዚኽእል ኣረጋጊጹ እዩ።
ሞት ክርስቶስ ንገሊኣቶም ደቂ ሰብ፡ ምስኡ ኣብ ሰማይ መጋዝእቱ ንኪዀኑ እውን ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ንብዙሓት ካልኦት ኣብ ምድራዊት ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ።
የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት፡ ነቲ ብፍቕሪ ዝሃቦ ሰብኣዊ መስዋእቲ ኸም ተምሳል ኰይኑ ንኼገልግል ኢሉ ዘይበዅዐ ቕጫን ቀይሕ ወይንን ተጠቕመ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በሎም። (ሉቃስ 22:19) ንስኻኸ ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ኽትዝክሮ ዲኻ፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዝኽሪ ሞት የሱስ ምሳታቶም ኴንካ ንኸተብዕሎ ብኽብሪ ይዕድሙኻ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ እዚ በዓል እዚ ሓሙስ 9 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺውዕል እዩ። ኣብቲ ዚቐርበካ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ንምፍላጥ ኣብ ከባቢኻ ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወከሶም።