ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ብትብዓት ኣዊጆም
ከምቲ ኣብተን ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ መስክር’ ከምኡውን ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስተን ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ምጽራር እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ትብዓትን ቈራጽነትን ኣርእዮም እዮም። ንሕና እውን ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺወሃበናን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ብትብዓት ምእንቲ ኽንዛረብን፡ ንየሆዋ ንልምኖ ኢና።—ግብ. 4:23-31።
ሓደ ሓው ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ስብከት ኪገልጽ ከሎ፡ ከምዚ በለ፦ “ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነታ ዘ ፊኒሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ ሻውዐይቲ ጥራዝ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ብትግሃት እዮም ዘርጊሖምዋ። እታ መጽሓፍ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ እያ ተዘርጊሓ። ብ1918 ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 1 ወጸት። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ሰበ ስልጣን ነታ ዘ ፊኒሽድ ሚስትሪ እትብሃል መጽሓፍ ስለምንታይ ከም ዝኣገድዋ ዚገልጽ ሓሳብ ዝሓዘት ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 2 ወጸት። ደድሕሪ እዚ ድማ፡ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 3 ወጸት። እቶም እሙናት ዝዀኑ ኽፍሊ ቕቡኣት፡ ነቲ ጽሑፋት ብስፍሓት እዮም ዘርጊሖምዎ። ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ምዝርጋሕ፡ እምነትን ትብዓትን ዚሓትት እዩ ነይሩ።”
ሎሚ፡ ሓደስቲ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣገልግሎት ይስልጥኑ እዮም፣ ቀደም ግና ኸምኡ ኣይነበረን። ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ካብ ፖላንድ ዝመጸ ሓው፡ ነቲ ብ1922 ንፈለማ እዋን ኣብ ኣገልግሎት እተኻፈለሉ ግዜ ብምዝካር ከምዚ በለ፦ “ጽሑፍ ብኸመይ ከም ዘበርክት ዘይፈልጥ ኣብ ርእሲ ምንባረይ፡ እንግሊዝኛ እውን ጽቡቕ ገይረ ኣይክእልን እየ ነይረ፣ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግና፡ ንበይነይ ናብ እንዳ ሓደ ሓኪም ከይደ ዃሕኳሕኩ። ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ከኣ ከፈተትለይ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ሓጐስን ፍርህን ተሓዋዊሱኒ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ሽዑ ዘጋጠመኒ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ቦርሳይ ክፍት ምስ ኣበልክዎ፡ ብምሉኡ መጻሕፍተይ ኣብ እግሪ እታ ኣላዪት ሕሙማት ተበተነ። ሽዑ እንታይ ከም ዝበልክዋ ዘይዝክሮ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ሓደ ጽሑፍ ኣበርከትኩላ። ድሕሪኡ ግና፡ ትብዓት ዝረኸብኩን የሆዋ ዝባረኸንን ኰይኑ ተሰምዓኒ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ቦታታት ንግዲ ብዙሕ ንኣሽቱ ጽሑፋት ኣበርከትኩ።”
ሓንቲ ሓብቲ፡ “ኣብ ከባቢ 1933፡ ብዙሓት ኣሕዋት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ፡ መጕልሒ ድምጺ እተገጥመለን ማካይን ይጥቀሙ ነበሩ” በለት። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንሳን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብ ሓዳርን ኣብ ሓደ ኣብ ካሊፎርንያ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ኣኽራን ዝበዝሖ ኸባቢ የገልግሉ ነበሩ። እታ ሓብቲ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “እቲ ሓው ነታ መጕልሒ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ሒዙ ናብቲ ኣኽራን ከደ፣ ንሕና ግና ኣብቲ ኸተማ ተረፍና። ነቲ እተቐድሐ መልእኽቲ ምስ ወልዖ፡ እቲ ድምጺ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዝነበረ እዩ ዚመስል ነይሩ። እቶም ተቐማጦ እታ ኸተማ ነቲ ሓው ንኺረኽብዎ ሒዅ እኳ እንተ በሉ፡ ኣይኰነሎምን። እቲ መልእኽቲ ምስ ተዛዘመ፡ ናብቶም ሰባት እናኸድና ንምስክረሎም ነበርና። መጕልሒ ድምጺ ምስ እተገጥመለን ክልተ ኻልኦት ማካይን ዓዪየ ስለ ዝፈልጥ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ኻብተን ማካይን ዚመጽእ ዝነበረ መልእኽቲ ኺሰምዕዎ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። ፈትዮም ጸሊኦም ግና፡ ኣብ ቤቶም ኰይኖም ነቲ ኻብተን ማካይን ዚመጽእ ዝነበረ መልእኽቲ ምስማዖም ኣይተረፎምን። የሆዋ ወትሩ ኣብ ግቡእ እዋን ግቡእ ሜላ ኸም እንጥቀም ይገብር ነበረ። እቲ ሜላ ኸኣ፡ ተባዓት ክንከውን ዚሓትት እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ሜላ ወትሩ ዕላማኡ ይወቅዕን ስም የሆዋ ይኸብርን ነበረ።”
ብ1930ታትን ኣብ መጀመርታ 1940ታትን፡ ፎኖግራፍን እተቐድሐ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነበረ። ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ፡ ፎኖግራፍ ሒዛ ኻብ ቤት ናብ ቤት ተገልግል ነበረት። ኣብ ሓደ ገዛ ነቲ እተቐድሐ መደረ ምስ ወልዓቶ፡ እቲ ብዓል ቤት ኣመና ስለ ዝሓረቐ፡ ነቲ ፎኖግራፍ ካብቲ ኣፍ ደገ ቐልዖ። ኰይኑ ግና፡ ሓንቲ ቕዳሕ እውን እንተ ዀነት ኣይተሰብረትን። ኣብ ሓንቲ ደው ኢላ ዝነበረት ናይ ጽዕነት ማኪና ዀይኖም ምሳሖም ዚበልዑ ዝነበሩ ሰለስተ ሰብኡት፡ ነቲ ዘጋጠመ ነገር ምስ ረኣዩ፡ ነታ ሓብቲ ጸዊዖም፡ ነቲ እተቐድሐ መደረ ኽትውልዓሎም ሓተትዋ፣ ጽሑፋት ድማ ወሰዱ። በዚ ኸምዚ እታ ሓብቲ ተኻሕሰት።” ንኸምዚ ዓይነት ፈተናታት ንኽትጻወሮ፡ ትብዓት ይሓትት ነበረ።
እታ ሓብቲ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ በለት፦ “ነቲ ብ1940 ኣብ መገዲ ዚግበር ናይ መጽሔት ምስክርነት ዝጀመረሉ እዋን እዝክሮ እየ። ቅድሚኡ፡ መልእኽቲ ዝሓዘ ፖስተራት ሒዝና ኢና እንዘውር ኔርና። ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ‘ሃይማኖት፡ መፈንጠራን መታለልን እዩ’ ኸምኡውን ‘ንኣምላኽን ነቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስን ኣገልግሉ’ ዚብል ፖስተራት ተሰኪሞም፡ ናጻ ትራክት ከኣ እናዓደሉ ብመገዲ ኣጋር ይኸዱ ነበሩ። ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ምክፋል፡ ትብዓት ዚሓትት እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ዕዮ፡ ስም የሆዋ ዀነ ህዝቡ ብሰባት ንኺፍለጡ ሓጊዙ እዩ።”
ካልእ ሓብቲ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብርቱዕ ምጽራር ኣብ ዚወርደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ንኣሽቱ ኸተማታት ኣብ ጐደናታት ኴንካ መጽሔት ምዕዳል፡ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ ነይሩ። . . . መጽሔታት ሒዝካ ኣብ ኣንጎሎ ደው ብምባል፡ እተነግረካ ጭርሖ ምድሃይ፡ ትብዓት ዚሓትት እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ወትሩ ቐዳም ከምኡ ንገብር ነበርና። ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ብጽቡቕ የዘራርቡና ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣመና እተቘጥዑ ሰባት ኪተኣኻኸቡ ይጅምሩ፣ መብዛሕትኡ እዋን ድማ፡ ካብ እምባጋሮ ንምምላጥ፡ ከምዛ ኣብኣ ዘይነበርና፡ ሰተት ኢልና ንኸይድ ነበርና።”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም መስጐጕቲ እናወረዶም ክነሱ፡ ብትብዓት የገልግሉ ነበሩ። ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኻብ 1 ታሕሳስ 1940 ክሳዕ 12 ጥሪ 1941 ን43 መዓልቲ እተገብረ ወፈራ፡ ዳርጋ 50,000 ዚዀኑ ኣስፋሕቲ፡ “ትብዓት” ተባሂሉ ኣብ ዚፍለጥ እዋን ምስክርነት፡ ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ንኣሽቱ ጽሑፋት ኣበርከቱ።
ብዙሓት ኣብ ውድብ የሆዋ ዚርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠሞም ትብዓት ዚሓትት ጸገማት ብንጹር ይዝክርዎ እዮም። ገሊኣቶም ነታ ብተደጋጋሚ ዚጠቕስዋ ዝነበሩ ብዛዕባ ትብዓቶም እትገልጽ፡ “ክሳዕ መወዳእታ ተዋግኡ” እትብል ብሂል ይዝክርዋ እዮም። እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምጥፍኡ፡ እቲ ኣምላኽ ዚህበና መልእኽቲ ብዛዕባ ዚህልዎ መልክዕ፡ ብሕጂ ዚርአ እዩ። ብሓገዝ ኣምላኽ ግና፡ ንቓል ኣምላኽ ብእምነትን ብትብዓትን ክንእውጆ ኢና።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋል፡ ወትሩ ትብዓት ይሓትት