ኣብቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ኣተኵር
የሱስ ካብ ሞት ካብ ዚትንስእ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ የሩሳሌም ናብ ኤማሁስ ይጐዓዙ ነበሩ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዚርከብ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። ከየለልይዎ ግን ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ።” ድሕሪኡ፡ የሱስ፡ “እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧” በሎም። ስለምንታይ እዮም ጕህዮም፧ የሱስ ንእስራኤላውያን ካብ ግዝኣት ኣህዛብ ናጻ ዜውጽኦም መሲልዎም እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ግን ከይተፈጸመ ተረፈ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ የሱስ ተቐትለ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ጕህዮም።—ሉቃ. 24:15-21፣ ግብ. 1:6።
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኼዘራርቦም ጀመረ። “ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ።” ብሓቂ ኸኣ፡ የሱስ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዙሕ ኣገዳስን እምነት ዜደልድልን ፍጻመታት ኣጋጢሙ እዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንመግለጺ የሱስ ምስ ሰምዑ፡ ጓሂኦም ናብ ሓጐስ ተቐየረ። በታ ምሸት እቲኣ ኸኣ፡ “እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧” በሉ። (ሉቃ. 24:27, 32) ካብቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝሃብዎ ምላሽ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
ዘይተፈጸመ ትጽቢታት ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧
እቶም ናብ ኤማሁስ ዚጐዓዙ ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ዝጐሃዩ፡ ትጽቢታቶም ስለ ዘይተፈጸመ እዩ። ከምቲ ኣብ ምሳሌ 13:12 ተገሊጹ ዘሎ እዩ ኣጋጢምዎም፣ እታ ጥቕሲ፡ “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ” ትብል። ብተመሳሳሊ፡ ገሌና ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊልናዮ ኢና፣ እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኽሳዕ ሕጂ ዚጸንሕ እውን ኣይመሰለናን ነይሩ። (ራእ. 7:14፣ ማቴ. 24:21) ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ብምኽንያት ዘይተፈጸመ ትጽቢታት ክንጕሂ ንኽእል ኢና።
ይኹን እምበር፡ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ እንደገና እተሓጐሱ፡ የሱስ ኣብ ፍጻመታት ትንቢታት ንኼተኵሩ ምስ ሓገዞም ምዃኑ ኣይትረስዕ፣ ገሊኡ ትንቢታት እሞ ኸኣ ገና ብህይወት ከለዉ እዩ ተፈጺሙ። ንሕና እውን ውሽጣዊ ሓጐስና ኽንዕቅብን ምስ ጓሂ ኽንቃለስን እንኽእል፡ ከምኡ እንተ ጌርና ኢና። ሓደ ማይክል ዚበሃል ምኩር ክርስትያን ሽማግለ፡ “ኣብቲ የሆዋ ገና ዘይገብሮ ነገራት ኣይተተኵር። የግዳስ፡ ኣብቲ ድሮ ዝገበሮ ነገራት ኣተኵር” በለ። ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ምኽሪ ዀን እዩ!
የሆዋ ዝገበረልና ነገራት
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ዝገበረልና ዜደንቕ ነገራት እስከ ሕሰብ። የሱስ፡ “እቲ ብኣይ ዚአምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዐቢውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ። (ዮሃ. 14:12) ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓብዪ ክርስትያናዊ ዕዮ እዮም ዚዓዩ ዘለዉ። ካብ ብርቱዕ ጸበባ ኺድሕኑ ትጽቢት ዚገብሩ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ኣለዉ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ከም ሎሚ ገይሮም ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ መላእ ምድሪ ኣብ ዚርከባ ሃገራት ብንጥፈት ዓይዮም ኣይፈልጡን እዮም። ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ፡ ነቲ፡ “ብኣይ ዚአምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዐቢውን ከም ዚገብር” ዚብል ትንቢታዊ ቓላት የሱስ ከም ዚፍጸም ይገብር ኣሎ።
የሆዋ ኻልእከ እንታይ እዩ ገይሩልና፧ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብምሳልያዊ መገዲ ኻብዛ እክይቲ ዓለም ወጺኦም፡ ናብቲ ንሱ ዘዳለዎ መንፈሳዊ ገነት ከም ዚኣትዉ ገይሩ እዩ። (2 ቈረ. 12:1-4) ግዜ ወሲድካ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ መንፈሳዊ ገነት እዚ እንረኽቦ ነገራት እስከ ኣስተንትን። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ቤትካ ወይ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ርኣዮ። ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ወይ ዎችታወር ላይብረሪ መርምር። እተቐድሐ ድራማታት መጽሓፍ ቅዱስ ወሊዕካ ስማዕ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ብዛዕባ ዝሰማዕካዮን ዝረኣኻዮን ነገራት ኣስተንትን። ምስ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባ ዘለና ጥዑይ ምሕዝነት እውን ሕሰብ። የሆዋ፡ እኹል መንፈሳዊ ምግብን ፍቕሪ ዝሰፈኖ ሕውነትን ስለ ዝሃበና፡ ብሓቂ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ኢና ዘለና።
ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ጐይታይ፡ ኣምላኸየ፡ ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ” በለ። (መዝ. 40:5) እወ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ድሮ ዝገበረልና ነገራትን ብዛዕባ ሓልዮቱን እንተ ኣስተንቲንና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ብምሉእ ልብና ኣብ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብተኣማንነት ንኽንጸንዕ ዚሕግዘና ሓድሽ ብርታዐ ኽንረክብ ኢና።—ማቴ. 24:13።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብቲ የሆዋ ድሮ ዝገበረሎም ነገራት ኬተኵሩ ሓገዞም
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእልታት]
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ብዛዕባ ዝሰማዕካዮን ዝረኣኻዮን ነገራት ኣስተንትን